ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/9 ገጽ 11-13
  • መጽሓፍ ቅዱስ በዴል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ በዴል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቋንቋ ኣይርላንድ ንኸይዝውተር እተላዕለ ተቓውሞ
  • ፕሮጀክት ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ በዴል
  • ኣብ መወዳእታ ተሓትመ
  • ንእሽቶ ግናኸ ኣገዳሲ ስጕምቲ
  • ቅድሚ ሕጂ ኻብ ዝወሰድክዎ እቲ ዝበለጸ ዕረፍቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሮበርት ቦይል
    ንቕሑ!—2013
  • ንኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ዝምልከት ኣገዳሲ ፍጻመ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ጸገማት ወድሰብ ዘኽትመሉ ግዜ ኽመጽእ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/9 ገጽ 11-13
የሆዋ ዚብል ስም ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ በዴል

መጽሓፍ ቅዱስ በዴል ንዝሓሸ ምርዳእ መጽሓፍ ቅዱስ ንእሽቶ ስጕሚ

ብ1627 እንግሊዛዊ ኻህን ዊልያም በዴል ናብ ኣይርላንድ ምስ ከደ፡ በቲ ኣብኡ ዝጸንሖ ዅነታት ደንጸዎ። እዛ ብኣመንቲ ካቶሊክ እተዓብለለት ሃገር፡ በታ ብሰዓብቲ ፕሮተስታንት ዝቘመት ሃገረ ብሪጣንያ ትግዛእ ነበረት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ተሓድሶ ፕሮተስታንት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ናብ ዚርከብ ቋንቋታት ተርጒሞምዎ ነበሩ። እንተዀነ ግና፡ ናብ ቋንቋ ኣይርላንድ ኪትርጕም ዝተገደሰ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይነበረን።

በዴል፡ ህዝቢ ኣይርላንድ፡ “ቋንቋ እንግሊዝኛ ብዘይ ምፍላጦም ጥራይ ዕሽሽ ኪብሃሉ ግቡእ ከም ዘይኰነ” ይኣምን ነበረ። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ኣይርላንድ ኬዳሉ ኣንቀደ። ይኹን እምበር፡ ብፍላይ ካብ ሰዓብቲ ፕሮተስታንት ሓያል ምጽራር ኣጋጠሞ። ስለምንታይ፧

ቋንቋ ኣይርላንድ ንኸይዝውተር እተላዕለ ተቓውሞ

ዊልያም በዴል

በዴል ቋንቋ ኣይርላንድ ንኺምሃር ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። ሓለቓ እቲ ኣብ ዱብሊን ዝነበረ ኮሌጅ ስላሴ ኣብ ዝነበረሉ ግዜን ጸኒሑ ኣቡን ኪልሞረ ምስ ኰነን፡ ተመሃሮኡ ቛንቋ ኣይርላንድ ኪምሃሩ የተባብዕ ነበረ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ቀዳማዊት ንኮሌጅ ስላሴ ዝመስረተቶ፡ ንተገዛእታ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ኣዴኦም ኪምህሩ ዚኽእሉ ኣገልገልቲ ንምፍራይ እዩ ነይሩ። በዴል ድማ ነዚ ንምግባር እዩ ዚጽዕር ነይሩ።

ናብ ሰበኻ ኣቡን ኪልሞረ ዚመጹ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ቋንቋ ኣይርላንድ ዚዛረቡ እዮም ነይሮም። ስለዚ ድማ በዴል፡ ቋንቋ ኣይርላንድ ዚዛረቡ ኣገልገልቲ ግድን ኪህልዉ ኸም ዘለዎም ተማሕጸነ። እዚ ምሕጽንታ እዚ ዘቕረበ ድማ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:19፡ “ንኻልኦት እውን ብኣፍ ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ጉባኤ እልፊ ቓላት ብቛንቋታት [ብዘይርዳእ ቋንቋ] ካብ ዝዛረብ፡ ሓሙሽተ ቓላት ብኣእምሮ ኽዛረብ እደሊ ኣለኹ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ብምስምማዕ እዩ።

እንተዀነ ግና፡ እቶም ኣዝዮም ጸለውቲ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ደው ኬብልዎ ዚከኣሎም ጸዓሩ። ብመሰረት ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ገሊኦም ሰባት ቋንቋ ኣይርላንድ ምዝውታር “ንሃገረ ብሪጣንያ ኣስጋኢ” ምዃኑ ኺገልጹ ኸለዉ፡ ካልኦት ድማ “ኣንጻር ረብሓታት መንግስቲ” ኸም ዝዀነ ይዛረቡ ነበሩ። ገሊኦም ሰባት ከኣ ብሪጣንያ ንረብሓኣ ኢላ፡ ቋንቋ ኣይርላንድ ከም ዘይፍለጥ ትገብር ዘላ ዀይኑ ተሰምዖም። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ኣየርላንዳውያን ቋንቋኦምን ባህሎምን ሓዲጎም፡ ቋንቋ እንግሊዝኛ ኺምሃሩ፡ ኣካይዳን ልምድታትን እንግሊዛውያን ከኣ ኪስዕቡ ዚድንግግ ሕጊ ወጺኡ ነበረ።

ፕሮጀክት ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ በዴል

በዴል በዚ ምልካዊ ኣረኣእያ እዚ ኣይተዓግተን። ኣብ መጀመርታ 1630ታት፡ ነቲ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ (ናይ 1611 ኪንግ ጀምስ ቨርሽን) ናብ ቋንቋ ኣይርላንድ ኪትርጕም ጀመረ። ብእተኻእለ መጠን፡ ብዙሓት ሰባት ዚርድእዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሓትም እዩ ዚደሊ ነይሩ። በዴል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ድኻታት ኪርድኦም ብዘይክእል ቋንቋ ተሓቲሙ እንተ ተሪፉ፡ ነታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ መገዲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪረኽብዋ ዘይክእሉ ዀይኑ ተሰምዖ።—ዮሃንስ 17:3።

ነዚ ዘስተውዓለ ግና በዴል ጥራይ ኣይነበረን። ኣስታት 30 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ዊልያም ዳንኤል ዝስሙ ኣቡን፡ ዝዀነ ሰብ ብዘይፈልጦ ቛንቋ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሙ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ኪፈልጥ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኣስተውዒሉ ነበረ። ዳንኤል ነቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ናብ ቋንቋ ኣይርላንድ ተርጒምዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ በዴል ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናይ ምትርጓም ዕዮ ጀመረ። እቲ ‘መጽሓፍ ቅዱስ በዴል’ ተባሂሉ ዚፍለጥ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ናቱ ትርጉምን ነቲ ኣቐዲሙ ብዊልያም ዳንኤል እተዳለወ ትርጉምን ዜጠቓለለ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ በዴል፡ እቲ ብቛንቋ ኣይርላንድ ንመጀመርታ ግዜ እተዳለወ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ፣ ን300 ዓመት ዚኣክል ድማ ብቛንቋ ኣይርላንድ እተተርጐመ እንኮ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ።

በዴል ካብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ናብ ቋንቋ ኣይርላንድ ንምትርጓም ዚሕግዝዎ ኽልተ ደቀባት ተዛረብቲ ቛንቋ ኣይርላንድ ረኸበ። ኣብ ዕዮኦም ብዙሕ ምስ ሰጐሙ፡ በዴልን ሓደ ወይ ክልተ ዝዀኑ እሙናት ሓገዝቱን ኰይኖም ንነፍሲ ወከፍ ቍጽሪ ብልዑል ጥንቃቐ ይምርምርዎን ይኽልስዎን ነበሩ። ነቲ ስዊዘርላንዳዊ ምሁር ስነ ሃይማኖት ዝዀነ ጆቫኒ ዲዮዳቲ ብቛንቋ ጥልያን ዘዳለዎ ትርጉምን ናይ ግሪኽኛ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናትን ነቲ ኽቡር ጥንታዊ ኢደ ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጥን ከም መወከሲ ይጥቀምሉ ነበሩ።

እቶም ጕጅለ ንመሪሕነት ተርጐምቲ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ብምስዓብ፡ (መብዛሕትኦም በዴል ብኣካል ዚፈልጦም ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል) ኣብ እተፈላለየ ቦታታት መጽሓፍ ቅዱሶም ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣእተውዎ። ንኣብነት፡ ኣብ ዘጸኣት 6:3 ንስም ኣምላኽ “ኤሆቫህ” ኢሎም ተርጒሞምዎ ኣለዉ። እቲ በዅሪ ኢደ ጽሑፍ በዴል፡ ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ማርሽ፡ ዱብሊን፡ ኣይርላንድ ተዓቂቡ ይርከብ።—ነታ “በዴል ተዘከረን ኣፍልጦ ተዋህበሉን” እትብል ሳጹን ርአ።

ኣብ መወዳእታ ተሓትመ

በዴል ንፕሮጀክቱ ኣብ ከባቢ 1640 ኣቢሉ ዛዘሞ። ይኹን እምበር፡ ብኡንብኡ ኼሕትሞ ኣይከኣለን። ስለምንታይ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ዘየቋርጽ ምጽራር ገና የጋጥሞ ነበረ። ነቐፍቲ ድማ ብትርጉሙ ኺጠራጠር ትጽቢት ብምግባር፡ ነቲ ምስኡ ዀይኑ ዚዓዪ ዝነበረ ቐንዲ ተርጓሚ የቋናጽብዎ ነበሩ። ተንኰል ብምእላም እውን ኣእሰርዎ። እዚ ኸይኣክል፡ ብ1641 ኣንጻር ብሪጣንያ ኣብ እተገብረ ዕልዋ፡ ደማውን መሪርን ውግእ ተላዕለ። ሽሕ እኳ መበቈሉ ብሪጣንያዊ እንተ ነበረ፡ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ህዝቢ ኣይርላንድ፡ ንዕኦም ዝነበሮ ልባዊ ሓልዮት ስለ እተገንዘቡ፡ ንእተወሰነ ግዜ ኣዕቈብዎ። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ በቶም ወተሃደራት ዕልዋ ተታሒዙ፡ ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኵነታት ተኣስረ። ብሰንኪ እዚ ሕማቕ ኣተሓሕዛ እዚ ድማ ብ1642 ሞተ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ትርጉማቱ ተሓቲሙ ኺርእዮ እውን ኣይበቕዐን።

1. በዅሪ ኢደ ጽሑፍ በዴል፣ 2. እቲ ኣብ 1685 እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ በዴል

ኣብ ከባቢ 1640 ዝነበረ ገበር እቲ በዅሪ ኢደ ጽሑፍ በዴልን እቲ ኣብ 1685 እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስን

በዴል፡ ቤቱ ምስ ተጐርጐረን ምስ ዓነወን፡ ትርጉማቱ ምሉእ ብምሉእ ዳርጋ ጠፊኡ ነበረ። ሳላ ናይ ቀረባ ዓርኩ ግና ኵሉ እቲ እተተርጐመ ጽሑፋቱ ደሓነ። ድሕሪ ግዜ፡ እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ኣብ ኢድ እቲ ጸኒሑ ናይ ኣርማግ ሊቀ ጳጳሳት ዝዀነን ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣይርላንድ ልዑል ስልጣን ዝነበሮን ናርሲሱስ ማርሽ ኣተወ። ካብ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ሮበርት ቦይል፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ምስ ረኸበ ድማ ኣብ 1685 ብትብዓት ንመጽሓፍ ቅዱስ በዴል ኣሕተሞ።

ንእሽቶ ግናኸ ኣገዳሲ ስጕምቲ

መጽሓፍ ቅዱስ በዴል ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣይርላንድ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ስኮትላንድን ኣብ ብዙሕ ካልእ ቦታታትን ንዚነብሩ ሰባት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝበለጸ ኺርድእዎ ዚሕግዝ ንእሽቶ ግናኸ ኣገዳሲ ስጕሚ እዩ ነይሩ። ሕጂ፡ ቃል ኣምላኽ ብቛንቋ ኣዲኦም ብምንባብ፡ መንፈሳዊ ነገራት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።—ማቴዎስ 5:3, 6።

“መጽሓፍ ቅዱስ በዴል ከነንብብ ከለና ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ኣዴና ኢና እንሰምዖ። እዚ ኣገዳሲ ንዋት እዚ፡ ንዓይን ንስድራ ቤተይን ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ዜደንቕ ሓቅታት ንኽንፈልጦ መገዲ ኸፊቱልና እዩ”

መጽሓፍ ቅዱስ በዴል፡ ነቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣፍቀርቲ ሓቂ እውን ከይተረፈ፡ እቲ ዜድልዮም መንፈሳዊ ነገራት ኪረኽቡ ይሕግዞም ኣሎ። ሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር እተማህረ ተዛራቢ ቛንቋ ኣይርላንድ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ በዴል ከነንብብ ከለና ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ኣዴና ኢና እንሰምዖ። እዚ ኣገዳሲ ንዋት እዚ፡ ንዓይን ንስድራ ቤተይን ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ዜደንቕ ሓቅታት ንኽንፈልጦ መገዲ ኸፊቱልና እዩ” በለ።

በዴል ተዘከረን ኣፍልጦ ተዋህበሉን

ዘጸኣት 6:3፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መይኑት

ዘጸኣት 6:3 መጽሓፍ ቅዱስ መይኑት

ብጀካ እቲ ብ1685 እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ በዴል፡ ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ 300 ዓመት ካልእ ብቛንቋ ኣይርላንድ እተዳለወ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተሓትመን። ብ1981 ግና ናይ ካቶሊክ ምሁራት፡ ብዘመናዊ ቛንቋ ኣይርላንድ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ መይኑት ኣዳለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ መይኑት ኣብ መቕድሙ፡ “እቲ ቤተ ክርስትያን ኣይርላንድ፡ ኣብ መበል 17 ዘመን ዘዳለወቶ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓብዪ ዓወት እዩ ነይሩ” ብምባል ተኣመነ። ከምዚ ኺብል ከሎ ንትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ በዴል እዩ ዚጠቅስ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ክሳዕ እዚ ቐረባ እዋን፡ ሰዓብቲ ካቶሊክ ዘበሉ ንመጽሓፍ ቅዱስ በዴል ከየንብቡ ኸልኪላ ነይራ እያ።

ዘጸኣት 6:3፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ በዴል

ዘጸኣት 6:3 መጽሓፍ ቅዱስ በዴል

እቶም መጽሓፍ ቅዱስ መይኑት ዘዳለዉ ምሁራት፡ ንገለ ኻብቲ ዘዳለውዎ ትርጉም ብ1971 ኣሕተምዎ። ሓደ ኽፋል ናይዚ ድማ እተን ፔንታቱክ ተባሂለን ዚፍለጣ ቐዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እየን። እዞም ናይ ካቶሊክ ምሁራት እዚኦም፡ ኣብቲ ቐዳማይ ገጽ፡ “ንዝኽሪ ዊልያም በዴል” ዚብል መግለጺ ብምጽሓፍ ነቲ በዴል ዝፈለሞ ዕዮ ኣፍልጦ ሃቡሉ።

ተርጐምቲ ፔንታቱክ፡ ነተን ኣብ ጽሑፋት እብራይስጢ ንስም ኣምላኽ ዚውክላ የሀወሀ ዚብላ ቴትራግራማተን ንምትርጓም ነታ ብቛንቋ ኣይርላንድ “ያቫ” እትብል ቃል ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተጠቒሞምላ እዮም። ሓደ ኣብነት ናይዚ፡ ኣብ ዘጸኣት 6:2-13 ኺርከብ ይከኣል እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ መይኑት ኪሕተም ከሎ፡ እቶም ኣሰናዳእቲ፡ ዘይከም በዴል ነዚ መለኮታዊ ስም ካብ ትርጕማቶም ምሉእ ብምሉእ ኪሓክዎ ብምውሳን፡ “ኣን ትያርና” (ጐይታ) ብዚብል ቃል ተክእዎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ