ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 25 ሚያዝያ 2011 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 7 መጋቢት ኽሳዕ 25 ሚያዝያ 2011 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 20 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
1. ‘ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ፡ ብዙሓት ኣይሁድ ዝዀኑ’ ከመይ ኢሎም እዮም፧ (ኣስ. 8:17) [w06 1/3 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 3]
2. ሰይጣን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኪቐውም እተፈቕደሉ ስለምንታይ እዩ፧ (እዮ. 1:6፣ 2:1) [w06 15/3 ገጽ 13 ሕ.ጽ. 6፣ it-2-E ገጽ 16 ሕ.ጽ. 4]
3. ሰይጣን፡ “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧” ኪብል ከሎ እንታይ እዩ ዚእምት ነይሩ፧ (እዮ. 1:9) [w 11/94 ገጽ 18 ሕ.ጽ. 6]
4. የሆዋ “ብምስትውዓል ጠቢብ፡ ብሓይሊውን ብርቱዕ” ከም ዝዀነ ምፍላጥና፡ እምንቶ ዜሕድረልና ስለምንታይ እዩ፧ (እዮ. 9:4) [w07 15/5 ገጽ 25 ሕ.ጽ. 16፣ it-2-E ገጽ 1190 ሕ.ጽ. 3]
5. እቲ ኤሊፋዝ፡ “ንኣበሳ ኸም ማይ ዚሰትዮ ሰብ” ኢሉ እተዛረቦ ዘረባ፡ ሰይጣናዊ ኣተሓሳስባ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧ (እዮ. 15:16) [w10 15/2 ገጽ 20 ሕ.ጽ. 1-2]
6. ካብቲ ኣብ እዮብ 19:2 ዚርከብ እዮብ መረረቱ ዝገለጸሉ ቓላት፡ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ [w94-E 1/10 ገጽ 32 ሕ.ጽ. 1-5]
7. ንእዮብ ንጽህናኡ ኺሕሉ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (እዮ. 27:5) [w09 15/4 ገጽ 6 ሕ.ጽ. 17]
8. ሰባት ኪሽገሩ ኸለዉ፡ ንእዮብ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (እዮ. 29:12, 13) [w02 15/5 ገጽ 22 ሕ.ጽ. 19፣ w94-E 15/9 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 2]
9. ምኽሪ ኤሊሁ ኻብ ምኽሪ እቶም ሰለስተ ፈተውቲ እዮብ እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (እዮ. 33:1, 6) [w95-E 15/2 ገጽ 29 ሕ.ጽ. 3]
10. ብዛዕባ ተኣምራት የሆዋ ምስትንታንና ብኸመይ ኪጸልወና ይግባእ፧ (እዮ. 37:14) [w06 15/3 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 4]