ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp22 ቍ. 1 ገጽ 3
  • ንጽልኢ ኽንስዕሮ ንኽእል ኢና!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጽልኢ ኽንስዕሮ ንኽእል ኢና!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘየቋርጽ ዓንኬል ጽልኢ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • መእተዊ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ጽልኢ ንሓዋሩ ዚውገደሉ እዋን!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ግዳያት ጽልኢ ፈቐዶኡ ኣለዉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
wp22 ቍ. 1 ገጽ 3
ስእልታት፦ ሓደ ዝጐሃየ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ ኸቢብዎ ዘሎ ጽልኢ የስተማስል። 1. ሓንቲ ብኢዳ ተሌፎን ዝሓዘት ሰበይቲ ተቈናጽቦ። 2. ካልእ ሰበይቲ ብንዕቀት ትጥምቶ። 3. ጋዜጣ ዜንብብ ዘሎ ሰብኣይ ሕኒን ይብሎ። 4. ኣብ ቲቪ ዚርአ ኣንባቢ ዜና።

ንጽልኢ ኽንስዕሮ ንኽእል ኢና!

ግዳይ ጽልኢ ዄንካዶ ትፈልጥ፧

ዋላ እውን ኴንካ ዘይትፈልጥ እንተ ዀንካ፡ እንተ በዚ እንተ በቲ ትርእዮ ኢኻ። ብዙሕ ግዜ ሰባት ብዓዶም፡ ብዓሌቶም፡ ወይ ብሃይማኖቶም ኪጽልኡ ኣብ ዜናታት ንርኢ ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ብዙሓት መንግስትታት ኣንጻር ጽልኢ ሕግታት ይሕግጉ እዮም።

ጽልኢ ብቐሊሉ ዝያዳ ጽልኢ እዩ ዚወልድ። ግዳያት ጽልኢ መብዛሕትኡ ግዜ ሕነ ይፈድዩ እዮም፣ እዚ ድማ ቀጻሊ ዓንኬል ጽልኢ እዩ ዜጐሃህር።

ምናልባት ኣደዳ ላግጽን ኣቐዲምካ ፍርድን ጸርፍን ምፍርራህን ኴንካ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጽልኢ ስግር እዚ እውን ይኸይድ እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ምስ ነተጐ ኸኣ፡ እቲ ዜስካሕክሕ መልክዑ ይርአ እዩ፣ ገለ ኻብኡ፡ ድንደና፡ ግብረ ጸይቂ፡ መጥቃዕቲ፡ ጾታዊ ዓመጻ፡ ቅትለት፡ ወይ ጃምላዊ ቕትለት ኪጥቀስ ይከኣል።

እዛ መጽሔት እዚኣ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽትህበሉ፡ ጽልኢ ብኸመይ ኪሰዓር ከም ዚከኣል እውን ከተርእየና እያ፦

  • ኣመና ብዙሕ ጽልኢ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

  • ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ኪስበር ይከኣል፧

  • ጽልኢ ንሓዋሩ ዚውገደሉ እዋንሲ ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ