ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w22 ሕዳር ገጽ 31
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ማርዶካይን ኣስቴርን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣስቴር—ትሕዝቶ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
w22 ሕዳር ገጽ 31

ትፈልጥዶ፧

ማርዶካይ ብሓቂ ዝነበረ ሰብ ድዩ፧

ማርዶካይ ዝስሙ ኣይሁዳዊ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ተመዝጊቡ ዘሎ ዛንታ ዓብዪ ግደ ተጻዊቱ እዩ። እዚ ሰብ እዚ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፋርስ ዚዓዪ ምሩኽ እዩ ነይሩ። እቲ ታሪኽ ድማ “ብዘመን [ንጉስ] ኣሓሽዌሮስ፡” (ሎሚ እዚ ንጉስ እዚ ዘርክሲስ ቀዳማይ ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ) ማለት ኣብ መጀመርታ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዘጋጠመ ፍጻመ እዩ። ማርዶካይ ነቲ ንጉስ ንምቕታል እተኣልመ ውዲት ኣቃልዐ። እቲ ንጉስ ድማ ካብ ምስጋና ተላዒሉ ንማርዶካይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣኽበሮ። ሃማን ዚብሃል ጸላኢ ማርዶካይን ኣይሁድን ምስ ሞተ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ንማርዶካይ ቀዳማይ ሚኒስተር ገበሮ። ማርዶካይ ከኣ በቲ ስልጣን እቲ ተጠቒሙ፡ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ንዚርከቡ ኣይሁድ ካብ ጃምላዊ ቕትለት ዜድሕን ኣዋጅ ኣውጽአ።—ኣስ. 1:1፣ 2:5, 21-23፣ 8:1, 2፣ 9:16።

ገሊኦም ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ዝነበሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ መጽሓፍ ኣስቴር ልብ ወለድ ከም ዝዀነት፡ ማርዶካይ ከኣ ብሓቂ ኸም ዘይነበረ እምነቶም ገሊጾም ነይሮም እዮም። ብ1941 ግና፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማርዶካይ ዜዘንትዎ ዛንታ መርትዖ ኪኸውን ዚኽእል ነገር ረኸቡ። እሞ ደኣ እንታይ እዮም ረኺቦም፧

ተመራመርቲ፡ ማርዱካ (ብትግርኛ ማርዶካይ) ዝስሙ ሰብ እተጠቕሰሉ ናይ ፋርስ ጽሑፍ ኲኒፎርም ረኸቡ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ሱሳን ኣመሓዳሪ፡ ምናልባት እውን ናይ ሕሳብ ተጸባጻቢ ዀይኑ እዩ ዚዓዪ ነይሩ። ክኢላ ታሪኽ ምብራቓውያን ዝዀነ ኣርተር ኡንግናድ ብዛዕባ እዚ ኲኒፎርም እዚ፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ “ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ንማርዶካይ ዚጠቕሶ እንኮ መወከሲ” ኢሉ ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ።

ኡንግናድ ጸብጻቡ ኻብ ዜዳሉ ንነጀው፡ ምሁራት ብኣሽሓት ዚቝጸር ካልእ ናይ ፋርስ ኲኒፎርማት ተርጒሞም እዮም። ገለ ኻብዚ ኸኣ እቲ ጽላታት ጰርሰጶሊስ ዚብሃል፡ ኣብ ጥቓ መካበብያ እታ ኸተማ ኣብ ዑናታት ቤተ መዛግብቲ እተረኽበ ኺጥቀስ ይከኣል። እዚ ጽላታት እዚ ብዘመን ንግስና ዘርክሲስ ቀዳማይ ዝነበረ እዩ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ጽሑፍ ብቛንቋ ዔላማውያን እተጻሕፈ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ተጠቒሱ ዚርከብ ስማት እውን ሒዙ ኣሎ።a

ኣብ ናይ ፋርስ ኲኒፎርም ዚርከብ ስም ማርዶካይ (ማርዱካ)

ኣብ እተፈላለየ ጽላታት ጰርሰጶሊስ፡ ማርዱካ ዝስሙ ሰብ ብዘመን ዘርክሲስ ቀዳማይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሱሳን ጸሓፊ ንጉስ ኰይኑ ይዓዪ ምንባሩ ተጠቒሱ ኣሎ። ሓደ ጽላት ከኣ ንማርዱካ ኸም ተርጓሚ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። እዚ ዝርዝር ሓበሬታ እዚ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማርዶካይ ዚህቦ መግለጺ ይሰማማዕ እዩ። ማርዶካይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ (ዘርክሲስ ቀዳማይ) ዜገልግል፡ እንተ ወሓደ ኸኣ ክልተ ቛንቋ ኺዛረብ ዚኽእል ብዓል ስልጣን እዩ ነይሩ። ኣዘውቲሩ ድማ ኣብቲ ኣብ ሱሳን ዚርከብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ይቕመጥ ነይሩ እዩ። (ኣስ. 2:19, 21፣ 3:3) እቲ ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ ዓብዪ ህንጻ እዩ ነይሩ፣ ሰበ ስልጣን ቤተ መንግስቲ እውን ኣብኡ ይዓይዩ ነይሮም እዮም።

ኣብ መንጎ እቲ ኣብቲ ጽላታት ተጠቒሱ ዘሎ ማርዱካን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ማርዶካይን ዜደንቕ ምስስላት ኣሎ። ኣብ ሕደ እዋን፡ ኣብ ሕደ ቦታ እዮም ዚነብሩ ነይሮም፣ ኣብ ሕደ ስራሕ እውን ሓላፍነት ተሰኪሞም የገልግሉ ነይሮም። እዚ ዅሉ ምስስላት ከኣ፡ እዚ ስነ ጥንታዊ ርኽበታት እዚ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ተገሊጹ ዚርከብ ማርዶካይ ዚዛመድ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይሕብር።

a ብ1992፡ ፕሮፌሰር ኤድዊን ያማውቺ ኣብ ዝጸሓፋ ዓንቀጽ፡ ኣብ ጽሑፋት ጰርሰጶሊስ ዚርከብ ዓሰርተ ስማት ጠቒሱ ኣሎ፣ እዚ ስማት እዚ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር እውን ይርከብ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ