መዝሙር
ንኣላዪ። ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መዝሙር።
47 ኣቱም ህዝብታት ኵልኹም፡ ብኣእዳውኩም ኣጣቕዑ።
ንኣምላኽ እልል እናበልኩም ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ።
3 ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና የምበርክኾም፣
ንኣህዛብ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና ይገብሮም።+
5 ኣምላኽ ብእልልታ፡
የሆዋ ብደሃይ መለኸት* ዓሪጉ።
6 ንኣምላኽ ውዳሰ ዘምሩሉ፡* ዘምሩሉ።
ንንጉስና ውዳሰ ዘምሩሉ፡ ዘምሩሉ።
7 ኣምላኽሲ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ፣+
ውዳሰ ዘምሩ፡ ልቦና ኸኣ ግበሩ።
8 ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ነጊሱ።+
ኣምላኽ ኣብቲ ቕዱስ ዝፋኑ ይቕመጥ።
9 መራሕቲ ህዝብታት
ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብርሃም ተኣኪቦም።
ገዛእቲ* ምድርስ ናይ ኣምላኽ እዮም።
ንሱ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ።+