ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/7 ገጽ 15-17
  • ጳጥሞስ ደሴት ኣፖካሊፕስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጳጥሞስ ደሴት ኣፖካሊፕስ
  • ንቕሑ!—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ሎሚ ጳጥሞስ
  • ፈታኒ ዝዀነ ግዜ ምሕላፍ
  • ምትሕንፋጽ ታሪኽን ያታን
  • ባህላዊ ቅርስታትን ኢደ⁠-​ጽሑፋትን
  • ትርኢት እታ ደሴት
  • ኣብ ደሴታት ሰሜናዊ ጫፍ ኣውስትራልያ ብስራት ተሰብከ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣብ መንጎ ‘መቕደስ ኣምላኽን’ ጣኦታት ግሪኽን ስምምዕ ኣሎዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኣብ ደሴታት ፊጂ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ንቕሑ!—2001
g01 8/7 ገጽ 15-17

ጳጥሞስ ደሴት ኣፖካሊፕስ

ብወኪል ንቕሑ! ካብ ግሪኽ

ሓሓሊፎም ሰብ ጳጥሞስ ናብቲ ባሕሪ ኤጅያን ሰጊርካ ኣብ ደሴት ሳሞስ ዘሎ ኸረን ከማዕድዉ ኸለዉ ውልዕ ጥፍእ ዝብል ነገር ይርእዩ ኢዮም። ገሊኦም እዚ ዘደንጹ ብርሃን እዚ ዘይንቀሳቐስ ኤለክትሪክ ኢዩ ኽብሉ ኸለዉ: እቶም ሃይማኖታውያን ሰባት ግን ከምኡ ኸም ዘይኰነ ኣትሪሮም ይዛረቡ። ካብቲ ቕድሚ 1,900 ዓመታት ኣቢሉ ኣብዛ ኣብ ጥቓ ንእሽቶ እስያ እትርከብ ናይ ግሪኽ ደሴት ተሓይሩ ዝነበረ ኣዝዩ ፍሉጥ ሰብ ምልክት ከም ዝረኸቡ ንጐረባብቶም ንምንጋር ይጐዩ።

እዚ ፍሉጥ ሰብ እዚ “ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን” ክብል ኢዩ ኣብ ጳጥሞስ ክእሰር እተፈርዶ፣ ነዚ ፍርዲ እዚ ዝፈረዶ ድማ ናይ ሮሜ ሃጸይ ዶሚሽያን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ፍሉጥ ሰብ እዚ ኣብታ ደሴት ከሎ ‘ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ ኢየ: ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ጽሓፎ’ ዝብል “ከም ናይ መለኸት ዝበለ” ድምጺ ሰምዐ።​—⁠ራእይ 1:⁠8-11

እዛ መጽሓፍ ወይ እዛ ጥቕላል እዚኣ መዛዘሚ ናይቲ ኻብ ካልእ መጻሕፍቲ ንላዕሊ ብዙሕ ዝርጋሐ ዝረኸበ መጽሓፍ ኰነት። ገሊኣቶም ከኣ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ እታ ንኽትርዳኣ ዝኸበደት መጽሓፍ ኢሎማ ኣለዉ: መጽሓፍ ራእይ ወይ ኣፖካሊፕስ ተባሂላ እትፍለጥ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኢያ። ጸሓፊኣ እቲ ናይ የሱስ ሃዋርያ ዝነበረ ዮሃንስ ኢዩ። እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ጥፍኣት ናይዛ እክይቲ ዓለም ዝረኣዮ ራእይ ንብዙሕ ዘመናት ኣቓልቦ ኣንበብቲ ስሒቡ ኢዩ።a

ናይ ሎሚ ጳጥሞስ

ነዛ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ደሴታት ዶደከኒስ እትርከብ ደሴት ጳጥሞስ ዝበጽሑ ብዙሓት ሰባት ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ንምጽሓፍ ብቕዕቲ ቦታ ምዃና ይሰማምዑላ ኢዮም። ኣብ ትሕቲ እታ መራር ጸሓይ ኤጅያን ብእሳተ⁠-​ጎመራ እተፈጥረ ኩርባታት: ዓሚቝ ስንጭሮታት: ሓምላይ ኣጻድፍ: ከምኡውን ብዕንባባታት እተሰለመ ሸኻ ይርአ ኢዩ።

ጳጥሞስ ሎሚ ኸመይ ከም እትመስል ንምርኣይ ፒረይቭስ ካብ እትበሃል ቀንዲ ወደብ ግሪኽ ብጃልባ ነቐልኩ። ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ናብታ ስካላ እትበሃል ከም ናይ ወሽመጥ ቅርጺ ዘለዋ ናይ ጳጥሞስ ወደብን ዝዓበየት ቍሸትን ክንበጽሕ ከሎና ደመና ተገልሀ: ብብርሃን ናይታ ምልእቲ ወርሒ ኸኣ ነታ ደሴት ረኣናያ።

ንጽባሒቱ መሪር ቡን ግሪኽ ሰትየ ነታ ደሴት ንኽዞራ ተዳለኹ። ብንግሆኡ ኻብ ጸጕሪ ርእሰን ክሳዕ ጽፍሪ እግረን ጸሊም ክዳን እተኸድና እኖሓጎታት: ማዕረ እቶም ዝጐዩ ዝነበሩ እግሪ ተኽሊ ሕጻናት ክስጕማ ኽጽዕራ ኸለዋ ረኣኹ። ኣብ ጥቓና ኸኣ ሓደ ጨሓም ገፋፍ ዓሳ ነቲ ንምሳሕ ክዀኖ ዝሓዞ ዓሳ ምእንቲ ኽልስልሰሉ ምስቲ ብስሚንቶ እተሰርሐ ደንደስ የጋጭዎ ነበረ።

እታ ደሴት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትርኣየኒ ኣብ ክንዲ ብጃልባ ዝዞራ: ብድሕሪ ስካላ ኣብ ዘሎ ጎቦ ኽድይብ ወሰንኩ። ኣዝዩ ዝማርኽ ትርኢት ኢዩ ነይሩ። እታ ደሴት ልክዕ ከም ኣብ ባሕሪ ዘሎ ዓቢ ብቕርጽታት ዝስራሕ ካርታ ኢያ ትመስል። ጳጥሞስ ብጸቢብ ክፋል መሬት ብእተኣሳሰራ ሰለስተ ንኣሽቱ ደሴታት ዝቘመት እውን ትመስል ኢያ። ሓደ ኻብቲ ጸቢብ ክፋል መሬት ኣብ ስካላ ኢዩ ዝርከብ። ካልእ ድማ ኣብቲ ዲያኮፍቲ ማለት “እተመቕለ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰባት ዘይነብሩሉ ደቡባዊ ኽፍሊ ናይታ ደሴት ዝርከብ ኢዩ። ጳጥሞስ 13 ኪሎ ሜትር ዝኸውን ንውሓት ክህልዋ ኸሎ: ኣብ ሓደ ቦታ ዘለዋ ስፍሓት ግን ክንዲ ዳርባ እምኒ ዝኣክል ጥራይ ኢዩ።

ፈታኒ ዝዀነ ግዜ ምሕላፍ

ቀዳሞት ተቐማጦ ጳጥሞስ ቅድሚ 4,000 ዓመታት ካብ ንእሽቶ እስያ ካብ ዝመጹ ኣትሒዙ: እታ ደሴት ከም ቅድስቲ ቦታ ገይርካ ኢያ እትርአ። እቶም ቀዳሞት ተቐማጦ ካብታ ደሴት ብብራኸኡ ኻልኣይ ኣብ ዝዀነ ቦታ መሪጾም ነታ ናይ ሃድን ኣምላኽ ዝዀነት ኣርጤምስ ቤት መቕደስ ሰርሑላ።

ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ጳጥሞስ እተሓየረሉ እዋን ማለት ኣብ ከባቢ 96 ከ.ኣ.ዘ. እታ ደሴት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሃጸይ ሮሜ ኣትያ ነበረት። ኣብ ራብዓይ ዘመን እታ ደሴት ክፍሊ ናይታ “ክርስትና” እተቐበለት ሃጸያዊት ግዝኣት ባይዛንታይን ኰነት። ቀጺሉ ካብ ሻውዓይ ክሳዕ ዓስራይ ዘመን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እስላም ኣተወት።

ድሕሪ ግዜ ጳጥሞስ ሰብ ዘይነብራን ዝባደመትን ኰይና ነበረት። ድሕርዚ ኣብ መበል 11 ዘመን ሓደ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ፈላሲ ኣብ ጥቓ ቤት መቕደስ ናይታ ኣርጤምስ እትበሃል ናይ ኣረማውያን ኣምላኽ ዝነበረሉ ቦታ ገዳም “ቅዱስ” ዮሃንስ ክሃንጽ ጀመረ። በብቕሩብ ገለ ተቐማጦ ተመልሱ እሞ ኣብታ ሆራ እትበሃል ምስቲ ናይቲ ገዳም መንደቕ ተጸጊዓ እተመስረተት ክሳዕ ሕጂ ዘላ ቍሸት ኩቦኣዊ ቅርጺ ዘለዎ ጻዕዳ ዝሕብሩ ገዛውቲ ሃነጹ።

ኣብ መወዳእታ 1800ታት ገለ ዜጋታት እታ ደሴት ኣብ ሜዲተራንያን ካብ ዝነበራ ዝኸበራ መራኽብ ምስ ወነኑ ንሓጺር ግዜ እታ ደሴት ክብሪ ረኺባ ነበረት። እዘን መራኽብ እዚኣተን ብተዘዋዋሪ ነቲ ከም ብሓድሽ እተፈጥረ ናብታ ደሴት ዝመጸ ዋሕዚ ሰብ ምኽንያት ኰይነን ኢየን። ብ1970ታት ገሊኦም ናይ ዓለም ሃብታማት ነቲ ኣብዛ እተረስዐት ደሴት ዘሎ ምልኩዕን ብሕሱር ዝሽየጥን ኣባይቲ ዓይኖም ኣውደቑሉ። ነቲ ብነጋዶ ባሕሪ ዝውነን ዝነበረ ዓበይቲ ናይ ቀደም ኣባይቲ ኣተዓራረይዎ: ኣብ ርእሲ እዚ ሓድሽ ወደብ ስለ እተሰርሐ ጳጥሞስ ኣቓልቦ በጻሕቲ ሃገር እትስሕብ ኰነት።

ጳጥሞስ ክሳዕ ሕጂ ኻብቲ ንኻልኦት ደሴታት ግሪኽ ዳርጋ ኣዕኒወን ዘሎ ሕሉፍ ብዝሒ በጻሕቲ ኣምሊጣ ኣላ። ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ቐንዲ ምኽንያት መዕርፎ ነፈርቲ ስለ ዘይብላን እቶም ፈለስቲ ቕድስቲ ቦታ ዀይና ንኽትቕጽል ሓያል ባህጊ ስለ ዘለዎምን ኢዩ።

ምትሕንፋጽ ታሪኽን ያታን

ኣብቲ ዝኣተኽዎ ቤት መግቢ ዝነበረ ኣሳሳዪ: ነታ ደሴት ክዞራ መደብ ከውጽእ ከለኹ በቲ ብድሕሪ ስካላ ዝርከብ 400 ዓመት ዝገበረ ብኣእማን እተነጽፈ መገዲ ኣቢለ ክኸይድ ሓበረኒ፣ እዚ መገዲ እዚ ብመንጎ ጽሕዲ ዝመልአ ጫካ ኣቢሉ ናብቲ ናይ ዮሃንስ በዓቲ ተባሂሉ ዝእመነሉ ከምኡውን ናብ ገዳም “ቅዱስ” ዮሃንስ ዝመርሕ ኢዩ። ኣብ ጫፍ እታ ቝሸት ኣብ ሓንቲ እምኒ ብድሙቕ ቀይሕ ቀለም “ኦሂ ስቶ 666 ” (ካብ 666 ተጠንቀቑ) ዝብል ዘፍርህ ጽሑፍ ረኣኹ፣ እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ ራእይ ዝርከብ ብዙሓት ሰባት ብጌጋ ዝርድዎ ምልክታት ኢዩ።

እቲ ብ1090 እተሃንጸ ኣብ ውሽጡ ንእሽቶ ቤት ጸሎት “ቅድስቲ” ኣና ዝሓዘ ገዳም ኣፖካሊፕስ: ናብታ ብያታ ዮሃንስ ራእይ እተቐበለላ ቦታ ገይርካ እትሕሰብ በዓቲ ዘእቱ ኣፍደገ ዘጠቓልል ኰይኑ እተሰርሐ ኢዩ። ሓንቲ ሰበይቲ በይና ተምበርኪኻ ኣብ ጥቓ እቲ ምስሊ “ቕዱስ” ዮሃንስ: ታማ (ሞባእ) ክትውፊ ኸላ ርኤኹ። እቲ ምስሊ ተኣምር ክገብር ይኽእል ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ ኦርቶዶክስ ታማታ ማለት ንእሽቶ ብሓጺን እተሰርሐ ናይ ሰባት: ክፍሊ ኣካላት: ኣባይቲ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ናይ መኻይንን ጀላቡን ምስሊ ኸም ሞባእ ገይሮም የቕርቡ ኢዮም። ኣብ ጥቓ ቈረንቶስ ኣብ ዝርከብ ቤት መቕደስ ናይቲ ኣስክለፒዩስ ዝበሃል ሕማም ዝፍውስ ጥንታዊ ናይ ግሪኽ ኣምላኽ ካብ ካይላ እተሰርሐ ተመሳሳሊ ሞባእ ክቐርብ ከሎ ከም ዝረኣኹ ዘከርኩ። እዚ ምምስሳል እዚ ግን ብኣጋጣሚ ኢዩ ኽበሃልዶ ይኽእል፧

ባህላዊ ቅርስታትን ኢደ⁠-​ጽሑፋትን

ኣብ ኣጸድ ገዳም “ቅዱስ” ዮሃንስ ምስ ኣተኹ: ሓደ ምቕሉል ሰብኣይ ካብቲ እተጠዋወየን ጽልምት ዝበለን ኮሪደር መጸ። እዚ ሰብኣይ እዚ “ፓፓ ኒኮስ” (ኣባ ኒቆስ) ዝበሃል ኰይኑ ንዓይን ንኻልኦት በጻሕትን ነቲ ናይቲ ገዳም መዛግብቲ ተሓጒሱ ኣርኣየና። እቲ ንመብዛሕትኡ ኽፍሊ ጳጥሞስ ዝውንን ገዳም ሓደ ኻብቲ ኣብ ግሪኽ ዘሎ ዝሃብተመን ተሰማዕነት ዘለዎን ገዳማት ኢዩ።

መጀመርታ ናብታ ኣዕጽምቲ ናይቲ መስራቲ እቲ ገዳም እተቐብረላ ቈራሪትን ብትኪ ናይ ሽምዓ ዝጠቀረትን ቤት ጸሎት ኣተና: ብእኡ ኣቢልና ኸኣ በቲ ኽፋሉ ብኣእማን ናይ ቤት መቕደስ ኣርጤምስ እተሃንጸ ቤት ጸሎት ድንግል ማርያም ሓለፍና። ኣብቲ ቤተ⁠-​መዘክር ነገስታት ሩስያ ዝወፈይዎ ማእለያ ዘይብሉ ኣዋርቕን ኣዕናቝን: ኣብ መበል 11 ዘመን ናይ ባይዛንታይን ሃጸይ ኣሌክሲዩስ ቀዳማይ ኮምነኑስ ነታ ደሴት ነቶም ፈለስቲ ኸም ዝሃቦም ዝገልጽ ክታሙ ዘንበረሉ ሰነድ: ከምኡውን ኣብ ጁኽ ዝሕብሩ ብራና ብቐለም ዘይኰነስ ብብሩር እተጻሕፎ ውቁብ ናይ 6ይ ዘመን ቍራጽ ወንጌል ማርቆስ ረአና። እቲ ገዳም እዚ ቝራጽ እዚ ጥራይ ዘይኰነስ ኣዝዩ ብዙሕ መጽሓፍ ቅዱሳትን ሃይማኖታዊ ኢደ⁠-​ጽሑፋትን ዝሓዘ ኢዩ።

ትርኢት እታ ደሴት

እታ ደሴት ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ እውን ኣለዋ። ካብ ስካላ ብሸነኽ ደቡብ ሒደት ኪሎ ሜትራት ርሒቕካ ኣብ ሓደ እተሓጽረ ልሳን ባሕሪ ተፈጥሮኣዊ መልክዑ ዘይቀየረ ገምገም ባሕሪ ኣሎ። እቲ ገምገም ባሕሪ ብዘይካ እቲ “ሓሓት” ዝትርጕሙ ካሊካትሱ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክንዲ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ደርቢ ዝቝመቱ ዓረ: ሰጥ ዝበለ ጐልጐል ኢዩ። እቲ ዓረ ልክዕ ከም ሓደ ነዃላት ዘለዎ ገዚፍ ፎርማጆ ፈቐድኡ ዕሙቝ ዝበለ ነዃላት ኣለዎ።

ኣብ ጳጥሞስ ኣጸቢቕካ ክትሕጐስ እንተ ደሊኻ ኣብታ ደሴት ክትዛወር ኣሎካ። ኣብቲ ካስተሊ ዝበሃል ምርምር ዘይተገብረሉ ዑናታት ናይቲ በሪኽ ዕርዲ እታ ኸተማ ኾፍ ኢልካ ብርትዕቲ ጸሓይ እናተጸለኻ ነቲ ኻብ ርሑቕ ዝመጽእ ድምጺ ናይቲ ኣብ ኣባጊዕ እተኣስረ ቃጭልን ፋጻ እቶም ጓሶትን ክትሰምዕ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ኣብ እዋን ድሕሪ ቐትሪ ኮፍ ኢልካ እቲ ግመ ንባሕሪ ኤጅያን ክሽፍኖ ኸሎ: ነተን ካብቲ ገማግም ተበጊሰን ንሰማይ ገጸን ዝዓርጋ ዘለዋ ዝመስላ ጀላቡ ኽትዕዘብ ትደሊ ትኸውን።

ኣብታ ደሴት ኣብ ዝጸናሕኩላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኣብ እዋን ጸሓይ ዕራርቦ ውቁብ ቂሐ ጽልሚ ነታ ቝሸት ዝያዳ ኣማዕሪጉዋ ነበረ። ኣብቲ ልሳን ባሕሪ ብመብራህቲ ተጠቒሞም ዓሳ ዝገፉ ገፈፍቲ ዓሳ ነተን ግሪ⁠-​ግሪ ማለት ጨቓዊት ደርሆ ማይ ዝብሃላ ሞተር ዘይብለን ንኣሽቱ ጀላቡ የዳልውወን ነበሩ፣ እዘን ጃላቡ ደድሕሪ መርከብ ብገመድ ተጐቲተን ስለ ዝኸዳ ኸኣ ኢዩ እዚ ስም እዚ እተዋህበን።

ብምልእታ እታ ደሴት ኣንጸባረቐት። ዝሑል ንፋስን ብርቱዕ ማዕበልን ነተን ግሪ⁠-​ግሪ ናብዝን ናብትን ኣላኽዐን። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት በታ ሒዛትና ዝመጸት ጃልባ ገይርና ናብ ፒረይቭስ ኣብ እተመለስናሉ እዋን: ነዘን ጀላቡ እናተሓምበብና ሓለፍናየን፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብቲ ኻብ ገምገም ሒደት ኪሎ ሜትራት ርሒቕካ ዓሳ ዝግፈፈሉ ቦታ በጺሐን ነበራ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ንዓሳታት ንምስሓብ ዘገልግል ዝደጕሕ መብራህትታቶም ወሊዖም ነበሩ። በታ ምሸት እቲኣ ንሳቶምን እታ ኲንኦም ዝነበረት ደሴትን ካብ ዓይነይ ክሳዕ ዝኽወሉ: እቲ ተሓይሩ ዝነበረ ዮሃንስ ነቲ ኣብ ጳጥሞስ ዝረኣዮ ራእይ ክጽሕፍ ከሎ ኣብ ኣእምሮይ ተቐርጸ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝርዝር መግለጺ እንተድኣ ደሊኻ ነታ ራእይ​—⁠እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

© Miranda 2000

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ገዳም “ቅዱስ” ዮሃንስ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ