ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 15/1 ገጽ 29-31
  • ካብ ወንጌል ማቴዎስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ወንጌል ማቴዎስ ዚጐልሕ ነጥብታት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ”
  • (ማቴ. 1:1–20:34)
  • ‘ወዲ ሰብ ኣሕሊፍካ ኺወሃብ እዩ’
  • (ማቴ. 21:1–28:20)
  • “እታ ጊዜ በጺሓ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ካብ ወንጌል ማርቆስ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ካብ ወንጌል ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ካብ ወንጌል ሉቃስ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 15/1 ገጽ 29-31

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ወንጌል ማቴዎስ ዚጐልሕ ነጥብታት

እቲ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዜደንቕ ጸብጻብ ዝጸሓፈ ማቴዎስ: ኣቐዲሙ ተጋዊ ነበረ: ድሕሪኡ ድማ ፈታዊ የሱስ ኰነ። እዛ ፈለማ ብእብራይስጢ እተጻሕፈት ደሓር ግን ናብ ግሪኽ እተተርጐመት ወንጌል ማቴዎስ: ብ41 ድ.ክ. እያ ተዛዚማ፣ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ንናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን እተራኽብ ድልድል ኰይና ድማ ተገልግል እያ።

እዛ ብቐዳምነት ንኣይሁድ እተጻሕፈት ክትከውን ዘለዋ እተነቓቕሕን ጠቓሚትን ወንጌል: ንየሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህን ወዲ ኣምላኽን ገይራ እያ እትገልጾ። ስለዚ: ኣብቲ መልእኽታ ኣቓልቦ ምግባር: ነቲ ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኣብ ወዱን ኣብ መብጽዓታቱን ዘሎና እምነት ኬደልድሎ እዩ።—እብ. 4:12

“መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ”

(ማቴ. 1:1–20:34)

ማቴዎስ ንመንግስቲ ኣምላኽን ንትምህርቲ የሱስን እዩ ኣጕሊሑ: ከምዚ ምግባሩ ኸኣ መስርዕ ፍጻመታት ከይሓለወ ኸም ዚጽሕፍ ገበሮ። ንኣብነት: እቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ኣብ ፈረቓ ኣገልግሎቱ እኳ እንተ ነበረ: ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ግን ኣብ መጀመርታ እዩ ዚርከብ።

የሱስ ኣብ ገሊላ ኼገልግል ከሎ: ተኣምራት ፈጸመ: ነቶም 12 ሃዋርያቱ ንኣገልግሎት ዚኸውን መምርሒ ሃቦም: ነቶም ፈሪሳውያን ኰነኖም: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ምሳሌታት ተዛረበ። ብድሕሪኡ: ካብ ገሊላ ነቒሉ “ብስግር ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ወሰን ይሁዳ ኸደ።” (ማቴ. 19:1) ኣብ መገዲ ድማ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ‘ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና: ንወዲ ሰብ ሞት ኪፈርድዎ እዮም: ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ኪትንስእ እዩ’ በሎም።—ማቴ. 20:18, 19

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

3:16—የሱስ ኪጥመቕ ከሎ ‘ሰማያት እተኸፍተ’ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ነገር እዚ የሱስ ነቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህይወት ከም ዝዘከሮ ዚሕብር እዩ።

5:21, 22—ቍጥዓ ምግላጽ: ኣብ ውሽጥኻ ኻብ ምሓዙ ብዝያዳ ዝኸበደ ድዩ፧ የሱስ: ሓደ ሰብ ንሓዉ ዘለዎ ቝጥዓ ኣብ ልቡ ዜሕድር እንተ ዀይኑ: ከቢድ ሓጢኣት ከም ዚፍጽም መጠንቀቕታ ሃበ። ንዕቀት ዜንጸባርቅ ዘረባ ብምዝራብ ቍጥዓኻ ምግላጽ ግን ብዝያዳ ዝኸበደ እዩ፣ ከምዚ ዝገበረ ሰብ: ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ቤት ፍርዲ ዘይኰነስ: ኣብ መጋባእያ ወይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እዩ ዚፍረዶ።

5:48—‘ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና ፍጹም ዝዀነ:’ ንሕና እውን “ፍጹማት” ክንከውን ንኽእል ዲና፧ ብእተወሰነ ደረጃ ይከኣል እዩ። የሱስ ብዛዕባ ፍቕሪ እዩ ዚዛረብ ነይሩ: ንሰማዕቱ ድማ ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ንኣምላኽ ብምምሳል ፍጹማት ወይ ምሉኣት ኪዀኑ ነገሮም። (ማቴ. 5:43-47) ብኸመይ፧ ነታ ፍቕሮም ንጸላእቶም እውን ከም እትሓቍፍ ገይሮም ብምስፋሕ እዮም ፍጹማት ኪዀኑ ዚኽእሉ።

7:16—እታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት እትልለየሉ ‘ፍረ’ እንታይ እዩ፧ እዚ ፍረ እዚ ኻብ ኣካይዳና ንላዕሊ የጠቓልል። እምነትና: ማለት እቲ እንስዕቦ ትምህርትታት እውን ምስኡ እዩ ዚድመር።

10:34-38—ቅዱስ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ነቲ ኣብ መንጎ ስድራቤት ዚፍጠር ጋግ ተሓታቲ ድዩ፧ ኣይኰነን። የግዳስ: እቲ ጋግ ብምኽንያት እቶም ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራቤት እዩ ዚመጽእ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንክርስትና ይነጽግዎ ወይ ይጻረርዎ ይዀኑ: እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ እታ ስድራቤት ምክፍፋል የምጽእ።—ሉቃ. 12:51-53

11:2-6—ዮሃንስ: ስምረት ኣምላኽ ዚገልጽ ድምጺ ብምስማዑ የሱስ መሲህ ምዃኑ ድሮ ይፈልጥ እንተ ነይሩ: ንየሱስ “እቲ ዚመጽእ” እንተ ዀይኑ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧ ዮሃንስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዝሓተተ: ካብ የሱስ መረጋገጺ ስለ ዝደለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ግን: “ካልእ” ብሓይሊ መንግስቲ መጺኡ ንተስፋታት ኣይሁድ ዚፍጽም እንተ ኣልዩ ኺፈልጥ ስለ ዝደለየ እዩ። እቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ: ካልእ ከም ዘየለ ዚሕብር ነበረ።

19:28—እቶም ዚፍረዱ “ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል” ንመን የመልክቱ፧ ነቶም 12 ነገድ መንፈሳውያን እስራኤል ዜመልክቱ ኣይኰኑን። (ገላ. 6:16፣ ራእ. 7:4-8) እቶም የሱስ ዚዛረበሎም ዝነበረ ሃዋርያት: ክፍሊ እዚ መንፈሳዊ እስራኤል እዮም ኪዀኑ እምበር: ንኣባላቱ ኣይኪፈርዱን እዮም። የሱስ ‘መንግስቲ ስለ ዝመደበሎም’ ወይ ከኣ ምስኦም ናይ መንግስቲ ኺዳን ስለ ዝገበረ: ‘ንኣምላኽ ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን’ ኪዀኑ እዮም። (ሉቃ. 22:28-30፣ ራእ. 5:10) ኣባላት እዚ መንፈሳዊ እስራኤል ‘ንዓለም ኪፈርድዋ’ እዮም። (1 ቈረ. 6:2) ስለዚ: እቶም በቶም ኣብ ሰማያዊ ዝፋናት ዘለዉ ዚፍረዱ “ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል:” ነቶም ነገስታትን ካህናትን ዘይኰኑ ደቅሰብ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ፣ እዚኣቶም ምስቶም ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ዝነበሩ 12 ነገድ ይመሳሰሉ እዮም።—ዘሌዋውያን ምዕራፍ 16

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

4:1-10 እዚ ጸብጻብ እዚ: ሰይጣን እኩይ ባህርይ ዘይኰነስ: ብሓቂ ዘሎ ኣካል ምዃኑ ዚሕብር እዩ። ንኺፍትነና ኢሉ ድማ “ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን” ይጥቀም። ይኹን እምበር: ንቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዕዒልናዮ: ንኣምላኽ እሙናት ንኽንከውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—1 ዮሃ. 2:16

5:1–7:29 ብመንፈስ ዜድልየካ ነገራት ኣስተውዕል። ሰላማዊ ኹን። ንርኹስ ሓሳባት ንጸጎ። ቃልካ ሓሉ። ክትጽሊ ኸለኻ: ካብ ንስጋዊ ድሌታት ንላዕሊ: ንመንፈሳዊ ጕዳያት ቀዳምነት ሃብ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ኩን። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለ። ንኻልኦት ኣይትፍረድ። ፍቓድ ኣምላኽ ግበር። እቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት: ከመይ ዝበለ ግብራዊ ትምህርቲ ዝሓዘ ዀን እዩ ነይሩ!

9:37, 38 ምስቲ ነቲ ጐይታ እኽሊ “ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ” ዝለመንናዮ ለመና ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣሎና፣ ነዚ ኸኣ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብቕንኣት ብምክፋል ኢና እንገብሮ።—ማቴ. 28:19, 20

10:32, 33 ብዛዕባ እምነትና ንምዝራብ ፈጺምና ኽንፈርህ የብልናን።

13:51, 52 ንሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ ምርዳእ: ንኻልኦት ናይ ምምሃርን ነቲ ዝፈለጥናዮ ሓቅታት ንኺርድእዎ ናይ ምሕጋዝን ሓላፍነት የምጽእ።

14:12, 13, 23 ትርጕም ዘለዎ ምስትንታን ንኽንገብር: ብሕት እንብለሉ ግዜ ምምዳብና ኣገዳሲ እዩ።—ማር. 6:46፣ ሉቃ. 6:12

17:20 ነቲ መንፈሳዊ ዕቤት ንኸይንገብርን ንጸገማት ንኸይንዋጽኣሉን ዚዕንቅፈና ኸም ከረን ዝኣመሰለ ዕንቅፋት ንኽንሰግሮ: እምነት ተድልየና። ነቲ ኣብ የሆዋን ኣብ መብጽዓታቱን ዘሎና እምነት ምህናጽን ምድልዳልን ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን።—ማር. 11:23፣ ሉቃ. 17:6

18:1-4፣ 20:20-28 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምናን ብሰንኪ እቲ ስልጣን ዜጕልሕ ዝነበረ ዝዓበዩሉ ሃይማኖትን: ብዛዕባ ዕቤት እምብዛ ይጭነቑ ነበሩ። ንሕና እውን ምስ ሓጥእ ዝንባለታት ክንቃለስ ከለና: ትሕትና ኸነማዕብል ከምኡውን ብዛዕባ ፍሉይ መሰላትን ሓላፍነታትን ግቡእ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ።

‘ወዲ ሰብ ኣሕሊፍካ ኺወሃብ እዩ’

(ማቴ. 21:1–28:20)

የሱስ ብ9 ኒሳን 33 ድ.ክ. ‘ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ’ ናብ የሩሳሌም መጸ። (ማቴ. 21:5) ንጽብሒቱ ድማ ናብታ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኣጽረያ። ብ11 ኒሳን ኣብታ ቤተ መቕደስ መሃረ: ነቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኰነኖም: ከምኡውን ንደቀ መዛሙርቱ ‘ትእምርቲ [‘ህላወኡን:’ NW] መወዳእታ ዓለምን’ ነገሮም። (ማቴዎስ 24:3) ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት መዓልቲ ኸኣ “ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ አሎኹም: ንወዲ ሰብ ድማ ኪስቀል: ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም” በሎም።—ማቴ. 26:1, 2

ብ14 ኒሳን ንበዓል ዝኽሪ እቲ ቐሪቡ ዝነበረ ሞቱ ድሕሪ ምቛሙ ተኸድዐ: ተታሕዘ: ኣብ ፍርዲ ቐረበ: ከምኡውን ተሰቕለ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ካብ ሞት ተንስአ። እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንሰዓብቱ: “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም።—ማቴዎስ 28:19

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

22:3, 4, 9—እዚ ሰለስተ ናይ መርዓ ጻውዒት ዝቐረበ መዓስ እዩ፧ እቲ ናይ መጀመርታ ነቶም ክፍሊ እታ መርዓት ዘበሉ ንምእካብ እተገብረ ጻውዒት: የሱስን ሰዓብቱን ብ29 ድ.ክ. ኪሰብኩ ምስ ጀመሩ እዩ ቐሪቡ፣ ክሳዕ 33 ድ.ክ. ድማ ቀጸለ። እቲ ኻልኣይ ጻውዒት: ካብቲ መንፈስ ቅዱስ ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ዝፈሰሰሉ ኽሳዕ 36 ድ.ክ. ቀጸለ። ክልቲኡ ጻውዒት ንኣይሁድን ነቶም ናብ ኣይሁድ እተቐየሩ ጵሮሴሊታትን ንሳምራውያንን ዝቐረበ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: እቲ ሳልሳይ ጻውዒት ነቶም ካብ ከተማ ወጻኢ ኣብ ቀራና መገዲ ዝነበሩ: ማለት ነቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ዝቐረበ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ 36 ድ.ክ. እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሮሜ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ክርስያን ምስ ኰነ ኣትሒዙ ኽሳዕ እዚ ግዜናን ይቕጽል ኣሎ።

23:15—እቲ በቶም ፈሪሳውያን እምነቱ ናብ ኣይሁድነት ዝቐየረ ጵሮሴሊት: ካብቶም ፈሪሳውያን ዝገደደ ‘ኻዕበት ወዲ ገሃነም’ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ ብፈሪሳውያን ጵሮሴሊታት ዝዀኑ ገሊኦም ሰባት: ቅድሚኡ ኸቢድ ሓጢኣት ዚፍጽሙ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እምነቶም ቀይሮም ጥሩፋት ፈሪሳውያን ምስ ኰኑ ግን: ዝገደዱ ዀኑ: ምናልባት እውን ካብቶም እተዀነኑ መምህራኖም ንላዕሊ ጥሩፋት ኰይኖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ: እዞም ጵሮሴሊታት ምስቶም ኣይሁድ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ኪወዳደሩ ኸለዉ: ብዕጽፊ ‘ደቂ ገሃነም’ እዮም ነይሮም።

27:3-5—ይሁዳ ብምንታይ እዩ ተጣዒሱ፧ እቲ ይሁዳ እተጣዕሶ ጣዕሳ: ናይ ሓቂ ንስሓ ኸም ዝነበረ ዚሕብር ነገር የለን። ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚደሊ: ናብቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ከይዱ ሓጢኣቱ ተናዘዘ። “ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት” ስለ ዝፈጸመ: ብጣዕሳን ተስፋ ምቝራጽን እንተ ተዋሕጠ ዜገርም ኣይኰነን። (1 ዮሃ. 5:16) ስለዚ: እቲ ጣዕሳኡ ተስፋ ኻብ ምቝራጽ ዝመነጨ እዩ ነይሩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

21:28-31 ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ነገር: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባርና እዩ። ንኣብነት: ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ብቕንኣት ክንካፈል ኣሎና።—ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20

22:37-39 እዘን ክልተ ትእዛዛት: ነቲ ኣምላኽ በቶም ዜምልኽዎ ሰባት ኪማላእ ዚደልዮ ብቕዓት ጽምቝ ኣቢለን የቕርባኦ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ዕዮ ቐውዒ ብቕንኣት ትካፈልዶ ኣለኻ፧

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ወንጌል ማቴዎስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ተጕልሕ

[ምንጪ ስእሊ]

© 2003 BiblePlaces.com

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ