ሕቶታት ኣንበብትና
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ውግእ ዘይሳተፉ ስለምንታይ እዮም፧
ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ኣብቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ወይ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዚግበር ውግእ ሓድሕድ ኣይካፈሉን እዮም። ፍርቂ ዘመን ይገብር ኣውስትራልያን ኢንሳይክሎፔድያ: “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግዜ ውግእ ጽኑዕ ገለልትነት ይሕልዉ እዮም” በለ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውግኣት ዘይሳተፉሉ ቐንዲ ምኽንያት: ምስ ክርስትያናዊ ሕልናኦም ዚጻረር ስለ ዝዀነ እዩ። ሕልናኦም ብትእዛዛትን ኣብነትን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስለ እተቐርጸ እዩ። ንሰዓብቱ ብጾቶም ንኼፍቅሩ መምርሒ ሂብዎም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን: “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ: ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ” ኢሉ ኣዘዞም። (ሉቃስ 6:27፣ ማቴዎስ 22:39) ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ብሰይፊ ኺከላኸለሉ ምስ ፈተነ: የሱስ: “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” በሎ። (ማቴዎስ 26:52) ስለዚ እምበኣር: ሰዓብቱ ኣብ ስጋዊ ውግእ ንኺሳተፉ ኢሎም ኣጽዋር ውግእ ኬልዕሉ ኸም ዘይግባእ ብቓል ኰነ ብግብሪ ብንጹር ኣርእዩ እዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ውግእ ዘይሳተፉሉ ኻልእ ምኽንያት: ኣባላት እታ ሓድነት ዘለዋ ዓለምለኻዊት ሃይማኖት ስለ ዝዀኑ እዮም። ውግእ: ኣሕዋት ንሓድሕዶም ኪቃተሉ ስለ ዚገብርን ኣንጻር እቲ የሱስ ‘ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ’ ዝሃቦም ትእዛዝ ስለ ዝዀነን እዩ።—ዮሃንስ 13:35
ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ብዛዕባ ፍቕሪ ዚገልጽ መሰረታዊ ስርዓት: ከም ክልሰ-ሓሳብ ጥራይ ኣይኰኑን ዚወስድዎ። ንኣብነት: ኣብቲ ኻብ 1939-1945 ዝነበረ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዝወሰድዎ ኣቕዋም እስከ ንርአ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበሩ ልዕሊ 4,300 ዝዀኑ መሰኻኽር የሆዋ: ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ብምእባዮም: ኣብ ፈደራላዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ተኣሲሮም ነይሮም እዮም። ኣብ ብሪጣንያ: 300 ደቂ ኣንስትዮ ዚርከባኦም ልዕሊ 1,500 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብዘይምሃቦም ተኣሲሮም ነበሩ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናዚ ጀርመን: ልዕሊ 270 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጽዋር ውግእ ምሓዝ ስለ ዝኣበዩ: ብትእዛዝ መንግስቲ ተቐትሉ። ልዕሊ 10,000 ዝዀኑ ድማ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ወይ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ተዳጐኑ። ኣብ ጃፓን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብዙሕ ስቓይ ወሪድዎም እዩ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ይኹን ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ውግኣት ዜፍቅሮም ሰባት ዝሞትዎ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዚ ተሓተትቲ ኸም ዘይኰኑ ርግጸኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንውግእ ዘለዎም ኣረኣእያ: ኣብቲ ቮልፍጋንግ ኩስሮው ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ቓላት ብጽቡቕ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ወዲ 20 ዓመት ዝነበረ ጀርመናዊ ናብ ውግእ ምኻድ ብምእባዩ: ኣባላት ናዚ ብ1942 ሰየፍዎ። (ኢሳይያስ 2:4) ኣብ ቅድሚ እቲ ወተሃደራዊ መጋባእያ ኸምዚ በለ:- “ብመሰረት እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ቃል ኣምላኽ: ከም ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ እየ ዓብየ። እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዝሃቦም ዝዓበየን ቅዱስን ሕጊ: ‘ብምሉእ ነፍስኻ ንኣምላኽካ ኣፍቅሮ ኸምኡውን ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’ ይብል። ኣብ ካልእ ትእዛዛት ከኣ ‘ኣይትቕተል’ ዚብል ነንብብ። እሞ ደኣ ፈጣሪና እዚ ዅሉ ንኣግራብ ድዩ ጽሒፍዎ፧”—ማርቆስ 12:29-31፣ ዘጸኣት 20:13
ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ምድሪ ነባሪ ሰላም ዜምጽእ: እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ይኣምኑ። እቲ “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ” ዚብል መብጽዓኡ ንኺፍጽሞ ድማ ሃረር እዮም ዚብሉ።—መዝሙር 46:9