ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/1 ገጽ 3
  • ኣብ ሕታም መጽናዕቲ እተገብረ ለውጥታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ሕታም መጽናዕቲ እተገብረ ለውጥታት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓዳስ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እተገብረ ዜሐጕስ ለውጥታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ሕታም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ግምቢ ዘብዐኛ እተጀመረት ስለምንታይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/1 ገጽ 3

ኣብ ሕታም መጽናዕቲ እተገብረ ለውጥታት

ሕታም መጽናዕቲ ብዝያዳ ሰሓቢት ምእንቲ ኽትከውንን ብዛዕባ እቲ ኽቡር ዝዀነ ቓል የሆዋ ኸተጽንዑ ኸለኹም ምእንቲ ኽትሕግዘኩምን፡ እተወሰነ ለውጥታት ተገይሩላ ኣሎ።—መዝ. 1:2፣ 119:97።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ክልተ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኽንሓትም ከም ዝጀመርና ይፍለጥ እዩ፣ እታ ሓንቲ ንህዝቢ ዀይና እታ ኻልአይቲ ኸኣ ንዅልና፡ ማለት ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዕቤት ንዚገብሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ተባሂላ እያ እትሕተም።

ሓደ ንነዊሕ እዋን ንየሆዋ ዘገልገሎ ሓው፡ ብዛዕባ ሕታም መጽናዕቲ ኺጽሕፍ ከሎ፡ “እታ ናይ መጀመርታ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ፡ እተደንቕ እያ ነይራ፣ ንህይወተይ ዝጸለወቶ ዀይኑ ድማ እዩ ዚስምዓኒ። እቲ ኣብኣ ዚርከብ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓሳባት፡ ንልበይ ተንኪፍዎ እዩ። ስለ እቲ ዝገበርኩምልና ዜደንቕ መሰናድዎ አመስግነኩም” በለ። ካልእ ሓው ከኣ፡ “ነቲ ሕታም መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱሰይን እናተጠቐምኩ ዘሕልፎ ግዜ ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ” ኢሉ ጸሓፈ። ንስኻትኩም እውን ከምኡ ኸም ዚስምዓኩም ርግጸኛታት ኢና።

ከም ዚፍለጥ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ኻብ 1879 ኣትሒዛ እትሕተም ዘላ መጽሔት እያ፣ እዚ ኸኣ ሳላ መንፈስን በረኸትን የሆዋ እዩ ኺግበር ተኻኢሉ። (ዘካ. 4:6) ኣብዘን ዝሓለፋ 133 ዓመታት፡ ኣብ ገበር እዛ መጽሔት እዚኣ ብዙሕ ለውጥታት ተገይሩ እዩ። ኣብ 2012 ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ሕታም መጽናዕቲ፡ ዕዮ ስብከት ኪካየድ ከሎ ዜርኢ ሕብራዊ ስእሊ ሒዛ ኽትወጽእ እያ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ብእተማልአ መገዲ ንኽንምስክር ብኣምላኽ እተዋህበና መዝነት ኬዘኻኽረና እዩ። (ግብ. 28:23) ኣብ ገጽ 2፡ እቲ ኣብ ገበር ዘሎ ስእሊ ኣበይ ምዃኑን እንታይ ይግበር ከም ዘሎን ዚገልጽ ሓጺር መግለጺ ኺህሉ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ህዝቢ የሆዋ “ኣብ ብዘላ ዓለም” ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኸም ዘለዉ ኽንዘኻኸር ኢና።—ማቴ. 24:14።

እንታይ ካልእ ለውጥታትከ እዩ ተገይሩ ዘሎ፧ እታ ሕቶታት ድግማ ዝሓዘት ሳጹን፡ ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ መጽናዕቲ ኸም እትኸውን ተገይሩ ኣሎ። እዚ ኸኣ ነታ ዓንቀጽ ከተንብብዋን ከተጽንዕዋን ከለኹም፡ ከተተኵሩሉ ብዛዕባ ዘሎኩም ቀንዲ ነጥብታት ኬጕልሓልኩም እዩ። ሓቂ እዩ፡ እቶም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሑ ኣሕዋት፡ ኣብ መወዳእታ እቲ መጽናዕቲ፡ በቲ ሕቶታት ገይሮም ነታ ዓንቀጽ ኪኽልስዋ ኣለዎም። እቲ ሕድጋት ከም ዚሰፍሐ፡ ቍጽሪ ገጽን ቍጽሪ ሕጡብ ጽሑፍን ከኣ ብዝያዳ ፍሩይ ከም ዝዀነ ኸተስተብህሉ ኢኹም።

ከምቲ ኣብቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ሕታም ተገሊጹ ዘሎ፡ ብዛዕባ ዜደንቕ ዕቤት ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትገልጽ “ካብ መዛግብትና” እትብል ዓምዲ ተወሲኻ ኣላ። ብዘይካዚ፡ ሓሓሊፉ ኣብ ትሕቲ “ብፍታው ይመጹ” እትብል ዓምዲ፡ ናይ ሓቂ ታሪኽ ህይወት ኪወጽእ እዩ። እዚ ዓምዲ እዚ፡ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታታት ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዛዕባ ዝረኸብዎ ሓጐስን ዕግበትን ኪገልጽ እዩ።

ነቲ ብሓገዝ እዛ መጽሔት እዚኣ ጌርኩም ንቓል ኣምላኽ እተጽንዑሉ እዋን ምሉእ ብምሉእ ክትሕጐሱሉ ንምነየልኩም።

ኣሕተምቲ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

1879

[ኣብ ገጽ 33 ዘሎ ስእሊ]

1895

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

1931

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

1950

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

1974

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

2008

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ