ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 15/12 ገጽ 4-5
  • የሆዋ ነቶም ብፍታው ዚህቡ ይባርኾም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ነቶም ብፍታው ዚህቡ ይባርኾም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘እቲ ዕዮ ዓብዪ እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንልግሲ የሆዋ ሞሳ ኣርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተረፎም ጐደሎ ይምልእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሓገዝ ንዜድልዮም ሰባት ብኸመይ ክንድግፎም ንኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 15/12 ገጽ 4-5
ሓደ ሰብ፡ ወፈያ ኺህብ ከሎ

የሆዋ ነቶም ብፍታው ዚህቡ ይባርኾም

ፈጣሪና ንደቂ ሰብ ብዋጋ ዘይሽነን ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽቢርዎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ተጠቒሞም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምስፋሕ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡን ነቲ ቕዱስ ስሙ ንምቕዳስ እጃሞም ዜበርክቱን ነቲ ዓብዪ ዕላማኡ ዚድግፉን ኣብዚሑ እዩ ዚባርኾም። የሆዋ፡ ሰባት ፈሪሆምን ግዴታ ዀይንዎም ኪእዘዝዎ ኣይደልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ብናይ ሓቂ ፍቕርን ብዓሚቚ ሞሳን ተደሪኽካ ዚግበር ናይ ፍታው ወፈያ እዩ ኣኽቢሩ ዚርእዮ።

ንኣብነት፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ሲና ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ቦታ ኣምልኾ ኺሃንጹ መምርሒ ሃቦም። ንሱ፡ “ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ህያብ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእ” በሎም። (ዘጸ. 35:5) ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ፡ ኪህቦ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ኪህብ ይኽእል ነበረ፣ ነፍሲ ወከፍ ብፍታው ዚግበር ውጽኢት፡ ማለት መጠን ወይ ብዝሒ ብዘየገድስ፡ መለኮታዊ ዕላማ ንምፍጻም ብግቡእ መገዲ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ይኽእል ነበረ። እሞኸ እስራኤላውያን እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

‘ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዝደፍኦን ኵሉ መንፈስ ፍቓድ ዘልዓለሉን ፍታው ልቢ ዘለዎ ዘበለን’ ብፍቓዱ ሃበ። ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣቝላፍን ቀላብቲ እዝንን ቀላብቲ ኣጻብዕን ኣምባውርትን ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ሰማያዊ ፈትልን ሕብሪ ደም ዘለዎ ጸምርን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ልሕጺ እንጣጢዕን ጸጕሪ ጤልን እተቐርጸ ቘራብቲ ድዓውልን ቈራብቲ ተሃስን ኣእማን ዕንቍን ዕንጨይቲ ሽጢምን ዘይቲ ቕብኣትን ምኡዝ ዕጣንን ብፍቓዶም ኣምጺኦም እዮም። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ “እቲ መተዓየዪ ንዅሉ ዚዕየ ዕዮ ዚአክል ነበረ፡ ተረፈ እኳ” ይብል።—ዘጸ. 35:21-24, 27-29፣ 36:7።

ንየሆዋ ዘሐጐሶ፡ እቲ ዝቐረበ ነገራት ዘይኰነስ፡ እቲ ንንጹህ ኣምልኾ ንምድጋፍ እተራእየ መንፈስ ፍቓደኛነት እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ግዜኦምን ጕልበቶምን ንኺህቡ እውን ተደሪኾም እዮም። እቲ ጸብጻብ፡ “ጥበበኛ ልቢ ዘለወን ኵለን ኣንስቲ ድማ በእዳወን ፈቲለን” ከም ዘምጽኣ ይገልጽ እዩ። እወ፡ “ኵለን ኣንስቲ ልበን ብጥበብ ዘልዐለን ከኣ ጸጕሪ ጤል ፈተላ።” ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንበሳልኤል “ብጥበብን ብምስትውዓልን ብፍልጠትን ብዅሉ ዕዮን” ንኼገልግል መንፈሱ ሃቦ። እወ፡ ኣምላኽ ንበሳልኤልን ንኦሆልያብን ነቲ እተዋህቦም ዘበለ ዕዮ ንኺዓይዩ ዜድልዮም ጥበብ ሃቦም።—ዘጸ. 35:25, 26, 30-35።

የሆዋ ንእስራኤላውያን ንኺውፍዩ ምስ ዓደሞም፡ “ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ” ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚድግፍ ምሉእ እምነት ነበሮ። በዚ መሰረት እዚ፡ መምርሒ ብምሃብን ብዙሕ ከም ዚሕጐሱ ብምግባርን ነቶም ብፍታው ልቦም ዝሃቡ ባረኾም። የሆዋ ነቲ ኣገልገልቱ ዜርእይዎ መንፈስ ፍቓደኛነት ኪባርኾ ኸሎ፡ ፍቓዱ ንምፍጻም ዜድሊ ነገራት ወይ ክእለት ከም ዘይጐድል ዜረጋግጽ እዩ። (መዝ. 34:9) ንስኻ እውን ጥቕሚ ርእስኻ ብምስዋእ ንየሆዋ ምስ እተገልግሎ፡ ንሱ ነቲ እተርእዮ መንፈስ ፍቓደኛነት ብርግጽ ኪባርኾ እዩ።

ገሊኣቶም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት ዚህቡሉ መገድታት

ልክዕ ከምቲ ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚግበር ዝነበረ፡ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ “ዓለምለኻዊ ዕዮ” ዚብል እተጻሕፎ ሳጹናት ውጽኢት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ‘ኣዋህሊሎም የቐምጡ’ እዮም። (1 ቈረ. 16:2) ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ እየን። እንተ ደሊኻ እውን፡ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ሕጋዊ ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብቐጥታ ወፈያ ኽትልእኽ ትኽእል ኢኻ። ሕጋዊ ስም እቲ ንሃገርካ ዜገልግል ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ምስቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣድራሻታት ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ www.pr418.com ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብቐጥታ ኽትልእኮ እትኽእል ወፈያታት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ።

ብዘይ ገደብ ዚውሃብ ወፈያታት

  • ወፈያታት ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ብባንክ ዚግበር ምትሕልላፍ ገንዘብ፡ ብዕዳ ወይ ብክረዲት ካርድ ዚግበር የጠቓልል። ኣብ ገሊኡ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈራት jw.org ወይ ድማ ካልእ እተዳለወ ወብ ሳይት ምጥቃም ይከኣል እዩ።

  • ጥረ ገንዘብ፡ ስልማት፡ ወይ ከኣ ካልእ ክቡር ነገራት ኪውሃብ ይከኣል እዩ።

  • ጥረ ገንዘብ ወይ ካልእ ነገራት ኪውሃብ ከሎ፡ ብዘይ ገደብ ከም እተዋህበ ዚሕብር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪልኣኽ ኣለዎ።

ኪምለስ ዚከኣል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

  • እቲ ዝሃበ ሰብ ምስ ዚደልዮ ኺምለሰሉ ዚከኣል ገንዘብ ኪውፈ ይከኣል እዩ።

  • እቲ ወፈያ ኺምለስ ዚከኣል ምዃኑ ዚሕብር ደብዳበ ኺልኣኽ ኣለዎ።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ

ብጀካ እቲ ናይ ገንዘብን ናይ ካልእ ክቡር ነገራትን ወፈያ፡ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ፡ ካልእ ነገራት ናይ ምሃብ መገድታት እውን ኣሎ። እቲ ንስኻ ኽትጥቀመሉ እትደሊ መገዲ ብዘየገድስ፡ ፈለማ ምስቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተራኺብካ፡ ኣብ ሃገርካ እንታይ ዓይነት ወፈያ ኺውሃብ ከም ዚከኣል ፍለጥ። ሕጋዊ ብቕዓታትን ሕግታት ግብርን እተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ እትውፍየሉ መገዲ ቕድሚ ምምራጽካ፡ ፈለማ ምስ ብቑዓት ኣማኸርቲ ግብርን ሕግን ተዘራረብ።

መድሕን፦ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ብምጥቃስ፡ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ስም ኪመሓላለፈሉ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ፦ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት፡ ወይ ናይ ውልቀ ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ፡ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ብሓደራ ኺውሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚ ምዃኑ ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን፦ ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ኪውሃብ ዚከኣል ህያብ ኰይኑ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ኪውፈ ይከኣል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል፡ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚ ምዃኑ ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት፦ ኪሽየጥ ዚከኣል ዘይንቀሳቐስ ንብረት፡ ብዘይ ገለ ገደብ ዚውሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ ድማ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር፡ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ኪውፈ ይከኣል እዩ።.

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ፦ ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ዚህበሉ መሰናድዎ እዩ። እቲ ወሃቢ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይውሃቦ እዩ። እቲ ወሃቢ ኣብቲ እቲ ወፈያ ዝገበረሉ ዓመት መጠን እቲ ዚስልዓሉ ግብሪ ይንከየሉ እዩ።

ለበዋን ሕድርን፦ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር፡ ጥሪት ወይ ገንዘብ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ከተውርሶ ይከኣል እዩ፣ ወይ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚ ምእንቲ ኪኸውን፡ ስም ኪመሓላለፈሉ ይከኣል እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ እተወሰነ ናይ ግብሪ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ፡ እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትብሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብስጳንኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር፡ ውልቀ ሰባት ሕጂ ወይ ምስ ሞቱ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ምስ ግብርን ምስ ካልእ ነገራትን ዚተሓሓዝ ሕግታት፡ እቲ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ዚርከብ ሓበሬታ፡ ምሉእ ብምሉእ ንዅነታትካ ዚሽፍን ከይከውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ምስ ኣንበብካያ፡ ምስቶም ብዛዕባ ግብሪ ወይ ሕጊ ዜማኽሩኻ ሰባት ተዘራረብ። ብዙሓት በቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መገድታት ገይሮም ነቲ ኣብ መላእ ዓለም እንፍጽሞ ሃይማኖታውን ግብረ ሰናያውን ንጥፈታት ኪሕግዙ፡ ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ግብሪ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መገድታት ኣብ ሃገርካ ይዓዪ እንተ ዀይኑ፡ ቅዳሕ እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ካብ ጸሓፊ ጉባኤኻ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ምስቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ