ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/1 ገጽ 10-12
  • ኣቱም ሰብኡት፡ ኣብ ቤትኩም ቅሳነት ኣስፍኑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣቱም ሰብኡት፡ ኣብ ቤትኩም ቅሳነት ኣስፍኑ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስልጣን ሰብኣይ እንታይ ይብል፧
  • ህይወት የሱስ—ንሰብኡት ዚኸውን ፍጹም ኣርኣያ
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ንሰብ ሓዳር ዚኸውን ጥበባዊ መምርሒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ነባሪ ሓዳር ንምምስራት ዝሕግዛ ክልተ መፋትሕ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • “ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/1 ገጽ 10-12
ሕጉሳት ሰብ ሓዳር ምስ ክልተ ደቆም ኰይኖም ኪምገቡ ኸለዉ

ኣቱም ሰብኡት፡ ኣብ ቤትኩም ቅሳነት ኣስፍኑ

ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ፡ ቅሳነት ከም ዚስምዓ ኺገብር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ብዙሓት ሰባት፡ ቀንዲ ሸቶ ሰብኣይ፡ ስድራ ቤቱ ምስ ገንዘብ ብዚተሓሓዝ ዋላ ሓንቲ ጸገም ከም ዘየጋጥሞም ምግባር ከም ዝዀነ እናተማህሩ እዮም ዓብዮም። ይኹን እምበር፡ ገሊአን ብስጋዊ መዳይ ኣኺሉ ዚተርፍ ዘለወን ኣንስቲ፡ ብስምዒታዊ መዳይ ግና ቅሳነት ኣይስምዐንን እዩ፣ አረ ንሰብኡትን ኣዝየን እየን ዚፈርሃኦም። ንኣብነት፡ ሮሳ ዝስማ ስጳኛዊት ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ እተመርዓወቶ ሰብኣይ ክትገልጽ ከላ፡ “ምስ ካልኦት ሰባት ጥዑም፡ ኣብ ቤት ግና ገንጫር እዩ” በለት። ኣብ ናይጀርያ እትነብር ጆይ እውን፡ “ምስ ሰብኣየይ ኣብ ዘይንሰማምዓሉ እዋን፡ ‘ሰብኣይኪ ስለ ዝዀንኩ፡ ኣነ ዝበልክዎ ኢኺ ኽትገብሪ ዘሎኪ’ ይብለኒ” በለት።

ሓደ ሰብኣይ ነቲ ኸም ብዓል ቤት መጠን ዘለዎ ግደ ብፍቕራዊ መገዲ ኺፍጽሞ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ሓደ ሰብኣይ ንቤቱ ቕሳነት ዝሰፈኖን ሰበይቱ ‘ዕረፍቲ’ እትረኽበሉን ኪገብሮ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧—ሩት 1:9።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስልጣን ሰብኣይ እንታይ ይብል፧

ሓደ ዝሓረቐ ሰብኣይ ንሰበይቱ ስለ እተቛየቛ፡ ጓሎም ክትስንብድ ኸላ

ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ማዕረ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ወከፍ መጻምድቲ ኣብ ሓዳር ነናቱ ግደ ኸም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። ሮሜ 7:2፡ ምርዕዉቲ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ “ሕጊ ሰብኣያ” ምዃና ትሕብር እያ። ልክዕ ከምቲ ብዙሓት ትካላት፡ ንጕዳያተን ብሓላፍነት ዚከታተል ርእሲ ዚሸማ፡ ኣምላኽ ድማ ንሰብኣይ፡ ርእሲ ሰበይቱ ኪኸውን ሸይምዎ እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ስለዚ፡ ሰብኡት ኣብ ስድራ ቤቶም መሪሕ ግደ እዩ ዘለዎም።

ከም ሰብኡት መጠን፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም ስልጣን ብኸመይ ኢኹም ኽትጥቀመሉ ዚግብኣኩም፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣቱም ሰብኡት፡ ከምቲ ክርስቶስ ነታ ጉባኤኡ ዘፍቀራ፡ . . . ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” ይብል። (ኤፌሶን 5:25) እወ፡ የሱስ ክርስቶስ ሓዳር እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ እቲ ዝሓደጎ ኣብነት ግና ንፉዕ ሰብኣይ ንኽትከውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ እስከ ንርአ።

ህይወት የሱስ—ንሰብኡት ዚኸውን ፍጹም ኣርኣያ

የሱስ ንኻልኦት ኬዕርፎምን ንዝነበሮም ጾር ኬፍኵሰሎምን ይጽዕር ነበረ። የሱስ ንዅሎም እቶም እተጨቈኑን ውልቃዊ ጸገማት ዝኸበዶምን ሰባት፡ “ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ” ኢሉ ተመባጽዓሎም። (ማቴዎስ 11:28, 29) መብዛሕትኡ እዋን ድማ፡ ካብቲ ዜጋጥሞም ኣካላዊ ስቓይ የሕውዮምን ዚሕድስ መንፈሳዊ ሓገዝ ይህቦምን ነበረ። ብዙሓት ሰባት፡ የሱስ ነቲ ዝነበሮም ጾር ከም ዜፍኵሰሎም ብምትእምማን ናብኡ እንተ ተሳሕቡ እምበኣር ኣየገርምን እዩ።

ሰብኡት ብኸመይ ንየሱስ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧ ነቲ ንሰበይትኻ ዜጋጥማ ጾር ብምፍኳስ ክትሕግዛ እትኽእለሉ መገዲ ኣናዲ። ገሊአን ኣንስቲ ኸምታ፡ “ሰብኣየይ ከም ሰራሕተኛኡ ገይሩ ጥራይ እዩ ዚርእየኒ” ዝበለት ሮሳ እዩ ዚስምዐን። ብኣንጻሩ ግና፡ ክዌኩ ዝስሙ ጽቡቕ ሓዳር ዘለዎ ሰብኣይ፡ “መብዛሕትኡ እዋን ንሰበይተይ፡ ብኸመይ ክሕግዛ ኸም ዝኽእል እሓትታ እየ። ስለ ዘፍቅራ፡ ኣብ ቤት ዚዕየ ነገራት እንተ ኣልዩ፡ ባዕለይ ተበግሶ ወሲደ እየ ዝሕግዛ” በለ።

የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ንኣሽቱ ቘልዑ ኪቕበሎምን ንደቀ መዛሙርቱ ብለውሃት ኪዛረቦምን ከሎ

የሱስ ሓላዪን ደንጋጽን እዩ ነይሩ። ሓንቲ ምስኪን ሰበይቲ ን12 ዓመት ብኸቢድ ኣካላዊ ሕማም ተሳቐየት። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዘለዎ ተኣምራዊ ሓይሊ ምስ ሰምዐት፡ “‘ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንክየ፡ ክሓዊ እየ’ ትብል ነበረት።” ሓቃ ኸኣ እያ ነይራ። ናብ የሱስ ቀሪባ ድማ፡ ጫፍ ክዳኑ ተንከየት፣ ብኡብኡ እውን ሓወየት። ገሊኦም ተዓዘብቲ ነታ ሰበይቲ ኸም ደፋር ገይሮም ርእዮምዋ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ የሱስ ግና፡ ከምኡ ኽትገብር ዝኸኣለት ካብ ጭንቀት እተላዕለ ምዃኑ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ።a ብለውሃት ድማ፡ “ጓለየ፡ . . . ካብቲ ዜቐንዙ ሕማምኪ . . . ጥዓዪ” በላ። ነታ ሰበይቲ ኼሸቝርራ ወይ ኪግስጻ ኣይፈተነን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንሕማማ ኸም ዘስተብሃለሉ ገሊጹ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ደንጋጺ ምዃኑ ኣርኣየ።—ማርቆስ 5:25-34።

ሰብኡት ብኸመይ ንየሱስ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧ ሰበይትኻ ኽትሓምም ከላ፡ ብዝያዳ ሕለየላ፣ ዕጉስ ድማ ኩን። ንዅነታታ በቲ ናታ ኣረኣእያ ኽትርእዮን ነቲ ንሳ እትህበካ ምላሽ ክትርድኦን ጽዓር። ንኣብነት፡ ሪካርዶ፡ “ሰበይተይ ጠባያ ኺረቅቕ ከሎ፡ ነቲ ዅነታት ዜጋድድ ዘረባ ምእንቲ ኸይዛረብ፡ ብዝያዳ እየ ዝጥንቀቕ” በለ።

የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ይዘራረብ ነበረ። የሱስ ምስ ኣዕሩኹ ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ይዘራረብ ነበረ። ‘ኵሉ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ኣፍለጥኩኹም’ በሎም። (ዮሃንስ 15:15) የሱስ ሓድሓደ ሳዕ በይኑ ዀይኑ ዚሓስበሉን ዚጽልየሉን እዋን ይደሊ ኸም ዝነበረ ኣይከሓድን እዩ። ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኡ እዋን ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ውሽጣዊ ስምዒቱ ይነግሮም ነበረ። ቅድሚ እታ ኸም ገበነኛ ተቘጺሩ ዝሞተላ ዕለት ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ ‘ኣዝዩ ኸም ዝጐሃየ’ ብግልጺ ነገሮም። (ማቴዎስ 26:38) ዋላ እውን ተግባሮም እንተ ኣጕሃዮ፡ ምሳታቶም ካብ ምዝርራብ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን እዩ።—ማቴዎስ 26:40, 41።

ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበቦ ሓሳብ ኬስተንትን ከሎ

ሓደ ሰብኣይ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ዜስተንትነሉ እንተ ዀይኑ፡ ንፉዕ ብዓል ሓዳርን ኣቦን ኪኸውን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ

ሰብኡት ብኸመይ ንየሱስ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧ ናይ ውሽጥኻ ኣውጺእካ ምስ ሰበይትኻ ተዘራረብ። ሓደ ሰብኣይ ምስ ካልኦት ወጃዕ እናበለ ኽነሱ፡ ምስ ሰበይቱ ግና ሕትም ዚብል እንተ ዀይኑ፡ እታ ሰበይቱ ኸተማርር ትኽእል እያ። ብኣንጻሩ ግና፡ ኣና እትብሃል ብዓልቲ ሓዳር፡ ሰብኣያ ናይ ውሽጡ ኣውጺኡ ኺዛረባ ኸሎ ብዛዕባ ዚስምዓ ስምዒት ክትገልጽ ከላ፡ “ብሓቂ ዜፍቅረንን ብዝያዳ ናብኡ ዝቐረብኩን ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለት።

ስቕ ብምባል ንሰበይትኻ ኽትቀጽዓ ኣይትፈትን። ሓንቲ ብዓልቲ ሓዳር፡ “ሰብኣየይ ብኣይ ኪሓርቕ ከሎ፡ ንሓያሎ መዓልትታት ኣየዛርበንን እዩ። ከምኡ ኺገብር ከሎ፡ ዝበደልኩን እተጸላእኩን ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለት። ኤድዊን ዚብሃል ብዓል ሓዳር ግና፡ ንኣብነት የሱስ ኪቀድሖ እዩ ዚጽዕር። “ክሓርቕ ከለኹ፡ ብኡብኡ ምላሽ ኣይህብን እየ፣ ምስ ሰበይተይ ብሓባር ኴንና እንዘራረበሉ ጽቡቕ እዋን እየ ዝመርጽ” በለ።

እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ጆይ፡ ሰብኣያ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ካብ ዚጅምር ንነጀው፡ ለውጢ ኺገብር ርእያ እያ። “ናይ ብሓቂ ተመሓይሹ እዩ፣ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምቕዳሕ፡ ብዝያዳ ፈቃር ኪኸውን ከኣ ኣበርቲዑ ይጽዕር ኣሎ” በለት። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰብ ሓዳር፡ ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ጥቕሚ ይረኽቡ ኣለዉ። ንስኻኸ ኸማታቶም ክትከውን ትደሊዶ፧ ንሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኺመርሓልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ።

a ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ እታ ሰበይቲ ዘይንጽህቲ እያ ነይራ፣ ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ንሳ ዝተንከየቶ ሰብ፡ ርኹስ እዩ ዚኸውን ነይሩ።—ዘሌዋውያን 15:19, 25።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ