ነቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ብጽቡቕ ተጠቐመሉ
1 ነቶም ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለዉ ሰባት: ኣደራሽ መንግስቲ ዝርከበሉ ቦታን እቲ ልክዕ ናይ ኣኼባታት ሰዓትን ንምሕባር ናይ ጉባኤ ወረቐት ዕድመ ጠቓሚ ኢዩ። ንነፍሲ ወከፍ ዝረኸብካዮ ሰብ ሓንቲ ቅዳሕ ክትገድፈሉ ጽቡቕ ኢዩ። ከምኡ ንምግባር: ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ እኹል ናይ ዕድመ ወረቐት ቀረብ ኣብ መኽዘን ክትሕዝ ኣለዋ። እተን ናይ ኣኼባ ሰዓታት ዓመት-ዓመት ኣብ ጥሪ ዝልውጣ ጉባኤታት: እዋናዊ ናይ ኣኼባ ሰዓታት ዘለዎ ናይ ዕድመ ወረቐት ቀረብ ምእንቲ ክህልወን ቅድሚ ጥቅምቲ ምሕላፉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓድሽ ናይ ዕድመ ወረቐት ክእዝዛ ኣለወን። እቲ ናይ ዕድመ ወረቐ ት መሕተቲ ቅጥዒ ነዚ ዕላማ እዚ ከገልግል ኣለዎ። ናይ ዕድመ ወረቐት ሓንሳእ ምስ ረኸብካ: ኣዝዩ ጠቓሚ ብዝዀነ መገዲ ክትጥቀመሉ እትኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
2 ብዙሓት ኣስፋሕቲ ንሓደ ሰብ ሓንቲ ቕዳሕ ምሃብ ንኽላለይዎን ምይይጥ ንኽጅምሩን ኣስላጢ መገዲ ኰይኑ ረኺቦሞ ኢዮም። ነቲ ናይ ኣኼባ መደብ ወይ ድማ ነቲ ብድሕሪት ገጽ ተጻሒፉ ዘሎ መልእኽቲ ምግላጽ ብዛዕባ ዕዮናን ዕላምኡን ምይይጥ ንምግባር መገዲ ክኸፍት ይኽእል ኢዩ። ኣርእስቲ ናይታ ቀጺላ እትዋሃብ ህዝባዊ ዝርርብውን ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ። ወለዲ ንንኣሽቱ ደቆም ነቶም ሰብ ቤት ናይ ዕድመ ወረቐት ከም ዝዕድልዎም ብምግባር ኣብቲ ኣገልግሎት ከሕብርዎም ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ኣብ ናይ ደብዳበ ምስክርነት ዝካፈሉ ኣስፋሕቲ ምስቲ ደብዳበኦም ናይ ዕድመ ወረቐት ኣተሓሒዞም ክልእኹን እቲ ሰብ ድማ ኣብ ኣኼባታት ንኽካፈል ክዕድምዎን ኣለዎም። ነቶም ኣብ ገዛ ዘይተረኽቡ ሰባት ናይ ዕድመ ወረቐት ክግደፈሎም ይከኣል ኢዩ: እዚ ግን ብሓለፍቲ መገዲ ፈጺሞም ከም ዘይርኣዩ ገይርካ ብጥንቃቐ ብትሕቲ ማዕጾ ብምእታው ኢዩ ክግበር ዘለዎ።
3 ናይ ዕድመ ወረቐት ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ናብ ሓቂ ንምምራሕ ጠቓሚ መሳርሒ ኰይኑ ክዓዪ ጸኒሑ ኢዩ። ሓንቲ ሰበይቲ ሳላ ናይ ዕድመ ወረቐት ነቲ ኣብ ምሉእ ህይወታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምፍላጥ ዝነበራ ድሌት ከተማልእ ከም ዝኸኣለት ዝገልጽ ሓደ ተመክሮ ኣሎ። ምሉእ ለይቲ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ምስ ሓደረት: ምርዑዋት መሰኻኽር ንንግሁኡ ነቲ ናይ ገዝኣ ደወል ደወልዎ። በቲ ናይ ማዕጾ ጩራ ተቐልቂላ ምስ ረኣየቶም: ነቲ ማዕጾ ከም ዘይትኸፍቶ ኣድሃየት። እቶም መሰኻኽር ናይ ዕድመ ወረቐት በቲ ትሕቲ ማዕጾ ኣእተዉላ። “ንመጽሓፍ ቅዱስካ ፍለጦ” ዝብል ከኣ ነበረ። ነቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ረኣየቶ እሞ ነቲ ማዕጾ ከፈተቶ። ብኡንብኡ ጽንዓት ተጀመረ: ጸኒሓ ድማ ተጠመቐት። ንሓይሊ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ፈጺምና ብዘይ ምስትንዓቕ: ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ እናፈጸምና ነቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ስርዓታውያን ኴንና ብጽቡቕ እንጥቀመሉ ይግበረና።