ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 22 ለካቲት 2010 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 4 ጥሪ ኽሳዕ 22 ለካቲት 2010 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 20 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
1. ገሊኦም እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ ንምውራሳ ኸም ዚድንጕዩ ዝገበሮም ረቛሒታት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ካብዚኸ እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧ (እያ. 18:2, 3) [it-1-E ገጽ 359 ሕ.ጽ. 5]
2. እያሱ ኸምቲ ኣብ እያሱ 24:14, 15 ተመዝጊቡ ዚርከብ ኢሉ ንኺዛረብ ዝደረኾ እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧ እዚኸ ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧ [w08 15/5 ገጽ 17-18 ሕ.ጽ. 4-6]
3. ኣምለኽቲ በዓልን ኣምልኾኦምን ንእስራኤላውያን መፈንጠራን መስድዕን ዝዀነሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ (መሳ. 2:3) [w08 15/2 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 1-2]
4. ካብቲ ኤሁድ ንሰይፉ ብትብዓት ብምጥቃም ዝገበሮ ተግባር እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (መሳ. 3:16, 21) [w97 15/3 ገጽ 31 ሕ.ጽ. 4]
5. ነቲ የሆዋ ንጊዴዎንን ነቶም 300 ሰቡን ዘድሓነሉ መገዲ ኸነጽንዖ ኸለና፡ እንታይ መተባብዒ ኢና እንረክብ፧ (መሳ. 7:19-22) [w05 15/7 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 8]
6. ነፍሲ የሆዋ ‘ብመከራ እስራኤል እተጨነቐት’ ብኸመይ እያ፧ (መሳ. 10:16) [cl ገጽ 254-255 ሕ.ጽ. 10-11]
7. ይፍታሕ መብጽዓ ኺመባጻዕ ከሎ፡ ሰብ መስዋእቲ ንምግባር ድዩ ሓሲቡ ነይሩ፧ (መሳ. 11:30, 31) [w05 15/1 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 1]
8. ሓይሊ ሲምሶን ቃል ብቓሉ ኣብ ጸጕሩ ድዩ ነይሩ፧ (መሳ. 16፡18-20) [w05 15/3 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 5-6]
9. ነቲ ኣብ መሳፍንቲ 16:3 ተመዝጊቡ ዘሎ ሲምሶን ዝገበሮ ዜደንቕ ነገር ምርዳእና፡ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ [w04 15/10 ገጽ 15 ሕ.ጽ. 7-8]
10. ካብቲ ኣብ መሳፍንቲ 16:30 ዚርከብ ቃላት፡ ብዛዕባ ነፍሲ ሰብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ [w90-E 1/9 ገጽ 5 ሕ.ጽ. 5፣ sp-E ገጽ 13-14]