1 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
1 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 1 ሕ.ጽ. 10-18 ኸምኡውን ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሩት 1-4
ቍ. 1: ሩት 3:1-13
ቍ. 2: መሓርቲ ምዃን ብኸመይ ይጠቕመና፧ (ማቴ. 5:7)
ቍ. 3: td 21ሐ ብዛዕባ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ዚገልጽ ዛንታ ናይ ዘለኣለም ስቓይ ኣየመልክትን
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ መጽናዕታት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እተመደበት ፍልይቲ መዓልቲ መዓስ ምዃና ሓብር። ሃናጺ ተመክሮ ተዛረብ፣ ሓደ ኣስፋሒ፡ ኣብ ክልኹም ውጽኢታዊ ዀይኑ ብዛዕባ እተረኽበ መእተዊ ንኺዛረብ ቃለ-መጠይቕ ግበረሉ። ኣብ ገጽ 4 እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ፡ ኣብ ትሕቲ “ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ኣርእስቲ ኻብ ዚርከባ መእተዊታት ንሓንቲ ተጠቒሙ ድማ፡ መርኣያ ኸም ዜቕርብ ግበር።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ ብምትእምማን ምዝራብ ዘለዎ ኣገዳስነት። ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 194-196 ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ።