መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካቲት
“መብዛሕትና ናይ ገዛእ ርእስና ሃይማኖት ኣሎና። ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እነምልኽ እንገብሮ ምርጫ ንዕኡ ዜገድሶዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ማቴዎስ 15:9 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓበሮ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዚልለዩሉ ኣርባዕተ መዳያት ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 16 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! February
“ገሊኦም ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኦም ግን ከምዚ ዓይነት እምነት ኣብ ስነ-ፍልጠት እተመርኰሰን ርትዓውን ከም ዘይኰነ እዮም ዚሓስቡ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚነግረና፡ ናይ ሓቂ እምነት ኣብ መርትዖ እተመርኰሰት እያ። [እብራውያን 11:1 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ብዛዕባ ዚሕብር ገለ መርትዖታት ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 22 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋቢት
“መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ትኣምንዶ ኢኻ ወይስ ጽቡቕ መጽሓፍ ከም ዝዀነ ጌርካ ጥራይ ኢኻ እትወስዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል እሞ ኣስተብህል። [2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ ፍልጠት እተመርኰሰ ውሳነ ብኸመይ ክትገብር ከም እትኽእልን ከምኡ ምግባር ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነን ትገልጽ።”
Awake! March
“ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዚገብርዎ፡ ኣብ ተፈጥሮ ንዚርአ ጽባቐ ተድንቕ ትኸውን። ተፈጥሮ ብጥበብ እተነድፈ ምዃኑ ግን ትሰማምዓሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ መዝሙር 104:24 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ ኣብ ተፈጥሮ እተንጸባረቐ ንድፊ ዜረድእ ባህ ዜብል ኣብነታት ሒዛ ኣላ፡ ካብዚ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እውን ትገልጽ።”