ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ዕዮ
1. ንኣገልግሎት ዘሎና ዓሚቝ ሞሳ፡ እንታይ መስዋእትታት ንኽንገብር እዩ ዚድርኸና፧
1 ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ንኣገልግሎት ክንውፊ ኣዘውቲርና እንተባባዕ ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ፡ ካብኡ ዚዓቢ ዕዮ የልቦን። ነቲ ኣገልግሎትና ዘለዎ ዓብዪ ጽልዋ ኣጸቢቕና ኽንሓስበሉ ኸለና፡ ኣብዚ ኸቶ ዘይድገም ዕዮ ንኽንሳተፍ ሓያል ባህጊ ይሓድረና እዩ።—ግብ. 20:24።
2. ዕዮ ስብከትና ኣብ ምቕዳስ እቲ ዓብዪ ስም የሆዋ እጃም ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧
2 ንስም የሆዋ ይቕድስ፦ ኣብ ዕዮ ስብከትና፡ እታ ክርስቶስ የሱስ ዝገዛኢኣ መንግስቲ የሆዋ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ከም እትትክእን ንዅሉ ጸገማት ደቂ ሰብ ፍታሕ ከም እተምጽእን ኢና እነጕልሕ። (ማቴ. 6:9, 10) ካብ ሕማምን ሞትን ኬድሕነና ዚኽእል የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ኢና እንገልጽ። (ኢሳ. 25:8፣ 33:24 ትርጕም 1990) ስሙ ስለ እንጸውር፡ ነቲ ጽቡቕ ኣኻይዳናን ቅንኣትናን ዚርእዩ ሰባት፡ ንየሆዋ ኬኽብርዎ ይኽእሉ እዮም። (1 ጴጥ. 2:12) ኣብ ምልእቲ ምድሪ ስም እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸነፍልጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜዕግብ ኰን እዩ!—መዝ. 83:18።
3. እቶም ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበልዎ፡ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧
3 ህይወት የድሕን፦ የሆዋ፡ “ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ” ኣምላኽ እዩ። (2 ጴጥ. 3:9) ግናኸ ብዘይ መምህር፡ ከመይ ገይሮም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ግቡእ ወይ ዘይግቡእ ኪፈልጡ ይኽእሉ፧ (ዮና. 4:11፣ ሮሜ 10:13-15) ውልቀ-ሰባት ነቲ ብስራት ኪቕበልዎ ኸለዉ፡ ካብ ጐዳኢ ልምድታት ስለ ዚርሕቁ፡ ህይወቶም ይመሓየሽ እዩ። (ሚክ. 4:1-4) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይረኽቡ እዮም። ብንጥፈት ንሰብኽን ንምህርን እንተ ዄንና፡ ንርእስናን ነቶም ዚሰምዑናን ከነድሕን ኢና። (1 ጢሞ. 4:16) ኣብዚ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ እዚ፡ ከመይ ዝበለ ኣዝዩ ኽቡር ግደ ዀን እዩ ዘሎና!
4. ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ብንጥፈት ክንሳተፍ ዚግብኣና ስለምንታይ እዩ፧
4 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ነዛ እክይቲ ዓለም ብድንገት ኬጥፍኣ እዩ። እቶም ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝጸንሑ ግን ኪድሕኑ እዮም። ስለዚ፡ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን፡ ኣብዚ ግዜና ብህጹጽነቱን ብኣገዳስነቱን ብጥቕሙን ቀዳምነት ኪወሃቦ ዘለዎ ዕዮ እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ንሃቦ!—ማቴ. 6:33።