ሕክምና ንዜድልዮ ድንገተኛ ዅነታት ተዳሊኻዶ ኣሎኻ፧
ሕክምና ዜድልዮ ድንገተኛ ዅነታት፡ ሃንደበትን ብዘይ ገለ መጠንቀቕታን እዩ ዜጋጥም። (ያእ. 4:14) ስለዚ፡ ኣስተውዓሊ ሰብ ብእተኻእሎ መጠን ኵሉ ግዜ ድሉው እዩ ዚኸውን። (ምሳ. 22:3) ኣየናይ ናይ ሕክምና ኣማራጺታት ክትቅበል ፍቓደኛ ኸም ዝዀንካ ወሲንካዶ፡ ነዚኸ ኣብ ጽሑፍ ኣስፊርካዮዶ፧ ከምዚ ንኽትገብር ኪሕግዘካ ተባሂሉ፡ ትራንስፍዩዥን ኦልተርነቲቭ ሄልዝ ኬር—ሚቲንግ ፐይሸንት ኒድስ ኤንድ ራይትስ ዘርእስታ ቪድዮ ከምኡውን ትራንስፍዩዥን ኦልተርነቲቭ—ደኲመንታሪ ሲሬስ ዘርእስታ ዲቪዲ (እንግሊዝኛ) ተዳልየን ኣለዋ። ነዚኣተን ምስ ረኣኻየን፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ። ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ፡ መጥባሕቲ ኺግበር ከሎ ዜርኢ ሕጽር ዝበለ ኽፋል ስለ ዘሎ፡ ወለዲ ምስ ንኣሽቱ ቘልዑ ዀይኖም ኪርእይዋ ኸለዉ ኺጥንቀቑሎም ኣለዎም።
(1) ገለ ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ንምምሕልላፍ ደም ዳግመ ግምት ዚገብሩሉ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧ (2) ብዘይ ደም እተሓላለኸ መጥባሕቲ እተገብረሎም ሰለስተ ኣብነታት ጥቐስ። (3) ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሓካይምን ናይ መጥባሕቲ ኽኢላታትን ብዘይ ደም ሕክምና ኺገብሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧ (4) ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሆስፒታላት እተገብረ መጽናዕቲ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ደም እንታይ እዩ ዚሕብር፧ (5) ምስ ምምሕልላፍ ደም ዚተሓሓዝ እንታይ ናይ ሕክምና ሓደጋታት ኣሎ፧ (6) ብዙሓት ክኢላታት ብዛዕባ እቲ ብዘይ ደም ኣብ ዚግበር ሕክምና ዘሎ ኣማራጺታት፡ ኣብ ከመይ ዝበለ መደምደምታ እዮም በጺሖም፧ (7) ዋሕዲ ደም ካብ ምንታይ እዩ ዚመጽእ፧ ንምትካኡኸ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ (8) ኣብ ኣካላት ሓደ ሕሙም ምፍራይ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ንምቅልጣፍ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ (9) ኣብ እዋን መጥባሕቲ ዚፈስስ ደም ንምንካይ ከመይ ዝበለ ኣገባብ እዩ ዚስርሓሉ ዘሎ፧ (10) ብዘይ ደም ኣብ ዚግበር ሕክምና ዘሎ ኣማራጺታት ኣብ ንኣሽቱ ቘልዑን ኣብቶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘላ ሰባትን ኪዓዪ ይኽእልዶ፧ (11) ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ጽቡቕ ሕክምናዊ ኽንክን እንታይ እዩ፧
ንገለ ኻብቲ ኣብዛ ቪድዮ ዝቐረበ ኣገባብ ሕክምና ምምራጽ፡ ንሕልና እተገድፈ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣየናይ ናይ ሕክምና ኣማራጺታት ንኽትቅበል ወይ ንኸይትቕበል ንምሕሳብ፡ ሓደጋ ኽሳዕ ዜጋጥመካ ኽትጽበ የብልካን። ምዕራፍ 7 እታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ከምኡውን እቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ መወከሲታትን እቲ ኣብ ናይ ሕዳር 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ እታውን በቲ እተመሃርካዮ መሰረት ናይ ርእስኻ ውሳነ ንኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ። እተጠመቕካ እንተ ደኣ ዄንካ ኸኣ፡ ነቲ ዝገበርካዮ ምርጫታት ኣብቲ ንእተጠምቁ መምርሒ ኽንክን ጥዕና ዚብሃል ካርድ ብትኽክል ኣስፍሮ። ነዚ ካርድ እዚ ድማ ወትሩ ኻባኻ ኣይትፍለዮ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣየናይ ናይ ሕክምና ኣማራጺታት ክትቅበል ፍቓደኛ ኸም ዝዀንካ ወሲንካዶ፡ ነዚኸ ኣብ ጽሑፍ ኣስፊርካዮዶ፧