ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ —ንዝረኸብካዮ ተገዳስነት መዝግቦ
“ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር።” (1 ጢሞ. 4:16) እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ፡ ሓደስቲ ንኹን ምኩራት ብዘየገድስ፡ ዕቤት ንኽንገብር ክንጽዕር ከም ዘሎና ዚሕብር እዩ። ዕቤት ምእንቲ ኽንገብር፡ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ” ዘርእስታ ሓዳስ ዓምዲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኽትወጽእ እያ። ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ ኣገዳሲ ዝዀነ ኽእለት ክትገልጽን ነቲ ኽእለት እቲ ብኸመይ ከም እነማዕብሎ ዜብርህ ሓድሓደ ርእይቶ ኽትህብን እያ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ኵላትና ነቲ ዚጥቀስ ክእለት ፍሉይ ኣትኵሮ ኽንገብረሉ ተተባቢዕና ኣለና። እታ ወርሒ ምስ ተዛዘመት፡ ነቲ ኽእለት እቲ ብምምዕባልና ብዛዕባ ዝረኸብናዮ ጥቕሚ ንኽንገልጽ ዜኽእለና ኽፍሊ፡ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ኪቐርብ እዩ። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነቲ ዝረኸብናዮ ተገዳስነት ክንምዝግቦ ተተባቢዕና ኣለና።
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ እተዋህበና ዕዮ ንምፍጻም፡ ስብከት ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ተመሊስና ብምብጻሕን ብምምሃርን፡ ነቲ ዝዘራእናዮ ዘርኢ ሓቂ ኸነስትዮ ኣሎና። (ማቴ. 28:19, 20፣ 1 ቈረ. 3:6-9) ከምኡ ምእንቲ ኽንገብር ድማ፡ ነቲ ዘዘራረብናዮ ሰብ ክንረኽቦን ብዛዕባ ዜተሓሳስቦ ነገራት ከነመያይጦን ኣብቲ ኣቐዲምና ዝገበርናዮ ዝርርብ ክንሃንጽን ኣሎና። ስለዚ፡ ነቲ ዝረኸብናዮ ተገዳስነት ክንምዝግቦ ኣሎና።
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
• ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ቦርሳኻ፡ ነቲ እትረኽቦ ተገዳስነት ክትምዝግበሉ እትኽእል ናውቲ ኸም ዝሓዝካ ኣረጋግጽ። ጽፉፍን ብግቡእ እተታሕዘን እዋናውን መዝገብ ይሃሉኻ። ምስቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ ምይይጥኩም ምስ ወዳእኩም፡ ብኡብኡ መዝግብ።
• ብዛዕባ እቲ ብዓል ቤት ዚገልጽ ሓበሬታ ጽሓፍ። ስሙ ጽሓፍ፣ ንዕኡ ኽትረኽቦ እትኽእለሉ ኸም ቍጽሪ ተሌፎንን ኢ-መይልን ዝኣመሰለ ኣድራሻ እውን ጽሓፍ። ብዛዕባኡን ብዛዕባ ስድራ ቤቱን እተዓዘብካዮ ኣገዳሲ ነገራት መዝግብ።
• ብዛዕባ እቲ ምይይጥኩም ብዝርዝር ጽሓፍ። ኣየናይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካሉ፧ ብዛዕባ እምነቱኸ እንታይ ኢሉካ፧ ኣየናይ ጽሑፍ ኣበርኪትካሉ፧ ብዘይካዚ፡ ነቲ እተዘራረብኩምሉ ግዜን መዓልትን ዕለትን ጽሓፎ።
• ኣብ ዚቕጽል እዋን ብዛዕባ ኽትገብሮ ዝሓሰብካ ነገራት ጽሓፍ። ብዛዕባ እንታይ ከም እትዘራረቡ ኢኻ ነጊርካዮ ኔርካ፧ መዓስ ተመሊስካ ኸም እትመጽእ ኢኻ ነጊርካዮ፧
• ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ምብጻሕ፡ ኣብ መዝገብካ እዋናዊ ሓበሬታ ጽሓፍ። ዝያዳ ሓበሬታ ምጽሓፍካ ጕድኣት የብሉን።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
• ክትምዝግብ ከለኻ፡ ንመገላግልትኻ እንታይ ትጽሕፍ ከም ዘለኻ ንገሮ።