ነቲ ኣጋጣሚ ኽትጥቀመሉ ዲኻ፧
ዚመጽእ በዓል ዝኽሪ፡ ሞሳና ንኸነርኢ ይሕግዘና
1. በዓል ዝኽሪ እንታይ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና፧
1 ነቲ ኣብ 14 ሚያዝያ ዚውዕል በዓል ዝኽሪ፡ ንሕያውነት የሆዋ ንኸነማስወሉ ዚሕግዘና ፍሉይ ኣጋጣሚ ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ ሉቃስ 17:11-18 ዚርከብ ጸብጻብ፡ የሆዋን የሱስን ንሞሳ ብኸመይ ከም ዚርእይዎ ይሕብር እዩ። ካብቶም ዝነጽሁ ዓሰርተ ድዉያት፡ ሓደ ጥራይ እዩ ኣመስጊኑ። ኣብ መጻኢ፡ ሳላ ውህበት በጃ፡ ኵሉ ሕማም ኪፍወስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ኪርከብ እዩ። ሽዑ፡ ነዚ በረኸታት እዚ ስለ ዝሃበና፡ ንየሆዋ ኣብ መመዓልቲ ኸም እነመስግኖ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ዚመጽእ ሰሙናት ሞሳና ኸነርኢ እንኽእል ግና ብኸመይ ኢና፧
2. ንበጃ ዘሎና ሞሳ ኸነዕቢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ሞሳኻ ኣዕቢ፦ ንሞሳ ዜበግሶ፡ ሓሳባት እዩ። ንበጃ ዘሎና ሞሳ ንኸነዕቢ ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን ፍሉይ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኺወጽእ እዩ። እዚ መደብ እዚ፡ ቀቅድሚ በዓል ዝኽሪ፡ ኣብ jw.org እውን ኪወጽእ እዩ። ነቲ መደብ ብስድራ ቤት ኴንኩም ዘይትመያየጡሉ፧ ከምኡ እንተ ጌርና፡ እቲ ብዛዕባ በጃ ዘሎና ሞሳ ኺጐሃሃር እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ጠባይና ኣወንታዊ ጽልዋ ኼሕድር እዩ።—2 ቈረ. 5:14, 15፣ 1 ዮሃ. 4:11።
3. ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ፡ ሞሳና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ሞሳኻ ኣርኢ፦ ሞሳ ብግብሪ እዩ ዚግለጽ። (ቈሎ. 3:15) እቲ መማሰዊ ድዉይ፡ ንየሱስ ንኺረኽቦን ንኼመስግኖን ጽዒሩ እዩ። ንኻልኦት ሰባት እውን፡ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዝሓወየ ብውዕዉዕ ስምዒት ነጊርዎም ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃ. 6:45) ንዓናኸ፡ እቲ ብዛዕባ በጃ ዘሎና ሞሳ ኣብቲ ብዛዕባ በዓል ዝኽሪ ንምእዋጅ እንገብሮ ወፈራ ብቕንኣት ንኽንካፈል ኪድርኸና ድዩ፧ ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ሓጋዚ ፈላሚ ብምዃን ወይ ከኣ ኣገልግሎትና ብምስፋሕ እውን ምስጋናና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። መማሰዊ ልቢ እንተ ኣልዩና፡ ኣብታ በዓል ዝኽሪ ዚበዓለላ ምሸት ንዚመጹ በጻሕቲ ብጽቡቕ ንኽንቅበሎምን ንሕቶታቶም ንኽንምልሰሎምን ድሉዋት ክንከውን ኢና።
4. ኣብዚ ዚመጽእ ዘሎ በዓል ዝኽሪ ብዘየጣዕስ መገዲ ኽንዓዪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 እዚ በዓል ዝኽሪ እዚ፡ ናይ መወዳእታ ደዀን ይኸውን፧ (1 ቈረ. 11:26) ብዛዕባዚ ኣይንፈልጥን ኢና። ሓደ እንፈልጦ ነገር ግና ኣሎ፣ እዚ ኸኣ በዓል ዝኽሪ እንተ ሓሊፉ፡ ሞሳ ንምርኣይ ዝነበረና ፍሉይ ኣጋጣሚ እውን ኪሓልፍ እዩ። እሞኸ ነዚ ረኺብካዮ ዘሎኻ ኣጋጣሚ ኽትጥቀመሉ ዲኻ፧ እቲ ብሞሳ እነውጽኦ ቓላት ኣፍናን ሓሳባት ልብናን፡ ነቲ በጃ ዘዳለወልና ለጋስ ኣምላኽና ዝዀነ የሆዋ ዜብህግ ወይ ዜሐጕስ ይኹን።—መዝ. 19:14።