ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp22 ቍ. 1 ገጽ 12-13
  • 4 | ንጽልኢ ብሓገዝ ኣምላኽ ስዓሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 4 | ንጽልኢ ብሓገዝ ኣምላኽ ስዓሮ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦
  • እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል፦
  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ንጽልኢ ኽንስዕሮ ንኽእል ኢና!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ዘየቋርጽ ዓንኬል ጽልኢ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
wp22 ቍ. 1 ገጽ 12-13
ሰባት ናብ ሓደ ዜብርሃሎም ዘሎ ዓብዪ እተገንጸለ መጽሓፍ ቅዱስ ገጾም ይኸዱ። ጽላሎቶም ነቲ ናይ ቀደም ጽልኦም ይሕብር።

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧

4 | ንጽልኢ ብሓገዝ ኣምላኽ ስዓሮ

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦

“እቲ ፍረ መንፈስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት እዩ።”—ገላትያ 5:22, 23።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ብሓገዝ ኣምላኽ፡ ዓንኬል ጽልኢ ኺስበር ይከኣል እዩ። እቲ ቕዱስ መንፈሱ ብርእስና ኸነጥርዮ ዘይንኽእል ባህርያት ክንፈሪ የኽእለና እዩ። ስለዚ፡ ንጽልኢ ብናትና ብርታዐ ኸነሰንፎ ኣብ ክንዲ እንጽዕር፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዚህቦ ሓገዝ እንተ ተወከልና ይሓይሽ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ከምቲ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ኪስምዓና ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 4:13) እወ፡ ሽዑ፡ “ረድኤተይሲ ኻብ የሆዋ . . . እዩ ዚመጽእ” ክንብል ኢና።—መዝሙር 121:2።

ክትገብሮ እትኽእል፦

“የሆዋ ንዓይ ካብ ዓመጸኛ ሰብ ናብ ሰላማዊ ሰብ ቀይሩኒ እዩ።”—ዎልዶ

ናብ የሆዋ ጸሊ፣ መንፈስ ቅዱሱ ኺህበካ እውን ልባዊ ልማኖ ኣቕርበሉ። (ሉቃስ 11:13) ኣብ ህይወትካ ኣምላኻዊ ባህርያት ምእንቲ ኽትፈሪ ሓገዙ ለምን። ብዛዕባ ኸም እኒ ፍቕሪ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ርእሰ ግትኣት ዝኣመሰለ፡ ጽልኢ ንምውጋድ ዚሕግዝ ባህርያት፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ኣጽንዕ። ነዚ ባህርያት እዚ ኣብ ህይወትካ እተማዕብለሉ መገድታት ኣናዲ። ምስቶም ነዚ ባህርያት እዚ ኼማዕብሉ ዚጽዕሩ ሰባት ከኣ ተዓራረኽ። እዞም ሰባት እዚኦም ከኣ፡ ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ኬለዓዕሉኻ’ እዮም።—እብራውያን 10:24፣ እግረ ጽሑፍ።

ናይ ሓቂ ታሪኽ—ዎልዶ

ንዓመጻን ንጽልእን ስዒሩ

ዎልዶ።

ዎልዶ ሕማቕ ኣተዓባብያ ስለ ዝነበሮ፡ ልቡ ብጽልኢ እዩ መሊኡ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ኼዘንቱ ኸሎ ኸምዚ ይብል፦ “ምስ ሸየጥቲ ሓሽሽ ኵሉ ሳዕ እበኣስ ነበርኩ፣ . . . ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ተቐናቐንተይ ዝዀኑ ዓዋሉ ንሓደ ዕሉል ሰብ ቈጺሮም ኪቐትሉኒ ወሰኑ። እቲ ሰብ ወጊኡ እኳ እንተ ኣቝሰለኒ፡ ካብ ሞት ግና ከምልጥ ክኢለ እየ።”

ሰበይቲ ዎልዶ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ምስ ጀመረት፡ ንሱ በዚ ኣይተሓጐሰን ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እጸልኦም ስለ ዝነበርኩ፡ ብዙሕ ግዜ ብጽዩፍ ቃላት እጭድረሎም ነበርኩ። ንሳቶም ግና ወትሩ . . . ብሰላማዊ መገዲ ይምልሱለይ ነበሩ።”

ውዒሉ ሓዲሩ፡ ዎልዶ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ነቲ እተመሃርክዎ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ቐሊል ኣይነበረን። ነቲ ሕማቕ ባህርያተይ ፈጺመ ኽቈጻጸሮ ዘይክእል ኰይኑ ተሰምዓኒ” ይብል። ሳላ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህሮ ነገር ግና፡ ዓብዪ ለውጢ ኺገብር ከኣለ።

ዎልዶ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ይብል፦ “ሓደ መዓልቲ እቲ ኣለኻንድሮ ዝስሙ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓለይ ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ገላትያ 5:22, 23 ከንብብ ሓተተኒ። . . . ኣለኻንድሮ፡ ነዚ ባህርያት እዚ ንኸማዕብል ኣብ መንፈስ ቅዱስ ደኣ እምበር፡ ኣብ ርእሰይ ክምርኰስ ከም ዘይብለይ ገለጸለይ። እቲ ሓቂ እቲ፡ ንኣመለኻኽታይ ምሉእ ብምሉእ ቀየሮ።”

ዎልዶ ኣብ ሓገዝ ኣምላኽ ብምውካል፡ ኣብ ህይወቱ ንዓንኬል ጽልኢ ኺሰብር ኪኢሉ እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ኣዝማደይን ናይ ቀደም ፈተውተይን ክሳዕ ክንደይ ከም እተቐየርኩ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ንምእማኑ የጸግሞም እዩ” ይብል። ብተወሳኺ እውን፡ “የሆዋ ንዓይ ካብ ዓመጸኛ ሰብ ናብ ሰላማዊ ሰብ ቀይሩኒ እዩ” ይብል።

ተወሳኺ ታሪኽ ዎልዶ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2013 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 12-13 ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ