ሓደ “ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ዕዮ ተዛዘመ”
ሓምሳ ዓመታት ይገብር ሓንቲ ማያ ዝሰተየት በቝቧቝ ኣደ ሓሳባ ብንጹር ገለጸት: ዓለም ከኣ ሰምዓታ። እዚ ኣብ ፓሪስ ብ10 ታሕሳስ 1948 ዝዀነ ነገር ኢዩ። እታ ኣደ መንበር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ. መደረ ኸተስምዕ ከላ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ካብ ዝህነጽ ነዊሕ ግዜ ዘይሓለፎ ፓሌ ሻዮ ዝበሃል ህንጻ ተኣኪቡ ነበረ። እታ ነዋሕ ዝቝመታ ኤሊኖር ሩዝቬልት ዝስማ መበለት: ሰበይቲ ፕረዚደንት ነበር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፍራንክሊን ዲ. ሩዝቬልት ኢያ። ነቶም ኣኼበኛታት ከኣ በቲ ነጐዳ ዝጥዕም ድምጻ ከምዚ ዝስዕብ በለቶም:- “ሎሚ ኣብ ሓደ ኣብ ታሪኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ወድሰብን ዓቢ ፍጻመ ዝዀነ መድረኽ ኢና ደው ኢልና ዘሎና: ሕጂ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ብሓፈሻዊ ባይቶ ዝጸድቀሉ እዋን ኢዩ።”
ነቲ ብዘየሻሙ ሓረጋት ተገሊጹ ዘሎ መእተዊ እቲ ኣዋጅን 30 ዓንቀጻቱን ምስ ኣንበበቶ: እቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ነቲ ሰነድ ኣጽደቖ።a ድሕርዚ እቶም ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሚስስ ሩዝቬልት ዘርኣየቶ መወዳድርቲ ኣልቦ መሪሕነት ዘለዎም ኣኽብሮት ንምግላጽ “ናይ ዓለምና ምርጽቲ ወይዘሮ” ዝብል ስም ብምሃብ ከካብ ኮፍ ኢሎምሉ ዝነበሩ ብድድ ኢሎም ድሙቕ ጣቕዒት ገበሩላ: በዚ መግለጺ ኣድናቖት ዝዀነ መጸውዒ ድማ ትፍለጥ ነበረት። ናይታ መዓልቲ እቲኣ ዕዮኣ ምስ ወደአት “ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ዕዮ ተዛዘመ” ዝብል መዘኻኸሪ ሓንጠጠት።
ካብ እተፈላለየ ርእይቶታት ናብ ሓደ ኣዋጅ
ክልተ ዓመት ኣቐዲሙ: ኣብ ጥሪ 1947 ምዃኑ ኢዩ: እቲ ብው.ሕ.ሃ. እተመዘዘ ኮሚሽን ስርሑ ጅምር ምስ ኣበለ: ኵለን ኣባላት ው.ሕ.ሃ. ዝሰማማዓሉ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ሰነድ ናይ ምንዳፍ ዕማም ኣዝዩ በዳሂ ከም ዝኸውን ንጹር ኰነ። እቲ 18 ኣባላት ዝነበርዎ ኮሚሽን ገና ኣብ ፈለማ ኢዩ ብሰሪ ብርቱዕ ዘይምስምማዕ ኣብ ዓዘቕቲ ናይ መወዳእታ ዘይነበሮ ክትዓት ዝጠሓለ። ኣብቲ ኮሚሽን ንቻይና ወኪሉ ዝነበረ ሰብ: ኣብቲ ሰነድ ናይ ኮንፊሽየስ ፍልስፍና ክጠቓለል ደለየ፣ ካቶሊካዊ ኣባል እቲ ኮሚሽን ድማ ናይ ቶማስ ኣኲናስ ትምህርትታት ክኣቱ ደፋፍአ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኸኣ ነቲ ናይ ኣመሪካ መሰል ቅዋም ኣበርቲዓ ደገፈት፣ ሶቭየታውያን ድማ ናይ ካርል ማርክስ ሓሳባት ኣብቲ ሰነድ ክጠቓለል ደለዩ—እዚ ካብቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሓያል ርእይቶታት ሒደት ጥራይ ኢዩ!
ኣባላት እቲ ኮሚሽን ዘካይድዎ ዝነበሩ ቀጻሊ ርሱን ክትዕ ንዓቕሊ ሚስስ ሩዝቬልት ፈታኒ ኢዩ ነይሩ። ንሳ ብ1948 ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሶርቦን ኣብ ዝሃበቶ ኣስተምህሮ: ነቲ ዝነበራ ዓቢ ስድራቤት ምእላይ ዓቕልኻ ከም ዝጽንቀቕ ዝገብር ፈታኒ ዕማም ገይራ ትሓስቦ ከም ዝነበረት ጠቒሳ ኢያ። ይኹን እምበር: “ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ምውህሃድ ኣዝዩ ዝለዓለ ዓቕሊ ዝሓትት ምንባሩ” ከም ዝገለጸት ተነጊሩላ ኣሎ: እዚ ድማ ነቶም ሰማዕታ ባህ ኣበሎም።
እንተዀነ ግን: እቲ ከም ኣደ መጠን ዝነበራ ተመክሮ ጠቓሚ ኰይኑ ከም እተረኽበ ምንም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ጋዜጠኛ እቲ ሚስስ ሩዝቬልት ነቶም ኣባላት እቲ ኮሚሽን እትሕዘሉ ዝነበረት መገዲ ንሓንቲ “በብግዜኡ ጽኑዕ ተግሳጽ ዘድልዮም ብተፈጥርኦም ክፍኣት ዘይብሎም ክነሶም ጫውጫው ዝብሉ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ኣብ ዘይጸዓድሉ ደረጃ ዝበጽሑ ውሉዳት ዘለውዋ ዓባይ ስድራቤት እትኣሊ” ኣደ የዘኻኽሮ ከም ዝነበረ ጽሒፉ ኣሎ። (ኤሊኖር ሩዝቬልት—ብሕታውን ማሕበራውን ናብርኣ [እንግሊዝኛ]) ይኹን እምበር: ልእመት ብእተሓወሶ መገዲ ትርር ብምባል ጸላእቲ ከየፍረየት ንተኸራኸርታ ከተእምኖም ክኢላ ኢያ።
ከም ውጽኢት እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ንኽልተ ዓመት መመላእታ ዝቐጸለ ኣኼባታት: ኣብቲ ሰነድ እተገብረ ብኣማእታት ዝቝጸር ምምሕያሻት: ብኣሽሓት ዝቝጸር መግለጺታት: ከምኡውን ብድሕሪ እቲ ብዘይምግናን ንነፍሲ ወከፍ ቃልን ሓረግን እተገብረ 1,400 ድምጺ ናይ ምሃብ ዙርያታት: እቲ ኮሚሽን ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ምድሪ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክሕለወሎም ኣለዎ ኢሉ ዝኣምነሉ ዝርዝር ሰብኣዊ መሰላት ዝሓዘ ሰነድ ኣዳለወ። እዚ ኸኣ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ተባሂሉ ተጸውዐ። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ሓድሓደ ግዜ ክብጻሕ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ተልእኾ ተፈጸመ።
ልዑል ትጽቢታት
ርግጽ ኢዩ: መናድቕ ጭቈና በዚ ናይ ፈለማ ጭድርታ ሃደሽደሽ ኢሉ ክፈርስ ትጽቢት ኣይተገብረን። እንተዀነ ግን: ምጽዳቕ እዚ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ልዑል ትጽቢት ከም ዝህሉ ገይሩ ኢዩ። እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ባይቶ ው.ሕ.ሃ. ዝነበረ ኣውስትራልያዊ ዶ/ር ሀርበርት ቪ. ኤቫት “ካብ ፓሪስን ኒው ዮርክን ብብዙሕ ማይላት ርሒቖም ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሓገዝ: መምርሒ: ከምኡውን ጽልዋ ዝገብር ሓድሽ ሓሳብ ደልዮም ናብዚ ሰነድ እዚ ቍሊሕ ክብሉ” ምዃኖም ተነበየ።
ዶ/ር ኤቫት ነዘን ቃላት እዚኣተን ካብ ዘውስአን እንሆ 50 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ሓቂ ኢዩ: ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ሰባት መምርሒ ደልዮም ናብዚ ኣዋጅ እዚ ቈላሕታ ገይሮም ኢዮም: ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ብዘላ ዓለም ክሳብ ክንደይ ከም ዝኽበር ንምርኣይ ድማ ከም መዐቀኒ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ከምዚ ክገብሩ ኸለዉ ግን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ከመይ ኰይኑ ረኸብዎ፧ ኣባላት ው.ሕ.ሃ. ዝዀና መንግስታት ብመዐቀኒ እዚ ኣዋጅ እዚ ክልክዓ ኸለዋ ምስዚ ሰነድ እዚ ተሰማሚዐንዶ ይኸዳ ኣለዋ፧ ሎሚ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዓለም ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ዝርከብ ዘሎ፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣርብዓን ሸሞንተን ሃገራት ክድግፋ ኸለዋ ዋላ ሓንቲ እተቓወመት ሃገር ኣይነበረትን። ሎሚ ግን ኵለን 185 ኣባል ሃገራት ው.ሕ.ሃ.: እንተላይ እተን ብ1948 ድምጺ ካብ ምሃብ እተዓቀባ ሃገራት ነቲ ኣዋጅ ተቐቢለናኦ ኢየን።
[ኣብ ገጽ ዘሎ ሳጹን 4]
ሰብኣዊ መሰል እንታይ ማለት ኢዩ፧
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት “ብዘይዚ መሰላት እዚ ከም ደቅሰብ ምንባር ዘይንኽእለሉ ተፈጥሮኣዊ ትዕድልቲ” ብምባል ይገልጾ። ብተወሳኺውን ሰብኣዊ መሰላት “ናይ ሓባር ቋንቋ ሰብኣውነት” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ—እዚ ኸኣ ብሓቂ ዝሰማምዖ መግለጺ ኢዩ። ከምቲ ንሓደ ቛንቋ ኣጽኒዕካ ናይ ምዝራብ ባህርያዊ ክእለት መለለዪ ሰባት ዝዀነ: ካብ ካልኦት ኣብ ምድሪ ዘለዉ ፍጡራት ክፈልየና ዝኽእል ካልእ መዋልድትና ዝዀነ ድሌታትን ባህርያትን እውን ኣሎ። ንኣብነት: ደቅሰብ ጽምኢ ፍልጠት: ስምዒትካ ብስነ-ጥበብ ናይ ምግላጽ ድሌት: ከምኡውን መንፈሳዊ ባህጊ ኣለዎም። እቲ ነዚ መሰረታዊ ድሌታት እዚ ንኸየማልእ ዝኽልከል ወድሰብ: ትሕቲ ሰብ ዝዀነ ናብራ ንኽነብር ኢዩ ዝግደድ። ደቅሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ክልክል ምእንቲ ኸይግበረሎም እንታይ ከም እተገብረ ሓንቲ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትገልጽ:- “ብዓይኒ ሕጊ ክርአ ኸሎ እታ ‘ድሌት’ እትብል ቃል ክንዲ ናይታ ‘መሰል’ እትብል ቃል ሓይሊ ስለ ዘይብላ: ኣብ ክንዲ ‘ሰብኣዊ ድሌት’ ነታ ‘ሰብኣዊ መሰላት’ እትብል ስያመ ኢና እንጥቀም። ንሰብኣዊ ድሌታት ‘መሰል’ ኢልና ምጽዋዕና እምበኣር ነዚ ድሌታት እዚ ምዕጋብ ሞራላውን ሕጋውን ግቡእ ከም ዝዀነ ኢና እነጕልሕ።”
[ኣብ ገጽ ዘሎ ሳጹን/ስእሊ 5]
ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት
ጸሓፋይን ተዓዋቲ ሽልማት ኖበልን ዝዀነ ኣለክሳንደር ሶልዠኒሳይን ነቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ክሳዕ ሕጂ ብው.ሕ.ሃ. ካብ እተነድፉ እቲ “ዝበለጸ ሰነድ” ብምባል ጸውዖ። ብዙሓት ነዚ ይሰማምዕሉ ኢዮም: ንትሕዝትኡ ምስ እንድህስሶ ስለምንታይ ከም እተሰማምዕሉ ክንርኢ ኢና።
ናይቲ ኣዋጅ መሰረታዊ ኣምር ኣብ ዓንቀጽ 1 ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ንረኽቦ:- “ኵሎም ደቅሰብ ናጻ ከምኡውን ማዕረ ክብርን መሰላትን ዘለዎም ኰይኖም ኢዮም ዝውለዱ። ብተፈጥሮኦም ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ሕልናን ስለ ዘለዎም እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ብሕውነታዊ መንፈስ ክሕዞ ኣለዎ።”
በዚ መሰረት እዚ እቶም ኣርቀቕቲ ናይዚ ኣዋጅ እዚ ንሰብኣዊ መሰላት ብዘየማትእ መገዲ ኣብ ክልተ ጕጅለ ገይሮምዎ ኣለዉ። እቲ ናይ ፈለማ ጕጅለ ኣብ ዓንቀጽ 3 ብኸምዚ ተገሊጹ ኣሎ:- “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብህይወት ናይ ምንባር: ከምኡውን ከም ሰብ መጠን ሓርነትን ውሕስነትን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።” እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ካብ ዓንቀጽ 4 ክሳብ ዓንቀጽ 21 ተዘርዚሩ ዘሎ ናይ ወድሰብ ሲቪላዊ ከምኡውን ፖለቲካዊ መሰላት ዝኸውን መሰረት ትህብ። እቲ ካልኣይ ጕጅለ ኣብ ዓንቀጽ 22 እተመስረተ ኢዩ: ብኸፊሉ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ “ንሰብኣዊ ክብሩን ናጻ ዕቤቱን ኣዝዩ ኣድላዪ” ዝዀነ መሰላት ንኽግንዘቦ ዋላ ሓደ ክምንዝዖ ዘይክእል ግቡእ ከም ዘለዎ ትገልጽ። ነተን ንናይ ወድሰብ ቍጠባውን ማሕበራውን ባህላውን መሰላት ብሩህ ብዝዀነ መልክዑ ዝገልጻኦ ዓንቀጻት 23 ክሳብ 27 ከኣ መሰረት ትዀነን። እዚ ኣድማሳዊ ኣዋጅ እዚ ነቲ ኣብ ካልኣይ ጕጅለ ዘሎ መሰላት ምስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝጠቓለል ኣፍልጦ ዝህብ ናይ ፈለማ ኣህጉራዊ ሰነድ ኢዩ። አረ ነታ “ሰብኣዊ መሰላት” እትብል ስያመ ንፈለማ ግዜ እተጠቕመላ ኣህጉራዊ ሰነድ እውን እዚ ኣዋጅ እዚ ኢዩ።
መጽናዕቲ ስነ-ማሕበረሰብ እተካይድ ብራዚላዊት ሩት ሮሸ እቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ እንታይ ከም ዝሕብረና ብንጹር ኣዘራርባ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትገልጽ:- “ካበየናይ ዓሌት ምዃንካ ዘገድስ ኣይኰነን። ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ምዃን ዘገድስ ኣይኰነን። ኣየናይ ቋንቋ ከም እትዛረብ: ሃይማኖትካ እንታይ ምዃኑ: ፖለቲካዊ መርገጽካ እንታይ ምዃኑ: ወዲ ኣየናይ ሃገር ወይ ስድራቤት ምዃንካ ዘገድስ ጕዳይ ኣይኰነን። ሃብታም ወይ ድኻ ምዃንካ ዘገድስ ኣይኰነን። ወዲ ኣየናይ ክፍሊ ዓለም ምዃንካ፣ ሃገርካ ግዝኣተ-ንጉስ ትኹን ሪፑብሊክ ዘገድስ ጕዳይ ኣይኰነን። እዚ መሰላትን ሓርነትን እዚ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ተባሂሉ እተዳለወ ኢዩ።”
እዚ ኣድማሳዊ ኣዋጅ እዚ ካብቲ ዝጸደቐሉ እዋን ኣትሒዙ ብልዕሊ 200 ቋንቋታት ተተርጒሙን ኣብ ቅዋም ብዙሓት ሃገራት ኣትዩን ኣሎ። እንተዀነ ግን ሎሚ ገለ መራሕቲ: እቲ ኣዋጅ እንደገና ክንደፍ ከም ዘለዎ ይኣምኑ። ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ. ኮፊ ኣናን ግን ነዚ ኣይሰማምዓሉን ኢዩ። ሓንቲ በዓልቲ ስልጣን ው.ሕ.ሃ. ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ከም እተዛረበ ትገልጽ:- “ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ቁርኣን እንደገና ተዓርዩ ክጸሓፍ ዘየድልዮ: እዚ ኣዋጅ እዚ እውን ምዕራይ ኣየድልዮን ኢዩ። ክዕረ ዘድልዮ ትሕዝቶ እቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ዘይኰነስ ባህርይ እቶም ሰዓብቱ ኢዩ።”
ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ. ኮፊ ኣናን
[ምንጪ ስእሊ]
UN/DPI photo by Evan Schneider (Feb97)
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ሚስስ ሩዝቬልት ነቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ሒዛቶ ኸላ
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ስእሊ ሚስስ ሩዝቬልትን ኣብ ገጽ 3, 5, 7 ዘሎ ኣርማን እተወስደሉ ምንጪ:- UN photo