ንዅሉ ሰብ ዝኸውን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ብዘላ ዓለም ክረጋገጽ ኢዩ!
ንሓደ ምኩር ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት “እቲ ቐንዲ ጠንቂ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እንታይ ኢዩ፧” ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ነበረ። እቲ ጠበቓ ድማ “ስስዐ” ብምባል መለሰ። “ፖለቲካዊ ስልጣንን ቍጠባዊ ዓብላልነትን ንምርካብ ምስሳዕ።” ስስዐ ካብ ኣእምሮ ሰብ ዝምንጭ ስምዒት ስለ ዝዀነ ድማ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኵነት ኣእምሮ ዘንጸባርቕ ኢዩ። እቲ ኻልእ ጠንቂ ኸኣ ሃገራውነት ኢዩ። እቲ ‘መን ከም ሃገረይ’ ዝብል ፍልስፍና ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘጐሃህሮ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ሰብኣዊ መሰላት ክረጋገጽ ዝከኣል ‘ንትግባረ ዘንቀሳቕስ ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ክትገብር እትኽእል ዓለምለኻዊት መንግስቲ ምትካል እንተድኣ ተኻኢሉ’ ጥራይ ምዃኑ ያን ቤርካወር ዝበሃል ሆላንዳዊ ናይ ሕግን ቍጠባን ፕሮፈሰር ይገልጽ።
ብኻልእ ኣበሃህላ: ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ብዘላ ዓለም ክረጋገጽ እንተድኣ ዀይኑ: ፈለማ እንተ ወሓደ ክልተ ነገራት ክፍጸሙ ኣለዎም፣ ናይ ኣተሓሳስባን መንግስትን ለውጢ ክህሉ ኣለዎ። እዚ ለውጥታት እዚ ንኽፍጸም ትጽቢት ምግባር ክውንነታዊ ድዩ፧
ንለውጢ ዝኸውን ድርብ ምኽንያት
እቲ ው.ሕ.ሃ. ሰብኣዊ መሰላት ንምምሃር ዝወፈዮ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝጅምር ሓያለይ ዓመታት ሓሊፉ እኳ እንተ ሃለወ: ሓደ ኣህጉራዊ ዘይመንግስታዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ንብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ክካየድ ጸኒሑ ጥራይ ዘይኰነስ ኣተሓሳስባ ናይ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ምልዋጥ እውን ዕዉት ኰይኑ ኣሎ። ከም ውጽኢት እዚ ድማ እዞም ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዝገበሩ ሰባት ናይ ብጾቶም ሰብኣዊ ክብሪ ዝሕልዉ ኰይኖም ኣለዉ። እዚ ፕሮግራም እዚ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ይካየድ ኣሎ። ዕዉት ክኸውን ዝኸኣለ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧
እቲ ሓደ ምኽንያት: እዚ ዓለምለኻዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ፕሮግራም ነቲ ሰባት ብዛዕባ ምንጪ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ምርዳእ ዘስፍሖ ምዃኑ ኢዩ። ወድሰብ ርትዓውን ስነ-ምግባራውን ኣተሓሳስባ ዘለዎ ብምዃኑ ክኽበሩሉ ዝግባእ መሰላት ከም ዘለዎ እቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጽ።
ሰብ ነቲ ናይ ሓሳብን ሕልናን ክእለቱ ካብ ሓደ ዝለዓለ ምንጪ ረኺብዎ ክኸውን ኣለዎ። (ነቲ ኣብ ገጽ 13 ዘሎ “ምንጪ ሰብኣዊ መሰላት” ዘርእስቱ ሳጹን ተመልከት።) ነዚ ልዑል መለኮታዊ ምንጪ ኣፍልጦ ምሃብ ንብጻይካ ንኸተኽብሮ ድልዱል ምኽንያት ኢዩ ዝዀነካ። ስለዚ ንኻልኦት ሰብኣዊ ክብሮም እትሕልወሎም ሕልናኻ ስለ ዝድርኸካ ጥራይ ዘይኰነስ: ልዕሊ ዅሉ እኳ ድኣስ እቲ ኣብ ፈጣሪ ዘሎካ ኣኽብሮትን ፍቕርን ኢዩ ንፍጥረቱ ብኽብሪ ንኽትርእዮ ዝድርኸካ። እዚ ድርብ ምኽንያት እዚ ኣብተን “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ከምኡውን “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዝብላ የሱስ እተዛረበን ቃላት እተመስረተ ኢዩ። (ማቴዎስ 22:37-39) ሓደ ንፈጣሪ ዓሚቝ ኣኽብሮት ዘለዎ ሰብ ናይ ብጾቱ ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ ኣይግህስን: ከመይሲ እዚ መሰላት እዚ ካብ ኣምላኽ እተረኽበ ውርሻ ኢዩ። ሰብኣዊ መሰላት ዝግህስ ውርሻ ኢዩ ዝዝርፍ።
ለውጢ ዘምጽእ ትምህርቲ
እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝካየድ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ፕሮግራም ኣብ ምንካይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክሳዕ ክንደይ ውጽኢታዊ ኢዩ፧ ነዚ ሕቶ እዚ ዝኸውን መልሲ ንምርካብ እቲ ዝበለጸ መገዲ ነቲ እዚ ፕሮግራም እዚ ዘምጽኦ ውጽኢት ምርኣዩ ኢዩ: ከመይሲ የሱስ “ጥበብ ብደቃ [“ብግብራ:” NW ] ጸደቐት” ብምባል ተዛሪቡ ኢዩ።—ማቴዎስ 11:19
ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘሎ መንደቕ እዚ ዝስዕብ እተቐርጸ ጽሑፍ ኣሎ:- “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ክሰርሕዎ ኢዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይከልዕልን ኢዩ: ደጊም ውግእ ኣይክመሃሩን ኢዮም።” ው.ሕ.ሃ. በዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ዝዀነ መጽሓፍ ኢሳይያስ ምዕራፍ 2 ቍጽሪ 4 ዘሎ ሓሳባት ገይሩ: ነቲ ዝበዝሐ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸመሉ ተግባር ዝንከየሉ ኣውራ መገዲ ኢዩ ዝሕብር ዘሎ—እዚ ኸኣ ውግእ ከም ዘብቅዕ ምግባር ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ከምቲ ሓደ ናይ ው.ሕ.ሃ. ጽሑፍ ዝገለጾ ውግእ ‘ጸረ ዅሉ ሰብኣዊ መሰላት ኢዩ።’
እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝካየድ ትምህርታዊ ፕሮግራም ንቓላት ኢሳይያስ ካብ ኣብ ጽላት መንደቕ ምጽሓፍ ሓሊፉ ዝኸይድ ኢዩ። እዚ ፕሮግራም እዚ ንቓላት ኢሳይያስ ኣብ ሰብኣዊ ልቢ ኢዩ “ዝጽሕፎ።” (ምስ እብራውያን 8:10 ኣረኣእዮ።) ብኸመይ፧ እዚ ፕሮግራም እዚ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓሌት ዘለዎ ኣረኣእያ ማለት ሓደ ዓሌት—ዓሌት ሰብ—ጥራይ ከም ዘሎ ብምምሃር ንዓሌታውን ቀቢላውን ሓጹራት የፍርሶ ከምኡውን ንመናድቕ ሃገራውነት ሃደሽደሽ ከም ዝብል ይገብሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:26) እቶም ኣብዚ ፕሮግራም እዚ ዝሳተፉ ዘበሉ ዅሎም ነቲ ‘ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዝፈርሆን ቅንዕና ዝገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል ኢዩ እምበር ኣድልዎ ዘይብሉ’ ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ዝዛረበሉ ‘ኣምላኽ ናይ ምስዓብ’ ድሌት የማዕብሉ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ ኤፌሶን 5:1
ከም ውጽኢት ናይዚ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዝካየድ ትምህርቲ ድማ ሎሚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ‘ውግእ ኣይማሃሩን’ ኢዮም። ናይ ኣእምሮን ልብን ለውጢ ገይሮም ኢዮም። እዚ ለውጢ እዚ ኸኣ ነባሪ ኢዩ። (ነቲ ኣብ ገጽ 14 ዘሎ “ሰላም ዘምጽእ ትምህርቲ” ዘርእስቱ ሳጹን ተመልከት።) ኣብዚ ሕጂ እዋን ብገምጋም ክርአ ኸሎ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 1,000 ዝዀኑ ሰባት ነቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝምራሕ መባእታዊ ትምህርቲ ኣጽኒዖም ብምውዳእ ኣብ መሳርዕ እዚ ንሰላም ዝነጣጠፍ ዘሎ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይጽንበሩ ኣለዉ።
እዚ ንሰባት ኣብ ውግእ ከም ዘይሳተፉ ብምግባር ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘኽብሩ ዝገብሮም ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክሳብ ክንደይ ንውሽጢ ዝሰረጸ ኢዩ፧ ኣዝዩ ኣዕሚቑ ዝሰረጸ ኢዩ። ኣብነት ንምሃብ:- ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ብፍላይ ኣብ ናይ ናዚ ጀርመን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝህብዎ ክብሪ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ፈተና ወዲቑ ነበረ። ብርያን ዳን እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ገለጸ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ስርዓት ናዚ ኣየሳንዩን ኢዮም ነይሮም። ሓደ ካብቲ ስርዓት ናዚ ዝቃወሞ ዝነበረ ቀንዲ ምኽንያት ፖለቲካዊ ገለልትነቶም ኢዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ዋላ ሓደ ኣማኒ ኣጽዋር ውግእ ክዕጠቕ ኣይነበሮን ማለት ኢዩ።” (ዘ ቸርችስ ሬስፖንስ ቱ ዘ ሆሎካስት [እንግሊዝኛ]) አ ሂስትሪ ኦቭ ክርስችያኒቲ ኣብ ዝበሃል ጽሑፍ (እንግሊዝኛ) ፖል ጆንሰን “ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ብምእባዮም ብዙሓት ንሞት ተፈሪዶም . . . ወይ ድማ ኣብ ከተማ ዳካው ወይ ኣብ መዕቆብ ጽሉላት ዕምሮም ሓጺሩ ኢዩ” ብምባል ገሊጹ ኢዩ። ይኹን እምበር: ጸኒዖም ኢዮም። ኣና ፓቨልሺንስካ እተባህለት ብዛዕባ ስነ-ማሕበረሰብ እተጽንዕ ነዞም መሰኻኽር እዚኣቶም “ኣብ ማእከል እተናዕበ ህዝቢ ዘሎ ክምህ ዘይብል ንእሽቶ ጕጅለ” ኢላ ገለጸቶም።
ኵሉ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቕዋም ብምውሳድ ‘ውግእ ዘይማሃር ነይሩ’ እንተ ዝኸውን: ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብኸመይ ዝኣመሰለ ቀጥታውን ዘደንቕን መገዲ ክንኪ ከም ዝኽእል እሞ ክትግምቶ ፈትን!
ዓለምለኻዊት መንግስቲ —‘ትምኒት ጥራይ ድዩ’፧
ሓንቲ ናይ ው.ሕ.ሃ. ሰራሕተኛ ‘ኣተሓሳስባ ምልዋጥ ብድሆ ኢዩ: በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ምትካል ትምኒት ጥራይ ኢዩ’ ብምባል ርእይቶኣ ሃበት። ብርግጽ እኳ ድኣ እቲ መንግስታት ሉዓላውነተን ንው.ሕ.ሃ. ወይ ድማ ንዝዀነ ይኹን ካልእ ውድብ ኣሕሊፈን ክህባ ፍቓደኛታት ዘይምዃነን ነዚ ሓቂ እዚ ዘጕልሕ ኢዩ። ይኹን እምበር: ፕሮፈሰር ቤርካወር ብዛዕባ እቶም ዓለምለኻዊት መንግስቲ ናይ ምትካል ሓሳብ ዘይሰማምዕሉ ሰባት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብ ዓለም ዘሎ ሽግራት ክፍተሓሉ ዝከኣል ካልእ መገድታት ክሕብሩ ሞራላዊ ግዴታ ኣለዎም። ይኹን እምበር: ኣማራጺ መፍትሒታት የልቦን።” ከምዚ ክበሃል ከሎ ሰብኣዊ መፍትሒ የልቦን ማለት ኢዩ። ልዕለ-ሰብኣዊ መፍትሒ ግን ኣሎ። እዚ እንታይ ኢዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ: ፈጣሪ ምንጪ ናይቲ ንሰብኣዊ መሰላት መሰረት ዘንብረሉ ኣእምሮኣዊ ተኽእሎታት ምዃኑ ጥራይ ኣይኰነን ዝገልጽ: ምንጪ ናይታ ነዚ መሰላት እዚ ውሕስነት እትኸውን መንግስቲ ከም ዝዀነ እውን ይሕብረና ኢዩ። እዛ ሰማያዊት መንግስቲ እዚኣ ዘይትርአ ግን ናይ ሓቂ ኢያ። ኣብቲ ብልምዲ ኣቡነ ዘበሰማያት ዝበሃል ጸሎት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት: ምናልባት ብዘይፍላጥ ኢዮም ዝዀኑ: ምእንቲ እዛ ዓለምለኻዊት መንግስቲ እዚኣ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይጽልዩ:- “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።” (ማቴዎስ 6:10) የሱስ ክርስቶስ እቲ መስፍን ሰላም: ንጉስ እዛ መንግስቲ እዚኣ ክኸውን ብኣምላኽ እተመዘዘ ኢዩ።—ኢሳይያስ 9:6
እዛ ዓለምለኻዊት መንግስቲ እዚኣ ናይ ሓቂ ኣህጉራውን ነባርን ዝዀነ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምኽባር ባህሊ ከም ዝዕምብብ ኣብ ምግባር ክትዕወት ኢያ: ነዚ ኸኣ ካብቲ እትዓሞ ተግባራት ሓደ ማለት ውግእ ንዘለኣለም ከም ዝጠፍእ ብምግባር ኢያ እትፍጽሞ። መጽሓፍ ቅዱስ “[ፈጣሪ] ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ: ንቐስቲ ይሰብሮ: ንዂናት ይቐራስሞ: ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ” ብምባል ይንበ።—መዝሙር 46:9
እዚ ትንቢት እዚ ዓለምለኻዊ ተፈጻምነት ዝረኽበሉ እዋን ክሳዕ ክንደይ ቀረባ ኢዩ፧ እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወሃብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጽናዕ ፕሮግራም ነዚ ሕቶ እዚ ዝኸውን ዘዕግብ መልሲ ዝሓዘ ኢዩ። ምስዚ ፕሮግራም እዚ ክትላለ ነተባብዓካ።a ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ትግደስ እንተድኣ ዄንካ: ኣጆኻ ተስፋ ኣይክትቈርጽን ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ፕሮግራም ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ምስ ሓተምቲ እዚ መጽሔት እዚ ወይ ድማ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ። እዚ ፕሮግራም እዚ ብዘይገለ ክፍሊት ኢየ ዝወሃብ።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]
ምንጪ ሰብኣዊ መሰላት
“ኵሎም ደቅሰብ ናጻ ከምኡውን ማዕረ ክብርን መሰላትን ዘለዎም ኰይኖም ኢዮም ዝውለዱ” ብምባል እቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዓንቀጽ 1 ይገልጽ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዩ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ወለዲ ናብ ውሉዳት ዝመሓላለፍ ውርሻ ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ: እዚ ኸኣ ምስ ሓደ ነቶም ኣብ ገምገመገምገሙ ዝርከቡ ህያዋን ዝኸውን ማይ ዘመሓላልፍ ውሕጅ ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ኢዩ። እዚ ወሓዚ ሰብኣዊ መሰላት ካበይ ኢዩ ክውሕዝ ጀሚሩ፧
ብመሰረት እቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ: ደቅሰብ “ብተፈጥርኦም ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ሕልናን ስለ ዘለዎም” ክሕለወሎም ዝግባእ መሰላት ኣለዎም። ሓደ ናይ ው.ሕ.ሃ. ጽሑፍ “ወድሰብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ስነ-ምግባርን ዘለዎ ፍጡር ብምዃኑ: ካብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ካልኦት ፍጡራት ፍሉይ ኢዩ፣ ስለዚ ክኽበረሉ ዝግባእ ካልኦት ፍጡራት ዘይረኸብዎ መሰላትን ሓርነትን ኣለዎ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ሕልናን ዘሎካ ምዃን ሰብኣዊ መሰላት ክትውንን ዘኽእል መሰረት ኢዩ። ከምዚ ኻብ ኰነ እምበኣር እቲ ምንጪ ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ሕልናን ዝዀነ ኣካል: ምንጪ ሰብኣዊ መሰላት ኢዩ እውን ክበሃል ይከኣል።
እዚ ንሰብኣዊ መሰላት ምስ ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ሕልናን ዘተሓሕዝ ኣበሃህላ እዚ: ነቶም ኣብ ናይ ፍልቀት ክልሰ-ሓሳብ ዝኣምኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከደንጽዎም ዝኽእል ግድል ኢዩ ኣብ ቅድሚኦም ዝቕጅለሎም። ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ዝድይብ ዘሎ ህይወት ዘርእስታ ናይ ፍልቀት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “እዚ መስርሕ [ፍልቀት] እዚ . . . ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ንዝሓድር ናይ ምፍታው ስምዒት: ልክዕነት ናይ ምድላይ ዝንባለ: ድንጋጽ: ሓርነት: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ እቲ እልቢ ዘይብሉ ውዕዉዕ ሰብኣዊ መንፈስ: ከምኡውን ንኻልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ብኸመይ ከመንጭዎም ከም ዝኸኣለ ምስ እንሓትት ጋን ተሰሪሕና ኢና እንተርፍ” ብምባል ትእመን። ብሓቂ ኸኣ ከምኡ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ እቲ ናይ ወድሰብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ሕልናን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኽእሎ ዘይብሎም ትሕተ-ሰብ ዝዀኑ ኣባሓጎታት ከም ዝመነጨ ገይርካ ምግላጽ: ካብ ንቑጽ ዔላ: ውሕጅ ይፍልፍል ኢዩ ኢልካ ከም ምዝራብ ኢዩ።
ናይ ወድሰብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ሕልናን ካብ ትሕተ-ሰብ ዝዀነ ምንጪ ክምንጭ ስለ ዘይክእል: እዚ ተኽእሎታት እዚ ካብ ልዕለ-ሰብኣዊ ምንጪ ዝምንጭ ክኸውን ኣለዎ። ምስ ሰብኣዊ መሰላት ምትእስሳር ዘለዎ ባህርያት—ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ሕልናን—ዘለዎም ደቅሰብ ጥራይ ኢዮም: ከመይሲ ከም እንስሳታት ዘይኰኑስ “ብመልክዕ” ኣምላኽ ከም እተፈጥሩ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጽ። (ዘፍጥረት 1:27) ስለዚ እምበኣር ከምቲ ኣብታ ሰብኣዊ መሰላት ንምርግጋጽን ንምትግባርን እተገብሩ ፈተነታት እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተገሊጹ ዘሎ ነቲ ስለምንታይ ሰባት ሞራላዊ መሰላት ከም ዘለዎም ዝቐረበ ሕቶ ዝኸውን ዘዕግብ መልሲ “ኣዕዚዝካ ወይ ብኽብሪ ከም ዝረኣዩ ዝገብር ኣፈጣጥራ ስለ ዘለዎም ወይ ድማ . . . ደቂ ኣምላኽ ስለ ዝዀኑ” ዝብል ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ሰላም ዘምጽእ ትምህርቲ
ገለ ዓመታት ይገብር: ንሃገራት ባልካን ውግእ ክሕምሰን ከሎ: ብራንኮ ኣብ ሓደ ክሮኦሽያ እትቈጻጸሮ ክፍሊ ቦዝንያ ዝርከብ ክሊኒክ ዕጡቕ ዋርድያ ኰይኑ ይሰርሕ ነበረ።b ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ክሊኒክ ንዝሰርሕ ዝነበረ ሓኪም ጽንዓት ይገብርሉ ነበሩ: እቲ ሓኪም ከኣ ሓደ ምሸት ነቲ እተማህሮ ንብራንኮ ነገሮ። ብራንኮ እቲ ዝረኸቦ ፍልጠት ዕጥቁ ንኽፈትሕ ደረኾ። ድሕሪ ገለ ግዜ ናብ ካልእ ኣብ ኣውሮጳ እትርከብ ሃገር ከደ እሞ: ኣብ ሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባ ተኻፈለ: ኣብኡ ኸኣ ምስ ስሎቦዳን ተፋለጠ።
ስሎቦዳን እውን ካብ ቦዝንያ ኢዩ ናብኡ ኸይዱ። ምስ ብራንኮ ኣብ ሓደ ዓውዲ ኲናት ኣብ ኣንጻር ግንባራት ተሰሊፎም ነበሩ። ስሎቦዳን ምስ ሰርብያውያን ኣንጻር ክሮኣት ተሰሊፉ ነበረ። ክልቲኦም ክራኸቡ ኸለዉ ስሎቦዳን ድሮ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ነበረ እሞ ነቲ ቕድም ጸላኢኡ ዝነበረ ብራንኮ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብረሉ ሓተቶ። ብራንኮ ጽንዓት ጀሚሩ ብመንፈስ እናዓበየ ምስ ከደ ነቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ እናዓዘዘ ኸደ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ወሰነ።c
ስሎቦዳን ንባዕሉ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ብሓገዝ ናይ ሓደ ቅድም ጸላኢኡ ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ብኸመይ፧ ስሎቦዳን ካብቲ ኣብ ቦዝንያ ዝነበረ ዞባ ኲናት ምስ ወጸ: ሓደ ካብቲ ናይ ስሎቦዳን ኣዝዩ ፍልይ ኣብ ዝበለ ሃይማኖት ዝዓበየ ካብ ቦዝንያ ዝመጸ ሙዮ ዝበሃል ሰብ ይበጽሖ። ኣብቲ እዋን እቲ ሙዮ ናይ የሆዋ ምስክር ኢዩ ነይሩ። ኣብ ንሓድሕዶም ዝጸላልኡ እኳ እንተ ነበሩ: ስሎቦዳን ግን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብር ሙዮ ንዘቕረበሉ ዕድመ ተቐበሎ እሞ: ጸኒሑ ናይ የሆዋ ምስክር ንምዃን ስጕምቲ ወሰደ።
እዞም ሰባት እዚኣቶም ሱር ዝሰደደ ቀቢላዊ ጽልኢ ብምስናፍ ካብ ደረጃ ጽልኢ ናብ ዕርክነት ከም ዝበጽሑ ዝገበሮም እንታይ ኢዩ፧ እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ከም ዘፍቅርዎ ገይርዎም ኢዩ። ድሕርዚ ኸኣ ‘ንሓድሕዶም ንምፍቓር ብኣምላኽ ንኽማሃሩ’ ፍቓደኛታት ኢዮም ነይሮም። (1 ተሰሎንቄ 4:9) ከምቲ ፕሮፈሰር ቮይቸክ ሞዠሊውስኪ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓፈሻ እተዓዘቦ: “ሰላማዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ከም ዝህልዎም ክገብሮም ዝኸኣለ ቀንዲ ረቛሒ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ስርዓታት ብዘይወዓል ሕደር ስለ ዝዓይሉ ኢዩ።”
[እግረ-ጽሑፋት]
b ኵሉ ኣብዚ ሳጹን እዚ እተጠቕሰ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።
c ብራንኮ ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ ፈለማ ዘዘራረቦ ሓኪም እውን ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነ ምስ ፈለጠ ተሓጒሱ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ኣተሓሳስባን መንግስትን ለውጢ ዝህልወሉ እዋን ክመጽእ ድዩ፧
[ምንጪ ስእሊ]
U.S. National Archives photo
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመስሪቱ ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ ኣብ ኣተሓሳስባ ኣወንታዊ ለውጢ የምጽእ ኣሎ