ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ኣብ መንጎኦም ጽልኢ ዝነበሮም ሰባት ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ሓበሩ
ብራንኮ “ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሰማዕኩላ መዓልቲ ኣብ ቦዝንያ መሳርያ እተዓጥቀ ሓላዊ ኰይነ እናኣገልገልኩ ከሎኹ ኢዩ” ይብል።a
ብራንኮ ኣብቲ ውጉኣት ዝሕከምሉ ሆስፒታል ኣብ ሓለዋ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ሓካይም ምስ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ነበረ: ኣብቲ ናይ ለይቲ እብረ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህሮ ብዙሕ ነገራት ንብራንኮ ገለጸሉ።
እቲ በታ ለይቲ እቲኣ ዝሰምዖ ነገራት ስለ ዝተንከፎ ብራንኮ ቐልጢፉ ብረቱ ኣስተለመ። ዝያዳ ክማሃር ብምድላዩ ድማ ምስ መሰኻኽር ተራኸበ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ናብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሃገር ምስ ገዓዘ: ብራንኮ መንግስቲ ኣዳራሽ ደልዩ ኣብቲ ብቛንቋ ዩጎዝላቪያ ዝግበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤ ተኻፈለ። ኣብዚ ድማ ኢዩ ብራንኮ ንስሎቦዳን ዝረኸቦ።
ስሎቦዳን እውን ካብ ቦዝንያ ዝመጸ ከም ብራንኮ ኣብ ሓደ ዓይነት ውግእ ግናኸ ኣብቲ ኣንጻር ዝዀነ ደምበ ከም ወለንተኛ ኰይኑ ዘገልገለ ኢዩ። ስሎቦዳን ምስ ሰርብያውያን ኰይኑ ኣንጻር ክሮኣትስ ኢዩ ዝዋጋእ ነይሩ። ኣብቲ ክልቲኦም እተራኸብሉ ግዜ ስሎቦዳን ጥሙቕ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ነበረ። ምስቲ ቅድም ጸላኢኡ ዝነበረ ብራንኮ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ድማ መደበ። እቲ ጽንዓት እናቐጸለ ክኸይድ ከሎ: ብራንኮ ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ተማህረ: ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ድማ ዓበየ። እዚ ንብራንኮ ህይወቱ ንፈጣሪ ክውፊ ኣለዓዓሎ። ኣብ ጥቅምቲ 1993 ወፈያኡ ብማይ ጥምቀት ኣርኣየ።
ስሎቦዳንከ ብኸመይ ኢዩ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ፧ ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ ኣብ ቦዝንያ ዝነበረ ናይ ውግእ ዞባ ሓደጎ። ብመሰኻኽር እተዳለወ ጽሑፋት ኣንቢቡ ነበረ: ይኹን እምበር ኣብ መጀመርታ ናይ 1992 ክልተ መሰኻኽር ኣብ ገዝኡ ክሳዕ ዝበጽሕዎ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝነበሮ ተገዳስነት ኣይዓበየን ነበረ። ምስኡ ኰይኑ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ዝመደበ ሰብከ መን ነበረ፧ እዚውን ካብ ቦዝንያ ዝመጸ ሙዮ እተባህለ ሰብ ነበረ: ይኹን እምበር ሙዮ ኣስላማይ ኢዩ ነይሩ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እናቐጸሉ ኸለዉ: እዞም ሓደ ግዜ ዝጻልኡ ዝነበሩ ሙዮን ስሎቦዳንን ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበረት እምነት ምእንቲ ክበራትዑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ገለ ግዜ የሕልፉ ነበሩ።
እቲ ኣብ ዩጎዝላቪያ ነበር ዘሎ ውግእ ናይ ኣማእታት ኣሽሓት ሰባት ህይወት ኣጥፊኡ ኢዩ። ይኹን እምበር: ብራንኮ: ስሎቦዳን: ከምኡውን ሙዮ ሕጂ ከም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኰይኖም ኣብ ሓንቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤ የገልግሉ ኣለዉ። ንቐቢላውን ዓሌታውን ባእሲ ስዒሮም ኢዮም: ሕጂ ድማ ንፈጣሪ: የሆዋ: እናተገዝኡ ሰላም ይደልዩ ኣለዉ።
ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ለውጥታት ዘምጽአ እንታይ ኢዩ፧ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ክብሪ: ከምኡውን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ኣብ ናብራ ህይወቶም ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዘለዎም ህንጥዮት ኢዩ ከምኡ ከም ዝገብሩ ገይርዎም። ከምቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝብሎ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ . . . ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።”—እብራውያን 4:12
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ ብርዒ ኣስማት ኢና ተጠቒምና ዘሎና።