ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/4 ገጽ 3-4
  • መምህራን ስለምንታይ ኢዮም ዘድልዩና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መምህራን ስለምንታይ ኢዮም ዘድልዩና፧
  • ንቕሑ!—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 20 ምስ መምህረይ ብኸመይ ኢየ ክሰማማዕ ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ሰባት መምህራን ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧
    ንቕሑ!—2002
  • ምምህርና ዝኽፈሎ መስዋእትታትን ዘለዎ ስግኣትን
    ንቕሑ!—2002
  • ምምህርና ዘፍርዮ ዕግበትን ዘምጽኦ ሓጐስን
    ንቕሑ!—2002
ንቕሑ!—2002
g02 8/4 ገጽ 3-4

መምህራን ስለምንታይ ኢዮም ዘድልዩና፧

“ሽሕ መዓልቲ ተጊህካ ኻብ ምጽናዕ: ሓደ መዓልቲ ምስ ዓብዪ መምህር ምውዓል ይሓይሽ።”​—⁠ምስላ ጃፓናውያን

ተማሃራይ ከሎኻ ዓሚቝ ጦብላሕታ ዝገደፈልካ መምህር ትዝክርዶ፧ ሕጂውን ተማሃራይ እንተ ዄንካ ድማ ትፈትዎ መምህር ኣሎዶ፧ እንተደኣ ኣሎ ስለምንታይ፧

ንፉዕ መምህር ኣብ ተማሃሮኡ እምንቶ ኢዩ ዘሕድር: ንትምህርቲ ኸኣ ባህ ዘብል ንጥፈት ይገብሮ። ሓደ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ወዲ 70 ዓመት ሽማግለ ኣብታ ኣብ በርሚንግሃም እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኸሎ ዝመሃሮ ናይ እንግሊዝኛ መምህሩ ብጽቡቕ ኢዩ ዝዝክሮ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ሚስተር ክለውሊ ዘይፈልጦ ዝነበርኩ ክእለተይ ከም ዝፈልጦ ገይሩኒ ኢዩ። ሓናኽን ስቕ በሃልን ኢየ ነይረ: እንተዀነ ግን ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ውድድር ድራማ ንኽሳተፍ ኣሰልጠነኒ። ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝጸናሕኩላ ናይ መወዳእታ ዓመት ብድራማ ሽልማት ረኸብኩ። እንተ ዘየተባብዓኒ ነይሩ ነዚ ኣይምገበርክዎን። እቲ ዘሕዝን ግን ድሕሪኡ ስለ ዘይተራኸብና በቲ ንተማሃሮኡ ዘርኣዮ ተወፋይነት ከመስግኖ ኣይከኣልኩን።”

ኣብ 50ታት ዕድሜኣ እትርከብ ማርጊት እትበሃል ኣብ ሙኒክ: ጀርመን: እትነብር ሰበይቲውን ከምዚ በለት:- “ብፍላይ ሓንቲ ዝፈትዋ መምህር ነይራ። እተሓላለኸ ነገራት ብቐሊል መገዲ ናይ ምግላጽ ክእለት ነበራ። እንተ ዘይተረዲኡና ሕቶታት ክንሓትት ተተባብዓና ነይራ። ብሰብ ዘይትቕረብ ዘይኰነትስ ምቕልልቲ ኢያ ነይራ። ስለዚ ኸኣ ነቲ እትምህረና ትምህርቲ ንፈትዎ ነበርና።”

ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብር ፒተር ከኣ ብዛዕባ ናይ ሕሳብ መምህሩ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “ግብራዊ ኣብነታት ብምሃብ ጥቕሚ እቲ እንመሃሮ ትምህርቲ ንኽንርዳእ ይሕግዘና ነበረ። ትሪጎኖሜትሪ ኽንመሃር ከሎና ንሓደ ህንጻ ኸይተንከፍና ብቐመራት ገይርና ቝመቱ ብኸመይ ከም እንልክዖ ኣርኣየና። ሽዑ ‘እዚ ብሓቂ ዝምስጥ ኢዩ!’ ኢለ ኽሓስብ ትዝ ይብለኒ።”

ኣብ ሰሜናዊ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ፓውሊን ንመምህራ “ሕሳብ የሸግረኒ ኢዩ” ኢላ ነገረቶ። ንሱ ድማ “ከተመሓይሺ እንተ ደሊኺ: ኣነ ኽሕግዘኪ እኽእል ኢየ” በላ። ብዛዕባ ቀጺሉ ዝዀነ ነገራት ከምዚ በለት:- “ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሒደት ኣዋርሕ ዝያዳ ኣቓልቦ ገበረለይ: ድሕሪ ሰዓታት ትምህርቲ እውን ከይተረፈ ሓገዘኒ። ዕውትቲ ክኸውን ከም ዝደለየኒ እፈልጥ ነይረ: ስለዚ ኸኣ ኢዩ ዝሓልየለይ ነይሩ። ነዚ ምፈላጠይ ድማ ኣበርቲዐ ኸም ዝዓዪ ገበረኒ: ኣመሓየሽኩ ኸኣ።”

ኣብ ስኮትላንድ እትነብር ኣብ 30ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኣንጂ ብዛዕባ ሚስተር ግርሃም ዝበሃል ናይ ታሪኽ መምህራ ዘለዋ ተዘክሮ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ታሪኽ ኣዝዩ ኸም ዝምስጠኒ ገይሩ ኢዩ! ነቲ ፍጻመታት ከም ዛንታ ገይሩ ብዉዕዉዕ ስምዒት ኢዩ ዘዘንትወልና ነይሩ። ህያው ከኣ ይገብሮ ነበረ።” ነታ ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ እትምህራ ዝነበረት ብዕድመ ዝደፍአት ሚስስ ሀይዊት እውን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ብጽቡቕ ኢያ እተልዕላ:- “ሕያወይትን ሓላዪትን ኢያ ነይራ። ሓደ ግዜ ኣብ ክፍሊ ሕቶ ክሓታ ምስ ከድክዋ ሕቝፍ ኣበለትኒ። ብሓቂ ኸም እትግደሰለይ ተሰሚዑኒ ኢዩ።”

ኣብ ደቡባዊ ግሪኽ ዝነብር ቲሞቲ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ሞሳኡ ገለጸ:- “ናይ ስነ⁠-​ፍልጠት መምህረይ ክሳዕ ሕጂ እዝክሮ ኢየ። ነቲ ብዛዕባ ከባብየይን ብዛዕባ ህይወትን ዝነበረኒ ኣረኣእያ ኸም ዝቕይር ገይሩኒ ኢዩ። ኣብ ክፍልና ናይ ምስትንካርን ምድናቕን ሃዋሁ ኸም ዝሰፍን ኢዩ ዝገብር ነይሩ። ባህጊ ፍልጠትን ናይ ምርዳእ ድሌትን ኣብ ልብና ሰሪጹልና ኢዩ።”

ኣብ ካሊፎርንያ: ሕ.መ.ኣ.: እትነብር ራሞና እውን ከምዚ ብምባል ጸሓፈት:- “ናይ ካልኣይ ደረጃ መምህረይ ቋንቋ እንግሊዝኛ ትፈቱ ነበረት። ዝነበራ ውዕዉዕ ስምዒት ኣብ ተማሃሮኣ ይሰርጽ ነበረ! ነቲ ኸቢድ ትምህርቲ እውን ቀሊል ከም ዝኸውን ኢያ ትገብሮ ነይራ።”

ኣብ ካናዳ እትነብር ጄን ብዛዕባ እቲ ናይ ስፖርት መምህራ ኸምዚ ትብል:- “ብኸመይ ከም እንዘናጋዕን እንማሃርን ይፈልጠሉ ኢዩ ነይሩ። ካብ ከተማ ወጻኢ ይወስደና እሞ ብኸመይ ኣብ በረድ ሸታሕታሕ እናበልና ኸም እንጐዓዝ ከምኡውን ብበረድ ኣብ ልዕሊ እተሸፈነ ቐላይ ብምፍሓር ዓሳ ብኸመይ ከም እንሕዝ የርእየና ነበረ። ኣብቲ ባዕልና ዝኣጐድናዮ መጋርያ ሓዊ ኸምቲ ቀያሕቲ ህንዳውያን ዝስንክትዎ ዓይነት ቅጫ እውን ከይተረፈ ሰንከትና። እዚ ዅሉ ንሓንቲ ምስ መጻሕፍቲ ተተኺላ እትውዕል ካብ ገዛ ዘይትወጽእ ጓል ባህ ዘብል ተመክሮ ኢዩ ነይሩ!”

ሄለን ኣብ ሻንጋይ እተወልደት ኣብ ሆንግ ኮንግ ድማ እትመሃር ሓፋር ጓል ኣንስተይቲ ኢያ። ከምዚ ብምባል ከኣ ተዘክሮኣ ትገልጽ:- “ኣብ ሓምሻይ ክፍሊ ሚስተር ቻን ዝበሃል ናይ ስፖርትን ስእልን መምህር ነበረኒ። ቀጣን ኢየ ነይረ: ኵዕሶ መርበብ ኰነ ኵዕሶ ሰኪዔት ክጻወት እውን ኣይክእልን ኢየ ነይረ። ንሱ ግን ኣየስተሓፈረንን። ባድሚንተንን ካልእ ንዓይ ዝሰማማዕ ጸወታታትን ከም ዝጻወት ገበረ። ሓላዪን ሕያዋይን ኢዩ ነይሩ።

“ኣብ ስእሊ እውን ካብዚ እተፈለየ ኣይነበረን: ነገራት ኰነ ሰባት ምስኣል የጸግመኒ ነበረ። ስለዚ ኸም ተውህቦይ ስልማታትን ዲዘኞን ከም ዝስእል ገበረ። ካብቶም ካልኦት ተማሃሮ ዝነኣስኩ ስለ ዝነበርኩ: ኣብቲ ኽፍሊ እቲ ንሓደ ዓመት ክደግም ኣእመነኒ። እዚ ኸኣ ኣብ ትምህርተይ ነጥበ⁠-​መቐይሮ ነበረ። ርእሰ⁠-​ምትእምማን ኣጥረኹ እናተመሓየሽኩ ኸኣ ከድኩ። በዚ ድማ ኵሉ ሳዕ አማስዎ ኢየ።”

ዝዓሞቐ ጦብላሕታ ዝገድፍ መምህር ኣየናይ ኢዩ፧ ዊልያም አየርስ ኣብታ ቱ ቲች​—⁠ዘ ጆርኒ ኦቭ ኤ ቲቸር ዘርእስታ መጽሓፉ ኸምዚ ብምባል ይምልስ:- “ውጽኢታዊ ምምህርና ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ንተማሃሮኡ ውፉይ ዝዀነ ተገዳስን ሓላዪን መምህር ኢዩ ዝሓትት። . . . እተፈልየ ጥበብ: ኣገባብ: መደብ: ወይ ተግባር ናይ ዝሓዝካ ኣይኰነን። . . . ምምህርና ብቐዳምነት ናይ ፍቕሪ ጕዳይ ኢዩ።” እምበኣር መን ኢዩ ዕዉት መምህር፧ ዊልያም አየርስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ንልብኻ ዝትንክፍ: ዝርድኣልካ ወይ ብውልቂ ዝሓልየልካ ከምኡውን ንሙዚቃ: ሕሳብ: ቋንቋ ላቲን ኰነ ንመጻወቲ: ኰታስ ንዝዀነ ነገር ዘለዎ ፍቕሪ ኣብ ተማሃሮኡ ዘስርጽን ንኽዓዩ ዘለዓዕሎምን ኢዩ።”

ብዙሓት መምህራን ካብ ተማሃሮኦምን ካብ ወለድን ምስጋና ኸም እተቐበሉ ከምኡውን ዕንቅፋት ዋላ እንተ ኣጋጠሞም ምምሃር ንኸየቋርጹ ምትብባዕ ከም ዝረኸቡ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ርእይቶታት ብሓፈሻ ሓደ ናይ ሓባር ረቛሒ ኣለዎ: እዚ ኸኣ እቶም መምህራን ንተማሃሮኦም ዘርኣይዎ ናይ ሓቂ ተገዳስነትን ሓልዮትን ኢዩ።

ልክዕ ኢዩ ኵሎም መምህራን ኣይኰኑን ንተማሃሮኦም ከምዚ ዓይነት ባህርያት ዘርእዩ። ነቲ ንተማሃሮኦም ክገብሩሎም ዝኽእሉ ነገራት ዝዓግት ብዙሕ ጸቕጥታት እውን ይወርዶም ኢዩ። እዚ ኸኣ ‘ሰባት ነዚ ኣጸጋሚ ሞያ ዝሕዝዎ ስለምንታይ ኢዮም፧’ ናብ ዝብል ሕቶ ይመርሓና።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

“ምምህርና ብቐዳምነት ናይ ፍቕሪ ጕዳይ ኢዩ ”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ