ምምህርና ዘፍርዮ ዕግበትን ዘምጽኦ ሓጐስን
“ምምህርና ኣጸጋምን ኣድካምን ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ቈልዑ ንኽመሃሩ ዘለዎም ሃንቀውታን ዝገብርዎ ምምሕያሽን ምርኣየይ ጸኒዐ ንኽቕጽል ሓጊዙኒ ኢዩ።”—ሊማሪዝ: ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እትርከብ መምህር
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መምህራን ብዙሕ ብድሆታትን ዕንቅፋታትን ተስፋ ዘቝርጽ ነገራትን ዘጋጥሞም እኳ እንተዀነ: ጸኒዖም ስርሖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተማሃሮ: መምህራን እንተ ዀይኖም ዝግባእ ሞሳ ከይረኽቡ ኸም ዝኽእሉ እናፈለጡ ኽነሶም ነቲ ሞያ እቲ ብቑዓት ንኽዀኑ ኽጽዕሩ ዝድርኾም እንታይ ኢዩ፧ ነቲ ሞያ ጸኒዖም ክቕጽልዎ ዝድርኾምከ እንታይ ኢዩ፧
ኣብ ሩስያ እትነብር ኢና እትበሃል መምህር ከምዚ በለት:- “ተማሃራይካ ዓብዩ ነቲ ዝመሃርካዮ ነገር ከም ዝጠቐሞ ኽገልጸልካ ኸሎ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ። ምሳኻ ዘሕለፍዎ ዓመታት ጽቡቕ ተዘክሮታት ከም ዝገደፈሎም ክነግሩኻ ኸለዉ የተባብዓካ ኢዩ።”
ኣብዘን ኣቐዲመን ዘለዋ ዓንቀጻት እተጠቕሰ መምህር ጁልያኖ ኸኣ ከምዚ በለ:- “ንተማሃሮኻ ኣብ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ዘለዎም ተገዳስነት ከም ዘለዓዓልካሎም ምፍላጥ ሓደ ኻብቲ ዓብዪ ዕግበት እትረኽበሉ ነገር ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ግዜ ብዛዕባ ሓደ ታሪኽ እናመሃርኩ ኸለኹ: ገሊኣቶም ተማሃሮይ ‘ኣይተቋርጹ። እቲ ታሪኽ ቀጹሉልና!’ በሉኒ። እዚ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ቓላት ብንግሆኡ ቀጨውጨው ኢሉካ እንተ ነይሩ እኳ የሐጕሰካ ኢዩ: ከመይሲ እቶም ተማሃሮ ንሓደ ሓድሽ ነገር ንኽፈልጡ ስምዒቶም ከም ዘለዓዓልካ ትርዳእ ኢኻ። ሓደ ነገር ምስ ተረድኦም ኣዒንቶም ክበርህ ክትርእዮ ኸሎኻ ባህ ኢዩ ዝብለካ።”
ኣብ ኢጣልያ እትምህር ኢለና “ንዓይ ከም ዝመስለኒ: ዕግበት ዝርከብ ካብቲ መዓልታዊ እትርእዮ ንኣሽቱ ነገራትን ተማሃሮ ዝረኽብዎ ንኣሽቱ ዓወታትን ደኣ እምበር ካብቲ ሳሕቲ ዝርከብ ዓብዪ ፍረ ኣይኰነን” በለት።
ኣብ 30ታት ዓመት ዕድሚኣ እትርከብ ኮኒ ዝስማ ኣውስትራልያዊት ድማ “ሓደ ኣብ ትምህርቲ እትፈትዎ ዝነበርካ ተማሃራይ ንጻዕርታትካ ንኸማሱ ኢሉ ደብዳበ ምስ ዝጽሕፍ ዓብዪ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽኣልካ” በለት።
ኣብ መንዶዛ: ኣርጀንቲና: ዝነብር ኦስካር “ተማሃሮይ ኣብ መገዲ ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ተራኺብና ነቲ ዝማሃርክዎም ትምህርቲ ሞሳ ኽገልጹ ኸለዉ ጻማይ ዝረኸብኩ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ” በለ። ኣብ ማድሪድ: ስጳኛ: ዝነብር ኣንጃል ከኣ “ካብዚ ገለ ኽፋል ህይወተይ ዝወፈኹሉ ዘደንቕ ግን ከኣ ኣጸጋሚ ሞያ ዝረኽቦ ዝዓበየ ዕግበት: ቈልዑ ዓብዮም ቅኑዓት ሰብኡትን ኣንስትን ክዀኑ ኽርእዮም ከለኹ ኢዩ: ከመይሲ ኣብዚ እጃመይ ኣበርኪተ ኢየ” በለ።
እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ሊማሪዝ ድማ ከምዚ በለት:- “መምህራን ፍልይ ዝበሉ ሰባት ከም ዝዀኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘደንቕ ዓብዪ ሓላፍነት ምውሳድና እውን ከም ስግንጢር ኢዩ ዘቝጽረና። እንተዀነ ግን ኣብ ዓሰርተ ቘልዑ ዀነ ኣብ ሓደ ቘልዓ ለውጢ እንተደኣ ኣምጺእካ: ዕማምካ ፈጺምካ ኢኻ: ካብዚ ዝበልጽ ዘሐጕስ ነገር ከኣ የለን። እወ: ባህ ኢሉካ ኢኻ እትገብሮ።”
ንመምህራንካ ኣመስጊንካዮምዶ ትፈልጥ፧
ተማሃራይ ወይ ወላዲ እንተ ዄንካ ንሓደ መምህር ስለቲ ዝኸፈሎ ግዜ: ጻዕሪ: ከምኡውን ሓልዮት ኣመስጊንካዮዶ ትፈልጥ፧ ወይ ምስጋናኻ ዝገልጽ ንእሽቶ ወረቐት ወይ ደብዳበ ሰዲድካሉዶ፧ ኣብ ናይሮቢ: ኬንያ: ዝነብር ኣርተር “መምህራን እውን እንተ ተናኢዶም ህርኩታት ይዀኑ ኢዮም። መንግስቲ: ወለዲ: ከምኡውን ተማሃሮ ንመምህራንን ነቲ ዝህብዎ ኣገልግሎትን ኣኽቢሮም ክርእይዎ ኣለዎም” ብምባል ንጹር ነጥቢ ጠቐሰ።
ደራሲትን መምህርን ሉኣን ጆንሰን ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ንሓደ መምህር ዝነቅፍ ሓንቲ ደብዳበ ኽቕበል ከሎኹ ምስኡ ኸኣ ብኣማእታት ዝቝጸር ናይ ናእዳ ደብዳበታት ይመጸኒ ኢዩ። እዚ ኸኣ እቶም ንፉዓት መምህራን ካብቶም ሕማቓት ከም ዝበዝሑ ዘሎኒ እምነት ዘረጋግጽ ኢዩ።” እቲ ዘገርም ከኣ ብዙሓት ሰባት “ንሓደ ናይ ቀደም መምህሮም ንኽረኽቡ ዝሕግዞም” መርማሪ ይቘጽሩ ኢዮም። ከመይሲ “ሰባት ንመምህራኖም ረኺቦም ከመስግንዎም ይደልዩ ኢዮም።”
መምህራን ነቲ ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ዝረኽቦ ትምህርቲ ኣገዳሲ መሰረት ኢዮም ዘንብሩ። እቶም ኣብ ዓበይቲ ዩኒቨርሲቲ ዝዓዩ ፕሮፌሰራት እውን እንተዀኑ ሳላ እቶም ንትምህርቲ: ንፍልጠት: ከምኡውን ንምርዳእ ባህጊ ንኽሓድሮም ኣብ ምንቕቓሕን ምዅስኳስን ግዜን ጻዕርን ዝኸፈሉ መምህራን ኢዮም ኣብዚ በጺሖም። እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝነብር ኣርተር “ኵሎም እቶም ኣብ ናይ መንግስትን ናይ ብሕትን ትካላት ዝለዓለ ቦታ ዘለዎም ሰባት ኣብ ገለ እዋን ብመምህር ተማሂሮም ኢዮም” በለ።
ነዞም ንናይ ምፍላጥ ሃንቀውታና ዘነቓቕሑ: ንኣእምሮናን ልብናን ዘለዓዓሉ: ንፍልጠትን ምርዳእን ዘሎና ጽምኢ ብኸመይ ከም እነርውዮ ዘርኣዩና ሰብኡትን ኣንስትንሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነማስዎም ዘሎና!
ነቲ ኣብ ምሳሌ 2:1-6 ብዝርከብ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ኣቢሉ ኸምዚ ዝስዕብ ዝበለ ዓብዪ መምህርና የሆዋ ኣምላኽከ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ብዝያዳ ኸነማስዎ ዘሎና:- “ወደየ: እዝንኻ: ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ: ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ: ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ: ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ አርነብካዮ: እወ: ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ: ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ: ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ: ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ: ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ። እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ: ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ።”
ነታ ኣብዛ እተመራምር ጥቕሲ ሽዱሽተ ሳዕ እትርከብ “እንተ” እትብል ኣብ ኵነት ንእተመርኰሰ ነገር እተመልክት ቃል እሞ ኣስተብህለላ። ነዚ ነገር እዚ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ፍቓደኛታት እንተደኣ ዄንና: ‘ንምፍላጥ ኣምላኽ ክንረኽቦ ኢና!’ እዚ ብርግጽ ካብ ዝዀነ ይኹን ትምህርቲ ዝዓቢ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]
ሕጉስ ወላዲ
እዛ እትስዕብ ደብዳበ ንሓደ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ መምህር ዝመጸቶ ኢያ:-
“ስለቲ ንደቀይ ዝገበርካሎም ነገራት ካብ ውሽጢ ልበይ ዝፈልፈለ ምስጋና ኽገልጸልካ እፈቱ። ሳላ ሓልዮትካን ሕያውነትካን ብልሓትካን ኣብ ዓብዪ ደረጃ ንኽበጽሑ ሓጊዝካዮም ኢኻ: ርግጸኛ ኢየ ብዘይ ብኣኻ ነዚ ኣይምበጽሕዎን ነይሮም። ብደቀይ ከም ዝሕበን ገይርካኒ ኢኻ: እዚ ኸኣ ፈጺመ ኣይክርስዖን ኢየ። ኣኽባሪኻ ኤስ. ቢ. ”
ምትብባዕ ኽትህቦ እትኽእል መምህርዶ ትፈልጥ፧
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
‘ተማሃሮኻ ምርዳእ ኣብይዎም ዝነበረ ነገር ምስ ተረድኦም ኣዒንቶም ክበርህ ክትርእዮ ኸሎኻ ባህ ኢዩ ዝብለካ።’—ጁልያኖ: ካብ ኢጣልያ
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
‘ተማሃራይካ ንኸማስወካ ኢሉ ደብዳበ ምስ ዝጽሕፍ ዓብዪ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽኣልካ።’—ኮኒ: ካብ ኣውስትራልያ