ሰባት መምህራን ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧
“መብዛሕትኦም መምህራን ነዚ ሞያ እዚ ዝመርጽዎ ንሰባት ክሕግዙ ስለ ዘኽእሎም ኢዩ። [ምምህርና] ኣብ ህይወት ቈልዑ ዓብዪ ለውጢ ኢዩ ዘምጽእ።”—ቲቸርስ: ስኩል: ኤንድ ሶሳይቲ
ንገሊኣቶም መምህራን ምስ እትዕዘብ ሞያ ምምህርና ቀሊል ይመስለካ ይኸውን: እንተዀነ ግን እዚ ሞያ እዚ ኸም መሰናኽል ዘለዎ ማራቶን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ሓደ ኽፍሊ ኻብ መጠን ንላዕሊ ተማሃሮ ምህላው: ብዙሕ ዕዮ ወረቐት: ቅጭ ዘምጽኣልካ ቢሮክራሲ: ተሳትፎ ዘይገብሩ ተማሃሮ: ከምኡውን ትሑት ደሞዝ ነዚ ዕዮ እዚ ኣጸጋሚ ይገብሮ ኢዩ። ኣብ ማድሪድ: ስጳኛ: ዘሎ ፔድሮ ዝበሃል መምህር ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “መምህር ምዃን ብርግጽ ቀሊል ኣይኰነን። ብዙሕ መስዋእቲ ኽትገብር ዝሓትት ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተለዎ: ካብ ኣብ ንግዲ እትረኽቦ ንላዕሊ ዓስቢ ዘለዎ ገይረ ኢየ ዝርእዮ።”
እቲ ብድሆ ኣብተን ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ንዝምህሩ መምሃራን ዝያዳ ክኸብዶም ይኽእል ኢዩ። ሓሽሽ ምውሳድ: ዓመጽ: ፍኑው ስነ-ምግባር: ከምኡውን ናይ ወለዲ ዘይምግዳስ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝህሉ ሃዋሁን ስነ-ስርዓትን ኣጸቢቑ ይጸልዎ ኢዩ። ዓለወኛ ኣረኣእያ ኣብ ኵሉ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ስለምንታይ ደኣ ኢዮም ብዙሓት ብቕዓት ዘለዎም ሰባት መምህራን ክዀኑ ዝደልዩ፧
ሊማሪዝን ዲያናን ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝምህራ መምህራን ኢየን። ካብ ኣጸደ-ሕጻናት ክሳዕ ደቂ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሎም ዝዀኑ ቘልዑ ኸኣ ኢየን ዝምህራ። ክልቲአን ክልተ ቛንቋታት (እንግሊዝኛን ስጳንኛን) ይኽእላ ኢየን: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ቋንቋ ስጳኛ ንዝዛረቡ ቘልዑ ኢየን ዝምህራ። ከምዚ ኢልና ኸኣ ሓተትናየን:-
ንሓደ ሰብ መምህር ክኸውን ዝድርኾ እንታይ ኢዩ፧
ሊማሪዝ ከምዚ ኢላ መለሰት:- “ንዓይ ዝደረኸኒ ንቘልዑ ዘሎኒ ፍቕሪ ኢዩ። ንገሊኣቶም ቈልዑ ኣብ ጻዕርታቶም ደገፍ ዝህቦም ኣነ በይነይ ምዃነይ እፈልጥ ኢየ።”
ዲያና ኸኣ ከምዚ በለት:- “ንሓደ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ዝዀነ ወዲ ሓወይ ነቲ ዝኸብዶ ትምህርታት ብፍላይ ከኣ ንባብ ኣብ ገዛ እምህሮ ነይረ። ንዕኡ ዀነ ንኻልኦት ቈልዑ ኽምህሮም ከለኹ ዕግበት ይስምዓኒ ነይሩ! ስለዚ ኣብ ባንክ ንዝነበረኒ ስራሕ ገዲፈ መምህር ክኸውን መደብኩ።”
መጽሔት ንቕሑ! ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ንዝርከቡ መምህራን ሓቲታ ነይራ: ገለ ኻብቲ እተዋህበ መልስታት ከኣ እንሆ።
ኣብ 40ታት ዕድሚኡ ዝርከብ ጁልያኖ ዝበሃል ኢጣልያዊ ከምዚ በለ:- “ተማሃራይ ከለኹ (የማን) በዚ ሞያ እዚ እሰሓብ ስለ ዝነበርኩ ኢየ መሪጸዮ። ብዙሕ ናይ ፈጠራ ዕዮ ዝሓትትን ንኻልኦት ዘነቓቕሕን ሞያ ገይረ ኢየ ዝርእዮ ነይረ። ነዚ ዕዮ እዚ ምስ ጀመርኩ ኣብ መጀመርታ ንዘጋጠመኒ ዕንቅፋታት ክሰግር ዝሓገዘኒ እቲ ኣብ ፈለማ ዝነበረኒ ሓያል ባህጊ ኢዩ።”
ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ: ኣውስትራልያ: ዝነብር ኒክ ከምዚ በለ:- “በቲ እተመሃርክዎ ዓውዲ ቀመማዊ መጽናዕቲ ስራሕ ናይ ምርካብ ተስፋ ኣይነበረንን: ኣብ ምምህርና ግን ስራሕ ናይ ምርካብ ሰፊሕ ኣጋጣሚ ነበረ። ምምህርና ምስ ኣተኽዎ ፈተኽዎ: ተማሃሮይ እውን ኣመሃህራይ ዝፈተዉዎ ኢዮም ዝመስሉ።”
ንገሊኣቶም ወለዶም ዝገደፉሎም ኣብነት መምህራን ንኽዀኑ ቀንዲ ምኽንያት ዀይንዎም ኢዩ። ኣብ ኬንያ ዝነብር ዊልያም ንሕቶና ኸምዚ ብምባል መለሰ:- “እቲ ብ1952 መምህር ዝነበረ ኣቦይ: መምህር ንምዃን ባህጊ ንኸሕድር ብዙሕ ጽልዋ ገይሩለይ ኢዩ። ንኣእምሮ ንኣሽቱ ሰባት ይቐርጽ ከም ዘለኹ ምፍላጠይ ነዚ ሞያ እዚ ንኸይገድፎ ምኽንያት ኰይኑኒ ኢዩ።”
ካልእ ኣብ ኬንያ እትነብር ሮዝሜሪ ኸኣ ከምዚ በለት:- “ካብ ቀደመይ ውጹዓት ናይ ምሕጋዝ ባህጊ ነይሩኒ። ስለዚ ኻብ ኣላዪት ሕሙማት ወይ ካብ መምህር ሓዲኡ ኽመርጽ ነበረኒ። መምህር ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ግን ኣቐዲሙ ተኸፍተለይ። ኣደ ምዃነይ እውን ነዚ ሞያ እዚ ዝያዳ ፍቕሪ ኸም ዝህልወኒ ገይሩ ኢዩ።”
ኣብ ዱረን: ጀርመን: ዝነብር በርቶል “በዓልቲ ቤተይ ንፉዕ መምህር ክኸውን ከም ዝኽእል ኣእመነትኒ” ብምባል መምህር ንኽኸውን ዝደረኾ ኻብ ካልኦት ፍልይ ዝበለ ነገር ምዃኑ ገለጸ። ኣይተጋገየትን ከኣ። ወሲኹ ኸምዚ በለ:- “ሕጂ ሞያይ ብዙሕ ኢዩ ዘሐጕሰኒ። ሓደ መምህር ዋጋ ትምህርቲ እንተ ዘይኣሚንሉን ብቘልዑ ዝግደስ እንተ ዘይኰይኑን: ንፉዕ: ዕዉት: ካብ ልቡ ዝዓዪ: ከምኡውን ዕግበት ዘለዎ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።”
ኣብ ከተማ ናካትሱ ዝነብር ማሳሂሮ ዝበሃል ጃፓናዊ መምህር ከምዚ በለ:- “መምህር ንኽኸውን ዝደረኸኒ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸለኹ ንፉዕ መምህር ስለ ዝነበረኒ ኢዩ። ካብ ልቢ ውፉይ ኰይኑ ኢዩ ዝምህረና ነይሩ። ነዚ ሞያ እዚ ንኸይገድፎ ቀንዲ ምኽንያት ዝዀነኒ ኸኣ ቈልዑ ስለ ዝፈቱ ኢዩ።”
ካልእ ኣብ ጃፓን ዝነብር ወዲ 54 ዓመት ዮሺሃ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ጽቡቕ ደሞዝ ይኽፈሎ ነበረ: እንተዀነ ግን እቲ ስራሕን ናብኡ ምምልላስን ባርያ ኸም ዝገበሮ ዀይኑ ተሰምዖ። “ሓደ መዓልቲ ንገዛእ ርእሰይ ‘ነዚ ዓይነት ኣነባብራ ኽሳዕ መዓስ ኢየ ኽቕጽሎ፧’ ኢለ ሓተትኩ። ምስ ነገራት ዘይኰነስ ምስ ሰባት ዘራኽበኒ ኻልእ ስራሕ ክደሊ መደብኩ። ምምህርና ፍልይ ዝበለ ሞያ ኢዩ። ምስ ንኣሽቱ ኢኻ እትውዕል። ሰብኣዊ ስምዒት ክህልወካ ዝገብር ሞያ ኢዩ።”
ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ: ሩስያ: እትነብር ቫለንቲና እውን ነዚ ሓሳባት እዚ ትሰማምዓሉ ኢያ። ከምዚ ድማ በለት:- “ምምህርና ዝፈትዎ ሞያ ኢዩ። ን37 ዓመታት ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ መምህር ኰይነ ሰሪሐ ኢየ። ምስ ቈልዑ ብፍላይ ከኣ ምስ ሕጻናት ምውዓል ባህ ኢዩ ዝብለኒ። ስርሐይ እፈትዎ ኢየ: ስለዚ ኸኣ ኢየ ኽሳዕ ሕጂ ጥሮታ ዘይወጻእኩ።”
መምህር ዊልያም አየርስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሰባት ናብ ሞያ ምምህርና ዝኣትዉ ቘልዑን መንእሰያትን ስለ ዝፈትዉ ወይ ከኣ እቶም ቈልዑ ኽመሓየሹ: ክዓብዩ: ከምኡውን ኣብዛ ዓለም ዝያዳ ኽእለትን ብቕዓትን ሓይልን ከጥርዩ ኽርእይዎም ከለዉ ባህ ስለ ዝብሎም ኢዩ። . . . ሰባት መምህራን ዝዀኑ . . . ገዛእ ርእሶም ንኻልኦት ከም ህያብ ገይሮም ከቕርብዋ ኢሎም ኢዮም። ኣነውን ዓለም ዝሓሸት መንበሪት ንኽገብራ ኢለ ኢየ መምህር ዝዀንኩ።”
እወ: ናይ ምምህርና ሞያ ጸገማትን ዕንቅፋታትን እኳ እንተለዎ: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን ግን ናብኡ ይሰሓቡ ኢዮም። ገለ ኻብቲ ዘጋጥሞም ከበድቲ ጸገማት እንታይ ኢዩ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትምልሳ ኢያ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
መምህር ምስ ወላዲ ጽቡቕ ርክብ ንኽህልዎ ዝሕግዝ ነጥብታት
✔ ንወለዲ ኣጸቢቕካ ፍለጦም። ከምዚ ምግባርካ ግዜ ኣይኰንካን እተጥፍእ ዘሎኻ። እቲ ኣብዚ እተሕልፎ ግዜ ድሓር ሓባራዊ ረብሓታት ኣለዎ። ምስቶም ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኽተሓባበሩኻ ዝኽእሉ ሰባት ምርድዳእ እትምስርተሉ ኣጋጣሚ ኢዩ።
✔ ነቲ ወላዲ ኸም ደረጃ ትምህርቱ ኣዘራርቦ። ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። መምህራን ጥራይ ዝጥቀሙሉ ቴክኒካዊ ቃላት ኣይትጠቐም።
✔ ብዛዕባ ተማሃሮ ኽትዛረብ ከሎኻ ኣወንታዊ መዳይ ኣጕልሕ። ካብ ወቐሳ: ናእዳ ዝያዳ ፍረ የፍሪ። እቲ ወላዲ ውላዱ ዕዉት ንክኸውን ኣብ ምሕጋዝ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ግለጸሉ።
✔ ነቲ ወላዲ ንኽዛረብ ዕድል ሃቦ: ጽን ኢልካ ኸኣ ስምዓዮ።
✔ ተማሃራይካ ንዝዓብየሉ ኣከባቢ ኽትርድኦ ጽዓር። እንተ ኽኢልካ ኣብ ገዝኡ ብጽሓዮ።
✔ ምስቲ ወላዲ እንደገና ንምርኻብ ቈጸራ ግበር። ክትትል ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከም ዘሎካ ኢዩ ዘርኢ።—ካብታ ቲቺን ኢን ኣመሪካ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወሰደ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
‘ኣቦይውን መምህር ኢዩ ነይሩ።’—ዊልያም: ካብ ኬንያ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
“ምስ ቈልዑ . . . ምውዓል ባህ ኢዩ ዝብለኒ።”—ቫለንቲና: ካብ ሩስያ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
“ምምህርና ፍልይ ዝበለ ሞያ ኢዩ። ምስ ንኣሽቱ ኢኻ እትውዕል።”—ዮሺሃ: ካብ ጃፓን