ምምህርና ዝኽፈሎ መስዋእትታትን ዘለዎ ስግኣትን
“መምህራን ብዙሕ ክዓሙ ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሎም: እንተዀነ ግን ነቶም ውፉያት መምህራን በቲ ዘርእይዎ ጻዕርታት ብወግዒ ምስጋና ኣይወሃቦምን ኢዩ።”—ኬን ኢልተስ: ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ: ኣውስትራልያ
እዚ ገሊኣቶም “ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣድላዪ ዝዀነ ሞያ” ኢሎም ዝሰመይዎ ስራሕ ብዙሕ ብድሆታት ኣለዎ። ገለ ኻብቲ ብድሆታት ከኣ ትሑት ደሞዝ: ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዘለዎ ክፍልታት: ማእለያ ዘይብሉ ዕዮ ወረቐት: ኣብ ሓደ ኽፍሊ ኻብ መጠን ንላዕሊ ተማሃሮ ምምሃር: ኣኽብሮት ዘይምርካብ: ዓመጽ: ናይ ወለዲ ዘይምግዳስ ኢዩ። ገሊኣቶም መምህራን ነዚ ብድሆታት እዚ ብኸመይ ይጸርዎ፧
ኣኽብሮት ዘይምህላው
ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ንዝርከቡ ኣርባዕተ መምህራን ቀንዲ ጸገም ዝዀኖም ኣየናይ ምዃኑ ሓቲትናዮም ነይርና። ኵሎም ብሓደ ቓል “ኣኽብሮት ዘይምህላው” ኢሎም መሊሶም።
ኣብ ኬንያ ዝነብር ዊልያም ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዅነታት እውን ይቕየር ኸም ዘሎ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ቈልዑ ስነ-ስርዓት እናስኣኑ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ኣነ ንእሽቶ ኸለኹ [ሕጂ ኣብ 40ታት ዕድሜኡ ኢዩ ዘሎ] መማህራን ኣብ ሕብረተሰብ ኣፍሪቃ እቶም ዝለዓለ ኽብሪ ዝወሃቦም ኢዮም ነይሮም። መምህር ክበሃል ከሎ ብነኣሽቱ ዀነ ብዓበይቲ ከም ኣብነት ገይርካ ኢዩ ዝርአ ነይሩ። እዚ ኣኽብሮት እዚ ይጠፍእ ኣሎ። ባህሊ ምዕራባውያን በብቝሩብ ንነኣሽቱ ይጸልዎም ኣሎ: ኣብ ገጠራት ኣፍሪቃ ዘለዉ እውን ከይተረፈ ይጽለዉ ኣለዉ። ፊልምታት: ቪድዮታት: ከምኡውን ጽሑፋት ንስልጣናት ኣኽብሮት ዘይምሃብ ከም ጅግንነት ገይሩ ኢዩ ዘቕርቦ።”
ኣብ ኢጣልያ ዝምህር ጁልያኖ ኸኣ “ቈልዑ በቲ ኣብ ምሉእ ሕብረተሰብ ገኒኑ ዘሎ ናይ ዕልወት: ሕንጋደ: ከምኡውን ናይ ዘይምእዛዝ መንፈስ ይጽለዉ ኣለዉ” ብምባል መረርኡ ይገልጽ።
ሓሽሽን ዓመጽን
ሓሽሽ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ጸገማት ይፈጥር ምህላዉ ዘሕዝን ኢዩ። እዚ ጸገም እዚ ኣዝዩ ኸቢድ ስለ ዝዀነ ኣብ ሕ.መ.ኣ. እትነብር ሉኣን ጆንሰን እትበሃል መምህርን ደራሲትን ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ተማሃሮ ሓሽሽ ንኸይወስዱ ዝሕግዝ ትምህርቲ ኻብ ኣጸደ-ሕጻናት ኣትሒዙ ኽፍሊ ስርዓተ-ትምህርቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት-ትምህርቲ ዀይኑ ኣሎ። [ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።] ቈልዑ ካብ ዓበይቲ ንላዕሊ ብዛዕባ ሓሽሽ ይፈልጡ ኢዮም።” ወሲኻ ድማ “ርእሰ-ተኣማንነት ዝጐድሎም: ዘፍቅሮም ዘይብሎም ዀይኑ ዝስምዖም: ብጽምዋ እተበልዑ: ዝሰልከዮም: ወይ ምትእምማን ዘይብሎም ተማሃሮ መብዛሕትኡ ግዜ ሓሽሽ ክወስዱ ይጅምሩ” በለት።—ቱ ፓርትስ ቴክስትቡክ: ዋን ፓርት ላቭ
ኣብ ኣውስትራልያ ዝምህር ኬን “መምህራንና ንሓደ ወለዱ ሓሽሽ ክወስዱ ርእዩ ሓሽሽ ምውሳድ ዝጀመረ እሞ እተወለፈ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቈልዓ ብኸመይ ክምህርዎ ይኽእሉ፧” ኢሉ ሓተተ። ኣብ 30ታት ዕድሚኡ ዘሎ ሚኻየል ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ናይ ሓፈሻዊ ዓውዲ ፍልጠት ቤት ትምህርቲ ኢዩ ዝምህር። “ንግዲ ሓሽሽ ከም ዝካየድ ንፈልጥ ኢና: እንተዀነ ግን ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣይንረኽቦምን ኢና” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። ጕድለት ስነ-ስርዓት ከኣ ኣብቲ “ብሓፈሻ ዝርአ ዘሎ ጐዳኢ ኣካይዳ ንጹር” ምዃኑ ሓበረ። ኣስዕብ ኣቢሉውን ከምዚ በለ:- “ሰደቓታትን መናድቕን ረሲሑ: ኣቝሑ እቲ ኽፍልታት ከኣ ተሰባቢሩ ኢዩ ዝርአ። ገሊኦም ተማሃሮይ ካብ ድኳናት ብምስራቖም ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ብምግባሮም ብፖሊስ ተታሒዞም ኢዮም። ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ስርቂ ምብዝሑ ኣየገርምን ኢዩ!”
ኣሚራ ኣብ ግዝኣት ጉዋናጅዋቶ: ሜክሲኮ: ኢያ እትምህር። ከምዚ ኸኣ በለት:- “ኣብ ስድራቤት ዝርአ ዓመጽን ወልፊ ሓሽሽን ነቶም ቈልዑ ብቐጥታ ስለ ዝጸልዎም ጸገም ይፈጥረልና ኢዩ። ብዕሉግ ቃላትን ካልእ ሕማቕ ኣመላትን ኣብ ዝመልኦ ሕብረተሰብ ስለ ዝነበሩ ይጽለዉ ኢዮም። ካልእ ዓብዪ ጸገም ከኣ ድኽነት ኢዩ። ትምህርቲ ብዘይ ክፍሊት ዝወሃብ እኳ እንተዀነ: ወለዲ ግን ደብተር: ብርዒ: ካልእ ንትምህርቲ ዘድሊ ነገራትን ክዕድጉ ኣለዎም። ቅድሚ እዚ ዅሉ ግን መግቢ ኽረኽቡ ኣለዎም።”
ሸጓጕጥ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ፧
ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ዘጋጠመ ተዅሲ: ኣብታ ሃገር ምስ ሸጓጕጥ እተተሓሓዘ ገበን ኣቕሊልካ ዝርአ ዘይምዃኑ ኣጕሊሑ ኢዩ። ሓደ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል ይሕብር:- “መዓልቲ መዓልቲ ናብተን 87,125 ዝዀና ናይ መንግስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ብግምት 135,000 ሸጓጕጥ ይኣቱ ኢዩ። ሰበ-ስልጣን ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ሸጓጕጥ ንኸይኣቱ ምእንቲ ኽቈጻጸሩ ኢሎም ሓጺን ምህላዉ እትሕብር መሳርሒ: ካሜራ ሓለዋ: ሸጓጕጥ ኣሸቲቶም ዝረኽቡ ዝሰልጠኑ ኣኽላባት: ፈተሻ ከብሕታት ተማሃሮ: ወረቐት መንነት: ከምኡውን ተማሃሮ ናይ መጻሕፍቲ ቦርሳ ኸየምጽኡ ዝኽልክል ሕጊ ይጥቀሙ ኣለዉ።” (ቲቺን ኢን ኣመሪካ ) እዚ ናይ ሓለዋ ስጕምትታት እዚ ‘ብዛዕባ ኣብያተ-ትምህርቲ ዲና ንዛረብ ዘሎና ወይስ ብዛዕባ ኣብያተ-ማእሰርቲ፧’ ኢልካ ኸም እትሓትት ኢዩ ዝገብረካ። ብተወሳኺውን ልዕሊ 6,000 ዝዀኑ ተማሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ሸጓጕጥ ሒዞም ብምኻዶም ከም እተሰጐጉ እቲ ጸብጻብ ይሕብር!
ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝነብር መምህር ኣይሪስ ንመጽሔት ንቕሑ! ከምዚ በለ:- “ተማሃሮ ናብቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ሓቢኦም ኣጽዋር የእትዉ ኢዮም። እታ ሓጺን ምህላዉ እትሕብር መሳርሒ ኣይትዓግቶምን ኢያ። ካልእ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዓብዪ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ኸኣ ግብረ-ጸይቂ ኢዩ።”
ሕልና ዘለዎም መምህራን ኣንጻር እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፋሉልነት እናተጓዕዙ ክምህሩ ወይ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከስርጹ ኢዮም ዝጽዕሩ። ብዙሓት መምህራን እምበኣር ናይ መንፈስ ጭንቀት እንተ ኣጋጠሞም ወይ ብሕሉፍ ድኻም እንተ ተናወጹ ኣየገርምን ኢዩ። ኣብ ዙሪንጂያ: ጀርመን: ናይ ዝርከብ ማሕበር መምህራን ፕረዚደንት ሮልፍ ቡሽ “ካብቶም ኣብ ጀርመን ዘለዉ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ መምህራን ዳርጋ ሲሶ ውጥረት ስለ ዝበዝሖም ይሓሙ ኢዮም። ስርሖም ነቲ ዘለዎም ሓይሊ ብምሉኡ ኸም ዝጸንቀቖ ዀይኑ ይስምዖም ኢዩ” በለ።
ኣዴታት ዝዀና ቘልዑ
ካልእ ዓብዪ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ጕዳይ ከኣ ኣብ እዋን ብጽሕና ወይ ጕርዝውና ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ኢዩ። ነታ ቲቺን ኢን ኣመሪካ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝደረሰ ጆርጅ ኤስ. ሞሪሰን ከምዚ ይብል:- “ኣብ ዓዓመት 1 ሚልዮን ዝዀና ጐራዙ (11 ሚእታዊት ናይተን ካብ 15 ክሳዕ 19 ዝዕድሚአን ኣዋልድ) ይጠንሳ ኢየን።” ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ኵለን ዝማዕበላ ሃገራት እታ ዝለዓለ መጠን ጥንሲ ጐራዙ ዘለዋ ኢያ።
ኣይሪስ እውን ከምዚ ብምባል መራጐዲ ነጥቢ ኣቕሪቡ ኢዩ:- “በጽሕታት ኰኑ ጐራዙ ዝዘራረብሉ ቐንዲ ኣርእስቲ ጾታዊ ርክብን ትልሂታትን ኢዩ። ኣብ ኣእምሮኦም ኢዩ ተቐሪጹ። ሕጂ ኸኣ እሞ ኣብ ቤት ትምህርትና ኢንተርነት ተኣታትዩ ኣሎ! እዚውን ብእኡ ገይሮም ንኸዕልሉን ስእለ-ጽዩፍ ንኽርእዩን ኣጋጣሚ ዝኸፍት ኢዩ።” ኣብ ማድሪድ: ስጳኛ: ዝነብር ኣንጃል “ጾታዊ ፋሉልነት ኣብ ብዙሓት ተማሃሮ ዝርአ ኢዩ። ገና ብነኣሽቱአን ዝጠነሳ ተማሃሮ ኣለዋ” በለ።
“ኣኽቢርካ ዝርኣዩ ኣለይቲ ሕጻናት”
ወለዲ ንደቆም ኣብ ቤቶም ንኽምህርዎም ዘለዎም ሓላፍነት ዘይስከሙ ምዃኖም ድማ ካልእ መምህራን ዘማርርሉ ጕዳይ ኢዩ። ቈልዑ ፈለማ ኻብ ወለዶም ትምህርቲ ኽወሃቦም ከም ዝግባእ መምህራን ዝኣምንሉ ጕዳይ ኢዩ። ኣደብን ስነ-ስርዓትን ኣብ ገዛ ኢዩ ኽጅምር ዘለዎ። ፕረዚደንት ፈደረሽን መምህራን ኣመሪካ ሳንድራ ፈልድማን “መምህራን . . . ከም ካልኦት ሰብ ሞያ ደኣ እምበር ኣኽቢርካ ኸም ዝረኣዩ ኣለይቲ ሕጻናት ጥራይ ገይርካ ኽውሰዱ የብሎምን” ክትብል ሓቃ ኢያ።
መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ ነቲ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝወሃብ ተግሳጽ ደገፎም ኣይህቡን ኢዮም። እታ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዝጠቐስናያ ሊማሪዝ ንመጽሔት ንቕሑ! “ጽዩቓት ቈልዑ ናብ ርእሰ-መምህራን ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካዮም: ወለዶም ይበኣሱኻ!” ብምባል ሓበረት። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ቡሽ ብዛዕባ ጸገማት ዝፈጥሩ ተማሃሮ ኸምዚ በለ:- “ጽቡቕ ኣተዓባብያ ይጠፍእ ኣሎ። ዝበዝሑ ቘልዑ ጽቡቕን ግቡእን ኣተዓባብያ ኻብ ዘለዎ ስድራቤታት ኢዮም መጺኦም ክትብል ኣጸጋሚ ኢዩ።” ኣብ መንዶዛ: ኣርጀንቲና: እትነብር ኢስቴላ “ንሕና መምህራን ተማሃሮና የፍርሁና ኢዮም። ትሑት ነጥቢ እንተደኣ ሂብናዮም ኣእማን ይድርብዩልና ወይ የጥቅዑና። ማኪና እንተላትና ይሰብርዋ” በለት።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዋሕዲ መምህራን እንተ ሃለወ እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ። ናይቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ትካል ካርነጂ ፕረዚደንት ቫትራን ግሪጎሪያን “ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመት [ኣብ ሕ.መ.ኣ.] ኣብያተ-ትምህርትታትና ክሳዕ 2.5 ሚልዮን ዝኸውን መምህራን ከድልይዎ ኢዮም” ብምባል ኣጠንቀቐ። ዓበይቲ ኸተማታት “ካብ ህንዲ: ምዕራብ ኢንዲስ: ደቡብ ኣፍሪቃ: ኣውሮጳ: ከምኡውን ንፉዓት መምህራን ካብ ዝርከብዎ ዘበለ ቦታታት መምህራን የናድያ ኣለዋ።” እዚ ቦታታት እዚውን ዋሕዲ መምህራን ከም ዘጋጥሞ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ዋሕዲ መምህራን ዘጋጠመ ስለምንታይ ኢዩ፧
ናይ 32 ዓመታት ተመክሮ ምምህርና ዘለዎ ዮሺኖሪ ዝበሃል ጃፓናዊ “ምምህርና ሰናይ ድራኸ ዘሕድር ክቡር ስራሕ ኢዩ: ኣብ ሕብረተሰብ ጃፓን ከኣ ኣኽቢርካ ኢዩ ዝርአ” በለ። እቲ ዘጕሂ ግን ኣብ ኵሉ ሃገራት ከምዚ ኣይኰነን። ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ግሪጎሪያን: መምህራን “ከም ሰብ ሞያ መጠን ኣኽብሮትን ኣፍልጦን ኣይወሃቦምን: እኹል ደሞዝ እውን ኣይክፈሎምን ኢዩ። . . . ኣብ መብዛሕትኡ ግዝኣታት [ሕ.መ.ኣ.] ምምህርና ኻብ ዝዀነ ይኹን ባችለር ወይ ማስተር ዲግሪ ዝሓትት ስራሕ ንታሕቲ ኢዩ ዝኽፈሎ” በለ።
ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ኬን ኢልተስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ዝተሓተ ብቕዓታት ዝሓትት ብዙሕ ዓይነት ስራሕ ካብ ምምህርና ኣጸቢቑ ዝዛይድ ደሞዝ ከም ዝኽፈሎ መምህራን ምስ ፈለጡ እንታይ ኢዮም ክገብሩ፧ ወይውን ቅድሚ ዓሰርተ ኽልተ ኣዋርሕ ዝማሃርዎም ተማሃሮ . . . ኣብዚ እዋን እዚ ወይ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ኣታዊኦም ንላዕሊ ኸም ዝረኽቡ ምስ ፈለጡኸ፧ እዚ ንመምህራን ዋጋ ዘይብሎም ኰይኑ ኸም ዝስምዖም ዝገብር ኢዩ።”
ዊልያም አየርስ እውን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “መምህራን ትሑት ደሞዝ ኢዩ ዝኽፈሎም። . . . ብገምጋም ርብዒ ናይቲ ጠበቓታት ዝኽፈልዎ: ፍርቂ ናይቲ ሰብ ሞያ ሕሳብ ዝረኽብዎ: ከምኡውን ካብቲ መራሕቲ ዓበይቲ ማካይንን ጸገንቲ መራኽብን ዝቕበልዎ ዝውሕድ ደሞዝ ኢና እንኽፈል። . . . ከምዚ ሞያ እዚ ገይሩ ብዙሕ ብቕዓታት ዝሓትትን ሒደት ደሞዝ ዝኽፈሎን ካልእ ስራሕ የለን።” (ቱ ቲች—ዘ ጆርኒ ኦቭ ኤ ቲቸር ) ናይ ሕ.መ.ኣ. ኣኽባር ሕጊ ዝነበረት ጃኔት ሬኖ ኣብ ሕዳር 2000 ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ ኢላ ተዛረበት:- “ሰባት ናብ ወርሒ ኽንሰድድ ንኽእል ኢና። . . . ንስፖርተኛታትና ብዙሕ ደሞዝ ንኸፍሎም ኢና። ንመምህራንና ግን ስለምንታይ ኢና ዝያዳ ኽንከፍሎም ዘይከኣልና፧”
ሊማሪዝ እውን ከምዚ በለት:- “ብሓፈሽኡ ኽርአ ኸሎ መምህራን ትሑት ደሞዝ ኢዮም ዝኽፈሉ። ናይ ነዊሕ ዓመታት ትምህርቲ እኳ እንተ ኣሎኒ: ኣብዚ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ናብራ ዓብዪ ኸተማ ዘስዕቦ ጸቕጥታትን ሽግርን እናኸኣልኩ ትሑት ዓመታዊ ደሞዝ ኢየ ዝረክብ ዘለኹ።” ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ: ሩስያ: እትምህር ቫለንቲና “ምምህርና ብኣታዊ ዝመጸ ክርአ ኸሎ ዋጋ ዘይብሉ ሞያ ኢዩ። ኵሉ ሳዕ ትሕቲ እቲ ዝተሓተ ደረጃ ደሞዝ ኢኻ እትኽፈል” በለት። ኣብ ቸቡት: ኣርጀንቲና: እትነብር ማርሊን እውን ተመሳሳሊ ስምዒት ኢዩ ዘለዋ:- “ትሑት ደሞዝ ስለ እንኽፈል ከይፈተና ኻብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ እናተጓየና ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ቦታታት ንሰርሕ። እዚ ኸኣ ንኣሳልጦና ብሓቂ ይንክዮ ኢዩ።” ኣብ ናይሮቢ: ኬንያ: ዝምህር ኣርተር ከኣ ንመጽሔት ንቕሑ! ከምዚ ብምባል ሓሳቡ ገለጸ:- “ምስቲ እናኣንቈልቈለ ዝኸይድ ዘሎ ቍጠባ: ከም መምህር መጠን ከቢድ ናብራ ኢየ ዘሕልፍ። ብዙሓት መሳርሕተይ ከም ዝገልጽዎ እውን ትሑት መሃያ ስለ እንኽፈል ሰባት ነዚ ሞያና ኸም ዘይቀርብዎ ገይርዎም ኢዩ።”
ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እትምህር ዲያና ብዛዕባ እቲ ንመምህራን ንብዙሕ ሰዓታት ተተኺሎም ከም ዝሰርሑ ዝገብሮም ማእለያ ዘይብሉ ዕዮ ወረቐት ተማርር። ካልእ መምህር ከኣ “መብዛሕትኡ ግዜና ብሓደ ዓይነት ተደጋጋምን ዘሰልክን ስራሕ ኢና እነሕልፎ” በለ። “ምሉእ መዓልቲ ወረቓቕቲ ኽንመልእ ንውዕል” ዝብል ምዕርምራም እውን ኣብ ብዙሓት ይስማዕ ኢዩ።
ብዙሓት ተማሃሮ ግን ከኣ ሒደት መምህራን
ኣብ ዱረን: ጀርመን: ዝነብር በርቶል ከምዚ ብምባል ብዙሓት ዘማርርሉ ነገር ጠቐሰ:- “ኣብ ሓደ ኽፍሊ እትምህሮም ተማሃሮ ብዙሓት ኢዮም! ክሳዕ 34 ተማሃሮ ዘለዎም ክፍልታት ኣለዉ። እዚ ማለት ከኣ ጸገም ንዘለዎም ተማሃሮ ኣቓልቦ ኽንገብረሎም ኣይንኽእልን ኢና። ዘስተብህለሎም እውን የለን። በብውልቂ ዘድልዮም ነገራት ከኣ ዕሽሽ ይበሃል።”
ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሊማሪዝ ድማ “እቲ ወለዲ ዘርእይዎ ዘይምግዳስ ከም ትሑዝ ገዲፈ ምስ ዝዛረብ: ዓሚ ኻብ ዘጋጠመኒ ዝዓበየ ጸገማት ኣብ ሓደ ኽፍሊ 35 ተማሃሮ ምምሃረይ ኢዩ። ምስ 35 ደቂ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዑ ምዕያይ እሞ ሕስብ ኣብልዎ!” በለት።
ኣይሪስ እውን ከምዚ በለ:- “ኣብዚ ኣብ ኒው ዮርክ ብፍላይ ናይ ሕሳብን ስነ-ፍልጠትን ዋሕዲ መምህራን ኣሎ። ኣብ ካልእ ቦታታት ዝሓሸ ስራሕ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ብዙሓት ወጻእተኛታት መምህራን ተቘጺሮም ናብዛ ኸተማ ይመጹ ኣለዉ።”
ምምህርና ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ሞያ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንመምህራን ነዚ ሞያ እዚ ንኸይገድፍዎ ዝድርኾም ደኣ እሞ እንታይ ኢዩ፧ ንምንታይ ኢዮም ብዘይምቍራጽ ጸኒዖም ዝቕጽሉ፧ እዛ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽና ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምርምሮ ኢያ።
[ኣብ ገጽ ፍረ ሓሳብ 9]
መዓልቲ መዓልቲ ናብተን ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ብግምት 135,000 ሸጓጕጥ ይኣቱ
[ኣብ ገጽ ዘሎ ሳጹን/ስእሊ 10]
ዕዉት መምህር ዝበሃል ከመይ ዝበለ ኢዩ፧
ንፉዕ መምህር እትብሎ ከመይ ዝበለ ኢዩ፧ ሓደ ቘልዓ ነቲ እተማህሮ ሸምዲዱ ኣብ ፈተና ምእንቲ ኽሓልፍ ናይ ምዝካር ክእለቱ ዝዅስኵሰሉ ድዩ፧ ንሓደ ሰብ ሕቶ ኸም ዝሓትት: ከም ዝሓስብ: ከምኡውን ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኸም ዝህልዎ ዝገብር ድዩ፧ ወይስ ንሓደ ቘልዓ ዝሓሸ ዜጋ ኸም ዝኸውን ዝገብር ኢዩ፧
“መምህራን ዘበልና ኣብቲ ተማሃሮና ኣብ ምሉእ ህይወቶም ዝገብርዎ እተሓላለኸ ጕዕዞ ብጾቶም ምዃንና ምስ እንፈልጥ: ከም ሰባት መጠን ድማ ዝግብኦም ክብሪ ምስ እንህቦም: ንፉዓት መምህራን ናብ ምዃን ክንስጕም ጀሚርና ኣሎና ማለት ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ኣዝዩ ቐሊል ኢዩ: በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ።”—ቱ ቲች — ዘ ጆርኒ ኦቭ ኤ ቲቸር
ሓደ ንፉዕ መምህር ናይ ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ተኽእሎ የለሊ: ነዚ ብኸመይ ከም ዘሰስኖን ከም ዘዕብዮን ከኣ ይፈልጥ ኢዩ። ዊልያም አየርስ ከምዚ በለ:- “ብርታዐ: ተመክሮ: ብልሓት: ከምኡውን ክእለት ዘማዕብል ዝሓሸ መገዲ ኽንረክብ ኣሎና። . . . ሓደ ወደባት ኣመሪካዊ ወላዲ ብዛዕባ እቲ ‘ቀልጢፉ ዘይርድኦ’ እተባህለሉ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወዱ እተዛረቦ ኸምዚ ዝብል ምሕጽንታ ትዝ ይብለኒ ኢዩ:- ‘ዊንድ-ዎልፍ ናይ ልዕሊ ኣርብዓ ዝዀና ኣዕዋፍ ኣስማትን ፍልሰትን ይፈልጥ ኢዩ። ኣብ ጭራ ናይ ሓደ ሚዛኑ ሓልዩ ንኽነፍር ዘይሽገር ንስሪ ዓሰርተ ሰለስተ ክንቲት ከም ዘሎ ይፈልጥ ኢዩ። ነዚ ቘልዓ እዚ ዘድልዮ ዘሎ ዓቕሙ ዝፈልጠሉ መምህር ኢዩ።’ ”
ሓደ መምህር እቲ ዝበለጸ ኽእለት ናይ ሓደ ቘልዓ ንምፍላጥ እንታይ ከም ዘገድሶ ወይ ከም ዘለዓዕሎ ከምኡውን ኣተሓሳስባኡን ባህርያቱን ካብ ምንታይ ከም ዝመነጨ ኽርዳእ ኢሉ ሃሰስ ክብል ኣለዎ። ብተወሳኺውን ሓደ ውፉይ መምህር ቈልዑ ኽፈቱ ኣለዎ።
[ምንጪ ስእሊ]
United Nations/Photo by Saw Lwin
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን]
ትምህርቲ ዅሉ ሳዕ ዘዘናግዕ ክኸውን ኣለዎዶ፧
መምህር ዊልያም አየርስ ብዛዕባ ምምህርና ዘሎ ዓሰርተ ግጉይ ኣረኣእያ ጽሒፉ ኢዩ። ሓደ ኻብዚ “ንፉዓት መምህራን ንትምህርቲ ኸም መዘናግዒ ገይሮም ኢዮም ዘቕርብዎ” ዝብል ኢዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ ከምዚ በለ:- “ምዝንጋዕ ከም እተስግል ዝገብርን ዘስሕቕን ኢዩ። ባህሌላ የዘናግዓካ ኢዩ። ዋዛ እውን መዘናግዒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ትምህርቲ ግን ዝምስጥ: ዝስሕብ: ዘደንቕ: ዘደናግር: ኣቓልቦ ዝማርኽ: ከምኡውን መብዛሕትኡ ግዜ ዓሚቝ ባህታ ዝፈጥር ኢዩ። ዘዘናግዕ እንተዀነ ግርም። የግዲ ዘዘናግዕ ክኸውን ኣለዎ ማለት ግን ኣይኰነን።” ቀጺሉ ድማ “ምምህርና ሰፊሕ ፍልጠት: ክእለት: ብልሓት: ምምዝዛን: ከምኡውን ምግንዛብ ዝሓትት ኢዩ፣ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነዚ ሞያ እዚ ብሰብ ዝግደስን ሓላዪን ሰብ ክሕዞ ኣለዎ” በለ።—ቱ ቲች —ዘ ጆርኒ ኦቭ ኤ ቲቸር
ኣብ ከተማ ናጎያ: ጃፓን: ዝነብር ሱሚዮ ኣብ ተማሃሮኡ እዚ ጸገም እዚ ኸም ዘሎ ስለ ዘስተውዓለ ኸምዚ በለ:- “ብዙሓት ናይ ካልኣይ ደረጃ ተማሃሮ ኽዘናግዑን ብዙሕ ጻዕሪ ዘየድልዮ ነገር ክገብሩን እንተ ዘይኰይኑ: ካልእ ቃሕ ኣይብሎምን ኢዩ።”
ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ናይ ተማሃሮ ኣማኻሪት ኰይና እትዓዪ ሮዛ ኸምዚ በለት:- “ተማሃሮ ብሓፈሻ ትምህርቲ ዘሰልኪ ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ኣለዎም። ንዖኦም መምህር ዘሰልኪ ኢዩ። ኵሉ ነገር ዘዘናግዕ ክኸውን ዘለዎ ኢዩ ዝመስሎም። ኣብ ትምህርቲ በቲ እትገብሮ ጻዕሪ መጠን ኸም እትጥቀም ኣየስተውዕሉን ኢዮም።”
መንእሰያት ወትሩ ዘዘናግዕ ነገራት ጥራይ እንተ ደልዮም ጻዕርን መስዋእትታትን ንኽገብሩ የጸግሞም ኢዩ። ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሱሚዮ ኸምዚ በለ:- “እቲ ቐንዲ ዘተሓሳስበካ ድማ ኣርሒቖም ክሓስቡ ዘይክእሉ ምዃኖም ኢዩ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኻብ ዝርከቡ ተማሃሮ ሕጂ ኣበርቲዖም እንተ ዓዮም ኣብ መጻኢ ዝያዳ ኸም ዝጥቀሙ ዝሓስቡ ሒደት ጥራይ ኢዮም።”
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ዲያና: ካብ ሕ.መ.ኣ.
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
‘ንግዲ ሓሽሽ ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተሎ: ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ግን ኣይንረኽቦምን ኢና።’—ሚኻየል: ካብ ጀርመን
[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ስእሊ]
“ኣብ ስድራቤት ዝርአ ዓመጽን ወልፊ ሓሽሽን . . . ጸገም ይፈጥረልና ኢዩ።”—ኣሚራ: ካብ ሜክሲኮ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
“መምህራን . . . ከም ካልኦት ሰብ ሞያ ደኣ እምበር ኣኽቢርካ ኸም ዝረኣዩ ኣለይቲ ሕጻናት ጥራይ ገይርካ ኽውሰዱ የብሎምን።”—ሳንድራ ፈልድማን: ፕረዚደንት ፈደረሽን መምህራን ኣመሪካ