ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 3 ገጽ 4-5
  • ነቲ ሓቂ ፍለጦ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ሓቂ ፍለጦ
  • ንቕሑ!—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ጸገም
  • ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሓቂ ምፍላጥ ብኸመይ ይሕግዝ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ኣቐዲምካ ፍርዲ—በዝስ ተለኺፍካ ዲኻ፧
    ንቕሑ!—2020
  • ናይ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ግዳይ ኴንካዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ጽልኢ—ዓለምለኻዊ ጸገም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ጽልኢ ዘይህልወላ ዓለም—መዓስ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 3 ገጽ 4-5
ክልተ ሰብኡት ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ፋብሪካ ማካይን ቃለ መጠይቕ ይገብሩላ። ንሳ ውጥረት ዘለዋ ትመስል።

ነቲ ሓቂ ፍለጦ

እቲ ጸገም

ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ጸገም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግጉይ ሓበሬታ ይምርኰስ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ርአ፦

  • ገሊኦም ኣስራሕቲ፡ ‘ደቂ ኣንስትዮ ንገሊኡ ስነ ፍልጠታዊ ወይ ተክኒካዊ ስራሓት ኣይበቕዓን እየን’ ዚብል ግጉይ እምነት ኣለዎም።

  • ኣብ ማእከላይ ዘመን፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ‘ዒላታት ይምርዙ፡ ሕማም ከኣ የስፋሕፍሑ እዮም’ ተባሂሎም ብሓሶት ይኽሰሱ ነይሮም። ብግዜ ስርዓት ናዚ ኸኣ፡ ኣይሁድ ኣብ ጀርመን ቍጠባዊ ቕልውላው ከም ዘምጽኡ ጌርካ ተጠቂኖም። ኣብ ክልቲኡ እዋን፡ ግዳያት ጽልኢ ዀይኖም እዮም፣ እዚ ጽልኢ እዚ እውን ክሳዕ ሕጂ ብእተወሰነ መልክዕ ኣሎ።

  • ብዙሓት ሰባት፡ ‘ስንኩላን ጕሁያት ወይ እተመረሩ እዮም’ ዚብል ግጉይ መደምደምታ ኣለዎም።

ንኸምዚ ዝበለ ጽውጽዋይ ዚኣምኑ ሰባት፡ ነቲ ቔናን ኣተሓሳስባኦም ዚድግፍ ዚመስል ኣብነት ወይ መርትዖ የቕርቡ እዮም። ምሳታቶም ዘይሰማማዕ ዘበለ ኸኣ ደንቈሮ ኸም ዝዀነ ይመስሎም እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ

“ሰብ ብዘይ ፍልጠት፡ ጽቡቕ ኣይኰነን።”—ምሳሌ 19:2።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓቂ እንተ ዘይፈሊጥና፡ ሕማቕ ውሳነ ኢና እንገብር። ሓቂ ዘይኰነስ ጽውጽዋይ እንተ ኣሚንና፡ ንሰባት ብጌጋ ንፈርዶም ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣቐዲምካ ፍርዲ የተባብዕ ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲምካ ፍርዲ ኸም ዜተባብዕ ይዛረቡ እዮም። ከም ሓቂ ግና መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚብል፧

  • ኵሎም ደቂ ሰብ ይዛመዱ እዮም፦ ኣምላኽ “ካብ ሓደ ሰብ . . . ኵሉ ህዝቢ ገይሩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:26።

  • ኣምላኽ ኣየዳሉን እዩ፦ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35።

  • ኣምላኽ ኣብ ደጋዊ ትርኢት ዘይኰነስ፡ ኣብ ውሽጢ ሰብ የተኵር፦ “ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ የሆዋ ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።”—1 ሳሙኤል 16:7።a

a የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

ሓቂ ምፍላጥ ብኸመይ ይሕግዝ፧

ብዛዕባ ሰባት ህሉው ሓቅታት እንተ ፈሊጥና፡ ነቲ ብዛዕባኦም ልሙድ ዝዀነ ናይ ሓሶት ግምታት ኣይንኣምነሉን ኢና። ብዛዕባ ሓደ ጕጅለ ሓቂ ኸም ዘይተነግረና ሓንሳእ ምስ ፈለጥና ኸኣ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ጕጅለታት ዚንገረና ግምታት ኣብ ሕቶ ኸነእትዎ ንጅምር ኢና።

ናይ ሓቂ ኣብነት፦ ዮቪሳ (ባልካን)

እቲ ኣቐዲሙ ኣብዛ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ዮቪሳ፡ ደቂ ዓዱን ዜናን መደባት ተለቪዥንን ብዛዕባ ሓደ ጕጅለ ውሑዳን ዚዛረብዎ ኣሉታዊ ነገር እናሰምዐ እዩ ዓብዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ነዞም ሰባት እዚኦም ኣቐዲመ እፈርዶም፡ ካብኡ ሓሊፈ እውን እጸልኦም ነይረ። ከምኡ ኺስምዓኒ እውን ብቑዕ ምኽንያት ዘሎኒ ይመስለኒ ነይሩ።

“ኣባል ሰራዊት ከለኹ ግና፡ ካብቶም ውሑዳን ጕጅለ ምስ ዝዀኑ ብጾተይ ወተሃደራት ካብ ምንባርን ካብ ምስራሕን ወጻኢ ኻልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን። እናሓደርኩ፡ ብዛዕባኦም እናፈለጥኩ ኸይደ። ቋንቋኦም ክፈልጥን ደርፍታቶም ክሰምዕን እውን ጀሚረ። ምሳታቶም ጽቡቕ ርክብ ኪህልወኒ ጀሚሩ፣ ብእተፈልየ ዓይኒ ድማ ክርእዮም ጀሚረ። ይኹን እምበር፡ ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ስምዒተይ ተመሊሱ ኪቕልቀል ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቶም ጕጅለ እቲኦም ብኣሉታዊ መገዲ ዚስእል ዜና ምስማዕ ሓዲገዮ። ንዓታቶም መላገጺ ዚገብር ፊልምታት ወይ ኮመዲ እውን ኣይርእን እየ። ኣቐዲምካ ፍርዲ ናብ ቍጥዓን ጽልእን ኪዓቢ ኸም ዚኽእል እፈልጥ እየ።”

ክትገብሮ እትኽእል

  • ብዛዕባ ጕጅለ ሰባት ብሓፈሻ ዚውረ ኣሉታዊ ነገር፡ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ጕጅለ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ከም ዘይምልከት ዘክር።

  • እቲ ብዛዕባ ኻልኦት ዘሎካ ሓበሬታ ድሩት ኪኸውን ከም ዚኽእል ተኣመን።

  • ካብ እሙን ምንጭታት፡ ሓበሬታ ኽትረክብ ፈትን።

ኣብ ልዕሊ ጽልኢ ተዓዊቶም

ስእልታት፦ 1. ክልተ ሰብኡት እናተዛራረቡ ብእግሮም ይኸዱ። 2. ሓደ ኻብቶም ሰብኡት ኣብ መንጎ ፈተውቱ ፍሽኽ ይብል።

ሓደ ዓረብን ሓደ ኣይሁዳውን ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህርዮም ብኸመይ ኣሰኒፎምዎ፧

ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ጽልኢ እትዕወት መዓስ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ። ኣብ jw.org፡ ኣርእስቲ እዛ ቪድዮ ድለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ