ክፍሊ 2
ካብ ማይ ኣይሂ ክሳዕ እቲ ካብ ግብጺ ዝወጽሉ ግዜ
ካብ ማይ ኣይሂ ሾሞንተ ሰባት ጥራይ ኢዮም ድሒኖም: ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ቍጽሮም ኣሽሓት ኰነ። ኣብርሃም 352 ዓመታት ድሕሪ ማይ ኣይሂ ተወልደ። ኣምላኽ ንኣብርሃም ይስሃቅ ዝበሃል ውሉድ ብምሃብ መብጽዕኡ ብኸመይ ከም ዝሓለዎ ክንማሃር ኢና። ብድሕርዚ: ኣምላኽ ካብቶም ክልተ ደቂ ይስሃ ቅ: ንያእቆብ ሓረየ።
ያእቆብ 12 ኣወዳትን ገለ ኣዋልድን ዝነበርዋ ዓባይ ስድራቤት ነበረቶ። እቶም 10 ደቂ ያእቆብ ነቲ ንእሽቶ ሓዎም ዮሴፍ ጸልእዎ እሞ: ንባርነት ናብ ግብጺ ሸጥዎ። ጸኒሑ ዮሴፍ ፍሉጥ ገዛኢ ናይ ግብጺ ኰነ። ጥሜት ምስ ኰነ ኸኣ ዮሴፍ ኣሕዋቱ ልቦም ተለዊጡ እንተ ዀይኑን ዘይኰይኑን ክርኢ ፈተኖም። ኣብ መወዳእትኡ: ያእቆብ ምስ ብምሉኣ ስድራቤቱ ናብ ግብጺ ገዓዘ። እዚ ኣብርሃም ድሕሪ ምውላዱ 290 ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ ተፈጺሙ።
እስራኤላውያን ድሕሪኡ 215 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተቐመጡ። ዮሴፍ ድሕሪ ሙማቱ ኣብኡ ባሮት ኰኑ። ሙሴ ድሕሪ ገለ ግዜ: ተወልደ፣ ኣምላኽ ከኣ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ንኸውጽኦም ተጠቕመሉ። ክፍሊ ክልተ ብጠቕላልኡ ናይ 857 ዓመታት ዛንታ ኢያ ሒዛ ዘላ።