ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 32
  • እተን 10 መዓት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እተን 10 መዓት
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ቐዳማይ ሰለስተ መዓት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • እቲ ዓስራይ መዓት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • እቲ ዝሰዓበ ሽዱሽተ መዓት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሙሴን ኣሮንን ምስ ፈርኦን ይራኸቡ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 32

ዛንታ 32

እተን 10 መዓት

ነዚ ስእልታት እሞ ርኣዮ። ነፍሲ ወከፉ ነቲ የሆዋ ኣብ ግብጺ ዘውረዶ መዓት ኢዩ ዘርኢ። ኣብታ ናይ መጀ⁠መ​ርታ ስእሊ ኣሮን ንርባ ኒል ብበትሩ ክወ​ቕዖ ከሎ ኢኻ ትርኢ። ከምኡ ምስ ገበረ: እቲ ማይ ናይቲ ርባ ናብ ደም ተለወጠ። እቶም ዓሳታት ሞቱ: እቲ ርባ ኸኣ ክጨኑ ጀመረ።

ቀጺሉ ኸኣ የሆዋ ቍርዖብ ካብቲ ርባ ከም ዝወጻ ገበረ። ኣብ እቶን: ኣብ መቕሎታት: ኣብ ዓራውቲ ናይ ሰባት: ኣብ ኵሉ ቦታ ኸኣ ነበራ። እተን ቍርዖብ ምስ ሞታ ግብጻውያን ኣከብወን: ዓቢ ዅምራ ኸኣ ኰና እታ ምድሪ ኸኣ ብእአን ጨነወት።

ብድሕርዚ ኣሮን ነቲ መሬት ብበትሪ ወቕዖ: እቲ ደቦቝቦቛ ኸኣ ናብ ጻጹት ተለወጠ። እዚኣቶም ዝነፍሩ ተናኸስቲ ሓሳኹ ኢዮም። ጻጹት ኣብ ምድሪ ግብጺ ሳልሳይ መዓት ኢዩ ነይሩ።

ብድሕርዚ እቲ ዝተረፈ መዓት ንእስራኤላውያን ገዲፉ: ንግብጻውያን ጥራይ ኢዩ ጐዲኡ። እቲ ራብዓይ ከኣ ጽንጽያ ከልቢ ኣብ ኵሉ ኣባይቲ ግብጻውያን ኰነ። እቲ ሓምሻይ መዓት ኣብ እንስሳታት ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ካብቶም ከብትን ኣባጊዕን ኣጣልን ናይ ግብጻውያን ከኣ ሞቱ።

ቀጺሎም ሙሴን ኣሮንን ሓሙዅስቲ ወሰዱ እሞ ናብ ሰማይ በተንዎ። ኣብ ሰባትን እንስሳታትን ፎቕፎቕ ዝብል ሕበጥ ኰነ። እዚ እቲ ሻዱሻይ መዓት ኢዩ ነይሩ።

ብድሕርዚ ሙሴ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሐ: የሆዋ ኸኣ በረድን ነጐዳን ከም ዝወ​ርድ ገበረ። ከምኡ ዝበለ በረድ ኣብ ግብጺ ተራእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ።

እቲ ሻምናይ መዓት ዕስለ ኣንበጣ ኢዩ ነይሩ። ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ ወይ ከኣ ብድሕሪኡ ክንድኡ ኣንበጣ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ነቲ ካብ በረድ ዝተረፈ ዅሉ ድማ በልዕዎ።

እቲ ታሽዓይ መዓት ጸልማት ኢዩ ነይሩ። ንሰለስተ መዓልቲ ነታ ሃገር ድቕ​ድቕ ጸልማት ኣጐልበባ: ኣብቲ እስራኤላውያን ዝነብሩሉ ዝነበሩ ግን ብርሃን ነበረ።

ኣብ መወዳእታ ኣምላኽ ንህዝቡ ኣብ ልዳውቶም ደም ናይ ጤል ወይ በጊዕ ክገብሩ ነገሮም። ብድሕርዚ መልኣኽ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ሓለፈ። እቲ መልኣኽ ደም ክርኢ ከሎ: ኣብታ ቤት ንዘሎ ዝዀነ ይኹን ኣይቀተለን። ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ልዳቱ ደም ዘይነበሮ ገዛውቲ ግን: መልኣኽ የሆዋ ናይ ሰብን እንስሳን ቦኽሪ ቀተለ። እዚ እቲ 10ይ መዓት ኢዩ ነይሩ።

ብድሕሪ እዚ ናይ መወዳእታ መዓት እዚ ፈርኦን ንእስራኤላውያን ኣውጽኦም። ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ክወጹ ቅሩባት ኢዮም ነይሮም: በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ካብ ግብጺ ናይ ምውጻእ ጕዕዝኦም ጀመሩ።

ዘጸኣት ምዕራፍ 7 ክሳዕ 12

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ