ዛንታ 32
እተን 10 መዓት
ነዚ ስእልታት እሞ ርኣዮ። ነፍሲ ወከፉ ነቲ የሆዋ ኣብ ግብጺ ዘውረዶ መዓት ኢዩ ዘርኢ። ኣብታ ናይ መጀመርታ ስእሊ ኣሮን ንርባ ኒል ብበትሩ ክወቕዖ ከሎ ኢኻ ትርኢ። ከምኡ ምስ ገበረ: እቲ ማይ ናይቲ ርባ ናብ ደም ተለወጠ። እቶም ዓሳታት ሞቱ: እቲ ርባ ኸኣ ክጨኑ ጀመረ።
ቀጺሉ ኸኣ የሆዋ ቍርዖብ ካብቲ ርባ ከም ዝወጻ ገበረ። ኣብ እቶን: ኣብ መቕሎታት: ኣብ ዓራውቲ ናይ ሰባት: ኣብ ኵሉ ቦታ ኸኣ ነበራ። እተን ቍርዖብ ምስ ሞታ ግብጻውያን ኣከብወን: ዓቢ ዅምራ ኸኣ ኰና እታ ምድሪ ኸኣ ብእአን ጨነወት።
ብድሕርዚ ኣሮን ነቲ መሬት ብበትሪ ወቕዖ: እቲ ደቦቝቦቛ ኸኣ ናብ ጻጹት ተለወጠ። እዚኣቶም ዝነፍሩ ተናኸስቲ ሓሳኹ ኢዮም። ጻጹት ኣብ ምድሪ ግብጺ ሳልሳይ መዓት ኢዩ ነይሩ።
ብድሕርዚ እቲ ዝተረፈ መዓት ንእስራኤላውያን ገዲፉ: ንግብጻውያን ጥራይ ኢዩ ጐዲኡ። እቲ ራብዓይ ከኣ ጽንጽያ ከልቢ ኣብ ኵሉ ኣባይቲ ግብጻውያን ኰነ። እቲ ሓምሻይ መዓት ኣብ እንስሳታት ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ካብቶም ከብትን ኣባጊዕን ኣጣልን ናይ ግብጻውያን ከኣ ሞቱ።
ቀጺሎም ሙሴን ኣሮንን ሓሙዅስቲ ወሰዱ እሞ ናብ ሰማይ በተንዎ። ኣብ ሰባትን እንስሳታትን ፎቕፎቕ ዝብል ሕበጥ ኰነ። እዚ እቲ ሻዱሻይ መዓት ኢዩ ነይሩ።
ብድሕርዚ ሙሴ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሐ: የሆዋ ኸኣ በረድን ነጐዳን ከም ዝወርድ ገበረ። ከምኡ ዝበለ በረድ ኣብ ግብጺ ተራእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ።
እቲ ሻምናይ መዓት ዕስለ ኣንበጣ ኢዩ ነይሩ። ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ ወይ ከኣ ብድሕሪኡ ክንድኡ ኣንበጣ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ነቲ ካብ በረድ ዝተረፈ ዅሉ ድማ በልዕዎ።
እቲ ታሽዓይ መዓት ጸልማት ኢዩ ነይሩ። ንሰለስተ መዓልቲ ነታ ሃገር ድቕድቕ ጸልማት ኣጐልበባ: ኣብቲ እስራኤላውያን ዝነብሩሉ ዝነበሩ ግን ብርሃን ነበረ።
ኣብ መወዳእታ ኣምላኽ ንህዝቡ ኣብ ልዳውቶም ደም ናይ ጤል ወይ በጊዕ ክገብሩ ነገሮም። ብድሕርዚ መልኣኽ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ሓለፈ። እቲ መልኣኽ ደም ክርኢ ከሎ: ኣብታ ቤት ንዘሎ ዝዀነ ይኹን ኣይቀተለን። ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ልዳቱ ደም ዘይነበሮ ገዛውቲ ግን: መልኣኽ የሆዋ ናይ ሰብን እንስሳን ቦኽሪ ቀተለ። እዚ እቲ 10ይ መዓት ኢዩ ነይሩ።
ብድሕሪ እዚ ናይ መወዳእታ መዓት እዚ ፈርኦን ንእስራኤላውያን ኣውጽኦም። ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ክወጹ ቅሩባት ኢዮም ነይሮም: በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ካብ ግብጺ ናይ ምውጻእ ጕዕዝኦም ጀመሩ።