ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 21 ገጽ 54-ገጽ 55 ሕ.ጽ. 2
  • እቲ ዓስራይ መዓት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ዓስራይ መዓት
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሙሴን ኣሮንን ምስ ፈርኦን ይራኸቡ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እቲ ቐዳማይ ሰለስተ መዓት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ሓራ ኣውጸኦም
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ኣብ ግብጺ ሓደ ሕሱም ንጉስ ይገዝእ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 21 ገጽ 54-ገጽ 55 ሕ.ጽ. 2
ሓደ እስራኤላዊ ንልዳት ቤቱ ደም ይለኽዮ

ትምህርቲ 21

እቲ ዓስራይ መዓት

ሙሴ ንፈርኦን፡ መሊሱ ኺርእዮ ኸም ዘይፍትን ቃል ኣተወሉ። ቅድሚ ምኻዱ ግና፡ ንፈርኦን፡ ‘ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ ኣብ ግብጺ ዘሎ ዅሉ በዅሪ፡ ካብ ወዲ ፈርኦን ክሳዕ ደቂ ባሮት ኪሞቱ እዮም’ በሎ።

የሆዋ ኸኣ ንእስራኤላውያን ፍሉይ ድራር ኪገብሩ ኣዘዞም። ከምዚ እውን በሎም፦ ‘ሓደ ዓመት ዝገበረ በጊዕ ወይ ጤል ሕረዱ፣ ገለ ኻብ ደሙ ኸኣ ኣብ ልዳት ቤትኩም ልኸይዎ። ነቲ ስጋ ድማ ኣብስልዎ፡ ምስ ቅጫ እውን ብልዕዎ። ክዳንኩም ተኸዲንኩም፡ ኣሳእንኩም ጌርኩም፡ ንምኻድ ድሉዋት ኩኑ። በዛ ለይቲ እዚኣ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም።’ እስራኤላውያን ክሳዕ ክንደይ ተሃንጥዮም ከም ዝነበሩስ ክትግምቶዶ ትኽእል፧

ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ መልኣኽ የሆዋ ብዅሉ ኣባይቲ ግብጺ ሓለፈ። ኣብተን ልዳውተን ደም ዘይተለኽየ ኣባይቲ ዝጸንሐ ዘበለ ዅሉ በዅሪ ድማ ሞተ። እቲ መልኣኽ ግና ነቲ ደም እተለኽየ ኣባይቲ ሰጊርዎ ሓለፈ። በዚ ኸምዚ፡ ንሃብታማት ኰኑ ንድኻታት ግብጻውያን ውሉዶም ሞቶም። ካብ ደቂ እስራኤላውያን ግና ሓደ እኳ ኣይሞተን።

ወዲ ፈርኦን እውን ሞተ። ፈርኦን ከኣ ድሕርዚ ኺጻወር ኣይከኣለን። ንሙሴን ንኣሮንን ድማ ብኡብኡ ጸዊዑ፡ ‘ተንስኡ። ካብዚ ውጹ። ኪዱ ንኣምላኽኩም ኣምልኽዎ። እንስሳታትኩም እውን ምሳኻትኩም ተማሊእኩም ኪዱ’ በሎም።

እስራኤላውያን ከኣ ምልእቲ ወርሒ ዃዕ ኢላ ኸላ፡ በብዓሌቶምን በብነገዶምን ተሰሪዖም ወጹ። ብድምር ድማ 600,000 ሰብኡትን ብዙሓት ኣንስትን ቈልዑን ነበሩ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ብዙሓት ካልኦት ህዝቢ ንየሆዋ ንምምላኽ ምሳታቶም ወጹ። ኣብ መወዳእታኡ፡ እስራኤላውያን ሓራ ወጹ!

የሆዋ ብኸመይ ከም ዘድሓኖም ንምዝካር፡ ኣብ ዓዓመት ፍሉይ ድራር ይገብሩ ነበሩ። እቲ በዓል ድማ ፋስጋ ይብሃል ነበረ፣ ፋስጋ ኪብሃል ከሎ፡ “ምሕላፍ” ማለት እዩ።

እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ይወጹ

“ሓይለይ ኣባኻ ምእንቲ ኸርኢ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣንቢረካ።”—ሮሜ 9:17

ሕቶታት፦ እቲ ዓስራይ መዓት እንታይ እዩ ነይሩ፧ እስራኤላውያን ካብቲ መዓት እቲ ንምድሓን እንታይ ኪገብሩ ነይርዎም፧

ዘጸኣት 11:1–12:42፣ 13:3-10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ