ክፍሊ 3
ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጽኦም ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እስራኤል
ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ናይ ግብጺ ባርነት ናብ ከረን ሲና ወሰዶም: ኣብኡ ኸኣ ኣምላኽ ሕግታቱ ሃቦም። ጸኒሑ ኸኣ ሙሴ 12 ሰባት ንምድሪ ከነኣን ክስልዩ ሰደደ። ካብኣቶም ግን እቶም 10 ሕማቕ ወረ ሒዞም ተመልሱ። እቶም ህዝቢ ናብ ግብጺ ክምለሱ ከም ዝደልዩ ገበርዎም። እምነት ብምጕዳሎም ከኣ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን 40 ዓመት ኣብቲ በረኻ ኰለል ከም ዝብሉ ብምግባር ቀጽዖም።
ኣብ መወዳእትኡ: እያሱ ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ከነኣን ክመርሖም ተሓርየ። እታ ምድሪ ምእንቲ ክሕዝዋ ኣምላኽ ተኣምራት ብምፍጻም ሓገዞም። ርባ ዮርዳኖስ ካብ ምውሓዝ ከም ዘቋርጽ: መንደቕ ናይ ያሪኮ ከም ዝወድቕ: ንምሉእ መዓልቲ ኸኣ ጸሓይ ደው ከም እትብል ገበረ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት እታ ምድሪ ካብ ከነኣናውያን ተሓድገት።
ኣብ እስራኤል ካብ እያሱ ጀሚርካ መሳፍንቲ ን356 ዓመታት ገዝኡ። ንባራቅ: ጊዴዎን: ይፍታሕ: ሲምሶን: ከምኡውን ሳሙኤል እውን ሓዊስካ ብዛዕባ ብዙሓት ካብኣቶም ክንማሃር ኢና። ብዛዕባ ከም ረሃብ: ዴቦራ: ያዔል: ሩት: ናእሚ: ከምኡውን ደሊላ ዝኣመሰላ ኣንስቲ እውን ከነንብብ ኢና። ክፍሊ ሰለስተ ኵሉ ዅሉ ናይ 396 ዓመታት ታሪኽ ዘጣመረት ኢያ።