ዛንታ 69
ሓንቲ ጓል ንሓደ ብርቱዕ ሰብኣይ ትሕግዞ
እዛ ንእሽቶ ጓል እንታይ ትብል ከም ዘላስ ትፈልጥዶ፧ ነታ ሰበይቲ ብዛዕባ ኤልሳእ እቲ ነብዪ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንኽገብሮ የሆዋ ዝሕግዞ ዘገርም ነገራትን ኢያ ትነግራ ዘላ። እታ ሰበይቲ እስራኤላዊት ስለ ዘይኰነት ብዛዕባ የሆዋ ኣይትፈልጥን ኢያ። እታ ጓል ኣብ ገዛ ናይታ ሰበይቲ ዘላ ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።
እታ ሰበይቲ ሶርያዊት ኢያ። በዓል ቤታ ንእማን እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ ኢዩ። ሶርያውያን ነዛ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ማረኽዋ: ኣገልጋሊታ ንኽትከውን ከኣ ናብ ሰበይቲ ንእማን ኣምጽእዋ።
ንእማን ለምጺ ዝብሃል ሕማቕ ሕማም ነበሮ። እዚ ሕማም እዚ ስጋ ናይቲ ሕሙም ተቓራሪፉ ከም ዝኸይድ እውን ይገብር ኢዩ። ስለዚ እዛ ንእሽቶ ጓል ንሰበይቲ ንእማን ‘ጐይታይሲ ኣብቲ ናይ እስራኤል ነብዪ የሆዋ እንተ ዝኸይድ ጽቡቕ ነይሩ። እቲ ነብዪ ካብ ለምጹ መሕወዮ ነይሩ’ በለታ። እዚ ሓሳብ እዚ ንበዓል ቤት ናይታ ሰበይቲ ነገርዎ።
ንእማን ክሓዊ ይደሊ ነበረ: ስለዚ ናብ እስራኤል ክኸይድ ወሰነ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ኸኣ ናብ ቤት ኤልሳእ ከደ። ኤልሳእ ከኣ ኣገልጋሊኡ ልኢኹ ንንእማን ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ግዜ ክሕጸብ ነገሮ። እዚ ኸኣ ንንእማን ኣዝዩ ኣቘጥዖ: ከምዚ ኸኣ በለ:- ‘ካብ ኵሉ ማያት እስራኤልሲ ርባታት ናይ ዓደይዶ ግዳ ኣይበልጽን!’ ከምኡ ምስ በለ ኸኣ ንእማን ከደ።
እንተዀነ ግን ሓደ ካብቶም ኣገልገልቱ ‘ጐይታይ ኤልሳእ ከቢድ ነገር ኢሉካ እንተ ዝኸውን ምገበርካዮ ነይርካ። ሕጂ ከምቲ ዝበለካ ስለምንታይ ዘይትሕጸብ፧’ በሎ። ንእማን ዘረባ ኣገልጋሊኡ ሰምዐ እሞ: ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ከኣ ሸውዓተ ግዜ ተሓጽበ። ከምኡ ክገብር ከሎ ኸኣ ስግኡ ሓወየ!
ንእማን ኣዝዩ ተሓጐሰ። ናብ ኤልሳእ ተመሊሱ ኸኣ ‘እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ንሱ ጥራይ ምዃኑ ሕጂ ፈለጥኩ። ስለዚ በጃኻ እዚ ህያብ ካባይ ተቐበል’ በሎ። ኤልሳእ ግን ‘ኣይፋለይን ኣይቅበልን ኢየ’ በሎ። ኤልሳእ ህያብ እንተድኣ ተቐቢሉ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: ምኽንያቱ ንንእማን ዘሕወዮ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ገሓዚ ኣገልጋሊ ኤልሳእ ግን እቲ ህያብ ንርእሱ ክወስዶ ደለየ።
ስለዚ ገሓዚ ከምዚ ዝስዕብ ገበረ። ንእማን ድሕሪ ምኻዱ: ገሓዚ ከርክቦ ደድሕሪኡ ጐየየ። ‘ሕጂ ሕጂ ንዝመጹ ኣጋይሽ ዝኸውን ካብቲ ህያብካ ክትሰደሉ ኤልሳእ ክነግረካ ልኢኹኒ’ በሎ። ብርግጽ እዚ ሓሶት ኢዩ ነይሩ። ንእማን ግን እዚ ሓሶት ምዃኑ ኣይፈለጠን፣ ስለዚ ገለ ካብቲ ውህበታት ንገሓዚ ሃቦ።
ገሓዚ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ: ኤልሳእ እቲ ገሓዚ ዝገበሮ ነገር ፈለጦ። የሆዋ ኢዩ ነጊርዎ። ስለዚ ኸኣ ‘እዚ እኩይ ነገር እዚ ስለ ዝገበርካ: ለምጺ ንእማን ኣብ ልዕሌኻ ይኹን’ በሎ። ብኡንብኡ ኸኣ ከምኡ ኰነ!
ካብዚ ዅሉ እንታይ ኢና እንምሃር፧ መጀመርታ ከምታ ንእሽቶ ጓል ክንከውን እሞ ብዛዕባ የሆዋ ክንዛረብ ኣሎና። ምዝራብና ብዙሕ ሰናይ ነገር ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ካልኣይ ነገር: ከምቲ መጀመርታ ንእማን ኰይንዎ ዝነበረ ክንዕበ የብልናን: ኣብ ክንድኡ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ክንእዘዞም ኣሎና። ሳልሳይ ከኣ: ከምቲ ገሓዚ ዝገበሮ ክንሕሱ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብና ብዙሕዶ ክንማሃር ኣይንኽእልን ኢና፧