ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/6 ገጽ 30-31
  • ነቓጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ተኣዘዘ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቓጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ተኣዘዘ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ጅግና ተዋጋእን እታ ንእሽቶ ጓልን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ክትሕግዝ ደለየት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሓንቲ ጓል ንሓደ ብርቱዕ ሰብኣይ ትሕግዞ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ብትብዓት እተዛረበት ንእሽቶ ጓል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/6 ገጽ 30-31

ንደቅኻ ምሃሮም

ነቓጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ተኣዘዘ

ነቓጽን ዘይእዙዝን ዝዀንካሉ እዋን ኣሎዶ፧—a ምናልባት ኣቦኻ ወይ ኣዴኻ ኸይትርእዮ ዝኣዘዙኻ መደብ ተሌቪዥን ርኢኻ ትኸውን። ጸኒሑ ግና፡ ብዘይምእዛዝካ ተጣዒስካ ትኸውን። ሕጂ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ፈለማ ዘይተኣዘዘ ሰብኣይ ክንርኢ ኢና፣ ስሙ ንእማን ይብሃል። በቲ ንቕጽናኡ ኸይቅጽል ዝሓገዞ እንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

ቅድሚ 3,000 ዓመት ንነብር ከም ዘለና ጌርካ እሞ ሕሰብ። ንእማን ኣዝዩ ህቡብ ሶርያዊ ኣዛዝ ሰራዊት እዩ ነይሩ። ንወተሃደራቱ ገለ ነገር ኪገብሩ ኺነግሮም ከሎ፡ ይእዘዝዎ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ለምጺ ዚብሃል ሕማም ቈርበት ነበሮ። እዚ ሕማም እዚ ንመልክዑ ኣበላሽይዎ ነበረ፣ የሕምሞ እውን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ንሰበይቲ ንእማን፡ ካብ እስራኤል ዝመጸት ንእሽቶ ጓል ተገልግላ ነበረት። ሓደ መዓልቲ፡ እታ ጓል ንእመቤታ፡ ብዛዕባ ሓደ ኤልሳእ ዝስሙ ኣብ እስራኤል ዚነብር ሰብኣይ ነገረታ። ንንእማን ኬሕውዮ ኸም ዚኽእል እውን ሓበረታ። ንእማን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ኤልሳእ ኪኸይድ ደለየ። ብዙሕ ህያባት ሒዙ ድማ፡ ምስ ወተሃደራቱ ዀይኑ ናብ እስራኤል ከደ። ናብ ንጉስ እስራኤል ከይዱ ኸኣ፡ ስለምንታይ ከም ዝመጸ ነገሮ።

ኤልሳእ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ንጉስ እስራኤል መልእኽተኛ ብምልኣኽ፡ ንንእማን ናብኡ ኺልእኮ ነገሮ። ንእማን ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልሳእ ምስ በጽሐ፡ ኤልሳእ ልኡኽ ልኢኹ፡ ‘ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሳዕ ተሓጸብ እሞ ድሕሪኡ ኻብ ሕማምካ ኽትሓዊ ኢኻ’ ኢሉ ነገሮ። ንእማን እንታይ እተሰምዖ ይመስለካ፧—

ኣዝዩ ተቘጥዐ። ብንቕጽና ኸኣ ንነብዪ ኣምላኽ ከይእዘዞ ኣበየ። ንወተሃደራቱ ድማ፡ ‘ኣብ ዓደይ ዘሎ ሩባታት ይበልጽ’ በሎም። ገጹ መሊሱ ኸኣ ኸደ። እቶም ወተሃደራቱ እንታይ ከም ዝበልዎ ትፈልጥዶ፧— ‘እዚ ነብዪ ጽኑዕ ነገር ክትገብር እንተ ዚነግረካስ፡ ኣይምገበርካዮንዶ፧ እዚ ቐሊል ነገር እዚ ኽትገብር ካብ ነገረካ ግዳ፡ እንተ ተኣዘዝካ እንታይ ኣለዎ፧’

ንእማን ንዘረባ ወተሃደራቱ ሰሚዑ፡ ከምቲ ዝበልዎ ገበረ። ኣብቲ ሩባ ኸኣ፡ ሸውዓተ ሳዕ ጠሓለ። ኣብታ ንሻውዓይ ሳዕ ዝጠሓለላ ኣጋጣሚ፡ ሕማም ቈርበቱ ኸም ዝሓወየ ምስ ረኣየ፡ ኣዝዩ ተገረመ። በዚ ኸምዚ ኻብቲ ሕማሙ ሓወየ። ድሕሪኡ፡ ንኤልሳእ ምእንቲ ኼመስግኖ፡ 48 ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ ናብ እንዳ ኤልሳእ ከደ። ንእማን ነቲ ነብዪ ኣዝዩ ኽቡር ገጸ በረኸት ኪህቦ እኳ እንተ ደለየ፡ ኤልሳእ ግና ኣበየ።

ሽዑ ንእማን ንኤልሳእ ካልእ ነገር ሓተቶ። እንታይ ከም ዝሓተቶ ትፈልጥዶ፧— ‘ክልተ ጽዕነት በቕሊ ሓመድ ሃበኒ’ በሎ። ንምንታይ እዩ ግና ደልይዎ፧— ኣብቲ ኻብ ዓዲ እቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝዀኑ እስራኤላውያን ዝወሰዶ መሬት ኰይኑ፡ ንኣምላኽ መስዋእቲ ኬቕርበሉ እዩ ደልዩ። ብዘይካ ንየሆዋ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘየምልኽ ድማ ቃል ኣተወ። ኣብ ፈለማ ነቓጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪእዘዞ ፍቓደኛ ዀነ።

ብኸመይ ከም ንእማን ክትከውን ከም እትኽእል ርኢኻዶ፧— ልክዕ ከም ንእማን ነቓጽ እንተ ኔርካ፡ ክትቅየር ትኽእል ኢኻ። ብሓገዝ ካልኦት ሰባት፡ ንንቕጽናኻ ኽትሓድጎ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ

2 ነገስት 5:1-19

ሉቃስ 4:27

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ፡ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ