ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 51 ገጽ 124-ገጽ 125 ሕ.ጽ. 2
  • እቲ ጅግና ተዋጋእን እታ ንእሽቶ ጓልን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ጅግና ተዋጋእን እታ ንእሽቶ ጓልን
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክትሕግዝ ደለየት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ነቓጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ተኣዘዘ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሓንቲ ጓል ንሓደ ብርቱዕ ሰብኣይ ትሕግዞ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ብትብዓት እተዛረበት ንእሽቶ ጓል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 51 ገጽ 124-ገጽ 125 ሕ.ጽ. 2
ንእማን ካብ ሕማሙ ኺሓዊ ኢሉ ናብ ኤልሳእ ይኸይድ

ትምህርቲ 51

እቲ ጅግና ተዋጋእን እታ ንእሽቶ ጓልን

ኣብ ምድሪ ሶርያ፡ ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ትነብር ነበረት። ንሳ ድማ ካብ ዓዳ ብዙሕ ርሒቓ ነበረት። ሰራዊት ሶርያ እዮም ካብ ስድራ ቤታ ወሲዶምዋ። ንሰበይቲ ንእማን ዚብሃል ሓለቓ ሰራዊት ከኣ ተገልግላ ነበረት። እታ ንእሽቶ ጓል ንየሆዋ ብዘየምልኹ ሰባት ተኸቢባ እኳ እንተ ነበረት፡ ንሳ ግና ንየሆዋ ተምልኾ ነበረት።

ንእማን ዜስካሕክሕ ሕማም ቈርበት ነበሮ፣ ወትሩ እውን ይቕንዞ ነበረ። እታ ንእሽቶ ጓል ከኣ ክትሕግዞ ደለየት። ንሰበይቲ ንእማን ድማ፡ ‘ንሰብኣይኪ ኼሕውዮ ዚኽእል ሰብ ኣሎ። ኣብ እስራኤል፡ ኤልሳእ ዝስሙ ነብዪ ኣሎ። ንሱ ንሰብኣይኪ ኼሕውዮ ይኽእል እዩ’ በለታ።

ሰበይቲ ንእማን ከኣ ንሰብኣያ፡ ዘረባ እታ ንእሽቶ ጓል ነገረቶ። ንሱ ድማ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪፍትን ፍቓደኛ ስለ ዝነበረ፡ ናብ እስራኤል ናብ እንዳ ኤልሳእ ከደ። ንእማን ከኣ፡ ኤልሳእ ከም ሓደ ኣገዳሲ ሰብ ገይሩ ኪቕበሎ ተጸብዩ ነበረ። ኤልሳእ ግና ንንእማን ብኣካል ከይዱ ኣብ ክንዲ ዚዛረቦ፡ ጊልያኡ ልኢኹ ሰላምታ ድሕሪ ምሃብ፡ ‘ኬድካ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሳዕ ተሓጸብ። ሽዑ፡ ክትሓዊ ኢኻ’ በሎ።

ንእማን ድማ ብዙሕ ጐሃየ። ‘እዚ ነብዪ እዚ ኣእዳዉ ናብዝን ናብትን እናኣበለ ብስም ኣምላኹ ተማህሊሉ ዜሕውየኒ መሲሉኒ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ናብዚ ኣብ እስራኤል ዘሎ ፈለግ ኪድ ይብለኒ ኣሎ። ኣብ ሶርያ እኮ ዝሓሸ ኣፍላግ ኣሎና። ናብኡ ምኻድዶ ኣይምሓሸንን፧’ በለ። ንእማን ከኣ ተቘጥዐ፡ ካብ ቤት ኤልሳእ እውን ኪኸይድ ተበገሰ።

ንእማን ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ተሓጺቡ ይሓዊ

ገላዉ ንእማን ግና ኣተሓሳስባኡ ኼዐሪ ሓገዝዎ። ‘ክትሓዊ ኢልካስ እተኣዘዝካዮ ዅሉዶ ኣይምገበርካን፧ እዚ ነብዪ እዚ ዝኣዘዘካ ነገር ግና ቀሊል እዩ። ስለምንታይ ዘይትገብሮ፧’ በልዎ። ንእማን ከኣ ሰምዖም። ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ ከይዱ ድማ፡ ኣብቲ ማይ ሸውዓተ ሳዕ ጠሓለ። ሻውዓይ ሳዕ ጥሒሉ ምስ ወጸ፡ ሰብነቱ ምሉእ ብምሉእ ሓወየ። በዚ ብዙሕ ተሓጐሰ፡ ንኤልሳእ ኬመስግኖ እውን ተመሊሱ ኸደ። ንእማን ድማ፡ ‘የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ሕጂ ፈሊጠ እየ’ በለ። ንእማን ሓውዩ ምስ ተመልሰስ፡ እታ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል እንታይ እተሰምዓ ይመስለካ፧

“ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ውዳሰ ኣውጺእካ።”—ማቴዎስ 21:16

ሕቶታት፦ እታ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ንሰበይቲ ንእማን ክትዛረባስ ቀሊል ዝነበረዶ ይመስለካ፧ ተባዕ ኽትከውን ደኣ እንታይ ሓጊዝዋ ኪኸውን ይኽእል፧

2 ነገስት 5:1-19፣ ሉቃስ 4:27

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ