ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/6 ገጽ 24-25
  • ክትሕግዝ ደለየት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክትሕግዝ ደለየት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ጅግና ተዋጋእን እታ ንእሽቶ ጓልን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ነቓጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ተኣዘዘ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሓንቲ ጓል ንሓደ ብርቱዕ ሰብኣይ ትሕግዞ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ብትብዓት እተዛረበት ንእሽቶ ጓል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/6 ገጽ 24-25

ንደቅኻ ምሃሮም

ክትሕግዝ ደለየት

ሓደ ኣዝዩ ሓሚሙ ዝነበረ ሰብ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧— ንኽትሕግዞ ኢልካ ገለ ነገር ክትገብርዶ ሓሲብካ፧— ወዲ ዓድኻ ወይ ወዲ ሃይማኖትካ እንተ ዘይኰነኸ፧ እዚ ብዘየገድስ ካብ ሕማሙ ንኺሓዊ ምሓገዝካዮዶ፧— ዳርጋ 3,000 ዓመት ይገብር ሓንቲ ኣብ እስራኤል ትነብር ዝነበረት ንእሽቶ ጓል: ንሓደ ዝሓመመ ኺሓዊ ሓጊዛቶ እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንርአ።

ኣብ መንጎ ጥንታዊት እስራኤልን እታ ጎረቤት ሃገር ዝዀነት ሶርያን ብዙሕ ግዜ ውግእ ነበረ፣ እታ ንእሽቶ ጓል ድማ ኣብ እስራኤል ትነብር ነበረት። (1 ነገስት 22:1) ሓደ መዓልቲ ሶርያውያን ናብ እስራኤል መጺኦም: ነታ ንእሽቶ ጓል ማረኽዋ። ናብ ሶርያ ወሰድዋ: ኣብኡ ድማ ንሰበይቲ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ ዝነበረ ንእማን ኣገልጋሊታ ዀነት። ንእማን ለምጺ እተባህለ ኽፉእ ሕማም ነበሮ: እዚ ሕማም እዚ ንስጋ ሰብ ተቘማሚጡ ኸም ዚወድቕ ዚገብር እዩ።

እታ ኣገልጋሊት ዝነበረት ጓል ንሰበይቲ ንእማን: ሰብኣያ ብኸመይ ኪሓዊ ኸም ዚኽእል ነገረታ። እታ ጓል: ‘ንእማን ኣብ ሰማርያ እንተ ዚህሉ ነይሩ: ኤልሳእ ዝስሙ ነብዪ የሆዋ ኻብ ለምጹ ኼሕውዮ ምኽኣለ’ በለታ። ንእማን ካብቲ እታ ጓል ብዛዕባ ኤልሳእ እተዛረበትሉ መገዲ ተበጊሱ: እቲ ነብዪ ብሓቂ ኼሕውዮ ኸም ዚኽእል ኪኣምን ከኣለ። ንእማንን ገለ ኣገልገልቱን ካብ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ፍቓድ ምስ ረኸቡ: ንኤልሳእ ኪረኽብዎ ኣስታት 150 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ነዊሕ መገዲ ተጓዕዙ።

ፈለማ ግን ናብ ዮራም ንጉስ እስራኤል ከዱ። እታ ኻብ ንጉስ ቤን-ሃዳድ ሒዞምዋ ዝመጹ: ንንእማን ሓገዝ ኪግበረሉ እትሓትት ደብዳበ ኣርኣይዎ። እንተዀነ ግን: ዮራም ኣብ የሆዋ ዀነ ኣብ ኤልሳእ እምነት ኣይነበሮን። ይኹን እምበር: ቤን-ሃዳድ ምስኡ ኺዋጋእ ከም ዚደሊ ገይሩ ሓሰበ። ኤልሳእ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዐ: ንንጉስ ዮራም “ናባይ ይምጻእ” በሎ። ኤልሳእ ንንእማን ካብቲ ሕማቕ ሕማሙ ኣሕውዩ ሓይሊ ኣምላኽ ኬርኢ ደለየ።—2 ነገስት 5:1-8

ንእማን ምስ ኣፍራሱን ሰረገላታቱን ኣብ ቤት ኤልሳእ ምስ በጽሐ: ኤልሳእ ልኡኽ ሰዲዱ: ‘ናብ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሾብዓተ ሳዕ ተሓጸብ: ድሕሪኡ ኽትሓዊ ኢኻ’ በሎ። ከምዚ ስለ ዝበሎ ግን ንእማን ሓረቐ። ምኽንያቱ ኤልሳእ ወጺኡ ነቲ ለምጺ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ኼሕውዮ እዩ ተጸብዩ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ: ምስ ልኡኽ ጥራይ እዩ ተራኺቡ። በዚ ተናዲዱ ድማ: ናብ ዓዱ ኺምለስ ተበገሰ።—2 ነገስት 5:9-12

ንስኻ ሓደ ኻብ ኣገልገልቲ ንእማን ኔርካ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧— እቶም ገላዉኡ: ‘ኤልሳእ ኣጸጋሚ ነገር እንተ ዚሓተካስ: ኣይምገበርካዮንዶ፧ እሞ ደኣ ነዚ ቐሊል ነገር እዚ ስለምንታይ ዘይትገብሮ፧ ተሓጸብ እሞ ጽረ’ በልዎ። ንእማን ሰምዖም። “ሽዑ ወሪዱ: . . . ኣብ ዮርዳኖስ ሾብዓተ ሳዕ ጠሐለ: ስጋኡ ኸኣ ከም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሶ።”

ንእማን ናብ ኤልሳእ ተመሊሱ: “እንሆ: ሕጅስ ብጀካ ኣብ እስራኤል ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣምላኽ ከም ዜልቦ ፈለጥኩ” በለ። ንኤልሳእ ድማ ድሕሪ ሕጂ ፈጺሙ ‘ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ዘየቕርብ’ መብጽዓ ኣተወሉ።—2 ነገስት 5:13-17

ንስኻኸ ኸምታ ንእሽቶ ጓል: ንሰብ ብዛዕባ የሆዋ ኺመሃርን እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎን ክትሕግዞ ትደሊዶ፧— የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: ሓደ ለምጺ ዝነበሮ ሰብኣይ ብእኡ ኣመነ: ‘ብሓቂ እንተ ትፈቱስ: ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ’ ድማ በሎ። የሱስ እንታይ ኢሉ ኸም ዝመለሰ ትፈልጥዶ፧— “ፈትየ አሎኹ” በሎ። ከምቲ የሆዋ ንንእማን ዘሕወዮ: የሱስ እውን ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣሕወዮ።—ማቴዎስ 8:2, 3

ብዛዕባ እታ ሰባት ምሉእ ጥዕና ረኺቦም ንዘለኣለም ዚነብሩላ የሆዋ ዚፈጥራ ሓዳስ ዓለም ትፈልጥዶ፧— (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:3, 4) ብርግጽ እምበኣር: ብዛዕባ እዚ ዜገርም ነገራት ንኻልኦት ክትነግሮም ትደሊ ኢኻ።

ሕቶታት:-

  • ❍ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ነቲ ማሪኹ ዝወሰዳ ንእማን ዝሓገዘቶ ብኸመይ እያ፧

  • ❍ ኣብ መጀመርታ ንእማን ንኤልሳእ ንኺእዘዝ ፍቓደኛ ዘይነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ደሓር ግን ሓሳቡ ኸም ዚቕይር ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

  • ❍ ንስኻኸ ኣብነት እዛ ንእሽቶ ጓል ንኽትስዕብ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

    ❍ የሱስ እንታይ ኪገብር እዩ ደልዩ፧ ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ህይወት ዜደንቕ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ