ምዕራፍ ሽዱሽተ
‘ድምጺ የሆዋ ስማዕ’
1, 2. እቶም ነቲ መብዛሕትኡ ሰብ ዚስዕቦ መገዲ ዚስዕቡ፡ ብዙሕ ግዜ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧ ንሕና እተፈለና ኽንከውን ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧
ሎሚ ሰባት ኪእዘዙ ኣይደልዩን እዮም። ብዙሓት ሰባት፡ ‘ቅኑዕ ዘበለ ግበር’ ኣብ ዚብል ወይ ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓፈሻዊ ስርዓት ተመርኲሶም ኣይኰኑን ዚውስኑ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ዝደለኻዮ ግበር’ ወይ ‘ከተምልጠሉ እትኽእል ዘበለ ግበር’ ዚብል ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎም። መራሕቲ ማኪና ንምልክታት ትራፊክ ኪጥሕሱ ኸለዉ፡ ኣውፈርቲ ንሕግታት ፊናንስ ኪግህሱ ኸለዉ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ከኣ ነቲ ባዕሎም ዘቘምዎ ሕግታት ኬፍርሱ ኸለዉ፡ ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምፍናን፡ ጌጋን ጐዳእን እኳ እንተ ዀነ፡ ብግዜ ኤርምያስ እውን ዝውቱር እዩ ነይሩ።—ኤር. 8:6።
2 እቶም ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ሞገስ ኪረኽቡ ዚደልዩ ዘበሉ፡ ደድሕሪ እቲ መብዛሕትኡ ዚስዕቦ መገዲ ኺስዕቡ ኣይግባእን። ኤርምያስ እውን ኣብ መንጎ እቶም ‘ድምጺ የሆዋ ምስማዕ ዝኣበዩን’ ኣብ መንጎ እቶም ድምጺ የሆዋ ዝሰምዑን ዘሎ ፍልልይ ገሊጹ ኣሎ። (ኤር. 3:25፣ 7:28፣ 26:13፣ 38:20፣ 43:4, 7) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣበየናይ ሸነኽ ከም ዘለና ረርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ስለምንታይ፧ ብፍላይ እቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ንጽህና ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዚፍንዎ መጥቃዕቲ ሓደገኛ ዀይኑ ኣሎ። ሰይጣን ከምቲ ንግዳዩ ኣድብዩ ዚጽበ እሞ ብሃንደበት ዚነድፍ ተመን እዩ። ድምጺ የሆዋ ንኽንሰምዕ እንገብሮ ቘራጽነት፡ ካብ መንደፍ እቲ ተመን ንኽንርሕቕ ይሕግዘና እዩ። ንየሆዋ ንኽንእዘዞ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ከነደልድል እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ኤርምያስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።
እቲ ኽንእዘዞ ዚግባእ
3. ንየሆዋ ኽንእዘዞ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧
3 ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንእዘዞ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧ ኤርምያስ፡ “ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ” ብምባል ሓደ ምኽንያት ገሊጹ ኣሎ። (ኤር. 10:12) የሆዋ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት እዩ። ካብ ኵሎም ካልኦት ገዛእቲ ንላዕሊ ኽንፈርሆ ኣሎና። ምስቲ ንነባሪ ጥቕምና ዝዀነ ጥበባዊ ትእዛዛቱ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ናይ ምጥላብ ምሉእ መሰል ኣለዎ።—ኤር. 10:6, 7።
ነቲ ኻብ የሆዋ ዚፍልፍል “ህያው ማይ” ምስታይ፡ ንኽትእዘዝ የበራትዓካ
4, 5. (ሀ) ኣይሁድ ድርቂ ምስ ኣጋጠሞም፡ እንታይ እዮም ፈሊጦም፧ (ለ) ተቐማጦ ይሁዳ ነቲ ኻብ የሆዋ ዝቐረበሎም “ህያው ማይ” ዘይተጠቕሙሉ ብኸመይ እዮም፧ (ሐ) ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚፍልፍል “ህያው ማይ” ብኸመይ ኢኻ ኽትሰትዮ እትኽእል፧
4 ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓብሓቢ ህይወትና እውን እዩ። ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ነዚ ብንጹር ይርእይዎ ነይሮም እዮም። ምድሪ ግብጺ ጽግዕተኛ እቲ ብፈለግ ኒል ኣቢሉ ዚውሕዝ ማያት እያ ነይራ፣ ኣብ ምድሪ ተስፋ ግን እቲ ነገር እተፈልየ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኣምላኽ ካብቲ ወቕታዊ ዝናም እዩ ትጽቢቶም ነይሩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ነቲ ሽዑ ዚውሕዝ ማያት ኣብ ሓጽብታት የዕቍርዎ ነበሩ። (ዘዳ. 11:13-17) ነቲ መሬት ኣርሒሱ ፍረ ኸም ዜፍሪ ኺገብሮ ዚኽእል ዝናም ዚልእኽ ድማ፡ የሆዋ ጥራይ እዩ ነይሩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ዝናም ከም ዘይዘንም እውን ኪገብር ይኽእል ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ዘይእዙዛት ኣይሁድ ብሰንኪ ድርቂ፡ ግራውቶምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ነቒጹ፡ ዔላታቶምን ሓጽብታቶምን ድማ ነጺፉ ነበረ።—ኤር. 3:3፣ 5:24፣ 12:4፣ 14:1-4, 22፣ 23:10።
5 እዞም ኣይሁድ እዚኣቶም ንማይ ኣኽቢሮም ዚርእዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ የሆዋ ብኸምኡ ዘቕረበሎም “ህያው ማይ” ግን ነጸግዎ። ኰነ ኢሎም ሕጊ ኣምላኽ ብምፍራስን ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ብዝኣተውዎ ኺዳን ብምትእምማንን እዮም ከምኡ ገይሮም። ከምቶም ዋሕዲ ማይ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ናብ ሓደ ማይ ዘየዕቍር ነቓዕ ሓጽቢ ማይ ኬዕቍሩ ዚፍትኑ ሰባት ጥራይ ኢዶም ዚተርፉ፡ ኣይሁድ እውን ሳዕቤን ተግባራቶም ዓጺዶም እዮም። (ኤርምያስ 2:13፣ 17:13 ኣንብብ።) ንሕና እውን ተመሳሳሊ መገዲ ብምስዓብ፡ ባዕልና ዓብዪ መዓት ክንጽውዕ የብልናን። የሆዋ በቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ገይሩ እኹል መምርሒ ይህበና እዩ። ነቲ “ህያው ማይ” ኣዘውቲርና እንተ ኣጽኒዕናዮን ብእኡ ኽንመላለስ እንተ ጽዒርናን ጥራይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል።
6. (ሀ) ንጉስ ጼድቅያስ ንየሆዋ እዙዝ ብዛዕባ ምዃን ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ነበሮ፧ (ለ) እቲ ንጉስ ጥበበኛ ኣይነበረን ክትብል እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧
6 ኣምላኽ ምስ ይሁዳ ዝጸባጸበላ መዓልቲ እናቐረበት ኣብ እትመጸሉ ዝነበረት እዋን፡ ተኣዛዝነት ዝያዳ ኣገዳሲ እናዀነ ኸደ። ኣይሁድ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ሞገስን ዕቝባን የሆዋ ኺረኽቡ እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ኪንስሑን ከም ብሓድሽ ኪእዘዝዎን ነበሮም። ንጉስ ጼድቅያስ እውን ከምዚ ዚገብረሉ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሉ ነበረ። ቅኑዕ ንምግባር ቈራጽ ኣይነበረን። እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ሰባት ንኤርምያስ ኪቐትልዎ ኸም ዚደልዩ ምስ ነገርዎ፡ ኪቃወሞም ኣይከኣለን። ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ፡ ነብዪ ኤርምያስ ብሓገዝ ዔቤድ-ሜሌክ ካብ ሞት ኣምለጠ፣ ጸኒሑ ድማ ንጼድቅያስ፡ “ንድምጺ [“የሆዋ፡” NW] ደኣ ስማዕ” ኢሉ ተማሕጸኖ። (ኤርምያስ 38:4-6, 20 ኣንብብ።) እቲ ንጉስ ምእንቲ ጥቕሙ ኢሉ ንኣምላኽ ኪእዘዝ ነበሮ። እሞኸ ተኣዚዙዶ፧
ኤርምያስ ንኣይሁድ፡ ንኣምላኽ ኪእዘዙ ብተደጋጋሚ ኺምሕጸኖም ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧
ንየሆዋ ብቕልጡፍ ክንእዘዞ ኣሎና
7. ተኣዛዝነትካ ኺፍተነሉ ዚኽእል ገሊኡ ዅነታት እንታይ እዩ፧
7 ተኣዛዝነት፡ ከምቲ ብግዜ ኤርምያስ ኣገዳሲ ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ። ንየሆዋ ንኽትእዘዝ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧ ብሃንደበት ናብ ስእለ-ጽዩፍ ዘለዎ ወብ ሳይት እንተ ትኣቱ፡ ነቲ ዝቐረበልካ ስቕ ኢልካ ዲኻ እትርእዮ፡ ወይስ ምስቲ ፈተና ተቓሊስካ ነቲ ወብ ሳይት ትዓጽዎ ኢኻ፧ ካብ ኣንጻር ጾታ ዝዀነ ዘይኣማኒ መሳርሕትኻ ወይ መማህርትኻ ዕርክነት ክትምስርቱ ሕቶ እንተ ዚቐርበልካ፡ ንምእባይ ዜኽእል ብርታዐ ኣሎካዶ፧ ከሓድቲ ዘዳለውዎ ጽሑፋት ወይ ወብ ሳይት ይምስጠካ ድዩ ወይስ የፈንፍነካ፧ ኣብዝን ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ዅነታትን፡ ነቲ ኣብ ኤርምያስ 38:20 ዚርከብ ቃላት ዘክሮ።
8, 9. (ሀ) ሽማግለታት ኪሕግዙኻ እንተ ፈቲኖም፡ ክትሰምዖም ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) ካብ ሽማግለታት ዚወሃበካ ተደጋጋሚ ምኽሪ ብኸመይ ክትርእዮ ኣሎካ፧
8 የሆዋ ብዙሕ ግዜ ንኤርምያስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ካብ መገዲ እከዩ ይመለስ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ከኣ ኣጠቅዉ” ዚብል ሓሳብ ዘለዎ መልእኽቲ ሒዙ ናብ ህዝቡ ኪኸይድ ይልእኮ ነበረ። (ኤር. 7:3፣ 18:11፣ 25:5፣ ኤርምያስ 35:15 ኣንብብ።) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት እውን ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኣብ መንፈሳዊ ሓደጋ ንኸይኣትዉ ዚከኣሎም ይገብሩሎም እዮም። ሽማግለታት ካብ ዘይጥበባዊ ወይ ግጉይ መገዲ ኽትምለስ ምኽሪ እንተ ሂቦምኻ፡ ስምዓዮም። ሸቶኦም ካብ ናይ ኤርምያስ እተፈልየ ኣይኰነን።
9 እቶም ሽማግለታት ኣቐዲሞም ንዘርኣዩኻ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት የዘኻኽሩኻ ይዀኑ። ምኽሪ ምድጋም ቀሊል ኣይኰነን፣ እቲ ምኽሪ ዚወሃቦ ሰብ ከምቶም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ዝነበሮም ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ኣልይዎ ኸኣ፡ ነቲ ነገር ዝኸበደ እዩ ዚገብሮ። ነቲ ሽማግለታት ንኺሕግዙኻ ብተደጋጋሚ ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ ከም መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ ጌርካ ኽትርእዮ ፈትን። ኤርምያስ እውን ግቡእ ምላሽ እንተ ዚረክብ ነይሩ፡ መጠንቀቕታታቱ ኺደጋግም ኣይመድለዮን። እወ፡ ምኽሪ ተደጋጊሙ ኺወሃበካ እንተ ዘይደሊኻ፡ ቀልጢፍካ ነቲ ምኽሪ ዕየየሉ።
ሽማግለታት ኪሕግዙኻ ኺፍትኑ ኸለዉ፡ ስምዓዮም
የሆዋ ብኸምኡ ይቕረ ይብል፡ ስቕ ኢሉ ግን ይቕረ ኣይብልን
10. የሆዋ ንሓጢኣት ስቕ ኢሉ ይቕረ ዘይብል ስለምንታይ እዩ፧
10 ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ንየሆዋ ብፍጹም መገዲ ኽንእዘዞ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ ክንጋገ ኸለና፡ የሆዋ ብፍታው ይቕረ ዚብለልና ምዃኑ ነመስግኖ ኢና። ኰይኑ ግን፡ ንሓጢኣት ስቕ ኢሉ ኣይኰነን ይቕረ ዚብል። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ፡ ሓጢኣት ይጸልእ እዩ። (ኢሳ. 59:2) ስለዚ ድማ፡ ይቕረ ንኺብለልና ንበቅዕ እንተ ዄንና ኼረጋግጽ ይደሊ እዩ።
11. ብሕቡእ ዚግበር ሓጢኣት ኪስወር ዘይከኣል ስለምንታይ እዩ፧
11 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ንየሆዋ ወትሩ ኣይእዘዝዎን እዮም ነይሮም፣ ስለዚ ድማ፡ ንትዕግስቱን ምሕረቱን ተፈታተንዎ። ሎሚኸ ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ዝንባለ ኼማዕብል ይኽእል ድዩ፧ ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ዕሽሽ ብምባል ብሓጢኣት ዚመላለስ እንተ ዀይኑ፡ እወ ኸምኡ ዓይነት ዝንባለ ኼማዕብል ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ብቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዝሙት ጌርካ ናብ ዚርአ መውስቦ እንተ ኣትዩ፡ ነዚ ዓይነት ዝንባለ እዩ ዜማዕብል። ካልኦት ሰባት ነቲ ሓጢኣት እኳ እንተ ዘይፈለጥዎ፡ እቲ ትእዛዝ የሆዋ ዚጥሕስ ዘሎ ሰብ ግን፡ ኣብ ሓደገኛ መገዲ እዩ ዘሎ። ክልተ ዓይነት ህይወት ዚመርሕ ሰብ፡ ‘ዋላ ሓደ ኣይፈልጥን እዩ’ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን። ከም ሓቂ ግን፡ ኣምላኽ ንኣእምሮናን ኣልባብን ይፈልጦ እዩ፣ ብሕቡእ ዚግበር ነገር እውን ኪፈልጥ ይኽእል እዩ። (ኤርምያስ 32:19 ኣንብብ።) ሓደ ሰብ ሕጊ ኣምላኽ እንተ ጥሒሱ፡ እንታይ እዩ ኺግበር ዘለዎ፧
12. ሓድሓደ ግዜ ሽማግለታት ንጉባኤ ንምዕቋብ እንታይ ስጕምቲ ኺወስዱ ኣለዎም፧
12 ብዙሓት ኣይሁድ ነቲ የሆዋ ብኤርምያስ ኣቢሉ ብተደጋጋሚ ዘቕረበሎም ሓገዝ የባጭዉሉ ነበሩ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ኣባሲ፡ ነቲ ሽማግለታት ዜቕርቡሉ ሓገዝ ብምንጻግ ኣይንሳሕን ይኸውን። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ፡ ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ንምዕቋብ እተዋህበ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ብምስዓብ፡ ነቲ ኣባሲ ኺውግድዎ ኣለዎም። (1 ቈረ. 5:11-13፣ ኣብ ገጽ 73 እትርከብ፡ “ብዘይ ሕጊ ምንባር” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ እቲ ውልቀ-ሰብ ተስፋ ዘይብሉን ሞገስ የሆዋ ኸም ብሓድሽ ኪረክብ ዘይክእልን እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። እስራኤላውያን ንነዊሕ እዋን ዓለወኛታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣምላኽ ግን፡ “ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ካብ ጥልመትኩም ከሕውየኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ” በሎም። (ኤር. 3:22)a የሆዋ ንኣበስቲ ናብኡ ኺምለሱ ይጽውዖም እዩ። እወ፡ ከምኡ ንኺገብሩ እዩ መምርሒ ዚህቦም።
ክንጋገ ኸለና፡ ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ኽንደሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ናብ የሆዋ ብምምላስ፡ ተኣዘዞ
13. ሓደ ሰብ ናብ የሆዋ ኺምለስ እንተ ደልዩ፡ እንታይ እዩ ኺፈልጥ ዘለዎ፧
13 ሓደ ሰብ ከምቲ ኤርምያስ ዝበሎ ናብ ኣምላኽ ንኺምለስ፡ ‘እንታይ እየ ገይረ፧’ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትት ኣለዎ። ሽዑ፡ ኣብ ስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲሱ፡ ንዝመጸሉ ቕኑዕ መልሲ ኪቕበሎ ይግባእ። እቶም ኣብ ግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ዘይተነስሑ ኣይሁድ፡ ከምኡ ኢሎም ንገዛእ ርእሶም ኣይሓተቱን። ነቲ ዝፈጸምዎ ብዝሒ ሓጢኣት ስለ ዘይተኣመኑሉ፡ የሆዋ ይቕረ ኣይበለሎምን። (ኤርምያስ 8:6 ኣንብብ።) ብኣንጻሩ ግን፡ ሓደ ዚንሳሕ ሓጢኣተኛ፡ ትእዛዝ የሆዋ ብምፍራሱ፡ ኣብ ስም ኣምላኽን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤን ጸርፊ ኸም ዘምጽአ ይፈልጥ እዩ። ካብ ልቡ ዚንሳሕ ሰብ፡ በቲ ኣብ ንጹሃት ሰባት ዘስዓቦ ጕድኣት እውን ኣዝዩ ይጕሂ እዩ። ካብ የሆዋ ይቕረታ ንኺረክብ ዜቕርቦ ልመና ኺስማዕ ዚኽእል፡ ብዛዕባ እቲ ሕማቕ ተግባራቱ ዘስዓቦ ሕማቕ ሳዕቤናት ምሉእ ብምሉእ ምስ ዚእመን ጥራይ ምዃኑ ኺስሕቶ የብሉን። ከም ብሓድሽ ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ግን፡ ካብዚ ንላዕሊ ምግባር የጠቓልል።
14. ሓደ ሰብ ‘ናብ የሆዋ ዚምለስ’ ብኸመይ እዩ፧ (ነታ “ንስሓ እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
14 ናይ ብሓቂ ዚንሳሕ ሰብ ንድራኸታቱን ባህግታቱን ልማዳቱን ይምርምር እዩ። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:40, 41 ኣንብብ።) ነቲ ድኽመት ዜርእየሉ መዳያት ህይወቱ፡ ንኣብነት ነቲ ምስ ኣንጻር ጾታ ዘለዎ ምቅርራብ፡ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ትምባኾ ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ነቲ ንኢንተርነት ዚጥቀመሉ መገዲ፡ ወይ ነቲ ኣብ ስራሕ ዘለዎ ርክባት ይምርምር እዩ። ከምቲ ሓንቲ ሰበይቲ ንኽሽነኣ ጽሩይን ንጹህን ምእንቲ ኽትገብሮ ኢላ፡ ብቐሊሉ ዘይብጻሕ ኵርናዓት እተጽሪ፡ ሓደ ዚንሳሕ ሰብ እውን ሓሳባቱን ብሕታዊ ተግባራቱን ንምጽራይ ጻዕሪ ኺገብር ኣለዎ። ነቲ የሆዋ ዚሓቶ ብቕዓታት ብምምላእን ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዑ ብምምልላስን፡ ‘ናብ የሆዋ ኺምለስ’ ኣለዎ። ገሊኦም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ “ብግብዝና” እዮም ናብ የሆዋ ተመሊሶም። እተጣዕሱ እኳ እንተ መሰሉ፡ ልቦም ወይ ህይወቶም ግን ኣይቀየሩን። (ኤር. 3:10) ብኣንጻሩ ግን፡ ሓደ ኻብ ልቡ ይቕረታ ዚሓትት ሰብ ንየሆዋን ንጉባኤኡን ኬዐሹ ኣይፍትንን እዩ። ኣብ ቅድሚ ሰባት ከይዋረድ ወይ ከኣ ኣብ ሓቂ ምስ ዘለዉ ኣዝማዱ ወይ ካልኦት ሰባት ዝነበሮ ርክብ ኬምልስ ጥራይ ኣይኰነን ዚሓስብ፣ የግዳስ፡ ነቲ ዝፈጸሞ ጌጋታት ምሉእ ብምሉእ ሓዲጉ፡ ካብ ኣምላኽ ይቕረታን ሞገስን ንምርካብ ኪበቅዕ እዩ ዚደሊ።
15. ናይ ብሓቂ ዚንሳሕ ሰብ እንታይ ዓይነት ጸሎት እዩ ናብ ኣምላኽ ዜቕርብ፧
15 ጸሎት ኣገዳሲ ኽፋል ንስሓ እዩ። ብግዜ ጥንቲ፡ ሰባት ኪጽልዩ ኸለዉ፡ ኣእዳዎም ናብ ሰማይ ናይ ምልዓል ልማድ ነበሮም። ሎሚ፡ ናይ ብሓቂ ዚንሳሕ ሰብ ኪጽሊ ኸሎ፡ ከምቲ ኤርምያስ ዝገለጾ፡ ‘ልቡ ምስናይ ኣእዳዉ እዩ ናብ ኣምላኽ ዜልዕል።’ (ድጕ. 3:41, 42) እቲ ዚንሳሕ ሓጢኣተኛ ጣዕሳ ስለ ዚስምዖ፡ ምስቲ ይቕረታ ንኺግበረሉ ዜቕርቦ ልመና ተሰማሚዑ ተግባራቱ የዐሪ። ጸሎቱ እውን ካብ ልቡ እዩ ዚምንጭው።
‘ስለምንታይ እየ ዘይሰማዕኩ፧’
16. ናብ ኣምላኽ ምምላስ፡ ቅኑዕ ተግባር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
16 ጌጋታቱ ኻብ ልቡ ዚእመን ሓጢኣተኛ፡ ንትዕቢቱ ኼሰንፍ ከም ዘለዎ ኣስተውዒልካ ትኸውን ኢኻ። የሆዋ ንሓጢኣተኛታት ናብኡ ኺምለሱ እዩ ዚደልዮም። ኣብ ልቢ ሰብ ናይ ሓቂ ጣዕሳ እንተ ርእዩ፡ ካብ ልቡ ይርሕርሓሉ እዩ። ከምቲ ነቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ እስራኤላውያን ዝገበረሎም፡ ንዅሎም ሓጢኣተኛታት ይቕረታ ኺገብረሎም ስለ ዚደሊ፡ ካብ ርሕራሐ እተላዕለ ‘ኣምዑቱ ይብጠስ’ እዩ። (ኤር. 31:20) ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ሰላምን ተስፋን ከም ዚህቦም ምፍላጥናስ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! (ኤር. 29:11-14) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ከም ብሓድሽ ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ተኣዛዝነት ኬዕቍበካ ይኽእል
17, 18. (ሀ) ቤት ሬካብ እንታዎት እዮም ነይሮም፧ (ለ) ኣብ ገጽ 77 ተሳኢሉ ኸም ዘሎ፡ ብምንታይ እዮም ዚፍለጡ ነይሮም፧
17 ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እንተ ተኣዚዝካዮ፡ ደሓን ክትረክብ ኢኻ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ቤት ሬካብ ዝሓደግዎ ኣብነት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ልዕሊ ኽልተ ዘመን ኣቐዲሙ፡ እቲ ብተኣማንነት ኣብ ጐድኒ የሁ ዝቘመ ዮናዳብ ዚበሃል ቄናዊ ኣቦሓጎኦም፡ እተፈላለየ ቐያዲ ትእዛዛት ሃቦም። ሓደ ኻብኡ፡ ወይኒ ኸይሰትዩ እዩ ነይሩ። ዮናዳብ ካብ ዚመውት ነዊሕ ግዜ ኣሕሊፉ እኳ እንተ ነበረ፡ ቤት ሬካብ ግን ይእዘዝዎ ነበሩ። ኤርምያስ ምእንቲ ኺፍትኖም ኢሉ፡ ናብ ሓንቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እትርከብ ክፍሊ ኣእተዎም፡ ወይኒ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕሪቡ ድማ ኪሰትዩ ጋበዞም። ንሳቶም ግን፡ “ወይኒ ኣይንሰትን ኢና” ኢሎም መለሱሉ።—ኤር. 35:1-10።
18 ቤት ሬካብ ነቲ ኻብ ዚመውት ነዊሕ ዝገበረ ኣቦሓጎኦም ይእዘዝዎ ነበሩ። እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ኣምላኽቲ ንትእዛዛት እቲ ህያው ኣምላኽ ብዝያዳ ተጊሆም ኪሕልዉ ኣለዎም። ቤት ሬካብ ንኺእዘዙ ዝነበሮም ቈራጽነት ንየሆዋ መሲጥዎ እዩ፣ ካብቶም ዘይእዙዛት ኣይሁድ ድማ ኣጸቢቖም እተፈልዩ እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ኣምላኽ ንቤት ሬካብ ካብቲ ዚመጽእ ዝነበረ መዓት ከም ዜዕቍቦም ተመባጽዓሎም። ነዚ ኻብዚ ዝረኸብናዮ ትምህርቲ ናብ ሎሚ እንተ ኣምጺእናዮ፡ እቶም ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ዚእዘዝዎ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዕቝባ ኸም ዚረኽቡስ ርግጸኛታት ኪዀኑዶ ኣይግባእን፧—ኤርምያስ 35:19 ኣንብብ።
ከቢድ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ዚርአ ንስሓ፡ ኣገዳሲ ኽፍሊ ተኣዛዝነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ሰብ እዙዝ እንተ ዀይኑ፡ ንስሓ ዜድልዮ ተግባር ካብ ምግባር ኪቝጠብ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
እቶም ንየሆዋ ዚእዘዝዎ፡ በይኖም ኣይተሓድጉን
19. ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዝካዮ፡ እንታይ ዕቝባ እዩ ዚገብረልካ፧
19 ኣምላኽ ንህዝቡ ዚገብረሎም ዕቝባ፡ ጥንቲ ጥራይ ይገብሮ ኸም ዝነበረ ጌርካ ኺርአ የብሉን። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ንእዙዛት ዘበሉ ኻብ መንፈሳዊ ሓደጋ የዕቍቦም እዩ። ከምቲ በሪኽ መካበብያ ንኸተማታት ካብ መጥቃዕቲ ዜዕቍበን ዝነበረ፡ ሕጊ ኣምላኽ ከኣ ነቶም ዜጽንዕዎን ብቐጻሊ ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎን የዕቍቦም እዩ። እሞኸ ኣብ ውሽጢ እቲ ኸም መካበብያ ዜዕቍብ ስነ-ምግባራዊ ሕግታት ኣምላኽ ክትጸንሕ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ጽቡቕ ክትረክብ ኢኻ። (ኤር. 7:23) ነዚ ሓቂ እዚ ዚምስክር ሓያሎ ተመክሮታት ኣሎ።—“ትእዛዝ የሆዋ ብምሕላዉ ተዓቝበ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
20, 21. (ሀ) ንየሆዋ ኸተገልግል ከለኻ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧ (ለ) ንጉስ ዮኣቂም ነቲ ኣምላኽ ብኤርምያስ ኣቢሉ ዝለኣኸሉ መልእኽቲ እንታይ ምላሽ ሂቡ፧
20 እቶም ዚጻረሩኻ፡ ኣባላት ስድራ ቤትካ፡ መሳርሕትኻ፡ መማህርትኻ፡ ወይ ሰበ-ስልጣን ይኹኑ ብዘየገድስ፡ ንኣምላኽ እተቕርቦ ኣገልግሎት በዳሂ ኸም ዚኸውን እዮም ዚገብርዎ። ኣብ ኵሉ መዳይ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እንተ ተኣዚዝካ ግን፡ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት ንኽትሰግር ኪድግፈካ እዩ። የሆዋ ንኤርምያስ ብርቱዕ ምጽራር ኣብ ዜጋጥሞ እዋን ኪድግፎ ምዃኑ ኸም እተመባጽዐን ከምቲ ዝበሎ ኸም ዝገበረን ኣይትረስዕ። (ኤርምያስ 1:17-19 ኣንብብ።) ሓደ ኻብቲ ደገፍ ኣምላኽ ብንጹር እተራእየሉ እዋን፡ ብግዜ ንጉስ ዮኣቂም እዩ ነይሩ።
21 ከም ዮኣቂም ገይሮም ነቶም ካብ ኣምላኽ እተላእኩ ኣፈኛታት ብቝጥዓ እተጻረርዎም ብዙሓት ገዛእቲ እስራኤል ኣይነበሩን። ነቲ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበረ ነብዪ ኡርያ ዘጋጠሞ ነገር፡ ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል ኢና። እቲ እኩይ ዝነበረ ንጉስ ዮኣቂም ዶብ ሰጊሮም ነቲ ነብዪ ኼምጽኡሉ ሰባት ለኣኸ። ነቲ ነብዪ የሆዋ ዝነበረ ኡርያ ምስ ኣምጽእዎ፡ እቲ ንጉስ ኣቕተሎ። (ኤር. 26:20-23) ኣብ ራብዓይ ዓመት ግዝኣት ዮኣቂም፡ የሆዋ ንኤርምያስ፡ ኵሉ እቲ ኽሳዕ ሽዑ ዝነገሮ ቓል ኪጽሕፎን ኣብታ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሉ ኼንብቦን ኣዘዞ። እታ ኤርምያስ ዘጽሓፋ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣብ ኢድ ዮኣቂም ኣተወት፣ ዮኣቂም ከኣ ሓደ ብዓል ስልጣን ከም ዜንብበሉ ገበረ። ኣብ መንጎ እቲ ንባብ፡ እቲ ንጉስ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እናቐደደ፡ ናብ ሓዊ ደርበያ። ገሊኦም መሳፍንቲ ኸየንድዳ እኳ እንተ ለመንዎ፡ ኣየሰምዖምን። ድሕሪኡ፡ ንኤርምያስን ንባሩኽን ምእንቲ ኺሕዝዎም ሰባት ለኣኸ። የሆዋ ግን “ሰወሮም።” (ኤር. 36:1-6፣ ኤርምያስ 36:21-26 ኣንብብ።) የሆዋ ንዮኣቂም፡ ነቶም ክልተ እሙናት ሰባት ኪጐድኦም ኣይፈቐደሉን።
22, 23. ተመክሮ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ እስያ እትርከብ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ብዛዕባ ደገፍ ኣምላኽ እንታይ ይሕብረካ፧
22 የሆዋ፡ ኣድላዪ ዀይኑ እንተ ተራእይዎ፡ ንዘመናውያን ኣገልገልቱ እውን ካብ ሓደጋ ኺስውሮም ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን፡ ንኺእዘዝዎን ነቲ ብስራት ምስባኽ ንኪቕጽሉን፡ ትብዓትን ጥበብን እዩ ዚህቦም። ሓንቲ ንግዜኡ ግዩሊስታን ኢልና እንጽውዓ ንጽል ኣደ፡ ኣርባዕተ ደቂ ኣለውዋ። እዛ ኣደ እዚኣ፡ ካብ የሆዋ ደገፍ ረኺባ እያ። ሰበ-ስልጣን ንስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚጻረሩሉ ኣብ ማእከላይ እስያ ኣብ ዚርከብ ሰፊሕ ቦታ፡ በይና እያ ናይ የሆዋ ምስክር ነይራ። እታ ዝቐረበት ጉባኤ ልዕሊ 400 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ ስለ ዝነበረት፡ ግዩሊስታን ምስ ብሱላት ክርስትያናት ሳሕቲ እያ እትራኸብ ነይራ። ምጽራርን ካልእ ጸገማትን እናኣጋጠማ ኽነሱ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ትሰብኽ እያ፡ ብዙሓት ተገደስቲ እውን ረኺባ እያ። ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ን20 ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓሎም ነበረት፡ ንሓንቲ እናዓበየት እትኸይድ ዘላ ጕጅለ ኣባጊዕ የሆዋ እውን ትድግፍ ኣላ።
23 ከምቲ ኣምላኽ ንኤርምያስን ንኸም ግዩሊስታን ዝኣመሰሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዝሓገዞም፡ ንዓኻን ንኻልኦት እዙዛት ኣገልገልቱን ንምሕጋዝ እውን ድሉው እዩ። ካብ ንሰብሲ፡ ንዕኡ ኽትእዘዞ ቘራጽነት ግበር። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ምጽራርን ካልእ ዕንቅፋታትን፡ ነቲ ሓደ በይኑ ዝዀነ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት ካብ ምግልጋል ኣይዓግተካን እዩ።—ኤር. 15:20, 21።
24. ተኣዛዝነት እንታይ ጥቕምታት ኣምጺኡልካ፧
24 ካብ ፈጣሪና ተፈሊና ንነብር እንተ ዄንና፡ ኣብ ህይወትና ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ኣይንረክብን ኢና። (ኤር. 10:23) ነቲ ኤርምያስ ብዛዕባ ተኣዛዝነት ዝጸሓፎ ድሕሪ ምጽናዕካ፡ የሆዋ ንስጓሜኻ ብዝያዳ ኬቕንዓልካ ዚኽእል መገድታት ተራእዩካዶ፧ ትእዛዛቱ እንተ ሓሊና ጥራይ ኢና፡ እተማልአ ሓጐስን ኣሳልጦን ክንረክብ እንኽእል። የሆዋ፡ ‘ጽቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ድምጸይ ስምዑ’ ዚብል ምሕጽንታ ኣቕሪቡ ኣሎ።—ኤር. 7:23።
ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘሎካ ርክብ፡ ነቲ ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ዚርከብ ብዛዕባ ተኣዛዝነት ዚገልጽ ትምህርትታት ብኸመይ ክትዓየሉ ትኽእል፧
a የሆዋ ኣብዚ ነቶም ኣብ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ዚርከቡ እዩ ዚዛረቦም ነይሩ። ኤርምያስ ነዚ መልእኽቲ ኼብጽሕ ከሎ፡ እቶም ዓሰርተ ነገድ ካብ ዚማረኹ 100 ዓመት ዚኣክል ሓሊፉ ነበረ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ህዝቢ ኸም ዘይተነስሑ ገሊጹ ኣሎ። (2 ነገ. 17:16-18, 24, 34, 35) ኰይኑ ግን፡ ውልቀ-ሰባት ከም ብሓድሽ ሞገስ ኣምላኽ ኪረኽቡን ካብቲ ብምርኮ ዝኸዱሉ ዓዲ ኺምለሱን ይኽእሉ ነበሩ።