መእተዊ 9ይ ክፋል
እዚ ኽፋል እዚ፡ ኣብ የሆዋ እተደንቕ እምነት ብዛዕባ ዝነበረቶም ቈልዑን መንእሰያትን ነብያትን ነገስታትን ይገልጸልና። ኣብ ሶርያ፡ ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል፡ ነብዪ የሆዋ ንንእማን ኬሕውዮ ኸም ዚኽእል እምነታ ገለጸት። ነብዪ ኤልሳእ፡ የሆዋ ኻብ ሰራዊት ጸላኢ ኸም ዜዕቍቦ ምሉእ እምንቶ ነበሮ። የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ንዮኣስ ካብታ ዓታልያ እትብሃል እክይቲ ዓባዩ ኼዕቍቦ ኢሉ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእተወ። ንጉስ ህዝቅያስ፡ የሆዋ ንየሩሳሌም ከም ዜናግፋ እምንቶ ኣሕደረ፣ ብኣሶራውያን እውን ኣይተምበርከኸን። ንጉስ ዮስያስ ድማ፡ ኣምልኾ ጣኦት ካብታ ምድሪ ኣጥፍአ፡ ነታ ቤተ መቕደስ ጸገና፡ ነቶም ህዝቢ እውን ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ መለሶም።