ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሓደ ክርስትያን ናብ በዓል ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ከይዱ ምኽሪ ክወስድ ግቡእ ድዩ፧
ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይ ስምዒትን ኣእምሮን ሕማማት ይውስኽ ከም ዘሎ ካብ ገለ ሃገራት ዝመጸ ጸብጻባት ይሕብር ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ክርስትያናት ኣማኒ ብጻዮም በዚ ክትንከፍ ከሎ ዓሚቝ ድንጋጽ ይስምዖም ኢዩ: እንተዀነ ግን: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ሕክምና ከም ዘድልዮ ወይ ከም ዘየድልዮ: እንተድኣ ዘድልዮ ኰይኑ ድማ እንታይ ዓይነት ሕክምና ከም ዝገብር ዝውስን ባዕሉ ምዃኑ ይግንዘብዎ ኢዮም።a “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።” (ገላትያ 6:5) ገሊኦም ብኸም እቲ እስኪዞፍረኒያ: ባይፖላር ዲስኦርደር: ዲፕ ክሊኒካል ዲፕረሽን: ኦብሰሲቭ- ኮምፓልሲቭ ዲስኦርደር: ሰልፍ -ሙቲለሽን: ዝኣመሰለን ብኻልኦት ዘጨንቑ ናይ ኣእምሮ ምዝንባላትን ኣጸቢቖም ዝሳቐዩ ሰባት: እቲ ልክዕ ናይ በዓል ሞያ ሓገዝ ምስ ረኸቡ ድሓን ዝዀነ ህይወት ከሕልፉ ክኢሎም ኢዮም።
ኣብ ገለ ቦታታት: ቴራፒ ክትገብር ምድላይ ኣዝዩ ልሙድ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ኣብ መብዛሕትኡ ጕዳያት: እቲ ሕሙም ከቢድ ናይ እእምሮ ምዝንባል የብሉን: እንተዀነ ግን: ንገለ ናይ ህይወት ኵነታት ኣብ ምግጣም ሽግር ይህልዎ ይኸውን። ይኹን እምበር: ነቲ ናይ ህይወት ከበድቲ ግድላት ንኽንፈትሖ ኣዝዩ ኣስላጢ ዝዀነ ሓገዝ ዝህብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። (መዝሙር 119:28, 143) የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ብኣተሓሳስባን ስምዒትን ድልዱላት ዝገብረና ጥበብ: ናይ ምሕሳብ ክእለት: ከምኡውን ሓቀኛ ፍልጠት ይህበና ኢዩ። (ምሳሌ 2:1-11፣ እብራውያን 13:6) እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምኽንያት ከቢድ ውሽጣዊ ምርባሽ ሓድሓደ ግዜ ስግንጢር ይዀኑ ኢዮም። (እዮብ 6:2, 3) ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት: ያእቆብ 5:13-16 ሓገዝን ምኽርን ደልዮም ንሽማግለታት ክጽውዑ የተባብዖም። ሓደ ክርስትያን ብመንፈስ ክሓምም: ወይ ድማ ክልወጥ ብዘይክእል ኵነታት ወይ ብደቛሲ ጸቕጥታት ይበሳጮ ይኸውን: ወይ ከኣ ግዳይ ናይ ምጕዳል ፍትሒ ዝዀነ ኰይኑ ይስምዖ ይኸውን። (መክብብ 7:7፣ ኢሳይያስ 32:2፣ 2 ቈረንቶስ 12:7-10) ከምዚ ዝበለ ሰብ ካብቶም ‘ብዘይቲ እናለኸዩ’—ማለት ክእለት ብዘለዎ መገዲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጸናንዕ ምኽሪ እናሃቡ—ከምኡውን ‘ኣብ ልዕሊኡ ብምጽላይ’ ዝሕግዝዎ ሽማግለታት ሓገዝ ክረክብ ይኽእል ኢዩ። እቲ ፍረኸ፧ “እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ: ጐይታውን [“የሆዋ:” ትሓዓ ] [ካብቲ ተስፋ ዘቍርጽ ኵነታቱ ወይ ካብቲ ብኣምላኽ እተደርበየ ኰይኑ ዝስምዖ ዝነበረ ስምዒት] ከተንስኦ እዩ።”
እቶም መንፈሳውያን ጓሶት ክእለት ብዘለዎ መገዲ ሓገዝ ገይሮምሉ ክንሶም: ናይቲ ሰብ ናይ ኣእምሮ ጭንቀትን ምድንጋርን ምስ ዝቕጽልከ እንታይ ይኹን፧ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ዘለዉ ገለ ኣሕዋት ጽቡቕ ዝዀነ ኣካላዊ ምርመራ ክገብሩ መሪጾም ኢዮም። (ምስ ምሳሌ 14:30፣ 16:24፣ 1 ቈረንቶስ 12:26 ኣረኣእዮ።) ብድሕሪ እቲ ስምዒታዊ ወይ ናይ ኣእምሮ ጸቕጢ ኣካላዊ ጸገም ይህሉ ይኸውን። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ንኸምዚ ዝበለ ጸገማት ምሕካም ንሓደ ስምዒታዊ ሕማም ዘለዎ ሰብ ዕረፍቲ የምጽኣሉ ኢዩ።b ዋላ ሓንቲ ኣካላዊ ጸገም ዘየሎ እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ሓኪም ብድሌት ናይቲ ሕሙም ናብ በዓል ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ክኸይድ ይእዝዘሉ ይኸውን። ሽዑ እንታይ ኢኻ ክትገብር ዘሎካ፧ ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝገለጽናዮ እዚ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ክምርምሮ ዘለዎ ውሳነ ኢዩ። ካልኦት ክወቕሱ ወይ ክፈርዱ የብሎምን።—ሮሜ 14:4
ይኹን እምበር: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ንኸይርሳዕ ተግባራዊ ጥበብን ጥንቃቐን ክግበር ይግባእ። (ምሳሌ 3:21፣ መክብብ 12:13) ኣካላዊ ሕማም ክኸውን ከሎ ሕሙማት ካብ ባህላዊ መድሃኒት ጀሚርካ ክሳዕ ከም እኒ ናችሮፓዚ: ኣኩፓንክቸር: ከምኡውን ሆሜፓቴራፒ ዝኣመሰለ ናይ ሕክምና ምርጫታት የጋጥሞም ኢዩ። እተፈላለዩ ዓይነት ሰብ ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና እውን ኣለዉ። ካብ መንጎ እዚኣቶም ነቲ ስግንጢር ዝዀነ ጠባይ ወይ ዘቐንዙ ስምዒታት ዘስዓቦ ምኽንያታት ንምፍላጥ ናይቲ ሕሙም ብሕታዊ ታሪኽ ኣዕሚቖም ዝምርምሩ ሳይኮቴራፒስትስን ካልኦትን ይርከብዎም ኢዮም። ቢሄቭየራል ሳይኮቴራፒስትስ ነቲ ሕሙም ሓደስቲ ጠባያት ንኽማሃር ክሕግዝዎ ይፍትኑ ይዀኑ። ገለ ሰብ ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝበዝሕ ናይ ኣእምሮ ሕማማት ብመድሃኒት ክሕከም ይኽእል ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ።c ካልኦት ድማ መግብን ቫይታሚንን ይእዝዙ።
ሕሙማትን ስድራቤታቶምን ነዚ ምርጫታት እዚ ክሓስቡ ከለዉ ጥንቃቐ ከዘውትሩ ኣለዎም። (ምሳሌ 14:15) ፕሮፌሰር ፓውል ማክዩ እተባህለ ኣብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ቤት ትምህርቲ ሕክምና: ዳይረክተር ክፍሊ ሳይክያትሪ ከምኡውን ብሄቨርያል ሳይንስ ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ከሎ: ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና “ዘየዕገብ ሕክምናዊ ስነ-ጥበብ ኢዩ። ነቶም ኣዝዮም እተሓላለኹ መዳያት ናይ ሰብኣዊ ህይወት—ኣእምሮን ጠባ ይን—ዘለዎም ምዝንባል እውን ሓዊስካ ዘቕርቦ ናይ ምርመራ ሓሳባት ብቐሊሉ መረጋገጺ ክትረኽበሎም ዘይከኣሉ ብምዃኖም ጐደሎ ኢዩ” በለ። እዚ ኵነታት እዚ ድማ ጊንጢ ናብ ዝዀነ ጠባይን ምትላልን: ከምኡውን ናብ ጽቡቕ ዘይኰነስ ዝያዳ ጕድኣት ከውርድ ዝኽእል ጽቡቕ ድራኸ ዘለዎ ሕክምናታት ዝመርሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ዋላ እኳ ሳይክያትሪስትን ሳይኮሎጂስትን ክእለት ከም ዘለዎም ዘርኢ ናይ ድሕረ ምረቓ ዲግሪታት እንተለዎም: ብዙሓት ካልኦት ግን ምንም ናይ ሞያ ብቕዓት ዘይብሎም: ከም ኣማኸርቲ ወይ ቴራፒስትስ መጠን ድማ ተቘጻጸርቲ ዘይብሎም ምዃኖም እውን ክጥቀስ ኣለዎ። ገለ ውልቀ-ሰባት ንኸምዚኦም ዝበሉ ብቕዓት ዘይብሎም ሰባት ብምምኻሮም ብዙሕ ገንዘብ ኣጥፊኦም ኢዮም።
ናብ ሓደ ልምድን ብቕዓትን ዘለዎ በዓል ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣብ ምኻድ እውን ከይተረፈ ክሕሰበሎም ዘለዎ ነገራት ኣለዉ። ንሓደ ሓኪም ወይ መጥባሕቲ ዝገብር ሰብ ክንመርጽ ከሎና: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣረኣእያና ዘኽብረልና ምዃኑ ከነረጋግጽ ኣሎና። ብተመሳሳሊ: ምስ ሓደ ንሃይማኖታውን ስነ-ምግባራውን ኣረኣእያታትና ዘየኽብረልና በዓል ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ምምኻር ሓደገኛ ኢዩ። ብዙሓት ክርስትያናት ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ምርባሽ እኳ እንተለዎም ‘ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ሓሳብ ንኽሓስቡ’ ኣበርቲዖም ይጽዕሩ ኢዮም ዘለዉ። (ሮሜ 15:5) ከምዚኣቶም ዝበሉ ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ንኣተሓሳስባኦም ወይ ጠባዮም ዝትንክፍ ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝንባለ ብልክዕ ይግደስሉ ኢዮም። ገለ ክኢላታት ዝዀነ ይኹን ቕዱስ ጽሑፋዊ እምነታት ዘቕርቦ ቀያዲ ነገራት ዘየድልን ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ድማ ክጐድእ ዝኽእል ከም ዝዀነን ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ከም እኒ ግብሪ ሶዶም ወይ ኣብ መርዓ ዘይእሙን ምዃን ዝኣመሰለ ነገራት ይድግፉ: አረ ከም መድሃኒት እውን ከይተረፈ ይእዝዙ ይዀኑ ኢዮም።
እዞም ሓሳባት እዚኣቶም ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብሓሶትሲ ፍልጠት ተባሂሉ ዘሎ ክትዕ’ ኢሉ ዝጠቐሶ ዝጠቓለሉ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:20) ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝዛረብ ሓቂ ይጻረርዎ: ክፍሊ ናይቲ ‘ጥበብን ከንቱ ምጥባርን’ ናይዛ ዓለም እዚኣ ድማ ኢዮም። (ቈሎሴ 2:8) እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መለክዒ ንጹር ኢዩ:- “ጥበብ ወይስ ኣእምሮ ወይስ ምኽሪ: ንእግዚኣብሄር ዚቃወም የልቦን።” (ምሳሌ 21:30) “ነቲ እከይሲ ሰናይ: ንሰናይ ከኣ እከይ” ዝብሉ ሰብ ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ‘ሕማቓት የዕሩኽ’ ኢዮም። ነቲ ዘይርጉእ ኣእምሮ ንምሕዋይ ዝሕግዙ ዘይኰኑስ ‘ንጽቡቕ ልማድ ዘጥፍኡ’ ኢዮም።—ኢሳይያስ 5:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33
ስለዚ ንበዓል ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ከማኽር ጽቡቕ ኰይኑ እተሰመዖ ክርስትያን: እቲ በዓል ሞያ ዘለዎ ብቕዓታት: ኣረኣእያታት: ጽቡቕ ስም: ከምኡውን እቲ ዝእዘዝ መድሃኒት ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤናት ክምርምሮ ኣለዎ። ሓደ እተጨነቐ ክርስትያን ነዚ ባዕሉ ክገብሮ ዘይክእል እንተድኣ ኰይኑ: ምናልባት ሓደ ብሱል ሓው: ናይ ቀረባ ዓርኪ ወይ ዘመድ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ኣጠቓቕማ ፍሉይ ሕክምና ርግጸኛ ምስ ዘይከውን: ዋላ እኳ እቲ ውሳነ ናይ ገዛእ ርእሱ (ወይ ናይ ወለዱ: ወይ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ሓባር ውሳነ) እንተዀነ: ምስቶም ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ምዝራብ ሓጋዚ ኢዩ።d
ስነ-ፍልጠት ካብ ቀደም ንላዕሊ ስቓይ ንምቅላል ብዙሕ ክዓዪ ይኽእል ኢዩ። ጌና ግን: ኣብዚ ግዜ እዚ ክሓዊ ዘይክእል: እዚ ኣገባብ እዚ ክሳዕ ዘሎ ድማ ክንጽመሞ ዘሎና ብዙሕ ኣካልውን ኣእምሮኣውን ሕማማት ኣሎ። (ያእቆብ 5:11) ክሳዕ ሽዑ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ:” ሽማግለታት: ከምኡውን ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ኵላቶም ነዞም ሕሙማት እዚኣቶም ንምሕጋዝ ኣእዳዎም ክዝርግሑ ኢዮም። እቲ ሕማም ፈጺሙ ዘይህልወሉ ግርማ ዘለዎ ግዜ ክሳዕ ዝመጽእ ኸኣ የሆዋ ባዕሉ ከሐይሎም ኢዩ።—ማቴዎስ 24:45 ትሓዓ፣ መዝሙር 41:1-3፣ ኢሳይያስ 33:24
[እግረ-ጽሑፋት]
a ገለ ገለ ግዜ ድማ ሓደ ውልቀ-ሰብ ንዝለዓለ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ንኽምዘዝ ናይ ሳይክያትሪክ ምርመራ ክገብር ይሕተት ይኸውን። ሓደ ሰብ ንኸምዚ ዝበለ መርመራ ሕራይ ክብል ወይ ከይብል ብሕታዊ ውሳነ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ናይ ሳይክያትሪክ ምርመራ ምግባር ማለት ናይ ሳይክያትሪክ ሕክምና ምግባር ማለት ከም ዘይኰነ ክስትብሃለሉ ኣለዎ።
b ኣብ ናይ 1 መጋቢት 1990 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ኣብቲ ኣንጻር መንፈስ ጭንቀት ዝግበር ቃልሲ ምዕዋት” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።
c ገለ ናይ ኣእምሮ ሕማማት እቲ ዝግበር ልክዕ ሕክምና ዝጠቕሞ ይመስል። እንተዀነ ግን: እዚ ሕክምና እዚ እቲ ዓቐን ብልክዕ እንተ ዘይተወሲዱ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ስለ ዝኽእል ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቶም ክእለትን ተመክሮን ዘለዎም ሓካይም ወይ ሳይክያትሪስትስ ኴንካ ብጥንቃቐ ዝግበር ክኸውን ኣለዎ።
d ኣብታ ናይ 15 ጥቅምቲ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ “ናይ ኣእምሮ ጭንቀት—ንሓደ ክርስትያን ከጥቅዖ ከሎ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ዓንቀጽ ርአ።