ሳውል ንጐይታ ሕሩይ ኣቕሓ
ሳውል በዓል ጠርሴስ ቀታልን ተጻራርን ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢዩ ነይሩ። ጐይታ ግን እተፈልየ መጻኢ ሒዝሉ ነበረ። ሳውል ናይቲ ቕድም ኣበርቲዑ እተቓወሞ እምነት ሓለፍ ዝበለ ወኪል ክኸውን ነበሮ። የሱስ “እዚ ሰብኣይ እዚ [ሳውል] ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር: ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:15
ሳውል ምሕረት ምስ ረኸበን ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ “ሕሩይ ኣቕሓ” ምስ ኰነን: እቲ ከም ‘ገፋዒ’ ዀይኑ ዘሕለፎ ህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ተቐየረ። (1 ጢሞቴዎስ 1:12, 13) ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ኰነ ድማ ነቲ ንእስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ኣብ ምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካልእ መጥቃዕትታት ኣብ ምውራድን ንኽሓብር ዝደረኾ ሓይሉ ናብቲ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ ካልእ ዕላማታት ከውዕሎ ጀመረ። ሳውል ዝበሃግ ባህርያት ከም ዘለዎ የሱስ ንጹር ብዝዀነ መገዲ ኣስተብሂሉ ኢዩ። ከመይ ዝበለ ባህርያት፧ ሳውል መን ኢዩ ነይሩ፧ ኣተዓባብይኡ ንሓቀኛ ኣምልኾ ኣብ ምስፋሕ ንኸገልግል ምቹእ ዝገበሮኸ ብኸመይ ኢዩ፧ ካብ ተመክሮኡ ገለ ነገር ክንማሃር ንኽእልዶ፧
መበቈል ስድራቤት ሳውል
ኣብቲ ደድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እስጢፋኖስ እተቐትለሉ ግዜ: ሳውል “ጐበዝ” ኢዩ ነይሩ። ዳርጋ ብ60-61 ከ.ኣ.ዘ. ንፊልሞን ክጽሕፈሉ ኸሎ ድማ “ኣረጊት” ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:58፣ ፊልሞን 9) ምሁራት ብመሰረት ናይ ጥንቲ ኣቈጻጽራ ዕድመ: ካብ 24 ክሳዕ 40 ዘሎ ሰብ “ጐበዝ” ክበሃል ከሎ: ካብ 50 ክሳዕ 56 ዝዕድሚኡ ኸኣ “ኣረጊት” ይበሃል ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢሎም ሓሳብ ይህቡ። ስለዚ ሳውል ድሕሪ ልደት የሱስ ሒደት ዓመታት ጸኒሑ ተወሊዱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይሁድ ኣብ እተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ካብ መንጎ እቲ ካብ ይሁዳ ፋሕ ክብሉ ዝገበሮም ጠንቅታት ብኻልኦት መንግስታት ምውራሮም: ባርነት: ምብራር: ንግዲ: ከምኡውን ወለንታዊ ምፍላስ ነበረ። ስድራቤት ሳውል ካብቶም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣይሁድ እኳ እንተ ነበሩ: ንሱ ግን “ብሳምነይቲ መዓልቲ እተገዘርኩ: ካብ ዓሌት እስራኤል: ካብ ነገድ ብንያም: እብራዊ ኻብ እብራውያን: ብሕጊ ፈሪሳዊ” ከም ዝነበረ ብምግላጽ ወለዱ ነቲ ሕጊ ዝነበሮም ተኣዛዝነት የጕልሕ። ሳውል እብራዊ ስም ማለት ስም ናይቲ ኣብ ነገዱ ጕሉሕ ዝነበረ ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል ኢዩ ተዋሂብዎ። ሮማዊ ዀይኑ ስለ እተወልደ ድማ ፓውሉስ ዝብል ናይ ላቲን ስም እውን ነይርዎ ኢዩ።—ፊልጲ 3:5፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:21፣ 22:25-29
ሳውል ሮማዊ ዀይኑ ተወሊዱ ክበሃል ከሎ: ሓደ ካብቶም ብኣቡኡ ኣባሓጎታቱ ዝዀኑ ዜግነት ናይ ምውሳድ መሰል ረኺቡ ነይሩ ማለት ኢዩ። ብኸመይ፧ ሓያለይ ተኽእሎታት ኣሎ። ነቲ ብውርሻ ዝርከብ ዜግነት ሓዲግካ: ውልቀ-ሰባት ወይ ጕጅለ ሰባት ዝምስገን ጠባይ ብምርኣዮም: ፖለቲካዊ ጥቕሚ ክህቡ ብምኽኣሎም: ወይ ድማ ነታ ሃገር ገለ ፍሉይ ኣገልግሎት ብምውፋዮም ከም ዓስቢ ዜግነት ክዋሃቦም ይከኣል ነይሩ ኢዩ። ገንዘብ ከፊሉ ካብ ሓደ ሮማዊ ሓራ ክወጽእ ወይ ድማ ብሓደ ሮማዊ ዜግነት ዘለዎ ሰብ ሓራ ክወጽእ ዝኸኣለ ባርያ ሮማዊ ክኸውን ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ቅድም ኣባል ሰራዊት ሮሜ ዝነበረ ሰብ ዜግነት ክረክብ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ኣብ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ደቀባት ድሕሪ ገለ ግዜ ዜጋታት ክዀኑ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ገለ እዋናት ብዙሕ ገንዘብ ከፊልካ ዜግነት ይዕደግ ከም ዝነበረ እውን ተዘሪብሉ ኢዩ። ስድራቤት ሳውል ብኸመይ ዜግነት ከም ዝወሰዱ ኣይፍለጥን ኢዩ።
ዓዱ ንሳውል: እታ ናይ ቂልቅያ (ሕጂ ኣብ ደቡባዊ ቱርኪ እትርከብ) ኣገዳሲትን ርእሲ ኸተማን ዝነበረት ጠርሴስ ምዃና ንፈልጥ ኢና: ቂልቅያ ኸኣ ሓንቲ ካብተን ኣውራጃታት ሮሜ ኢያ ነይራ። ኣብቲ ኸባቢ ሰፊሕ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ይነብር እኳ እንተ ነበረ: እቲ ኣብኡ ዝነበረ ህይወት ንሳውል ንናይ ኣህዛብ ባህሊ ከም ዝቃላዕ ገይርዎ ኢዩ። ጠርሴስ ከም ትምህርታዊ ማእከል ጥንታዊት ግሪኽ እትፍለጥ ዝነበረት ዓባይን ብልጽግትን ከተማ ኢያ ነይራ። እታ ኸተማ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ካብ 300,000 ክሳዕ 500,000 ዝበጽሕ ተቐማጦ ከም ዝነበርዋ ዝገልጽ ግምት ኣሎ። ኣብ መንጎ ንእሽቶ እስያን ሶርያን መሰጶታምያን ቀንዲ መገዲ ብምንባራ ኸኣ ማእከል ንግዲ ነበረት። ሳላ ንግዲ ከምኡውን ሳላ ፍረ እቲ ብቐንዱ እኽልን ወይንን ንመስርሒ ዓለባ ዝኸውን ቃንጫ እንጣጢዕን ዘፍሪ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሰጣሕ ጐልጐል ኢያ በልጺጋ። እቲ ንመስርሒ ድንኳን ዝውዕል ዝነበረ ዓለባ ጸጕሪ ጤል ካብቲ ኣብታ ኸተማ ዝርከብ እናሰሰነ ዝኸይድ ዝነበረ ኣብያተ-ዕዮ ዓለባ ኢዩ ዝስራሕ ነይሩ።
ሳውል ዝረኸቦ ትምህርቲ
ሳውል ማለት ጳውሎስ ድንኳን ብምስፋይ ንወጻኢታቱን ንሚስዮናዊ ንጥፈታቱን ዝሽፍነሉ ምድላው ገይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:2, 3፣ 20:34) እቲ ድንኳን ናይ ምስፋይ ሞያ ኣብታ ዓዲ ሳውል ዝነበረት ጠርሴስ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ሳውል ነዚ ድንኳን ናይ ምስፋይ ሞያ እዚ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ካብ ኣቡኡ ኢዩ ተማሂርዎ ክኸውን ዝኽእል።
ሳውል እተፈላለየ ቋንቋታት ይፈልጥ ምንባሩ—ብፍላይ ነቲ ኣብ ግዝኣት ሮሜ ቀንዲ መረዳድኢ ዝነበረ ቋንቋ ግሪኽ ይመልኮ ምንባሩ—እውን ኣብቲ ሚስዮናዊ ዕዮኡ ብዋጋ ዘይሽነን ኣበርክቶ ገይርሉ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:37–22:2) ነቲ ሳውል ዝጸሓፎ ጽሑፋት ዘጽንዑ ክኢላታት: ቋንቋ ግሪኽ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ምንባሩ ይዛረቡ። ዝጥቀመሉ ዝነበረ ቃላት: እቲ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ዝነበረ ንምርድኡ ክብድ ዝበለ ናይ ምሁራት ዘይኰነስ ምስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝጠቕሶ ወይ ሓሳቡ ዝገልጾ ዝነበረ ሰፕቱጀንት ማለት ናብ ግሪኽ እተተርጐመ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝመሳሰል ኢዩ። እተፈላለዩ ምሁራት ኣብዚ መርትዖ እዚ ተመርኲሶም ሳውል ምናልባት ኣብ ሓደ ናይ ኣይሁድ ቤት ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል: እንተ ወሓደ ጽቡቕ ናይ ቋንቋ ግሪኽ ትምህርቲ ከም ዝረኸበ ይግምቱ። ምሁር ማሪቲን ሄነል ከምዚ ይብል:- “እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ዝሓሸ ትምህርቲ ብፍላይ እቲ ናይ ግሪኽ ትምህርቲ ብናጻ ኣይነበረን፣ ከም ሕጊ ተወሲዱ: ክኸፍል ዝኽእል ምዃኑ ይረጋገጽ ነበረ።” ስለዚ እምበኣር: እቲ ሳውል ዝረኸቦ ትምህርቲ ካብ ሃብታማት ስድራቤት እተወልደ ምዃኑ ዝእምት ኢዩ።
ሳውል ካብ ወዲ 13 ዓመት ኣብ ዘይሓልፍ ዕድመ ኸሎ: ኣብታ ካብ ዓዱ ገለ 840 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ የሩሳሌም ትምህርቱ ቀጺሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ትሕቲ እግሪ እቲ ኣብ ናይ ፈሪሳውያን ልምዲ ውሩይን ኣዝዩ ክቡርን ዝነበረ ገማልኤል ዝስሙ መምህር ኢዩ ተማሂሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:3፣ 23:6) እቲ ምስዚ ሎሚ ዘሎ ዩኒቨርሲቲ ዝወዳደር ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ: ኣብ ኣይሁድነት ዝና ንኽረክብ ኣጋጣሚ ከፊትሉ ኢዩ።a
ንጽቡቕ እተጠቕመሉ ክእለታት
ሳውል ኣብታ ብናይ ጥንታዊት ግሪኽ ባህሊ እትምራሕ ዝነበረት ከተማ ሮሜ እትነብር ኣይሁዳዊት ስድራቤት ስለ እተወልደ: ኣብ ሰለስተ እተፈላለየ ማሕበረሰብ ዘለዎ ቦታ ኢዩ ዓብዩ። ኣብ ብዙሕ ቋንቋታት ዝዝረበሉ ካብ እተፈላለየ ቦታታት እተኣኻኸበ ማሕበረሰብ ዘለዎ ቦታ ምዕባዩ “ንዅላቶም ኵሉ” ንኽኸውን ከም ዝሓገዞ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 9:19-23) ጸኒሑ እቲ ዝነበሮ ሮማዊ ዜግነት ንኣገልግሎቱ ብሕጋዊ መገዲ ንኽጣበቐሉ ከምኡውን ነቲ ብስራት ክሳዕ እቶም ኣብ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣን ንኸብጽሖ ኣኽኢልዎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:37-40፣ 25:11, 12) እቲ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር: ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ: ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ: ስለዚ ኺድ ደኣ” ኢሉ ንሃናንያ እተዛረቦ ካብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ: ነቲ ናይ ሳውል ኣተዓባብያን ትምህርትን ባህርይን ይፈልጦ ከም ዝነበረ እተረጋገጸ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:13-16) ሳውል ናብቲ ቕኑዕ ኣንፈት ከም ዘብል ምስ ተገብረ: በቲ ዝነበሮ ቕንኢ ተደሪኹ ንመልእኽቲ እታ መንግስቲ ክሳዕ ርሑቕ ቦታታት ንምስፋሕ ጠቓሚ መሳርሒ ኰይኑ ኢዩ።
የሱስ ንፍሉይ መዝነት ንሳውል ምምራጹ ኣብ ታሪኽ ክርስትና ፍሉይ ፍጻመ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ሎሚ ዘለዉ ኵሎም ክርስትያናት እውን ኣብ ምስፋሕ እቲ ብስራት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ክጠቅም ዝኽእል ነናይ ገዛእ ርእሶም ክእለታትን ጠባይን ኣለዎም። ሳውል ነቲ የሱስ ካብኡ ዝደልዮ ነገር ምስ ተረድኦ: ኣየድሓርሓረን። ንረብሓታት እታ መንግስቲ ንምድንፋዕ ዝከኣሎ ዅሉ ገይሩ ኢዩ። ንስኻኸ ከምኡ ዲኻ እትገብር፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ትሕዝቶን ዓይነትን እቲ ሳውል ካብ ገማልኤል እተማህሮ ትምህርቲ ብዝምልከት: ናይ 15 ሓምለ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26-9 ርአ።
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ሮማዊ ዜግነት ንምርካብ ዝግበር ዝነበረ ምዝገባን ወረቐት ምስክርን
ካብቶም ብሕጊ እተመርዓዉ ሰብ ሓዳር እተወልዱ ቘልዑ: ሮማዊ ዜግነት ንምውሳድ ክምዝገቡ በቲ ኣብ 4ይን 9ይን ከ.ኣ.ዘ. ብኣውጉስጦስ እተኣወጀ ክልተ ሕግታት ኢዩ ተመስሪቱ። ሓደ ቘልዓ ካብቲ እተወልደሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት ክምዝገብ ነበሮ። ኣብ ኣውራጃታት: ሓንቲ ስድራቤት እቲ ቘልዓ ብሕጊ እተወልደን ሮማዊ ዜግነት ከም ዘለዎን ዝገልጽ ጽሑፍ ሒዛ ኣብ ቅድሚ እቲ መዝገብ ህዝቢ ዝርከበሉ ቤት ጽሕፈት ዘሎ ዳኛ ክትቀርብ ነበራ። ኣስማት እቶም ወለዲ: ጾታን ስምን እቲ ቘልዓ: ከምኡውን መዓልቲ ልደት ይምዝገብ ነበረ። እዚ ሕግታት እዚ ቅድሚ ምትእትታዉ እውን ከይተረፈ: ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ሮሜ ዝነበረ ምምሕዳር ከተማ: ግዝኣታት: ከምኡውን ኣውራጃታት ዝካየድ ናይ ዜጋታት ምዝገባ ኣብ ሓሓሙሽተ ዓመት ብናይ ህዝቢ ቈጸራ ይሕደስ ነበረ።
ስለዚ ኸኣ ኵነታት ናይ ሓደ ሰብ ነቲ ብግቡእ እተታሕዘ እኩብ መዛግብቲ ብምውካስ ክርከብ ይከኣል ነይሩ ኢዩ። ሕጋዊ ቅዳሓት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ መዛግብቲ ብኢድ ክተሓዝ ዝከኣል ካብ ዕንጨይቲ ብእተሰርሐ ጽላት (ዝዕጸፍ ጽላት) ክርከብ ይከኣል ነይሩ ኢዩ። ብመሰረት እቲ ገለ ምሁራት ዝሃብዎ ርእይቶ: ጳውሎስ ሮማዊ ዜግነት ከም ዘለዎ ክዛረብ ከሎ: ነዚ ከረጋግጸሉ ዝኽእል ወረቐት ምስክር ከዳሉ ክኢሉ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:37፣ 22:25-29፣ 25:11) ሮማዊ ዜግነት ዳርጋ “ቅዱስ ነገር” ከም ዘሎካ ገይርካ ይርአ ብምንባሩ: ብዙሕ መሰላት ድማ የውህብ ስለ ዝነበረ: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰነዳት ምትምያን ኣዝዩ ከቢድ ገበን ኢዩ ነይሩ። ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምሃብ ብሞት የቕጽዕ ነበረ።
[ምንጪ ስእሊ]
Historic costume in Pictures/Dover Publications, Inc.,New York
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ናይ ሳውል ሮማዊ ስም
ነፍሲ ወከፍ ሮማዊ ዜግነት ዝነበሮ ወዲ ተባዕታይ ኣብቲ መጸውዒኡ እንተ ወሓደ ሰለስተ ኣስማት ነበሮ። እዚ ድማ እቲ ናይ መጀመርታ ስም: ናይ ስድራቤት ስም (ምስ ነገዱ ወይ ጀንስ እተተሓሓዘ ): ከምኡውን ካልእ ተወሳኺ ስም ነይርዎ ኢዩ። ሓደ ፍሉጥ ኣብነት ናይዚ ጋይዮስ ጁልየስ ቄሳር ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ናይ ሮማውያን ኣስማት ኣይህብን ኢዩ: ዓለማዊ ምንጭታት ግን ኣግሪጳ: ማርኩስ ጁልየስ ኣግሪጳ ይበሃል ከም ዝነበረ ይነግረና ኢዩ። ጋልዮስ: ሉስየስ ጁንየስ ጋልዮስ ይበሃል ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:12፣ 25:13) ካብቲ ሓደ ሰብ ዘለዎ ሰለስተ ኣስማት ነቲ ኽልተ ዝገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ጶንጥዮስ ጲላጦስ (እተቐርጸ ጽሑፍ ኣብ ታሕቲ ኣሎ): ሰርግዮስ ጳውሎስ: ቅላውዴዎስ ሊስያስ: ጶርቅዮስ ፌስጦስ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:27፣ 13:7፣ 23:26፣ 24:27
ፓውሉስ ናይ ሳውል ናይ መጀመርታ ስሙ ድዩ ነይሩ ወይስ ተወሳኺ ስም ርግጽ ኴንካ ክትገልጽ ኣይከኣልን ኢዩ። ሓደ ሰብ ብስድራቤቱ ወይ ብዝፈልጥዎ ሰባት ዝጽውዓሉ ካልእ ስም ወግዓዊ ብዘይኰነ መገዲ ክውሰኽ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ከም ሳውል ዝኣመሰለ ሮማዊ ዘይኰነ ስም ከም መተካእታ ክትጥቀመሉ ይከኣል ነበረ። ሓደ ምሁር “[ሳውል] ምስ ናይ ሮሜ ስም ፈጺሙ ኣይሰማማዕን ኢዩ: ምስቲ ንሓደ ሮማዊ ዜግነት ዘለዎ ሰብ ከም ወደባት ማለት ከም ሳግኑም መጠን ዝዋሃቦ ስም ግን ጽቡቕ ገይሩ ዝሰማማዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።” ኣብቲ ብዙሕ ቋንቋታት ዝዝረበሉ ከባቢታት: ሓደ ሰብ ካብ ኣስማቱ በየናይ ክጽዋዕ ክመርጽ ከም ዘለዎ ኵነታት ይውስነሉ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
[ምንጪ ስእሊ]
Photograph by Israel Museum, ©Israel Antiquities Authority