ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 15/12 ገጽ 6
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣቱም መንእሰያት፡ ንጸቕጢ መዛኑ ተዋጽኡሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ
    ንቕሑ!—2014
  • ናይ መዛኑ ጸቕጢ ክጠቕመካዶ ይኽእል ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 15/12 ገጽ 6

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

• ሰረተ-እምነት ጽሕፍቶ መለለዪ ኣየኖት ጕጅለታት ሃይማኖት እዩ፧

ሰዓብቲ እምነት ካልቪንነት ንሰረተ-እምነት ጽሕፍቶ ኣጸቢቖም ይኣምኑሉ እዮም። ትምህርትታት ዣን ኮቨን (ጆን ካልቪን)፡ ኣብ ከም ሪፎርምድ፡ ፕረስባይተርያን፡ ኮንግሪገሽናል፡ ፕዩርታን ዝኣመሰላ ጕጅለታት ሃይማኖት ዓብዪ ጽልዋ ገይሩ እዩ።—1/9፡ ገጽ 18-21።

• ቃየል ንሰበይቱ ኻበይ ረኺብዋ፧

ሰበይቲ ቃየል፡ ካብ ወለዶ እታ “ኣወዳትን ኣዋልድን” ዝወለደት ሄዋን ምዃና ኽንድምድም ንኽእል ኢና። (ዘፍ. 5:4)—1/9፡ ገጽ 25።

• ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኼውጽኦም ከሎ፡ ነየናይ መልኣኽ እዩ ቐቅድሚኦም ልኢኽዎ፧ (ዘጸ. 23:20, 21)

እዚ ‘ስም የሆዋ ኣብኡ ዝነበረ’ መልኣኽ፡ እቲ ጸኒሑ የሱስ ተባሂሉ እተጸውዐ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—15/9፡ ገጽ 21።

• ቀዳመይቲ መልእኽቲ ቈረንቶስ፡ ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውአ ስጋ እትገልጽ ስለምንታይ እያ፧

ኣብ ኣብያተ-መቕደስ ግሪኻውያንን ሮማውያንን መስዋእቲ እንስሳታት ይቐርብ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብቲ ጽምብል ዘይተበልዐ ስጋ ግን ኣብ ዕዳጋ ይሽየጥ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ክርስትያናት ኣብ ኣረማዊ ኣምልኾ ዘይሳተፉ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ኻብኡ ዝመጸ ስጋ ኸም እተበከለ ገይሮም ግን ኣይርእይዎን እዮም ነይሮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዅሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 10:25, 26)—1/10፡ ገጽ 12።

• ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብእተተሓሓዘ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘይብሉ ምኽኒት እንታይ እዩ፧

‘ኣመና ኸቢድ እዩ። ኣይደልን እየ። ዋላ ሓንቲ ግዜ የብለይን። ኣይበቅዕን እየ። ሰባት ንስምዒተይ ጐዲኦምዎ’ ዚብል ሓሳባት፡ ሕግታት ኣምላኽ ዕሽሽ ንኽትብል ብቑዕ መመኽነይታ ኣይከውንን እዩ።—15/10፡ ገጽ 12-15።

• ኣኼባታት ንዓኻን ንኻልኦትን ሃናጺ ንኪኸውን ክትወስዶ እትኽእል ገለ ስጕምትታት እንታይ እዩ፧

ኣቐዲምካ ተዳሎ። ኣዘውቲርካ ተኣከብ። ሰዓት ኣኽብር። ዜድልየካ ዘበለ ተማላእ። ዜስግል ነገራት ኣርሕቕ። ተሳተፍ። እትህቦ ሓሳባት ሓጺር ይኹን። እተዋህበካ ኽፍልታት ኣቕርብ። ተሳትፎ ንዝገበሩ ንኣዶም። ጉባኤ ቕድሚ ምጅማሩ ዀነ ድሕሪኡ ምስ ካልኦት ተቐራረብ።—15/10፡ ገጽ 22።

• እቲ ንደዌ ወይ ንሕማም ሃንሰን ዜጠቓልል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ለምጺ ተባሂሉ ዘሎ ሕማም፡ ምስ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ብዚተሓሓዝ ጕዳይ ኣበየናይ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣሎ፧

ካልኣይ ነገስት ምዕራፍ 5 ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ቤት እቲ ንእማን ዝስሙ ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ እተገልግል ዝነበረት እስራኤላዊት ጓል ይነግረና እዩ። ንእማን ለምጻም ስለ ዝነበረ፡ ናብ ነብዪ ኤልሳእ እንተ ኸይዱ፡ ኪሓዊ ኸም ዚኽእል ነገረቶ።—1/11፡ ገጽ 22።

• ካብቲ ኣሮን ብጸቕጢ መዛኑ ርዒሙ ዝገበሮ ተግባር እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ሙሴ ኣብ ዘይነበረሉ ሓደ እዋን፡ እስራኤላውያን ንኣሮን፡ ኣማልኽቲ ኺገብረሎም ሓተትዎ። በቲ ጸቕጢ ተምበርኪኹ፡ ከምቲ ዝበልዎ ገበረሎም። እዚ ኸኣ፡ ጸቕጢ መዛኑ ንመንእሰያት ጥራይ ዜጋጥም ከም ዘይኰነ ይሕብር። ነቶም ቅኑዕ ኪገብሩ ዚደልዩ ዓበይቲ ሰባት እውን ኪጸልዎም ይኽእል እዩ። ንኣሉታዊ ጸቕጢ መዛኑ ኽንዋጽኣሉ የድልየና።—15/11፡ ገጽ 8።

• ኣየናይ እዩ ቕኑዕ፧ ኣየናይከ እዩ ጌጋ፧

ሰይጣን ኣሎ፦ ቅኑዕ። (2 ቈረ. 11:14) ኵሎም ሰባት ምስ ሞቱ ናብ መንፈሳዊ ዓለም ይኸዱ፦ ጌጋ። (መክ. 9:5) እሙናት መላእኽቲ ብዛዕባና ይግደሱ እዮም፦ ቅኑዕ። (መዝ. 34:7) የሱስ ማዕረ ኣምላኽ እዩ፦ ጌጋ። (1 ቈረ. 11:3)—1/12፡ ገጽ 8-9።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ