‘ሓጐስካ ግበሮ’
ካብቲ ዝደቐቐ ህያው ዋህዮ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ በብደረጃኡ እተጠርነፈ ዝዓበየ ጋላክሲታት ዘሎ ፍጥረት፡ እተወደበ እዩ። ፈጣሪ ‘ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ’ ስለ ዘይኰነ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። (1 ቈረ. 14:33) እቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ስርዓት ኣምልኾ እውን መሳጢ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ነገራት እሞ ሕስብ ኣብል። ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘለዎም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዚነብሩ መስተውዓልቲ ፍጡራት ፈጢሩ፡ ኣብ ሓደ ውድብ ብንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚሓብሩ ገይሩ እዩ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ!
ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣብ የሩሳሌም ስለ ዝነበረት፡ እቲ የሆዋ ዝቐብኦ ንጉስ ከኣ ኣብታ ኸተማ ይቕመጥ ስለ ዝነበረ፡ የሩሳሌም ንምድራዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ ተመልክት ነበረት። ናብ ባቢሎን ተማሪኹ እተወስደ ሓደ እስራኤላዊ፡ ብዛዕባ እታ ቕድስቲ ኸተማ ስምዒቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “እንተ ዘይዘኪረኪ፡ ንየሩሳሌም ከኣ ሓለፋ ዅሉ ሓጐሰይ እንተ ዘይገይረያስ፡ መልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ” በለ።—መዝ. 137:6።
ንስኻኸ ብዛዕባ እዚ ሎሚ ዘሎ ውድብ ኣምላኽ ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ካብ ካልእ ነገራት ብዝያዳ የሐጕሰካ ድዩ፧ ደቅኻ ብዛዕባ ታሪኽን ዕዮን ምድራዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ ይፈልጡ ድዮም፧ ክፍሊ እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም የማስዉሉ ድዮም፧ (1 ጴጥ. 2:17) ስድራ ቤትካ ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ዘለዋ ኣፍልጦ ምእንቲ ኺውስኽ፡ ነዚ ዚስዕብ ርእይቶታት፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣብ እትገብሩላ ምሸት ንምንታይ ዘይትጥቀመሉ፧
ናይ “ቀደም” ታሪኽ ኣዘንቱ
እስራኤላውያን፡ ፋስጋ ንኼብዕሉ ኣብ ዓዓመት ብደረጃ ስድራ ቤት ይእከቡ ነበሩ። እቲ በዓል ኣብ ዝቘመሉ እዋን፡ ሙሴ ነቲ ህዝቢ፡ “ንዳሕራዩ ወድኻ፡ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ምስ ዝሐተካ፡ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ብሓያል ኢድ ኣውጽአና . . . ትብሎ” ኢሉ መምርሒ ሃቦ። (ዘጸ. 13:14, 15) እቲ የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ዝነበሮ ርክብ፡ ዚርሳዕ ታሪኽ ኣይነበረን። ሓያሎ እስራኤላውያን ኣቦታት፡ ነቲ ሙሴ ዝሃቦም ትእዛዝ ከም ዝሓለውዎ እተረጋገጸ እዩ። ድሕሪኡ ዘመናት ጸኒሑ፡ ሓደ እስራኤላዊ፡ “ኣምላኽ እቲ ቐደም ብዘመናቶም ዝገበርካዮ ግብርስ ኣቦታትና ኣዘንትዮምልና፡ በእዛንና ሰሚዕናዮ” ኢሉ ጸለየ።—መዝ. 44:1።
ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት ኣቢሉ እተፈጸመ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኽኽር፡ ሎሚ ንዘሎ ሓደ መንእሰይ ናይ “ቀደም” ታሪኽ እዩ ዚዀኖ። እዚ ንደቅኻ ህያው ክትገብረሎም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ገሊኦም ወለዲ፡ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም፡ መጽሓፍ ዓመት፡ ኣብ መጽሔታትና ዚወጽእ ታሪኽ ህይወት፡ እታ ንዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ እትገልጽ ሓዳስ ዲቪዲ፡ ከምኡውን ካልእ ቲኦክራስያዊ ታሪኽ ዝሓዘ ጸብጻባት ይጥቀሙ እዮም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበርን ኣብ ናዚ ጀርመንን ንዝነበሩ ኣሕዋትና ዝበጽሖም መስጐጕቲ ዚገልጽ ቪድዮታት፡ ስድራ ቤታት ኣብ እዋን ፈተናታት ኣብ የሆዋ ንኺውከላ ይምህረን እዩ። ነዚ ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብረላ ምሸት ተጠቐመሉ። ከምኡ ምግባርካ፡ ደቅኻ ንጽህናኦም ንምሕላው ኣብ ዚገብርዎ ቓልሲ፡ ንእምነቶም ኬደልድለሎም እዩ።
ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ታሪኽ ዚወሃብ ኣስተምህሮ፡ ንመንእሰያት ኬሰልክዮም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንደቅኻ ኣሳትፎም። ንኣብነት፡ ንወድኻ ሓንቲ እተገድሶ ሃገር ኪመርጽ፡ ብዛዕባ ቲኦክራስያዊ ታሪኽ እታ ሃገር ምርምር ኪገብር፡ ዝረኸቦ ፍልጠት ከኣ ነታ ስድራ ቤት ንኼካፍላ ሓሳብ ክትህቦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ጉባኤኻ ንነዊሕ ዓመታት ንየሆዋ ዘገልገሉ ክርስትያናት እንተ ኣልዮም፡ ሓደ ምሸት ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ንኺመጹ ኽትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ድማ ጓልካ ሕቶታት ብምሕታት ተመክሮታቶም ከም ዚገልጹ ኽትገብር ትኽእል እያ። ወይ ከኣ ወድኻ ንኸም ህንጸት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ኣህጉራዊ ኣኼባ፡ ወይ ከኣ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ብፎኖግራፍ ዚግበር ስብከት ዝኣመሰለ ቲኦክራስያዊ ታሪኻት ስእሊ ኸም ዚስእል ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ነፍሲ ወከፍ ብኸመይ “ነናቱ ዕዮ” ኸም ዚዓዪ ፍለጥ
ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ሰብነት ብምምስሳል፡ “ብዘሎ እቲ ሰብነት ብዅሉ እቲ ዝተዋህቦ መላገቢ ተተኃኂዙን ተኣሳሲሩን፥ ነፍስ ወከፍ ድማ ነናቱ ዕዮ እናገበረ ብፍቕሪ ይዓብን ይሕነጽን ኣሎ” በለ። (ኤፌ. 4:16፡ ትርጕም 1990) ኣካል ወዲ ሰብ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ምፍላጥና፡ ንፈጣሪና ዘሎና ኣድንቖትን ኣኽብሮትን ከም ዚውስኽ እዩ ዚገብር። ብተመሳሳሊ፡ ዓለምለኻዊት ጉባኤ ብኸመይ ከም እትዓዪ ኽንምርምር ከለና፡ ብዛዕባ ‘እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ኣምላኽ’ ንድነቕ ኢና።—ኤፌ. 3:10።
የሆዋ፡ ውድቡ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ሰማያዊ ኽፋል እቲ ውድብ እውን ዜጠቓልል እዩ። ንኣብነት፡ መጀመርታ ንየሱስ ክርስቶስ ራእይ ከም ዝሃቦ ነጊሩና ኣሎ፣ የሱስ ከኣ ነቲ ራእይ፡ “ብኢድ መልኣኹ ልኢኹ . . . ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ።” (ራእ. 1:1, 2) ኣምላኽ፡ እቲ ዘይርአ ኽፋል ውድቡ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ኻብ ገለጸ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ውድቡ ብኸመይ “ነናቱ ዕዮ” ኸም ዚዓዪ ኽንርዳእ ኣይደልየናንዶ፧
ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ሓላው ወረዳ ንጉባኤኹም ኪበጽሓ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ገየሽቲ ሓለውቲ ዘለዎም ዕዮታትን ሓላፍነታትን ምስ ስድራ ቤትካ ዄንካ ስለምንታይ ዘይትመያየጠሉ፧ ገየሽቲ ሓለውቲ ንነፍሲ ወከፍና ብኸመይ እዮም ዚሕግዙና፧ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እውን ክትመያየጡሉ ትኽእሉ ኢኹም፦ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንህብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ውድብ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዚምወል፧ ኣመሓዳሪ ኣካል ብኸመይ እዩ ተወዲቡ፧ ብኸመይከ እዩ መንፈሳዊ ምግቢ ዚህብ፧
ህዝቢ የሆዋ ብኸመይ ከም እተወደበ እንተ ተረዲኡና፡ እንተ ወሓደ ብሰለስተ መገድታት ክንጥቀም ኢና፦ ነቶም ምእንታና ዚዓዩ ሰባት ዘሎና ሞሳ ይዛይድ። (1 ተሰ. 5:12, 13) ንቲኦክራስያዊ መሰናድዎታት ንምድጋፍ ንድረኽ። (ግብ. 16:4, 5) እቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲሶም ውሳነታትን መሰናድዎታትን ኪገብሩ ኽንርኢ ኸለና ድማ፡ ኣባታቶም ዝያዳ ምትእምማን ይህልወና።—እብ. 13:7።
“ኣደራሻታ ኣስተውዕሉ”
“ንጽዮን ዙርዋ፡ ብዙርያኣ ተመላለሱ፡ ግምብታታ ቝጸሩ። ንዚመጽእ ወለዶ ኽትነግሩስ፡ ቀጽርታታ አስተብህሉ፡ ኣደራሻታ ኣስተውዕሉ።” (መዝ. 48:12, 13) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንእስራኤላውያን ንየሩሳሌም ቅርብ ኢሎም ኪርእይዋ እዩ ዚምሕጸኖም ነይሩ። ኣብ ዓመታዊ በዓላት ኪካፈላ ኢለን ናብታ ቕድስቲ ኸተማን ናብቲ ዜደንቕ ቤተ መቕደሳን እተጓዕዛ ስድራ ቤታት ንዝነበረን ባህ ዜብል ተዘክሮታት ክትግምቶዶ ትኽእል፧ ‘ንዚመጽእ ወለዶ ኺነግሩ’ ኸም እተደረኹ ዜጠራጥር ኣይኰነን።
ብዛዕባ እታ ኣብ ፈለማ በቲ ዜደንቕ ግዝኣትን ዓብዪ ጥበብን ሰሎሞን ተጠራጢራ ዝነበረት ንግስቲ ሳባ እውን ሕሰብ። እቲ ዝሰምዓቶ ነገራት ሓቂ ምንባሩ ዘእመና እንታይ እዩ፧ “መጺኤ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርኢ ድማ፡ ነቲ ዘረባኦም ኣይአመንክዎን” በለት። (2 ዜና 9:6) እወ፡ ‘ብዓይንና’ እንርእዮ ነገራት፡ ኣዝዩ ኺጸልወና ይኽእል እዩ።
ደቅኻ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውድብ የሆዋ ዚግበር ዜደንቕ ነገራት ‘ብዓይኖም’ ንኺርእዩ፡ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ኣልዩ፡ ናብኡ ኽትከይድ ጽዓር። ንኣብነት፡ ማንዲን ቤታኒን ካብቲ ኣብ ዓደን ዚርከብ ቤትኤል ኣስታት 1,500 ኪሎ ሜትር ርሒቐን እየን ዚነብራ። ኰይኑ ግን፡ ወለደን ብሕልፊ እናዓበያ ኪኸዳ ኸለዋ፡ ብተደጋጋሚ ናብ ቤትኤል ይወስድወን ነበሩ። እተን ኣዋልድ፡ “ኣብ ፈለማ፡ ቤትኤል ቀይድታት ዝበዝሖን ዓበይቲ ሰባት ጥራይ ዚነብሩሉን ቦታ ዀይኑ ይስምዓና ነበረ” በላ። ኣስዕብ ኣቢለን ድማ፡ “ኣብኡ ግን፡ ንየሆዋ ምስ ዚዓዩን ብዕዮኦም ምስ ዚሕጐሱን መንእሰያት ተራኸብና። ውድብ የሆዋ ኻብዚ ንሕና እንነብረሉ ንእሽቶ ኸባቢ ንላዕሊ ኸም ዚሓቍፍ ረኣና፣ ነፍሲ ወከፍ ምብጻሕ ድማ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ከም እንኸውን ገይሩና እዩ” በላ። ማንዲን ቤታኒን ንውድብ የሆዋ ቕርብ ኢለን ምርኣየን፡ ፈለምቲ ዀይነን ንኼገልግላ ደሪኽወን እዩ፣ ግዝያውያን ወለንተኛታት ኰይነን ኣብ ቤትኤል ኬገልግላ እውን ጻውዒት ቀሪቡለን እዩ።
ንውድብ የሆዋ ‘ኽንርእየሉ’ እንኽእል ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዘይነበረ ኻልእ መገዲ እውን ኣሎና። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ እተፈላለየ መዳያት ውድብ ኣምላኽ ዚገልጽ ከም ጂሆቫስ ዊትነስስ—ኦርጋናይዝድ ቱ ሼር ዘ ጉድ ኒውስ፡ ኣዋር ሆል ኣሶሴሽን ኦቭ ብራዘርስ፡ ቱ ዘ ኤንድስ ኦቭ ዘ አርዝ፡ ከምኡውን ዩናይትድ ባይ ዲቫይን ቲቺንግ ዝኣመሰለ ቪድዮታትን ዲቪዲታትን ረኺቦም እዮም። ንስኻን ስድራ ቤትካን ነቲ ቤትኤላውያን፡ ሰራሕተኛታት ዕዮ ረዲኤት፡ ሚስዮናውያን፡ ኣዳለውትን ወደብትን ዓበይቲ ኣኼባታት ዚገብርዎ ጻዕሪ ኽትርእዩ ኸለኹም፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ዘሎኩም ሞሳ ኸም ዚዓቢ እተረጋገጸ እዩ።
ኵለን ጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽን ኣብ ከባቢአን ንዘለዉ ክርስትያናት ብምድጋፍን ዝመጸ ኣገዳሲ ተራ ኣለወን። ኣብ ርእሲ እዚ ግን፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን “ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ኣኅዋትኩም” እትዝክሩሉ ግዜ መድብ። እዚ ኸኣ፡ ውድብ የሆዋ ንዓኻን ንደቅኻን ሓጐስኩም ከም ዝዀነ ብምግንዛብ፡ “ኣብ እምነት ጸኒዕኩም” ደው ንኽትብሉ ኺሕግዘኩም እዩ።—1 ጴጥ. 5:9፡ ትርጕም 1990።
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ውድብ ኣምላኽ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ኣርእስቲ
ብዛዕባ ታሪኽን ዕዮን ውድብ የሆዋ ዝያዳ ንኽንፈልጥ ዚሕግዘና ማእለያ ዘይብሉ መሰናድዎ ኣሎና። እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ንኽትፈልጥ ድራኸ ኼሕድረልካ ይኽእል እዩ፦
☞ ዕዮ ዘመናውያን ገየሽቲ ሓለውቲ ብኸመይ ጀሚሩ፧—ናይ 15 ሕዳር 1996 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 10-15።
☞ ኣብቲ ብ1941 እተገብረ ቲኦክራስያዊ ዓብዪ ኣኼባ፡ “መዓልቲ ቘልዑ” እንታይ ኣገዳስነት ነበራ፧—ናይ 15 ሓምለ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 8።
☞ ኣመሓዳሪ ኣካል ውሳነታት ዚገብር ብኸመይ እዩ፧—‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተማልአ መገዲ መስክር፡’ ገጽ 108-114።