ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/5 ገጽ 24-26
  • ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ገንዘብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ገንዘብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ በደላ ናብ ክቡር ብረት
  • ኣብ ፈለማ፡ ሰልዲ ዚስርሓሉ ዝነበረ መገዲ
  • ኣሽረፍትን ተገውትን ባንከኛታትን
  • ግቡእ ኣረኣእያ ገንዘብ
  • ካብ ናይ ኵሎም ዚበዝሕ እያ ኣውዲቓ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ክልተ ሳንቲም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/5 ገጽ 24-26

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ገንዘብ

“የሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረአየ። ብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ። ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚአክል፡ ኣውደቐት።”—ማርቆስ 12:41, 42።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሕ ሳዕ ገንዘብ ይጠቅስ እዩ። ንኣብነት፡ ከምቲ ኣብ ጸብጻባት ወንጌል እንረኽቦ፡ የሱስ ብዛዕባ ኣገዳሲ መሰረታዊ ስርዓታት ንምምሃር፡ እተፈላለየ ዓይነት ሰልዲ ተጠቒሙ እዩ። ካብቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓንቲ መበለት ዝወፈየቶ “ኽልተ ለብጦን” ትምህርቲ ሂቡ እዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ሰዓብቱ ንመንግስታዊ ስልጣን ብኸመይ ኪርእይዎ ኸም ዘለዎም ኬስተውዕሉ ንምሕጋዝ፡ ዲናር ዚበሃል ዓይነት ሰልዲ ተጠቒሙ እዩ።a—ማቴዎስ 22:17-21።

ገንዘብ ስለምንታይ ተማሂዙ፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይስራሕ ነበረ፧ ብኸመይ ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ነበረ፧ ብኸመይ ክንርእዮ ኸም ዚግባእከ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ንመሃር፧

ካብ በደላ ናብ ክቡር ብረት

ገንዘብ ከይተማህዘ ኸሎ፡ ሰባት ብበደላ እዮም ንግዳዊ ልውውጥ ዚገብሩ ዝነበሩ። ሸቐጥን ኣገልግሎታትን፡ ማዕሪኡ ዋጋ ብዘለዎ ኻልእ ሸቐጥን ኣገልግሎታትን ይለዋወጡ ነበሩ። ኰይኑ ግን፡ በደላ ምሹእ ኣይነበረን። እዚ ስርዓት እዚ ንኺዓዪ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ እቲ ኻልእ ሰብ ዜቕርበሉ ሸቐጥ ኪብህጎ ነበሮ። ኣብ ርእሲኡ፡ እቶም ንግዳዊ ልውውጥ ዚገብሩ ሰባት፡ ንኸም እንስሳታት ወይ እኽሊ ዝኣመሰለ፡ ኪልውጥዎ ዚደልዩ ነገር ኪስከምዎ ወይ ኪከናኸንዎ ነበሮም።

ውዒሎም ሓዲሮም፡ ንግዳዊ ልውውጥ ዚገብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ሸቐጥ ንምዕዳግን ንምሻጥን ዚሕግዝ ዝያዳ ምሹእ ሸቐጥ ከም ዜድሊ ኣስተብሃሉ። ከም እኒ ወርቂ፡ ብሩር፡ ነሓሲ ዝኣመሰለ ኽቡር ብረት ኪጥቀሙ ወሰኑ። ኣብዚ ስእሊ እዚ፡ ሓደ ነጋዳይ እተወሰነ ሸቐጥ ወይ ኣገልግሎታት ንምዕዳግ፡ እተፈላለየ ስልማታትን ግማዳትን ክቡር ብረታት ኪጥቀም ከሎ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። ልውውጥ ሸቐጥ ቅድሚ ምግባሮም፡ ነቲ ብረታት ኣብ ጽቡቕ ሚዛን ተጠንቂቖም ይመዝንዎ ነበሩ። ንኣብነት፡ ኣብርሃም ነታ ዚፈትዋ ሰበይቱ ሳራ ዚኸውን መቓብር ኪዕድግ ከሎ፡ እቲ ዚድለ መጠን ብሩር መዚኑ እዩ ኸፊሉ።—ዘፍጥረት 23:14-16።

የሆዋ ንእስራኤላውያን ብጽሑፍ ሕጊ ኣብ ዝሃቦም እዋን፡ ስሱዓት ነጋዶ ንዓማዊሎም ንምትላል፡ ናይ ሓሶት ሚዛን ወይ ዘይቅኑዕ መምዘኒ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። ቅጥፈት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍንፉን ስለ ዝዀነ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ነጋዶ፡ “ቅኑዕ ሚዛን፡ ቅኑዕ መምዘኒ . . . ይሀሉኹም” ኢሉ ኣዘዞም። (ዘሌዋውያን 19:36፣ ምሳሌ 11:1) ሎሚ፡ ሸቐጥ ዚሸጡ ሰባት፡ እቲ የሆዋ ብዛዕባ ስሱዓትን ቀጠፍትን ሰባት ዚስምዖ ዝነበረ ስምዒት ከም ዘይተለወጠ ኺዝክሩ ኣለዎም።—ሚልክያስ 3:6፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10።

ኣብ ፈለማ፡ ሰልዲ ዚስርሓሉ ዝነበረ መገዲ

እቲ ናይ ፈለማ ሰልዲ፡ ቅድሚ 700 ቅ.ክ. ኣብ ልድያ (ኣብዛ ሕጂ ቱርኪ) ተሰሪሑ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ እተፈላለዩ ሃገራት ዚርከቡ ኣንጠረኛታት፡ ብብዝሒ ሰልዲ ኼፍርዩ ጀመሩ፣ ኣብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሳ ቦታታት ዚርከቡ ሰባት ከኣ፡ ነቲ ሰልዲ ኺጥቀሙሉ ጀመሩ።

ሰልዲ ብኸመይ ይስራሕ ነበረ፧ ፈለማ፡ ሓደ ሰራሕተኛ ነቲ ዝመኸኸ ብረት ካብ እቶን ኣውጺኡ (1) ኣብ መትሓዝ ቅርጺ የፍስሶ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እተለጋገበ ኸበብቲ ዝቕርጹ ልሙጽ ብረት የፍሪ (2)። ድሕሪኡ፡ ነዚ ኣብ መንጎ ብብረት እተሰርሐ ምልክታት ወይ ስእልታት ዘለዎ ኽልተ መዓለም የእትዎ (3)። ቀጺሉ፡ ነቲ ምስሊ ኣብቲ ቕርጺ ዝሓዘ ብረት ምእንቲ ኪቐርጾ፡ ብመዶሻ ገይሩ ይወቕዖ (4)። እቲ መስርሕ ብቕልጡፍ ይካየድ ብምንባሩ፡ ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ሽዑ ዚስራሕ ሰልዲ ዝነበረ ምስሊ፡ ብልክዕ ኣብ ማእከል ኣይኰነን ዚቕረጽ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ሰራሕተኛታት ነቲ ሰልድታት ማዕረ ዋጋ ኸም ዘለዎ ንምርግጋጽ ይመዝንዎ፡ እንተ ኣድልዩ እውን ትርፊ ዝዀነ ብረት የልግሱሉ ነበሩ (5)።

ኣሽረፍትን ተገውትን ባንከኛታትን

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት እተሰርሐ ሰልድታት፡ ናብ ፍልስጥኤም ይኣቱ ነበረ። ንኣብነት፡ ናብታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ዚመጹ ዝነበሩ ነጋድያን፡ ናይ ወጻኢ ሰልድታት ሒዞም ይመጹ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ ንቤተ መቕደስ ዚወሃብ ግብሪ ብእተወሰነ ዓይነት ሰልዲ ጥራይ እዮም ዚቕበሉ ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሸረፍቲ ወይ ኣሽረፍቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪዓዩ ጀመሩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ ናይ ወጻኢ ሰልዲ ናብቲ ተቐባልነት ዘለዎ ዓይነት ሰልዲ ንምቕያር ክቡር ዋጋ የኽፍሉ ነበሩ። የሱስ ነቶም ስሱዓት ሸረፍቲ ዀነኖም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንቤት የሆዋ “ቤት ዕዳጋ”ን “በዓቲ ጐሓሉት”ን እዮም ገይሮምዎ።—ዮሃንስ 2:13-16፣ ማቴዎስ 21:12, 13።

ተቐማጦ ፍልስጥኤም እውን፡ እተፈላለየ ዓለማዊ ግብሪ ኪኸፍሉ ነበሮም። ሓደ ኻብዚ፡ እቲ ገሊኦም ተጻረርቲ ናብ የሱስ ቀሪቦም ዝሓተቱሉ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚኸፍሎ “ግብሪ” እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 22:17) ካልእ ዓይነት ግብሪ ድማ፡ ንመገዲ ዚኽፈል ግብርን ኣብ ልዕሊ ዚኣቱን ዚስደድን ኣቕሑ ዚስላዕ ቀረጽን እዩ ነይሩ። ኣብ ፍልስጥኤም ዝነበሩ ብመንግስቲ እተሸሙ ተገውቲ ወይ ተቐበልቲ ቐረጽ፡ ቀጠፍቲ ስለ ዝነበሩ፡ ብህዝቢ ይነዓቑ እዮም ነይሮም። (ማርቆስ 2:16) እቶም ተገውቲ ነቶም ከፈልቲ ተጎ ወይ ቀረጽ፡ ካብ ግቡእ ዝያዳ ኸም ዚኸፍሉ ብምግባርን ነቲ ተረፍ ንዓታቶም ብምውሳድን ሃብቲ ይድልቡ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ከም ዘኬዎስ ዝኣመሰሉ ገሊኦም ተገውቲ፡ ንመልእኽቲ የሱስ ሰሚዖም፡ ነቲ ቕጥፈቶም ሓዲጎምዎ እዮም። (ሉቃስ 19:1-10) ሎሚ እውን፡ ንክርስቶስ ኪስዕቦ ዚደሊ ሰብ፡ ኣብ ኵሉ ተግባራቱ፡ እንተላይ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታቱ፡ ብሓቀኛነት ኪመላለስ ኣለዎ።—እብራውያን 13:18።

ካልኦት ገንዘብ ዚሕዙ ዝነበሩ ጕጅለ ኸኣ፡ ባንከኛታት እዮም ነይሮም። ናይ ወጻኢ ገንዘብ ኣብ ርእሲ ምሽራፍ፡ ገንዘብ የቐምጡ፡ የለቅሑ፡ ነቶም ምሳታቶም ገንዘብ ዜቐምጡ ኸኣ ወለድ ይኸፍሉ ነበሩ። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እቶም ንኺዓዩሉ እተፈላለየ መጠን ገንዘብ እተዋቦም ባሮት ዝመሰሎ ምሳሌ፡ ነቶም ባንከኛታት ጠቒስዎም እዩ።—ማቴዎስ 25:26, 27።

ግቡእ ኣረኣእያ ገንዘብ

ሎሚ፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዚነብሩ ሰባት፡ ዜድልዮም ንኺዕድጉ ገንዘብ ኪረኽቡ ኣለዎም። ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ንንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ “ጽላል ገንዘብ” ዘጽሓፎ ነገር ሓቂ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ጥበብ “ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር” ስለ እተኽእሎ፡ ሰሎሞን፡ ጥበብ ካብ ገንዘብ ከም እትበልጽ እውን ጽሒፉ እዩ። (መክብብ 7:12) ከምዚኣ ዝዓይነታ ጥበብ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እያ እትርከብ።

የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን” ብምባል፡ ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺህልዎም ሓጊዝዎም እዩ። (ሉቃስ 12:15) ንሕና እውን ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ሓላፍነት ዚስምዓናን ሓቀኛታትን እንተ ዄንና፡ ፍቕሪ ገንዘብ እውን እንተ ዘየሕዲርና፡ ጥበበኛታት ኢና እንኸውን።—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነታ ኣብ ገጽ 26 እትርከብ፡ “ዓይነት ሰልዲ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ዓይነት ሰልዲ

● ለብጦን ነሓሲ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ እስራኤል ተዘርጊሑ ዝነበረ ዝነኣሰ ሰልዲ እዩ ነይሩ። ሸቃላይ ኣብ ውሽጢ 15 ደቒቕ፡ ክልተ ለብጦን ይኽፈሎ ነበረ። እታ መበለት፡ ኣብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ሳጹን ምጽዋት ክልተ ለብጦን እያ ኣውዲቓ ኽትከውን ዘለዋ።—ማርቆስ 12:42።

● ድሪም ብሩር፡ ሰልዲ ግሪኽ ኪኸውን ከሎ፡ ሸቃላይ ዳርጋ ምሉእ መዓልቲ ሰሪሑ ዚኽፈሎ መሃያ እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 15:8, 9) ኵሎም ኣይሁድ ዝዀኑ ሰብኡት፡ ዓመታዊ ንቤተ መቕደስ ክልተ ድሪም ግብሪ ይኸፍሉ ነበሩ።—ማቴዎስ 17:24።

● ዲናር ብሩር፡ ናይ ቄሳር ምስሊ ዘለዎ ሰልዲ ሮሜ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ ድማ፡ ሮማውያን ኣብ ዚገዝኡሉ ዝነበሩ እዋን፡ ነፍሲ ወከፍ በጽሒ ኣይሁዳዊ “ተጎ” ንምኽፋል በዚ ሰልዲ እዚ ይጥቀም ነበረ። (ሮሜ 13:7) ኣስራሒ፡ ን12 ሰዓት ንዝሰርሐ ሸቃላይ ሓደ ዲናር ይኸፍል ነበረ።—ማቴዎስ 20:2-14።

● ሲቃል ብሩር ዚበሃል ኣብ ከተማ ጢሮስ ብጽሩይ ብሩር ዚስራሕ ዓይነት ሰልዲ እውን ነይሩ እዩ። እዚ ሰልዲ እዚ፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ፍልስጥኤም ተዘርጊሑ ነበረ። እቲ ሊቃውንቲ ኻህናት ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ንየሱስ ኣሕሊፉ ንኺህቦም ኢሎም ዝመዘኑሉ 30 “ቕርሺ” ወይ “ቕርሺ ብሩር” (ትርጕም 1990)፡ ሲቃል ጢሮስ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 26:14-16።

ስእሊ እዚ ሰልድታት፡ ልክዕ መጠን የርኢ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ