ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/12 ገጽ 9
  • ክልተ ሳንቲም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክልተ ሳንቲም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ገንዘብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣርኣያ​—እታ ድኻ መበለት
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ካብ ናይ ኵሎም ዚበዝሕ እያ ኣውዲቓ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
km 4/12 ገጽ 9

ክልተ ሳንቲም

ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ደገፍ ክንገብረሉ እንኽእል ሓደ ኣገዳሲ መገዲ፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ዚኸውን ውጽኢት ገንዘብ ብምሃብ እዩ። ብዙሕ ገንዘብ ዘይብልና እንተደኣ ዄንናኸ፧

የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓንቲ ድኻ መበለት ኣብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ሳጹን ምጽዋት፡ ክልተ ሳንቲም ከተውድቕ ከላ ረኣየ። እታ መበለት ንየሆዋ ዝነበራ ፍቕሪ፡ “ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ” ንኽትህብ ደረኻ። (ማር. 12:41-44) የሱስ ብዛዕባ እዚ ምጥቃሱ፡ እቲ ዝሃበቶ ውጽኢት ገንዘብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝለዓለ ዋጋ ኸም ዝነበሮ ይሕብር። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ነቲ ንኣገልግሎት ዚግበር ዝነበረ ገንዘባዊ ደገፍ ንሃብታማት ክርስትያናት ጥራይ ከም ዚምልከት ገይሮም ኣይሓስብዎን እዮም ነይሮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብነት ሰብ መቄዶንያ ጠቒሱ፡ “ኣዝዮም ድኻታት እኳ እንተ ኾኑ . . . ኪሳተፉ ግደ ኪወሃቦም ኣበርቲዖም ለመኑና” በለ።—2 ቈረ. 8:1-4፡ ትርጕም 1990።

ስለዚ፡ እቲ ኽንውፍዮ እንኽእል ውጽኢት ገንዘብ ‘ክልተ ሳንቲም’ ጥራይ እንተ ዀይኑ፡ ብዙሕ ሒደት ውጽኢታት ገንዘብ ተደማሚሩ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ኪኸውን ከም ዚኽእል ክንርስዕ የብልናን። ካብ ልቢ ኽንህብ ከለና፡ እቲ ለጋስ ሰማያዊ ኣቦና ይሕጐስ እዩ፣ ከመይሲ፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ።”—2 ቈረ. 9:7።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ