ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/12 ገጽ 27-29
  • ከም ጓል ይፍታሕ እየ ክኸውን ዝደሊ ነይረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከም ጓል ይፍታሕ እየ ክኸውን ዝደሊ ነይረ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድሕረ ባይታ ስድራ ቤተይ
  • ካብ ዓይነይ ከም “ቅራፍ” ዝበለ ወደቐ
  • የሆዋ መሪሑኒ እዩ
  • “በይንና ኣይኰንናን”
  • “ክእለትኪ ብዘይምቍራጽ ኣመሓይሺ”
  • “ናብራ ኽትገብሪ ኣይትደልይን ዲኺ፧”
  • ካብ የሆዋ እተቐበልክዎ ውህበት
  • ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን መሓዙታን ትፍቶ ነበረት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኣቦኣን ንየሆዋን ኣሐጐሰቶም
    ንደቅኻ ምሃሮም
  • ተኣማንነት ናብ ስምረት ኣምላኽ ይመርሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ናይ ይፍታሕ መብጽዓ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/12 ገጽ 27-29

ከም ጓል ይፍታሕ እየ ክኸውን ዝደሊ ነይረ

ጆኣን ሶንስ ዘዘንተወቶ

ገና ጐርዞ ኸለኹ፡ ከም ጓል ይፍታሕ ናይ ምዃን ሓያል ባህጊ ሓደረኒ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝደለኹን ኣብ መወዳእታኡ ብኸመይ ከምኣ ኸም ዝዀንኩን እስከ ኸዘንትወልኩም።

ብ1956 ኣብ ቦምበይ (ሕጂ ሙምባይ)፡ ህንዲ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ንህይወተይ ዝቐየሮ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣከብኩ። ኣብኡ ኸኣ፡ በቲ ብዛዕባ ጓል ይፍታሕ ዝሰማዕክዎ መደረ ኣዝየ ተተንከፍኩ።

ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ፡ እታ ገና ጐርዞ ነይራ ኽትከውን እትኽእል ጓል ይፍታሕ፡ ንኸይትምርዖ ተሰማምዐት። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኣቦኣ መብጽዓኡ ኺፍጽም ከኣለ። ንሳ ድማ ከይተመርዓወት ኣብ ቤት የሆዋ ወይ ኣብ ማሕደር ምሉእ ዕድሚኣ ተገልግል ነበረት።—መሳፍንቲ 11:28-40።

ኣነ እውን ከምኣ ክኸውን ደለኹ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ህንዲ ኸይተመርዓኻ ምንባር ምስ ባህልና ዚጻረር ስለ ዝነበረ፡ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።

ድሕረ ባይታ ስድራ ቤተይ

እቶም ቤንጃሚን ሶንስን ማርሰሊና ሶንስን ዚብሃሉ ወለደይ ካብ ዝወለድዎም ሽዱሽተ ውሉዳት፡ ኣነ ሓምሸይቲ እየ ነይረ፣ ኣብታ ኡዱፒ እትብሃል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ህንዲ እትርከብ ከተማ እየ ኸኣ ተወሊደ። ቋንቋ ኣዴና፡ ቱሉ ዚብሃል ኰይኑ፡ ብኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት እዩ ዚዝረብ። ይኹን እምበር፡ ከም መብዛሕኦም ነበርቲ ኡዱፒ፡ ብቛንቋ ካነዳ ኢና ተማሂርና።

ኣብቲ ዝዓበኹሉ ኸባቢ፡ ሓዳር ምግባርን ቈልዑ ምዕባይን ዓብዪ ግምት እዩ ዚወሃቦ። ብቛንቋ ቱሉ፡ ብዛዕባ “ኸይተመርዓኻ ምንባር፡ ብዛዕባ “ጽምዋ፡” ወይ ከኣ ብዛዕባ “ናፍቖት” ዚገልጽ ቃላት ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ። ከምኡ ዓይነት ኵነታት ዘሎ እውን ኣይመስልን እዩ። ንኣብነት፡ ስድራ ቤትና፡ ኣቦሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ኣኮታትናን ኣሞታትናን ሓትኖታትናን ኣዝዮም ብዙሓት ደቂ ኣኮታትናን ኣሞታትናን ሓትኖታትናን ዝሓቘፈት እያ ነይራ።

ኣብ ባህልና፡ ቈልዑ ኸም ክፋል ስድራ ቤት ኣደ ጌርካ እዮም ዚረኣዩ። ወለዶ ዚቝጸር፡ ብሸነኽ ኣደ እዩ፣ ዝበዝሐ ውርሻ ዚወሃበን እውን እተን ኣዋልድ እየን። ኣብ ገሊኡ ማሕበረሰብ ቱሉ፡ ሓንቲ ጓል ድሕሪ መርዓ እውን እንተ ዀነ ምስ ኣዲኣ እያ እትቕመጥ፣ ሰብኣያ ኸኣ ምስኣ ይቕመጥ።

ስድራ ቤትና ኣባል ህዝበ ክርስትያን ኣብ ዝዀነትሉ እዋን፡ ገሊኡ ነገራት ተቐየረ። ምሸት ምሸት ኣቦሓጎይ ነቲ ብስድራ ቤት እንገብሮ ዝነበርና ኣምልኾ ይመርሖ ኸምኡውን ይጽልየልናን ካብቲ ብቛንቋ ቱሉ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ዓው ኢሉ የንብበልናን ነበረ። ነቲ ዝኣረገ መጽሓፍ ቅዱሱ ኺግንጽሎ ኸሎ፡ ስልማት ዝመልአ ሳጹን እተኸፍተ ዀይኑ ይስምዓና ስለ ዝነበረ፡ ኣዚና ኢና እንሕጐስ ኔርና። እታ፡ “እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ጓሳይየይ እዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን” እትብል መዝሙር 23:1፡ ኵሉ ሳዕ ትስሕበኒ ነበረት። ‘የሆዋ መን እዩ፧ ጓሳ ተባሂሉ እተጸውዐኸ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢለ ድማ እሓስብ ነበርኩ።

ካብ ዓይነይ ከም “ቅራፍ” ዝበለ ወደቐ

ብምኽንያት እቲ ደድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠመ ቝጠባዊ ጸገማት፡ ናብታ ልዕሊ 900 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ቦምበይ ገዓዝና። ብ1945 ድማ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤትና መጺኦም፡ ንኣቦይ ብቛንቋ ካነዳ እተዳለወት ንእሽቶ ጽሕፍቲ ሃብዎ። ኣቦይ ንመልእኽቲ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ጽሕፍቲ ኸም ማይ ሰተዮ፣ ንተዛረብቲ ቛንቋ ካነዳ ኸኣ ኬካፍሎም ጀመረ። ኣብ መጀመርታ 1950ታት እታ ንእሽቶ ጕጅለ መጽናዕቲ ዝነበረ ዓብያ፡ ኣብ ቦምበይ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ካነዳ ዀነት።

ኣቦይን ኣደይን፡ በላሕቲ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ንፉዓት መምህራንን ክንከውን ምሂሮምና እዮም። በብመዓልቱ ምሳና ይጽልዩን የጽንዑን ነበሩ። (ዘዳግም 6:6, 7፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:14-16) ሓደ መዓልቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከለኹ፡ ካብ ዓይነይ ከም ቅራፍ ዝበለ ወደቐ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:18) የሆዋ ምስ ጓሳ እተመሳሰለሉ ምኽንያት፡ ንኣምለኽቱ ስለ ዚመርሖምን ስለ ዚምግቦምን ስለ ዜዕቍቦምን ከም ዝዀነ ተረዳእኩ።—መዝሙር 23:1-6፣ 83:18።

የሆዋ መሪሑኒ እዩ

ብ1956 ኣብ ቦምበይ ዘይርሳዕ ኣኼባ ኣውራጃ ድሕሪ ምግባርና ነዊሕ ከይጸንሐ ተጠመቕኩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ነቲ ፕራባካር ዝስሙ ዓብዪ ሓወይ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ብምስዓብ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ኰንኩ። ንኻልኦት ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ከካፍሎም እህንጠ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ክዛረብ ክጅምርን ኣፈይ ብፍርሂ ኺነቕጽን ሓደ እዩ ዚኸውን ነይሩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ወታእታእ እብልን ድምጸይ ይቈራረጽን ነበረ። ‘ነዚ ዕዮ እዚ ብዘይ ሓገዝ የሆዋ ኣይክእሎን እየ’ ኢለ ድማ ሓሰብኩ።

የሆዋ በቶም ሆመር ማኬን ሩት ማኬን ዚብሃሉ ኻብ ካናዳ ዝመጹ ሚስዮናውያን ገይሩ ሓገዘኒ፣ እዞም ሚስዮናውያን እዚኣቶም፡ ብ1947 ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቤት ትምህርቲ ሚስዮናውያን እተኻፈሉ እዮም ነይሮም። ኣብ ኣገልግሎት ከም ቈልዓ ታተ እብል ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ብምሳልያዊ መገዲ ብኢደይ ሒዞም እዮም ሓጊዞምኒ። ወትሩ ምስ ሩት ኴንና፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከለና እንጥቀመሉ ኣቀራርባ ንለማመድ ነበርና። ብኸመይ ከም እተህድኣኒ ትፈልጥ ነበረት። ነተን ዜንቀጥቅጣ ኣእዳወይ ሒዛ፡ “ኣጆኺ። ኣብታ እትቕጽል ቤት እስከ ንፈትን” ትብለኒ ነበረት። እቲ ዜበራትዕ ቃና ድምጻ፡ ትብዓት ይህበኒ ነበረ።

ሓደ መዓልቲ፡ እታ ኤሊዛቤት ቻክራናሪያን ዝስማ ብዕድመ ዝደፍአትን ምክርትን መምህር መጽሓፍ ቅዱስ፡ መገላግልተይ ከም እትኸውን ተነግረኒ። ኣብ ፈለማ፡ ‘ከመይ ገይረ እየ ምስዛ ሓብቲ እዚኣ ኽነብር ዝኽእል፧ ካባይ እኮ ኣዝያ እያ እትዓቢ’ ኢለ ሓሰብኩ። ኰይኑ ግና፡ ንዓይ እተድልየኒ መገላግልቲ እያ ነይራ።

“በይንና ኣይኰንናን”

ፈለማ ኣብታ ኻብ ቦምበይ ብሸነኽ ምብራቕ ኣስታት 400 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣውራንጋባድ እትብሃል ታሪኻዊት ከተማ ተመደብና። ኣብዛ ኸባቢ ሓደ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ዚነብሩላ ኸተማ፡ ንሕና ጥራይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ተገንዘብና። ብዘይካዚ፡ ነቲ ማራቲ ዚብሃል ኣብታ ኸተማ ዚዝረበሉ ልሙድ ቋንቋ ኽመሃር ነበረኒ።

ሓድሓደ ግዜ፡ ጽምዋ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ፡ ልክዕ ከም ኣደ ዘይብሉ ሕጻን እበኪ ነበርኩ። ኤሊዛቤት ግና፡ ልክዕ ከም ኣደይ ኰይና ተጸናንዓኒ ነበረት። “ሓድሓደ ግዜ፡ ጽምዋ ኺበልዓና ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ በይንና ግና ኣይኰንናን። ካብ ፈተውትኽን ስድራ ቤትክን ርሒቕኪ ትነብሪ እኳ እንተ ኣለኺ፡ የሆዋ ግና ወትሩ ምሳኺ ኣሎ። ንዕኡ ፈታዊኺ እንተ ጌርክዮ፡ ጽምዋኺ ኺርሕቕ እዩ” ትብለኒ ነበረት። ነቲ ምኽራ ኽሳዕ ሎሚ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ።

ንመጓዓዝያ ዚኸውን ገንዘብ ኪውሕደና ኸሎ፡ በብመዓልቱ ዶሮናን ጭቓን ሃሩርን ዛሕልን ክኢልና፡ ብእግርና ኽሳብ 20 ኪሎ ሜተር ንጓዓዝ ነበርና። ኣብ ግዜ ሓጋይ፡ ሙቐት ክሳዕ 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ይበጽሕ ነበረ። ብግዜ ኽራማት፡ ገሊኡ ኽፋል እቲ ኽሊ፡ ንኣዋርሕ ይጭቁ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ዅነታት ኣየር ንላዕሊ፡ ባህላዊ ኣረኣእያ እቶም ተቐማጦ እዩ ኣሸጊሩና ነይሩ።

ኣንስቲ ምስ ኣዝማደን እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምስ ሰብኡት ኪዘራረባ ኣይክእላን እየን ነይረን፣ ንሰብኡት ኪምህራኦም እውን ዘይተለምደ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የላግጹልናን ይጸርፉናን ነበሩ። ኣብተን ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ክልቴና ጥራይ ኢና ሰሙናዊ ኣኼባ መጽሓፍ ቅዱስ ንገብር ኔርና። ጸኒሑ ግና፡ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ሓበሩና። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንእሽቶ ጕጅለ ተመስረተት። አረ ምሳና ናብ ኣገልግሎት ዚኸዱ እውን ነይሮም እዮም።

“ክእለትኪ ብዘይምቍራጽ ኣመሓይሺ”

ድሕሪ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን፡ እንደገና ናብ ቦምበይ ተመደብና። ኤሊዛቤት ኣብ ኣገልግሎት እኳ እንተ ቐጸለት፡ ኣነ ግና ነቲ በይኑ ንጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ካነዳ ዚትርጕም ዝነበረ ኣቦይ ክሕግዞ ተሓተትኩ። ኣብ ጉባኤ ብዙሕ ሓላፍነት ስለ ዝነበሮ፡ ንኽሕግዞ ብምምጽአይ ተሓጐሰ።

ብ1966 ወለደይ ናብቲ ኣብ ኡዱፒ ዝነበረ ናይ ቀደም ቤትና ኺምለሱ ወሰኑ። ኣቦይ ካብ ቦምበይ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ “ዛጓለይ፡ ክእለትኪ ብዘይምቝራጽ ኣመሓይሺ። ብቐሊልን ብንጹር መገዲ ተርጕሚ። ብርእስኺ ኣይትተኣማመኒ፡ ትሕትቲ ኸኣ ኩኒ። ኣብ የሆዋ ድማ ተወከሊ” በለኒ። ናብ ኡዱፒ ኻብ ዚምለስ ብዙሕ ከይጸንሐ ስለ ዝዓረፈ፡ እታ ምኽሩ ናይ መወዳእታ እያ ነይራ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ዕዮ ትርጕም ክዓዪ ኸለኹ፡ ነቲ ንሱ ዝሃበኒ ምኽሪ ኽስዕቦ እጽዕር እየ።

“ናብራ ኽትገብሪ ኣይትደልይን ዲኺ፧”

ኣብ ባህልና፡ ወለዲ ንደቆም፡ ገና ንኣሽቱ ኸለዉ እዮም መጻምድቲ ዚመርጹሎም፣ ቈልዑ ኺወልዱ ኸኣ የተባብዕዎም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብዙሕ ሳዕ፡ “ናብራ ኽትገብሪ ኣይትደልይን ዲኺ፧ ብዕድመ ምስ ደፋእኪ፡ መን ኣለይመለይ ኪብለኪ እዩ፧ ኣይጽምወክን ድዩ፧” ዚብል ሕቶታት ይቐርበለይ ነበረ።

ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተደጋጋሚ ዘረባ፡ ዓቕለይ እዩ ዜጽብበለይ ነይሩ። ምስ ካልኦት ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንስምዒተይ እቈጻጸሮ እኳ እንተ ዀንኩ፡ በይነይ ክኸውን ከለኹ ግና፡ ልበይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ አፍስስ ነበርኩ። የሆዋ፡ ንጽል ብምዃነይ ከም ጐደሎ ገይሩ ኸም ዘይርእየኒ ምፍላጠይ የጸናንዓኒ ነበረ። ነቲ ንዕኡ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ከገልግሎ ዝወሰንክዎ ውሳነ ንምድልዳል፡ ብዛዕባ ጓል ይፍታሕን ብዛዕባ የሱስን እየ ዝሓስብ፣ ክልቲኦም ንጽልን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ዘተኰሩን እዮም ነይሮም።—ዮሃንስ 4:34።

ካብ የሆዋ እተቐበልክዎ ውህበት

ኣነን ኤሊዛቤትን ንልዕሊ 50 ዓመት ናይ ቀረባ መሓዙት ኢና ኔርና። ንሳ ብ2005 ኣብ 98 ዓመት ዕድሚኣ ሞተት። ኣብቲ ኣጋ መወዳእታ ዓመታት፡ ብምኽንያት ድኻም ዓይኒ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ብዘይምኽኣላ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ናብ ኣምላኽ ነዊሕን ልባውን ጸሎት ከተቕርብ እያ እትውዕል ነይራ። ምስ ካልእ ሰብ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እትዘራረብ ዘላ መሲሉኒ ናብ ክፍላ ኽኣቱ ኸለኹ፡ ናብ የሆዋ ኽትጽሊ ኸላ እረኽባ ነበርኩ። የሆዋ ንዓኣ ጋህዲ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዘላ ዀይና እያ እትመላለስ ነይራ። ኣነ እውን ልክዕ ከም ጓል ይፍታሕ ኣብቲ ንየሆዋ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽጸንዕ፡ ከምኡ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ። የሆዋ ነዛ ብዕድመ ዝደፍአትን ብስልትን ሓብቲ ተጠቒሙ፡ ኣብ ግዜ ንእስነተይ ኰነ ኣብቲ እተጨነቕኩሉ እዋን ስለ ዘሰልጠነንን ስለ ዘተባብዓንን አመስግኖ እየ።—መክብብ 4:9, 10።

ንየሆዋ ልክዕ ከም ጓል ይፍታሕ ስለ ዘገልገልክዎ፡ ብዙሕ በረኸት እየ ረኺበ። ንጽል ብምዃነይን ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓበይን፡ ባህ ዜብልን ዓስቢ ዘለዎን ህይወት ኪህልወኒ ኽኢሉ እዩ፣ ‘ከይተነቓነቕኩ ብጐይታ ኽጸንዕ’ እውን ክኢለ እየ።—1 ቈረንቶስ 7:35።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣቦይ ብ1950ታት ኣብ ቦምበይ ህዝባዊ መደረ ኬቕርብ ከሎ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኤሊዛቤት ቀቅድሚ ሙማታ ብሓባር እተሰኣልናዮ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ብ1960 ኣብ ቦምበይ ብዛዕባ ዚግበር መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ ኸነፋልጥ ከለና

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ክፍሊ ትርጕም ምስ ዚዓዩ መሳርሕተይ እተሰኣልክዎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ