ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/3 ገጽ 10-14
  • ንሰባት ‘ካብ ድቃስ ኪበራበሩ’ ሓግዞም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሰባት ‘ካብ ድቃስ ኪበራበሩ’ ሓግዞም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንፈሳዊ ድቃስ እንታይ እዩ፧
  • ንባዕልና ንቑሓት ክንከውን ኣሎና
  • ኣገልግሎትና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ኣስተብሃሊ ኹን
  • ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
  • ሕያውነትን ክእለትን
  • ንኣዝማድና ብህድኣት ካብ ድቃስ ነበራብሮም
  • ከመይ ገይረ እየ እኹል ድቃስ ክረከብ ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ነዝማድና ብኸመይ ክንምስክረሎም ንኽእል፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ናይ ምዝርራብ ክእለትካ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/3 ገጽ 10-14

ንሰባት ‘ካብ ድቃስ ኪበራበሩ’ ሓግዞም

“ሕጂ ካብ ድቃስ እትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ።”​—ሮሜ 13:11።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

ክርስትያናት ብመንፈስ ንቑሓት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ንቑሓት ኣገልገልቲ፡ ጽን ኪብሉን ኬስተብህሉን ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ሕያውነትን ህድኣትን ኣብ ኣገልግሎትና እንታይ ግደ ኣለዎ፧

1, 2. ብዙሓት ሰባት ካብ ምንታይ እዮም ኪበራበሩ ዘለዎም፧

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ማኪና እናዘወሩ ኸለዉ ትኽስ ስለ ዚብሉ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ስለ ዚድቅሱ፡ ኣደዳ ሞት ይዀኑ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ብእዋኑ ኻብ ድቃስ ስለ ዘይትንስኡ ወይ ከኣ ኣብ መንጎ ስራሕ ስለ ዚድቅሱ፡ ካብ ስራሖም ይስጐጉ እዮም። ይኹን እምበር፡ መንፈሳዊ ብዕዛዘ፡ ዝኸፍአ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ዚነቅሕ . . . ብጹእ እዩ” ዚብል።—ራእ. 16:14-16።

2 ኣብዚ መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት እትመጸሉ ዘላ እዋን፡ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ኣብ መንፈሳዊ ድቃስ እዮም ዘለዉ። ገሊኦም መራሕቲ ህዝበ ክርስትያን እውን እንተ ዀኑ፡ ንመጓሰኦም፡ ‘ደቂሱ ዘሎ ዓርሞሸሽ’ ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎ። መንፈሳዊ ድቃስ እንታይ እዩ፧ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንቑሓት ኪዀኑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንኻልኦት ካብ ድቃስ ኪበራበሩ ኽንሕግዞም እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

መንፈሳዊ ድቃስ እንታይ እዩ፧

3. ንሓደ ብመንፈስ ንቑሕ ዘይኰነ ሰብ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

3 ደቀስቲ ሰባት፡ መብዛሕትኡ እዋን ንጡፋት ኣይኰኑን። ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ብመንፈስ ዚድቅሱ ሰባት፡ ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ብስራሕ ትሑዛት እዮም። ኣብ መዓልታዊ ጭንቀት ስለ ዚወሓጡ፡ ደድሕሪ ተድላን ዝናን ሃብትን ድማ ስለ ዚጐይዩ፡ ብስራሕ ኣዝዮም ትሑዛት እዮም። ይኹን እምበር፡ ነቲ ብመንፈስ ዜድልዮም ዘበለ ነገራት ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። ብመንፈስ ንቑሓት ዝዀኑ ሰባት ግና፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ስለ ዚግንዘቡ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር እዮም ዜተኵሩ።—2 ጴጥ. 3:3, 4፣ ሉቃ. 21:34-36።

4. እቲ፡ “ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ” ዚብል ማዕዳ፡ እንታይ ኣገዳስነት እዩ ዘለዎ፧

4 ቀዳማይ ተሰሎንቄ 5:4-8 ኣንብብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ” ኢሉ መዓዶም። እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ሓደ ኻብቲ ‘እንድቅሰሉ’ መገዲ፡ ንኣገዳስነት ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዕሽሽ ብምባል እዩ። እቲ ኻልኣይ መገዲ ኸኣ፡ እቲ የሆዋ ንእኩያት ዜጥፍኣሉ እዋን ከም ዝቐረበ ኣብ ግምት ብዘይምእታው እዩ። ስለዚ፡ ብመንፈስ ዝደቀሱ ሰባት ከይጸልዉናን ንመንገዶምን ንኣረኣእያኦምን ከም እንስዕብ ከይገብሩናን ክንጥቀቕ ኣሎና።

5. ብመንፈስ ዝደቀሱ ሰባት ዚልለዩሉ ኣተሓሳስባ እንታይ እዩ፧

5 ገሊኦም ሰባት፡ ዚጸባጸቦም ኣምላኽ ዘየለ ይመስሎም። (መዝ. 53:1) ገሊኣቶም ከኣ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ሰብ ስለ ዘይግደስ፡ ሰባት እውን ብዛዕባኡ ኺግደሱ ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዖም። ብዘይካዚ፡ ኣባል ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝዀኑ ጥራይ፡ ምስ ኣምላኽ ዚተዓራረኹ ዀይኑ ዚስምዖም ሰባት እውን ኣለዉ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት፡ ብመንፈስ ደቂሶም እዮም ዘለዉ። ካብ ድቃስ ድማ ኪበራበሩ ኣለዎም። ብኸመይ ኢና ግና ኽንሕግዞም እንኽእል፧

ንባዕልና ንቑሓት ክንከውን ኣሎና

6. ክርስትያናት ብመንፈስ ንቑሓት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

6 ንኻልኦት ካብ ድቃስ ኪበራበሩ ኽንሕግዞም እንተ ዄንና፡ ንባዕልና ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። እዚ እንታይ የጠቓልል፧ ቃል ኣምላኽ ንምሳልያዊ ድቃስ ምስቲ ጓይላን መስተን ምንዝርናን ዕብዳንን ባእስን ቅንኣትን ዚንጸባረቖ “ግብሪ ጸልማት” እዩ ዜተሓሕዞ። (ሮሜ 13:11-14 ኣንብብ።) ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክንርሕቕን የጸግመና ይኸውን። ስለዚ፡ ንቑሓት ክንከውን ኣገዳሲ እዩ። ሓደ መራሕ ማኪና፡ ነቲ እናዘወርካ ምድቃስ ዘለዎ ሓደጋ ኣቕሊሉ ዚርእዮ እንተ ዀይኑ፡ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኼእትዋ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ክርስትያን፡ መንፈሳዊ ድቃስ ናብ ሞት ኪመርሖ ኸም ዚኽእል ኬስተውዕል ኣለዎ።

7. ብዛዕባ ሰባት ኪህልወና ዚኽእል ግጉይ ኣረኣእያ ኺጸልወና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

7 ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን፡ ኵሎም እቶም ኣብ ክሉ ዘለዉ ሰባት ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይቅበልዎ ገይሩ ይሓስብ ይኸውን። (ምሳ. 6:10, 11) ‘ዚሰምዕ ሰብ እንተ ዘየልዩ፡ ንምንታይ ኢና ንሰባት ክንሕግዞም እንጽዕር፧’ እውን ይብል ይኸውን። ሓቂ እዩ፡ ብዙሓት ሰባት ብመንፈስ ደቂሶም እዮም ዘለዉ፣ ኰይኑ ግና፡ ኵነታቶም ወይ ኣረኣእያኦም ኪቕየር ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ካብ መንፈሳዊ ድቃስ ይበራበሩን ጽቡቕ ምላሽ ይህቡን ኣለዉ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክንሕግዞም እንኽእል፡ ንሕና ንባዕልና ንቑሓት ብምዃን፡ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዚስሕብ መገዲ ኸነቕርቦ ኽንጽዕር ከለና እዩ። ስለዚ፡ ንቑሓት ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣገልግሎትና ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ክንዝክር ኣሎና።

ኣገልግሎትና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

8. ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

8 ሰባት ዚህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ፡ ዕዮ ስብከትና ንየሆዋ ኸም ዜኽብሮን ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ግደ ኸም ዘለዎን ክንዝክር ኣሎና። ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ እቶም ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘይተኣዘዝዎ ሰባት፡ ብኣምላኽ ኪቕጽዑ እዮም። እቲ ሰባት ንዕዮ ስብከትና ዚህብዎ ምላሽ፡ ንፍርዲ መሰረት ኪኸውን እዩ። (2 ተሰ. 1:8, 9) ሓደ ክርስትያን፡ ‘ጻድቃንን ሓጥኣንን ስለ ዚትንስኡ፡’ ኣብ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት ኪካፈል ከም ዘየድሊ ገይሩ ኺሓስብ የብሉን። (ግብ. 24:15) ብመሰረት ቃል ኣምላኽ፡ እቶም ከም “ኣጣል” ዚፍረዱ ሰባት፡ ናብ “ናይ ዘለኣለም ስቓይ” ከም ዚኸዱ ንፈልጥ ኢና። ብዘይካዚ፡ ዕዮ ስብከትና መግለጺ ምሕረት ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንሰባት፡ ከም ዚልወጡን “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ከም ዚረኽቡን ኪገብሮም ይኽእል እዩ። (ማቴ. 25:32, 41, 46፣ ሮሜ 10:13-15) ኣብቲ ዕዮ እቲ ዘይንካፈል እንተ ዄንና ግና፡ ሰባት ከመይ ገይሮም እዮም ነቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ኺሰምዕዎ፧

9. ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋል፡ ንዓኻን ንኻልኦትን ዚጠቅም ብኸመይ እዩ፧

9 ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንዓና እውን ይጠቕመና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16 ኣንብብ።) ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽን ምዝራብ፡ ንእምነትካን ነታ ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕርን ደይኰነን ዜደልድላ፧ ክርስትያናዊ ባህርያት ንኸተማዕብል ደይኰነን ዚሕግዘካ፧ ኣብ ኣገልግሎት ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ክትገልጽ ከለኻ፡ ሓጐስ ደይኰነን ዜምጽኣልካ፧ ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ናይ ምምሃር ፍሉይ ኣጋጣሚ ዝረኸቡ ብዙሓት ሰባት፡ ህይወት እቶም ዝመሃርዎም ሰባት ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ኪመሓየሽ ከሎ ብምርኣዮም ተሓጒሶም እዮም።

ኣስተብሃሊ ኹን

10, 11. (ሀ) የሱስን ጳውሎስን፡ ንቑሓትን ኣስተብሃልትን ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ንቑሕን ኣስተብሃልን ምዃን ንኣገልግሎትና ብኸመይ ከም ዜመሓይሾ ግለጽ።

10 እተፈላለየ መገዲ ብምጥቃም፡ ሰባት ብብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚሰሓቡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ክርስትያን ኣገልገልቲ ኣስተብሃልቲ ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ፍጹም ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ፈሪሳዊ ብውሽጡ ኸም እተቘጥዐ፡ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ኻብ ልባ ኸም እተነስሐት፡ ከምኡውን ሓንቲ መበለት ዘለዋ ዅሉ ኸም ዝሃበት ኪፈልጥ ከኣለ። (ሉቃ. 7:37-50፣ 21:1-4) ብዘይካዚ፡ ንዅሎም ሰባት፡ ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት ኬማልኣሎም ይኽእል ነበረ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ብዚግባእ ምእንቲ ኼስተብህል፡ ፍጹም ኪኸውን ኣየድልዮን እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። እተፈላለየ መበቈልን ኣረኣእያን ንዘለዎም ሰባት ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ኣቀራርባኡ ይቐያይር ነበረ።—ግብ. 17:22, 23, 34፣ 1 ቈረ. 9:19-23።

11 ንሕና እውን ልክዕ ከም የሱስን ጳውሎስን ንቑሓትን ኣስተብሃልትን እንተ ዄንና፡ ንተገዳስነት እቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ብኸመይ ከም እነለዓዕሎ ኽንፈልጥ ኢና። ንኣብነት፡ ንሰባት ክትቀርቦም ከለኻ፡ ብዛዕባ ባህሎም፡ ብዛዕባ ዜገድሶም ነገራት፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ ስድራ ቤቶም ዚሕብር ነገራት እንተ ኣልዩ ኽትርኢ ጽዓር። ምናልባት እንታይ ይገብሩ ኸም ዘለዉ እንተ ኣስተብሂልካ፡ ምስኣቶም ምይይጥ ምእንቲ ኽትጅምር፡ ብዛዕባ እቲ ዚዓይዎ ዘለዉ ዕዮ ብትሕትና ርእይቶኻ ኽትህብ ትኽእል ኢኻ።

12. ብዛዕባ እቲ ምስ ብጻይና ኣብ መንጎ ኣገልግሎት እንገብሮ ዕላል ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ንቑሕን ኣስተብሃልን ዝዀነ ሰብ፡ ኣቓልቦኡ ኸይውሰድ ይጥንቀቕ እዩ። ኣብ መንጎ ኣገልግሎት ምስ መገላግልትና እንገብሮ ዕላል፡ ሃናጺ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ እንኸደሉ ዕላማ፡ ንኻልኦት ንኽንሰብከሎም ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። (መክ. 3:1, 7) ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ኣገልግሎት እንዘራረቦ ነገር፡ ንኣገልግሎትና ዕንቅፋት ኪዀነና የብሉን። ተገዳስነት ምስ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ እንዘራረበሉ ነጥብታት ነዕልል እንተ ዄንና፡ ኣእምሮና ኻብቲ ዕላማና ኣየስግልን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ሞባይል ተሌፎን ኣብ ኣገልግሎትና ውጽኢታውያን ንኽንከውን ኪሕግዘና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ምስ ብዓል ቤት እንገብሮ ምይይጥ ዚዕንቅፍ ከይከውን ክንጥንቀቕ ኣሎና።

ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ

13, 14. (ሀ) ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ብዛዕባ ዜገድሶም ነገራት ክንፈልጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ሰባት ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዚግደሱ ኺገብሮም ዚኽእል እንታይ እዩ፧

13 ንቑሓት ዝዀኑ ኣገልገልቲ፡ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዚረኽብዎም ሰባት ጽን ኢሎም ይሰምዕዎም እዮም። ኣብ ክልኻ ዚርከቡ ሰባት ስምዒቶም ምእንቲ ኺገልጹልካ፡ እንታይ ሕቶታት ኢኻ ኽትጥቀም እትኽእል፧ ብዛዕባ ብዝሒ ሃይማኖት፡ ኣብ ከባቢኦም ብዛዕባ ዘሎ ዓመጽ፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ ፍሽለት መንግስትታት ድዩ ዜተሓሳስቦም፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍጥረት ዚርአ ዜደንቕ ንድፊ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ግብራዊ ምኽሪ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት ከም ዚግደሱ ኽትገብሮም ትኽእልዶ፧ ዳርጋ ኻብ ኵሉ ባህሊ ዝመጹ ሰባት፡ እንተላይ እቶም ኣብ ህልውና ኣምላኽ ዘይኣምኑ፡ ብዛዕባ ጸሎት ይግደሱ እዮም። ብዙሓት ሰባት ድማ፡ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል እንተ ኣልዩ ይሓትቱ እዮም። ብዘይካዚ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ‘ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይሰምዖ ድዩ፧ ዘይሰምዖ እንተ ዀይኑ፡ ጸሎትና ብእኡ ምእንቲ ኺስማዕ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧’ ዚብል ሕቶታት የተሓሳስቦም እዩ።

14 ምስ ምኩራት ኣስፋሕቲ ብምግልጋል፡ ብኸመይ ዝርርብ ከም እንጅምር ክንመሃር ንኽእል ኢና። እቶም ምኩራት ኣስፋሕቲ፡ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዚረኽብዎም ሰባት፡ ሕቶ ኣብ ልዕሊ ሕቶ ብምቕራብ ከም ዘየጨንቕዎም ወይ ከኣ ኣብ ዘየእትዎም ጕዳይ ከም ዘይኣትዉ ኣስተብህል። ብዘይካዚ፡ እቶም ኣስፋሕቲ፡ ብዛዕባ ርእይቶ እቲ ብዓል ቤት ከም ዚግደሱ፡ ኣብ ቃና ድምጾም ይስማዕ፡ ኣብ ገጾም እውን ይንበብ እዩ።—ምሳ. 15:13።

ሕያውነትን ክእለትን

15. ኣብ ኣገልግሎትና ሕያውነት ከነርኢ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ካብ ዓሚቝ ድቃስ ክትበራበር ትደሊዶ፧ ብዙሓት ሰባት ብሃንደበት ኪበራበሩ ኣይፈትዉን እዮም። መብዛሕትኡ እዋን፡ ብህድኣት ዜበራብሮም ሰብ እዮም ዚደልዩ። ንሰባት ካብ መንፈሳዊ ድቃስ ምብርባር እውን፡ ተመሳሳሊ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ እንተ ሓሪቑ፡ እንታይ እንተ ገበርካ ይሓይሽ፧ ንስምዒቱ ኽትርድኣሉን ስለቲ ቐጥታዊ ምላሹ ኸተመስግኖን ብህድኣት ክትፈላለን ይሓይሽ። (ምሳ. 15:1፣ 17:14፣ 2 ጢሞ. 2:24) ምናልባት እቲ ሰብ ብሕያውነትካ ተተንኪፉ፡ ኣብ ዚቕጽል እዋን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪራኸብ ከሎ፡ ኣወንታዊ ምላሽ ይህብ ይኸውን።

16, 17. ኣብ ኣገልግሎትና ኣስተውዓልቲ ኽንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ይኹን እምበር፡ ዋላ እውን ሓደ ሰብ ነቲ ዝርርብ ንምቍራጽ፡ “የቐንየለይ፡ ናተይ ሃይማኖት ኣለኒ” ወይ ከኣ “ኣይደልን እየ” እንተ በለ፡ ዝርርብካ ኽትቅጽል ትኽእል ትኸውን። ብኽእለትን ብሕያውነትን፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዚግደስ ኪገብሮ ዚኽእል ሕቶ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ።—ቈሎሴ 4:6 ኣንብብ።

17 ሓድሓደ ግዜ፡ ብስራሕ ትሑዛት ምስ ዝዀኑ ሰባት ክንራኸብ ከለና፡ ነቲ ዅነታቶም ኣብ ግምት ብምእታው፡ እንተ ዘየዘራረብናዮም ይሓይሽ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ኣሕጽር ኣቢልና ትርጕም ዘለዎ ነጥቢ ኸነካፍሎም ንኽእል ንኸውን። ገሊኦም ኣሕዋት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱሶም እተመራምር ጥቕሲ ብምንባብ፡ ነቲ ብዓል ቤት ሓንቲ ሕቶ ይሓትትዎ። እዚ ሕጽር ዝበለ ኣቀራርባኦም ንተገዳስነት እቲ ብዓል ቤት ስለ ዜለዓዕሎ፡ ብዝያዳ ንኺመያየጥ ይድረኽ እዩ። ኵነታት ዜፍቅዶ እንተ ዀይኑ፡ ንምንታይ ነቲ ኣቀራርባ ዘይትፍትኖ፧

18. ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ብውጽኢታዊ መገዲ ምእንቲ ኽንካፈል፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

18 ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንኽንህብ እንተ ተዳሊና፡ ነቶም ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና እንረኽቦም ሰባት፡ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚግደሱ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ጁባኦም ወይ ኣብ ቦርሳኦም ጽሑፋት ይሕዙ እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣጋጣሚ እንተ ረኺቦም ዚጥቀሙሉ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮኦም ይሕዙ እዮም። ብኸመይ ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ክትካፈል ከም እትኽእል፡ ንሓላው ኣገልግሎት ጉባኤኻ ወይ ንፈለምቲ ኽትሓትቶም ትኽእል ኢኻ።

ንኣዝማድና ብህድኣት ካብ ድቃስ ነበራብሮም

19. ንኣዝማድና ኸይተሓለልና ኽንሕግዞም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

19 ኣዝማድና ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኪቕበልዎ ምሕጋዝና ባህርያዊ እዩ። (እያ. 2:13፣ ግብ. 10:24, 48፣ 16:31, 32) ይኹን እምበር፡ ኣብ መጀመርታ ምቕባል ምስ ኣበዩና፡ ካልኣይ ሳዕ ንኽንምስክረሎም ዝነበረና ውዕዉዕ ስምዒት ይደክም ይኸውን። እንብሎ ወይ እንገብሮ ነገር፡ ሓሳቦም ከም ዘየቐይሮም ጌርና ንሓስብ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ንህይወት ወይ ንኣረኣእያ ኣዝማድና ኪቕይሮ ዚኽእል ፍጻመታት ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ፡ ብዛዕባ ሓቂ እንገልጸሉ ዝነበርና መገዲ ስለ እተመሓየሸ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ንረክብ ንኸውን።

20. ንኣዝማድካ ብሜላ ኽትዛረቦም ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

20 ንስምዒት ኣዝማድና ኸይንጐድኦ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (ሮሜ 2:4) ልክዕ ከምቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ምስ እንረኽቦም ሰባት እንገብሮ፡ ንኣዝማድና እውን ብሕያውነት ከነዘራርቦም ኣሎና። እወ፡ ኣዘራርባና ልኡምን ኣኽብሮት ዚንጸባረቖን ኪኸውን ኣለዎ። ትሰብኽ ከም ዘለኻ ኸየምሰልካ፡ ሓቂ ንዓኻ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዝጠቐመካ ኣርኢ። (ኤፌ. 4:23, 24) የሆዋ ንህይወትካ ብኸመይ ከም ዘመሓየሾን ብኸመይ ‘ዚጠቕመካ ኸም ዝመሃረካን’ ብንጹር ግለጽ። (ኢሳ. 48:17) ንኣዝማድካ፡ ሓደ ክርስትያን ብኸመይ ኪነብር ከም ዘለዎ ብኣኻይዳኻ ኣርእዮም።

21, 22. ንኣዝማድና ኸይተሓለልና ብመንፈሳዊ መዳይ ክንሕግዞም ኣገዳሲ ምዃኑ ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።

21 ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሓንቲ ሓብቲ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ኵሉ ሳዕ ብቓልን ብተግባርን ነቶም 13 ዚዀኑ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ክምስክረሎም እጽዕር ነበርኩ። ዓመት ዓመት ድማ ንነፍሲ ወከፎም ደብዳበ እጽሕፈሎም ነበርኩ። ን30 ዓመት ግና፡ ካብ ስድራ ቤትና ኣነ ጥራይ እየ ናይ የሆዋ ምስክር ነይረ።”

22 እታ ሓብቲ ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ በለት፦ “ሓደ መዓልቲ፡ ነታ ብኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ እትነብር ሓብተይ ደወልኩላ። ንቐሻ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህራ እኳ እንተ ሓተተቶ፡ ንሱ ግና መልሲ ኸም ዘይሃባ ነገረትኒ። ኣነ ኽሕግዛ ኸም ዝኽእል ምስ ነገርክዋ፡ ‘ሕራይ፣ ናይ የሆዋ ምስክር ግና ኣይከውንን እየ’ በለትኒ። ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ምስ ለኣኽኩላ፡ ሓሓሊፈ እድውለላ ነበርኩ። ኰይኑ ግና፡ ነታ መጽሓፍ ገንጺላ እውን ኣይረኣየታን። ኣብ መወዳእታኡ፡ ነታ መጽሓፍ ክትሕዛ ሓተትክዋ፣ ን15 ደቒቕ ድማ ንገሊኡ ኣብታ መጽሓፍ ዝነበረ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እናኣንበብና ተመያየጥናሉ። ከምኡ እናበልና ንእተወሰነ መዓልትታት ምስ ኣጽናዕና፡ ልዕሊ 15 ደቒቕ ከተጽንዕ ደለየት። ድሕሪኡ፡ ንሳ ባዕላ ኽትድውለለይ ጀመረት፣ ሓድሓደ ግዜ እሞ ኸኣ፡ ንግሆ ገና ኸይተንሳእኩ ኸለኹን ኣብ መዓልቲ ኽልተ ሳዕን እያ እትድውለለይ ነይራ። ንዓመታኡ ድማ ተጠምቀት፣ ድሕሪኡ ዓመት ጸኒሓ ኸኣ፡ ፈላሚት ኰነት።”

23. ሰባት ካብ መንፈሳዊ ድቃስ ምእንቲ ኺበራበሩ፡ ከይተሓለልና ኽንሕግዞም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

23 ንሰባት ካብ መንፈሳዊ ድቃስ ኪበራበሩ ምሕጋዝ፡ ክእለትን ጻዕርን ይሓትት እዩ። ኰይኑ ግና፡ ትሑታት ሰባት ነቲ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ ኣወንታዊ ምላሽ ይህቡሉ ኣለዉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ብገምጋም ልዕሊ 20,000 ዚዀኑ ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ይጥመቑ ኣለዉ። ስለዚ፡ ነቲ ጳውሎስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንኣርኪጶስ ዝሃቦ፡ “ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ” ዚብል ምኽሪ፡ ኣብ ልብና ነሕድሮ። (ቈሎ. 4:17) እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ምስባኽ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ንኽንርዳእ ክትሕግዘና እያ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]

ንቑሕ ክትከውን እትኽእለሉ መገድታት

▪ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ትሑዝ ኩን

▪ ካብ ግብሪ ጸልማት ርሓቕ

▪ መንፈሳዊ ድቃስ ሓደገኛ ምዃኑ ኣስተውዕል

▪ ብዛዕባ እቶም ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

▪ ሓድሽ ሜላ ስብከት ክትጥቀም ፈትን

▪ ኣገልግሎትካ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘክር

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ