ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 15/6 ገጽ 3-6
  • ‘ንመገዲ እግርኻ ብምቕናዕ’ ዕቤት ግበር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንመገዲ እግርኻ ብምቕናዕ’ ዕቤት ግበር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጽቡቕ ውሳነታት ብምግባር፡ መገድኻ ኣዳሉ
  • ካብ መገድኻ ዕንቅፋታት ኣወግድ
  • ኣብታ ናብ መንፈሳዊ ዕቤት እትወስድ መገዲ ተመላለስ
  • ኣቱም መንእሰያት፡ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ዲኹም እተተኵሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ኣቱም መንእሰያት: ሕጂ ንፈጣሪኹም ዘክርዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • መንፈሳዊ ሸቶታት ብምውጻእ ንፈጣሪኻ ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 15/6 ገጽ 3-6
ብዙሕ ዕንቅፋት ዘለዎ መገዲ

‘ንመገዲ እግርኻ ብምቕናዕ’ ዕቤት ግበር

ህዝቢ ኣምላኽ ብ537 ቅ.ክ. ካብ ባቢሎን ምስ ወጹ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ህዝቡ ናብ የሩሳሌም ዚምለሱሉ መገዲ ይግደስ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ህዝቢ፡ “መገዲ ነቲ ህዝቢ ኣዳልዉሉ፡ ኣጣጥሑ፡ መገዲ ጽርግያ ኣጣጥሑ፡ ኣእማን ጽረጉ” በሎም። (ኢሳ. 62:10) ገሊኦም ኣይሁድ ነቲ የሆዋ ዝበሎም ንምትግባር እንታይ ከም ዝገበሩ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እቶም ኣቐዲሞም ዝኸዱ ኣይሁድ፡ መገዲ ኣዳልዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ምናልባት እውን ነቲ ኣብቲ መገዲ ዝነበረ ጐዳጕዲ መሊኦምዎን ነቲ ሓባጥ ጐባጥ መገዲ ኣጣጢሖምዎን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ ሳላ ዝገበሩ ድማ፡ ነቶም ንዓታቶም ስዒቦም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣሕዋቶም ብዙሕ እዮም ሓጊዞምዎም።

ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣብነት፡ ምስቲ ናብ መንፈሳዊ ሸቶታት ዚመርሕ መገዲ ኸነመሳስሎ ንኽእል ኢና። የሆዋ፡ ኵሎም ኣገልገልቱ ኣብቲ ናብ መንፈሳዊ ሸቶታት ዚመርሕ መገዲ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ኪመላለሱ እዩ ዚደሊ። ቃሉ፡ “ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ፡ ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹን” ኢሉ የተባብዓና እዩ። (ምሳ. 4:26) መንእሰይ ኩን ዓብዪ ብዘየገድስ፡ እዚ እተጠቕሰ ኣምላኻዊ ምኽሪ ጥበባዊ ምዃኑ ኽትግንዘብ ትኽእል ኢኻ።

ጽቡቕ ውሳነታት ብምግባር፡ መገድኻ ኣዳሉ

ገሊኦም ሰባት፡ ብዛዕባ ሓንቲ ጐርዞ፡ “ከምኣ ኣሳልጦ ዝረኸበ የለን፡” ወይ ከኣ ብዛዕባ ሓደ ዀተቴ፡ “ንሱ እኮ ኣዝዩ ንፉዕ እዩ” ኺብሉ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። እወ፡ መንእሰያት ብሓፈሻኡ ጽቡቕ ጥዕናን ቅልጡፍ ኣእምሮን ኣሳልጦ ናይ ምርካብ ሓያል ባህግን ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ” ኺብል እምበኣር ሓቁ እዩ። (ምሳ. 20:29) ንተውህቦኡን ንጕልበቱን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዜውዕሎ መንእሰይ፡ መንፈሳዊ ሸቶታቱ ኺወቅዕን ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪረክብን ይኽእል እዩ።

ከምቲ እትፈልጦ ግና፡ መንእሰያትና ዘለዎም ክእለት ኣብ ዓለም ኣኽቢርካ እዩ ዚርአ። ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ትምህርቱ እንተ ነፊዑ፡ ኣማኸርቲ ቤት ትምህርቲ፡ መምህራን፡ ወይ ከኣ መማህርቱ፡ ኣብዚ ስርዓት ዓለም እዚ ኣሳልጦ ምእንቲ ኺረክብ፡ ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ ንኺኣቱ ጸቕጢ ይገብሩሉ ይዀኑ። ወይ ድማ ሓደ መንእሰይ ሓው ወይ ሓብቲ ስፖርታዊ ኽእለት እንተ ኣልይዎ፡ ገሊኦም ኣብቲ ሞያ ዘለዉ ሰባት ነቲ መንእሰይ፡ ናብ ስፖርት ንኺኣቱ ይሓባብልዎ ይዀኑ። ንዓኻኸ ኸምዚ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ወይ ከምዚ ዓይነት ጸቕጢ ዘጋጠሞ ሰብ ትፈልጥዶ፧ ሓደ ክርስትያን ጥበባዊ ምርጫ ምእንቲ ኺገብር፡ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

ሓደ ክርስትያን ኣብቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ምእንቲ ኺጓዓዝ፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። መክብብ 12:1፡ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ትብል። ንስኻ ወይ መንእሰይ ፈታዊኻ ‘ንፈጣሪኹም ብዝበለጸ መገዲ ኽትዝክርዎ’ እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧

ነቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዚነብር ኢሪክa ዘጋጠሞ ነገር እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ኵዕሶ እግሪ ምጽዋት፡ ኣዝዩ እዩ ዚፈቱ። ወዲ 15 ዓመት ከሎ፡ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኺጻወት ተሓርዩ ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ናብ ኤውሮጳ ኼድካ ፍሉይ ስልጠና ስፖርት ምርካብ፡ ምናልባት እውን ክኢላ ተጻዋቲ ዅዕሶ እግሪ ምዃን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ኢሪክ ከምኡ እንተ ገይሩ ግና፡ ‘ንፈጣሪኡ ኺዝክሮ’ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ እዚ ኣብነት እዚ፡ ንዓኻ ዀነ ንመንእሰያት ብጾትካ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዚዀነኩም፧

ኢሪክ ገና ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸሎ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ፈጣሪኡ ንጸገማት ደቂ ሰብ ንሓዋሩ ኸም ዚፈትሖ ድማ ተማህረ። ንግዜኡን ንጕልበቱን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ኪጥቀመሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸኣ ተገንዘበ። ነዚ ሓቂ እዚ ስለ እተገንዘበ ድማ፡ ክኢላ ተጻዋቲ ዅዕሶ እግሪ ንምዃን ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ኣቋረጾ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ተጠሚቑ ንግዜኡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኬውዕሎ ጀመረ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀነ፣ ጸኒሑ እውን፡ ኣብቲ ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪካፈል ጻውዒት ቀረበሉ።

ኢሪክ ንስፖርት ሞያኡ እንተ ዚገብሮ ነይሩ፡ ዝናን ሃብትን ምረኸበ። ኰይኑ ግና፡ ንሓቅነት እቲ፡ “ንሃብታም እቲ ጥሪቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ፡ ብሓሳቡ ኸኣ ከም ክብ ዝበለ ቀጽሪ እዩ” ዚብል ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። (ምሳሌ 18:11) እወ፡ ብሃብቲ ኣቢልካ ዚርከብ ድሕንነት፡ ሕልሚ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቶም ደድሕሪ ሃብቲ ዚጐይዩ ሰባት፡ መብዛሕትኡ እዋን ‘ንርእሶም ብብዙሕ ስቓይ እዮም ዚወጋግኡ።’—1 ጢሞ. 6:9, 10።

እቲ ዜሐጕስ፡ ብዙሓት መንእሰያት ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምእታው፡ ባህታን ቅሳነትን ይረኽቡ ኣለዉ። ኢሪክ፡ “ምስታ ንየሆዋ እተገልግል ዓባይ ‘ጋንታ’ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እየ ተጸምቢረ። እዛ ጋንታ እዚኣ ዝበለጸት እያ፣ የሆዋ ነታ ናብ ናይ ሓቂ ሓጐስን ኣሳልጦን እትመርሐ እንኮ መገዲ ንኽፈልጣ ስለ ዝሓገዘኒ አመስግኖ እየ” በለ።

ንስኻኸ ኣብ ክንዲ ደድሕሪ ዓለማዊ ሸቶታት እትስዕብ፡ ፈላሚ ብምዃን፡ ‘ጐደናኻ’ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንኸተጽንዕ ስለምንታይ ዘይትጽዕር፧—“ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኽረኽቦ ዘይክእል ጥቕሚ እየ ረኺበ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ካብ መገድኻ ዕንቅፋታት ኣወግድ

ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እናዞሩ ኺርእዩ ኸለዉ፡ እቶም ኣብኡ ዚርከቡ ንየሆዋ ዜገልግሉ ቤት-ኤላውያን፡ ሕጉሳት ምዃኖም ኣስተብሃሉ። እታ ሓብቲ ጸኒሓ፡ “እቲ በብመዓልቱ እንገብሮ ዝነበርና ነገራት፡ እኹል ኰይኑ እዩ ዚስምዓና ነይሩ” ኢላ ጸሓፈት። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን፡ ንግዜኦምን ንጕልበቶምን ብዝያዳ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኼውዕልዎ ወሰኑ።

እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ለውጢ ኺገብሩ ኸቢድዎም ነይሩ እዩ። ሓደ መዓልቲ ግና፡ ነታ ዜንብብዋ ዝነበሩ ጥቕሲ ዕለት ኣስተንተኑላ። እታ ጥቕሲ፡ ዮሃንስ 8:31 እያ ነይራ፣ የሱስ ኣብታ ጥቕሲ፡ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም” ኢሉ ኣሎ። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ኣእምሮኦም ብምሓዝ፡ “ንናብራና ቐሊል ንምግባር እንገብሮ ጻዕሪ ረብሓ ኣለዎ” ኢሎም ሓሰቡ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ነቲ ዓብዪ ቤቶም ሸጥዎ፣ ንገዛእ ርእሶም ካብ ዝዀነ ይኹን ጾር ናጻ ብምግባር ድማ፡ ሓገዝ ናብ ዜድልያ ጉባኤ ገዓዙ። ሕጂ ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ፣ ብዘይካዚ፡ ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይካፈሉ እዮም፣ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ እውን ብወለንታ ይዓይዩ እዮም። እሞኸ እንታይ ይስምዖም፧ “ንናብራና ቐሊል ብምግባርን ነቲ ውድብ የሆዋ ዚህበና ምትብባዕ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ዝረኸብናዮ ሓጐስ ኣዝዩ እዩ ዜደንቐና” በሉ።

ኣብታ ናብ መንፈሳዊ ዕቤት እትወስድ መገዲ ተመላለስ

ሰሎሞን፡ “ኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርአያ፡ ቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳ. 4:25) ልክዕ ከምቲ ንቕድሚት ዜተኵር ዘዋር ማኪና፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ንኸይነውጽእን ኣብኡ ንኸይንበጽሕን ካብ ዚዓናቕፈና ነገራት ክንርሕቕ ኣሎና።

. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንንእስነቶም ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኪጥቀሙሉ ኸለዉ፣ 2. ዕንቅፋት እተወገደሉ መገዲ

እንታይ ሸቶታት ኢኻ ኸተውጽእ እትኽእል፧ ሓደ ጽቡቕ ሸቶ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምጅማር እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ንስኻ እትነብረሉ ቦታ እትርከብ፡ ነቲ ሰፊሕ ክላ ንምሽፋን ሓገዝ ተመክሮ ዘለዎም ሰበኽቲ ኣብ ዜድልያ ጉባኤ ኸተገልግል ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ሓው እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሓንቲ ብዙሓት ንፉዓት ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ፡ ግናኸ ሒደት ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዘለዉዋ ጉባኤ ኸተገልግል ትኽእል ኢኻ። እሞኸ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መዳያት ክትሕግዝ ትኽእልዶ፧ ኣበየናይ መዳይ ክትሕግዝ ከም እትኽእል ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንምንታይ ንሓላው ወረዳኻ ዘይተዘራርቦ፧ ኣብ ርሑቕ ቦታ ኼድካ ኸተገልግል እንተ ደሊኻ፡ ብዛዕባ እተን ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚርከባ ሓገዝ ዜድልየን ጉባኤታት፡ ሓበሬታ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።b

ናብቲ ኣብ ኢሳይያስ 62:10 እተጠቕሰ ፍጻመ እስከ ንመለስ። ገሊኦም ኣይሁድ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብዘይ ጸገም ኣብ የሩሳሌም ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ነቲ ናብ ዓዶም ዚወስዶም መገዲ ንምጥጣሕን ንምጽራግን ብዙሕ ጽዒሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንስኻ እውን ነቲ ምስ ቅዱስ ኣገልግሎት ዚተሓሓዝ ሸቶታትካ ንምውቃዕ ትጽዕር እንተ ኣሊኻ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ብሓገዝ ኣምላኽ ንሸቶታትካ ኽትወቕዖ ኢኻ። ዕንቅፋታት ንምውጋድ ኣብ እትጽዕረሉ እዋን ጥበብ ምእንቲ ኺህበካ፡ ንየሆዋ ብቐጻሊ ለምኖ። የሆዋ ‘ንመገዲ እግርኻ ንኸተቕንዕ’ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ድማ ክትርኢ ኢኻ።—ምሳ. 4:26።

a ስም ተቐዪሩ እዩ።

b ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ፡ ገጽ 111-112 ርአ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዘይርከብ ጥቕሚ

ፍላቪያ

ፍላቪያ ገና ንእሽቶ ቘልዓ ኸላ፡ እታ ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረት ዓባያ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ትነግራ ነበረት። ይኹን እምበር፡ ኣቦ ፍላቪያ መምህር ስለ ዝነበረ፡ ጓሉ ብዛዕባ ተፈጥሮ ናይ ምፍላጥን ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ ምእታውን ባህጊ ኸም ዚህልዋ ገይሩ እዩ ኣዕብዩዋ። ገሊኦም ሰባት ድማ፡ “ናታትኩም ወለዶ ንምድሪ ኻብ ጕድኣት ኬድሕና ይኽእል እዩ” ይብሉዋ ነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ ፍላቪያ ኣቦኣ እናሓገዛ፡ ናብ ኣዝዩ ብሉጽ ዩኒቨርሲቲ ኣተወት፣ ጽሩይ ነዳዲ ኺርከበሉ ብዛዕባ ዚኽእል መገዲ ድማ ክትመራመር ጀመረት።

ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ፍላቪያ፡ ብዙሓት ተመሃሮ ‘ንምድሪ ብዛዕባ ምድሓን’ ዋላ ሓንቲ ተገዳስነት ከም ዘይብሎም ተገንዘበት። ብዘይካዚ፡ ገሊኡ መደባት እቲ ዩኒቨርሲቲ ብሰብ ንግዲ ይምወል ስለ ዝነበረ፡ ገሊኦም ተመራመርቲ ነቲ ዚምውሎም ትካል ናይ ምድጋፍ ዝንባለ ነበሮም። እዚ ኸኣ ንፍላቪያ ኣጕሃያ። ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤታ መጺኦም ምስ ኣዘራረቡዋ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ መጻእን ዚብሎ ነገራት ዝነበራ ተገዳስነት እንደገና ተለዓዓለ።

ፍላቪያ ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ተቐቢላ ተጠምቀት። ዝለዓለ ዲግሪ ንኽትረክብ ተጽንዕ ስለ ዝነበረት ግና፡ ንስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚኸውን ግዜ ኽትረክብ ኣጸገማ። ሓደ መዓልቲ፡ ፍላቪያ፡ ሓደ ሓላው ወረዳ ብዛዕባ እታ፡ “እቲ ቕኑዕ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንዕኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ” እትብል ያእቆብ 4:17 ኺገልጽ ከሎ ሰምዓቶ። እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ዅነታታ ኸም እትሓስብ ገበራ። “ብሓደ ሸነኽ፡ የሆዋ ኺባርኸኒ እደሊ ነይረ፣ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ካብቲ ምስ ስነ ፍልጠት ዚተሓሓዝ ስራሐይ ዕግበት ክረክብ እደሊ ነይረ። ኰይኑ ግና፡ ሓዲኡ ኽመርጽ ነበረኒ” በለት።

ፍላቪያ ነቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እትገብሮ ዝነበረት መጽናዕቲ ኸተቋርጾ ወሰነት። እዚ ግና የጣዕሳ ድዩ፧ ከምዚ በለት፦

“ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኽረኽቦ ዘይክእል ጥቕሚ እየ ረኺበ። ደገፍ የሆዋ ድማ ኣይተፈልየንን። የሆዋ፡ ለዋህን ፈቃርን ንክኸውን፡ ንኻልኦት ሰባት ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ንኽሕግዞም ምሂሩኒ እዩ። ጽቡቕ ሓዳርን ካብቲ ስነ ፍልጠት ኪህቦ ዚኽእል ዚበልጽ መጻእን ኣሎኒ። ንምድሪ ኼድሕና ዚኽእል፡ የሆዋ ጥራይ እዩ። ንዕኡ ድማ ፈጺመ ዝባነይ ኣይህቦን እየ።” ፍላቪያን ሰብኣያን ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ዜገልግሉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ