ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 15/12 ገጽ 3
  • ‘ነቲ መገዲ ፈሊጥዎ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ነቲ መገዲ ፈሊጥዎ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓደስቲ ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ሓድሽ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ሓድነትን ዜደንቕ ውጥናትን ዚጐልሓሉ ኣኼባ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ውፉይ ዝዀነ ህይወት ክነብር እደሊ ነይረ
    ታሪኽ ህይወት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 15/12 ገጽ 3
ጋይ ፒርስ

‘ነቲ መገዲ ፈሊጥዎ’

እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ጋይ ሆሊስ ፒርስ፡ ብሰሉስ 18 መጋቢት 2014 ምድራዊ ህይወቱ ዛዚሙ። ሓደ ኻብቶም ካብ ሞት ዝተንስኡ ኣሕዋት ክርስቶስ ናይ ምዃን ተስፋኡ ኺፍጸም ከሎ፡ ወዲ 79 ዓመት እዩ ነይሩ።—እብ. 2:10-12፣ 1 ጴጥ. 3:18።

ጋይ ፒርስ ብ6 ሕዳር 1934 ኣብ ኦበርን፡ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እዩ ተወሊዱ፣ ብ1955 ድማ ተጠሚቑ። ምስታ ዚፈትዋ ሰበይቱ ፔኒ ብ1977 ተመርዕዮም ድማ ደቆም ኼዕብዩ ጀመሩ። ከም ኣቦ ስድራ ዀይኑ ዘሕለፎ ህይወት፡ ኣባታዊ ባህርይ ከም ዚህልዎ ገይሩ እዩ። ብ1982 ንሱን ፔኒን ኣብ ዕዮ ፈላምነት ብትግሃት ይዓይዩ ነበሩ፣ ካብ 1986 ጀሚሩ ኸኣ ንሱ ን11 ዓመት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ኣገልገለ።

ብ1997 ጋይ ፒርስን ፔኒ ፒርስን ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዀይኖም ኬገልግሉ ጀመሩ። ሓውና ፒርስ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ይዓዪ ነበረ፣ ብ1998 ድማ ሓጋዚ ፐርሶነል ኮሚተ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ንኼገልግል ተሸመ። ብ2 ጥቅምቲ 1999 ከኣ ናይ ፐንስልቨንያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዝገበሮ ዓመታዊ ኣኼባ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ከም ዝዀነ ምልክታ ተነግረ። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ምስ ኮሚተ ፐርሶነልን ኮሚተ ጽሕፈትን ኮሚተ ሕትመትን ኮሚተ ኣተሓባባርን ዓይዩ እዩ።

ሓውና ፒርስ ባህ ዜብል ፍሽኽታ ስለ ዝነበሮን ተዋዛያይ ስለ ዝነበረን፡ እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ባህልን ዘለዎም ሰባት ብቐሊሉ እዮም ዚቐርብዎ ነይሮም። ልዕሊ ዅሉ ኸም ዚፍቶ ዝገበሮ ባህርያት ግና፡ ፍቕሩን ትሕትናኡን ንሕግታትን ንስርዓታትን ጽድቂ ዝነበሮ ኣኽብሮትን ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ምሉእ ተኣማንነትን እዩ። ንሓውና ጋይ ፒርስ፡ ተስፋታት የሆዋ ኸይተፈጸመ ኻብ ዚተርፍ፡ ጸሓይ ከይበረቐት እንተ እትተርፍ እዩ ዚቐልሎ፣ ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ምእዋጅ ድሌት ድማ ነበሮ።

ሓውና ፒርስ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ብትግሃት ዓይዩ እዩ፣ ኣንጊሁ ብምትንሳእን ክሳዕ ምሸት ኣምስዩን ይሰርሕ ነበረ። ንክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ንምትብባዕ ናብ መላእ ዓለም ተጓዒዙ እዩ፣ ምስቶም ምሕዝነቱን ምኽሩን ሓገዙን ደልዮም ዚቐርብዎ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤልን ካልኦትን እውን፡ ግዜ የሕልፍ ነበረ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እውን እንተ ዀነ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ ንእንግዶቱን ንዕርክነቱን ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምትብባዑን ይዝክርዎ እዮም።

እቲ ሓውናን ፍቑር ፈታዊናን ዝነበረ ፒርስ፡ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ሽዱሽተ ቘልዑን እዩ ነይሩ፣ ብዘይካዚ፡ ደቂ ደቅን ደቂ ደቁ ዝወለድዎም ውሉዳትን ነይሮምዎ እዮም። ብዙሓት መንፈሳውያን ደቂ እውን ነበርዎ። ቀዳም 22 መጋቢት 2014 ኣብ ቤት-ኤል ብሩክሊን፡ ናይ ሓውና ፒርስ መደረ ቐብሪ በቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ማርክ ሳንደርሰን ቀረበ። ሓውና ሳንደርሰን፡ ሓውና ፒርስ ብዛዕባ ዝነበሮ ሰማያዊ ተስፋ ገለጸ፣ ነዚ ዚስዕብ ቃላት የሱስ ድማ ኣንበበ፦ “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ። . . . ከይደ ቦታ ዘዳልወልኩም ካብ ኰንኩ፡ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንስኻትኩም እውን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ተመሊሰ ኽመጽእን ናባይ ክወስደኩምን እየ። እቲ ዝኸዶ እውን፡ መገዱ ትፈልጥዎ ኢኹም።”—ዮሃ. 14:2-4።

ሓቂ እዩ፡ ንሓውና ፒርስ ብዙሕ ክንናፍቖ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ‘ንመገዲ’ እቲ ነባሪ ‘መንበሪኡ ዚፈልጦ’ ምዃኑ የሐጕሰና እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ