ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/4 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/4 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንደቂ ሰብ ኣብ መጻኢ እንታይ ተዳልዩሎም ኣሎ፧

ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ካብ ካልእ ዓሌት ንዝዀነት ኣረጋዊት ፍቕሮም ኪገልጹላ ኸለዉ

ሞት የሱስ ንሓድሕዶም ዚፋቐሩ ሰባት ዝሓቘፈ ሕብረተ ሰብ ዜቕውም ብኸመይ እዩ፧

ደቂ ሰብ ስነ ፍልጠታዊ ምዕባለታት ምግባሮም ከም ዚቕጽሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ግናኸ፡ ንሓድሕዶም ዚተሓላለዩ ሰባት ዝሓቘፈ ሕብረተ ሰብ ባዕሎም ኬቝሙ ይኽእሉ ድዮም፧ ኣይፋሎምን። ሎሚ ዓለም ብስስዐ እያ እትምራሕ ዘላ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዚጠቅም ዕላማ ኣለዎ።—2 ጴጥሮስ 3:13 ኣንብብ።

ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ዚመጽእ እዋን ንሓድሕዶም ዚፋቐሩ ሰባት ዝሓቘፈ ዓለምለኻዊ ሕብረተ ሰብ ከም ዚህሉ ይገልጽ እዩ። ሽዑ ሰባት ብደሓን ኪነብሩ፡ ዚጐድኦም ከኣ ኣይኪህሉን እዩ።—ሚክያስ 4:3, 4 ኣንብብ።

ስስዐ ብኸመይ እዩ ኺውገድ፧

ኣምላኽ ንሰብ ኪፈጥሮ ኸሎ፡ ሰብ ዝዀነ ይኹን ናይ ስስዐ ባህርይ ኣይነበሮን። እቲ ቐዳማይ ሰብ ግና፡ ብምርጫኡ ንኣምላኽ ብዘይምእዛዙ፡ ፍጽምናኡ ኣጥፍአ። ንዓና ኸኣ ናይ ስስዐ ባህርይ ኣውረሰና። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢሉ ንደቂ ሰብ ፍጹማት ኪገብሮም እዩ።—ሮሜ 7:18, 21, 24, 25 ኣንብብ።

የሱስ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብምስምማዕ፡ መስዋእቲ ዀይኑ ሞተ፡ ነቲ ብሰሪ ዘይምእዛዝ እቲ ቐዳማይ ሰብ ንዝመጸ ሳዕቤናት ደምሲስዎ እዩ። (ሮሜ 5:19) የሱስ በዚ ኸምዚ ኣቢሉ፡ ካብቲ ጌጋ ንምግባር ዚድርኽ ናይ ስስዕ ባህርይ ናጻ ዝዀኑ ሰባት ዝሓቘፈ ሕብረተ ሰብ ኬመጽእ እዩ።—መዝሙር 37:9-11 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 ርአ

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ