ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/7 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/7 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

እከይ ካበይ እዩ መጺኡ፧

የሱስ ነቲ ድያብሎስ ኵለን መንግስትታት ዓለም ኪህቦ ዜቕረበሉ ዕድመ ነጸጎ

ንየሱስ ዝፈተኖ መን እዩ፧ —ማቴዎስ 4:8-10

ሰባት ብባህርዮም ሰላማውያን፡ ሓቀኛታት፡ ከምኡ እውን ሕያዎት ኪዀኑ እዮም ዚደልዩ። ስለምንታይ ደኣ ኢና እሞ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዓመጽን ዘይፍትሓውነትን ጭከናን እንርኢ፧ ዜሰንብድ ጸብጻባት ዜና ኸኣ ልሙድ እዩ። ሰባት ሕማቕ ነገራት ኪገብሩ ዚደፋፍእ ኣካል ኣሎዶ፧—1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንሰባት እኩይ ነገራት ናይ ምግባር ዝንባለ ዘለዎም ገይሩ ድዩ ፈጢርዎም፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብመልክዑ፡ ማለት ንፍቕሪ ኣምላኽ ናይ ምቕዳሕ ዝንባለ ዘለዎም ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። (ዘፍጥረት 1:27፣ እዮብ 34:10) ይኹን እምበር፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘለዎም ገይሩ ብምፍጣር እውን ኣኽቢርዎም እዩ። እቶም ቀዳሞት ወለድና ኽፉእ ነገር ኪገብሩ ብምምራጾም፡ ንኣምላኽ ኪመስልዎ ኣይደለዩን፣ ዘይፍጹማት ድማ ኰኑ። ሓጢኣት ንምግባር ዘሎና ዝንባለ እምበኣር ካብኦም ኢና ወሪስናዮ።—ዘዳግም 32:4, 5 ኣንብብ።

እከይ ንሓዋሩ ኪቕጽል ድዩ፧

ኣምላኽ ነቲ ሕማቕ ናይ ምግባር ዝንባለታትና ኽንቃለሶ እዩ ዚደልየና። (ምሳሌ 27:11) ስለዚ ኸኣ፡ ሕማቕ ነገር ካብ ምግባር ብኸመይ ከም እንርሕቕን ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ከም እንረክብን ይምህረና እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግና ንፍቕሪ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ከነንጸባርቓ ኣይንኽእልን ኢና።—መዝሙር 32:8 ኣንብብ።

ሎሚ፡ እከይ ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተሎ፡ ኣምላኽ ንግዜኡ ጥራይ እዩ ኪቕጽል ፈቒዱ፣ እዚ ኸኣ ኵሎም ሰባት ነቲ ዜሕዝን ሳዕቤናት እከይ ምእንቲ ኺርእይዎ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:7-9) ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ምድሪ በቶም ንኣምላኽ ዚእዘዝዎ ሕጉሳት ሰባት ክትመልእ እያ።—መዝሙር 37:9-11 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ርአ

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ